ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ወዲ የማነ

ቅድሚዛ መዓልቲዚኣ ምስ ፖሊስ ዝተራኸብኩለን መዓልታት ምስዛ ዳሕረወይቲ መዓልቲዚኣ ዋላ ንፈውሲ ማሕላ ብፍጹም ኣይነጻጸራን እየን። ክዛረብ ዕድል ከይሃቡ፡ በዲለ ድየ ኣይበደልኩን’ውን ከይሓተቱ፡ ተሳሂሎምኒ። እቶም ክልተ በበትሮም ሒዞም፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ብቕልዒትን ጕስጢን ምዝራብ ክሳብ ዝስእን ምንህንህ ኣቢሎም ኣብ ባይታ ሰጢሖምኒ። እቲ ዝዘነበኒ ውቅዒቶም ኣብ ኣእምሮይ እናደጋገምኩ፡ ንነብሰይ ከም ሓንቲ ብጅግጅግ ዝበለት ብላይ ጨርቂ ሰኣልኩዋ። ገጸይ ዝዓንበሰ ኰይኑ ይስመዓኒ ነይሩ፣ ካልእ ኣካላተይ ድማ ክብጠሳ ቍሩብ ብዝተረፈን ኣፋትል ዝተንጠልጠላ ኰይነን ተሰሚዐናኒ። እቶም ኣባላት ፖሊስ፡ ላህሊሆም እንተ ዘይገድፉኒ እተን ኣፍታል ምተበታተኻ።
ናብቲ ሓላፊ መደበር ወሲዶም ኣብ ቅድሚኡ ኮፍ ኣበሉኒ። እቲ ሓላፊ፡ ንሓደ ርብዒ ሰዓት ኣቢሉ ኣብ ሓንቲ ወረቐት ክጽሕፍ ቅንዕ ኢሉ’ውን ኣይረኣየንን። እቲ ተረውተረው ዝብል ስምዒት ናይቲ ብማህረምቲ ዝበሰለ ሰብነተይ ንዓመታት ዝተጸበኹ ኰይኑ ከም ዝስመዓኒ ገበረ።
ቃንዛይ ንምርሳዕ፡ ነቲ እቲ ሓላፊ መደበር ዝጽሕፎ ዝነበረ ጽሑፍ ከንብብ፡ ሰሪቐ ብጎቦ ዓይነይ ጠመትኩዎ። ብዘይካ እቲ ተጻሒፉ ዝነበረ ዕለት፡ ካልእ ክንበበለይ ኣይከኣለን። ብማህረምቲ’ዶ ኣዒንተይ ምስራሕ ኣብየን ኢላ ድማ ፈራሕኩ። ግን ነቲ ዕለት ካብ ኣንበብኩዎስ፡ ኣዒንተይ ድሓን ምንባረን ተረዳእኩ። ጽሕፈቱ ጅርግዕጋዕ ኰይኑ’ዩ ዝኸውን ምንባብ ኣብዩኒ ዝኸውን በልኩ። ከይተጸበኹዎ ድማ፡ ብጎርናዕ ድምጺ ክዛረበኒ ጀመረ።
ኢሂ ጽጋባ፡” ኢሉ ኣብ መንበሩ እናተመጣለዐ ፒሮኡ ኣብቲ ጠረጴዛ ኣቐመጣ።
ስንብድ ኢለ ጠመትኩዎ፣ ክዛረበኒ ፍጹም ኣብ ትጽቢተይ ኣይነበረን።
ክንዲ ኣብ ትደልዮ ቦታ ዘብጽሓካስ ትሃርሞ! ኣሞ ድማ ንወዲ የማነ! ናይ እንዳ መን ጽጋባ ትበሃል ወደይ ንስኻ፧ በል’ስከ እንታይ ገይሩኒ ኢልካ ኢኻ’ኸ ክተመኽኒ፧”
ዝገበረኒ ድኣ…” ክምልስ ጅምር ምስ ኣበልኩ፡ ብድድ ኢሉ ብጽፍዒት ኣላደደኒ።
መነ ተዛረብ ኢሉካ፧ ኣነ መልስ ኢለካ፧” ኣዒንቱ ኣፍጢቱ ኣጓጠጠለይ።
ምሽ ስለምንታይ ሃሪምካዮ ኢልካኒ፧”
ደጊሙ ኣላደደኒ።
መልሰለይ’ዶ ኢለካ’የ፧ ክንደዲኡ ክደፍርዩ’ኸ፧ ኣብ ዝለመድካዮ ትገብሮ ሐራይ፧ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኢኻ ዘሎኻ፡ ብኣገባብ ትምልስ ሐራይ፧”
ሐራይ ኢለ ንምምላስ ድንዕ በልኩ፣ ምንቅስቓስ ኣእዳዉ እናተኸታተልኩ ግን ርእሰይ ብኣወንታ ክንቕንቕ ጥራይ’የ ክኢለ።
እንታይ ኰይነ ኢልካ ኢኻ ንወዲ የማነ ሃሪምካዮ፧” ኢሉ ሓቲቱኒ ሕቖኡ ኣብ መንበሩ ኣመሻሺኡ ኣጸጊዑ ጠመተኒ። ከናፍረይ ከም ዝተሸርባ ከይከፈትኩወን ዓይኒዓይኑ ጠመትኩዎ። “ንዓኻ እንድየ… መልስ፡” ጨዲሩ ኣበራበረኒ። እንታይ ዓይነት ጸገም’ዩ፧ኢለ ብውሽጠይ ኣስተንተንኩ። ተዛሪብካ ኢሉ ክጭልግመኒ ከም ዘይጸነሐ፡ ተገልቢጡ ዘይተዛረብካ ኢሉ ድማ ብምጕጣጡ ጋን ተሰራሕኩ።
ክምልሰሉ እንተ ኰይነ፡ ካብ መጀመርያ ክጅምር ከፍቅደለይ ምስ ሓተትኩዎ፡ ብንዕቀት ርእሱ ነቕነቐ። ሓጺር ተዛሪብካ ኢሉ እንተ ጸፍዓኒ’ውን መን ከይሓቶ፣ ኣንዊሕካ’ዮ ተበለኒ’ውን ኵሉ ሓደ። ምጽፋዕ ምጽፍዑስ፡ ነዊሕ ተዛሪበ እንተ ተጸፋዕኩ ይሓይሽ ኢለ ሓሰብኩ። እርይቍጽር ኣቢለ ድማ፡ ካብ መጀመርያ ነገርኩዎ።
ንነብሰይ ፈሪሐላ ስለ ዘይፈልጥ፡ ፍርሐይ ንነብሰይ ኣይነበረን። ኣብታ ኣውቶቡስ፡ ሕቋፋት ሕጻናት፡ ተማሃሮ፡ ንኣሽቱ ኣደታት፡ መንእሰያት ከምኡ’ውን ሽማግለታት ነበሩ። ፍርሐይ እምበኣር ንዓኣቶም’ዩ ዝነበረ። ናብታ ኣውቶቡስ ተጓኒጸ ክሳፈር እንከሎኹ፡ ክሳብ ክንድኡ ብሰብ ዓቕላ ዝጸበባ ኣይመሰለንን ነይሩ።
ነቲ ናይ ዓርቢ ዕዳጋ ሕምብርቲ ክጥዕሞም፡ ብድሮ ናብኡ ዝውሕዙ ሸቃጦ ይዅኑ ደቂ ዓዲ ብዙሓት እዮም። እታ ኣውቶቡስ መሊኣን ብዙሓት’ውን ደው ኢሎምን እናረኣኹ፡ ኣነ’ውን ስራሐይ ምእንቲ ከሳልጥ ከይተማታእኩ’የ ደይበ። ኣብ መንጎ’ቲ መናብር ዝርከብ መተሓላለፊ ንዝነበረ ቍጽርጻር መሸማዓት ፈጓፊገ ንኣእጋረይ መቐመጢ ረኸብኩለን። እንተዀነ፡ ሰብነተይ ዘይንቡር ቅርጺ ብምሓዙ ተጻገምኩ። ሰንቀ መቐመጢ ኣቝሑ’ታ ኣውቶቡስ፡ ልክዕ ከምቲ ጥቓ ኣእጋረይ ዝነበረ ቍጽርጻራት መሸማዕን ሳናጡን መሊኡ ነበረ። ኣብኡ ንኽሕዝ’ውን ብዙሕ ኣይመሸኣንን። እታ ሓንቲ ክገብራ ዝነበረኒ፡ ተጸሚመ ጕዕዞይ ምፍጻም’ያ ዝነበረት።
መራሒ’ታ ኣውቶቡስ ብዘይካ ደይብ፡ መሊኣ ዘይፈልጥ ብምንባሩ ብድሕረይ’ውን ብዙሓት ደየቡ፣ አረ ገሊኦምስ ማዕጾ ከም ገለ እንተ ተኸፊቱ ከይፈሱ ዘፍርሕ’ዩ ዝነበረ። ኵሎም’ቶም ተሳፈርቲ፡ ነቲ ጽቕጥቅጥ ከም ንቡር ዝወሰዱዎ’ዮም ዝመስሉ ዝነበሩ። እቲ ጕዕዞ ከመይ ኢሉ ይሰልጦ እምበር፡ ብዛዕባ ምሽኡነት ዝሓሰበ ተሳፋራይ ዝነበረ ኣይመስልን። ኣሳልጦ’ውን ምንዮትና’ዩ እምበር ነይሩ፡ እቲ መራሕመኪና’ሲ ክወርድን ክድይብን፡ ምስ ዝሓለፉ ሰብ ኣውቶቡስ ዕላላት ከፊቱ ክስሕቕን ብዙሕ ግዜ ድኣ ቀተለ። ንዕኡ ዘገድሶ ናይታ መዓልቲ እቶት ርጉጽ ገይሩዎ ብምንባሩ፡ ነቲ ንእቶቱ ትሑዝ ዝገበረሉ ስራሕ ግን ይፈጸም ኣይፈጸም ግዲ ዝገበረ ኣይመስልን’ዩ ነይሩ።
ዋጭዋጭ ተሳፈርቲ ሕንባበ ዝፈጥር እንተ ዝነብር፡ እታ ኣውቶቡስ ቀደም ሕምብርቲ መብጸሐትና ነይራ። እንተዀነ፡ ገለ ክፋል’ቲ ዋጭዋጭ እቲ መራሕኣውቶቡስ ባዕሉ ከዕልል እንከሎ ዝፈጥሮ ብምንባሩ፡ ዳርጋ ፍሕዅ እናበለት’ያ ትኸይድ ዝነበረት። ሱቕ ክብል ዘይክእል፡ ንዝዛረብ ጥራይ ዘይኰነ ንዘይዛረብ ግኡዝ ነገር’ውን ኣብ ምልልስ ዘራባኡ ዝጽንብር’ዩ ነይሩ።
ኣታ ቈልዓ፡ ሃባ’ስከ ቅድሓለይ!” እቲ መራሕኣውቶቡስ ብጸጋማይ ኢዱ መዘወሪ ሒዙ፡ ነታ ፕላስቲክ መስተዪት ዝሓዘት የማናይቲ ኢዱ ናብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ተሓዚ ገንዘብ ቈልዓ ዘርጊሑ ኣዘዞ። ጠጠው ካብ ዝበልኩሉ ናብታ ፕላስቲክ መስተዪት ብትጽቢት ተዓዘብኩ። እቲ ዓስራይ ዓመቱ ካብ ዘሕልፍ ክልተ ወይ ሰለስተ ዓመታት ጥራይ ገይሩ ዝኸውን ቈልዓ፡ ናይ ሓሙሽተ ሊትሮ ብጫ ጃሎን ተሰኪሙ ሰንደልደል እናበለ ናብታ መስተዪት ቀረበ። እቲ ቈልዓ፡ ትጽቢት ኣዒንተይ ከዕግብ ክመስል እታ መስተዪት ክሳብ ትፈስስ መለኣ።
ኣታ ፈዛዝ፡ ከክንድዚ እንተ ኣፍሲስካ ድኣ እንታይ ክንሰቲ ደሊኻና፧ ጓል ምራጭ ተመንያ ዘጽነሐትለይ ዓፍዓፍ ዝብል ስዋ ኣፍሲስካ ክትውድኦ፡ ኪድኪድ ርሓቕ ኣይትረኣየኒ፡” እቲ መራሕመኪና ነቲ ብጌጋኡ ዝተዳህለ ቈልዓ ገነሖ።
ናይ ጓል ምራጭ ድዩ’ኸ፧” እቶም ኣብ ናይ ቅድሚት መንበር ዝተቐመጡ ቀሺ ሓተቱዎ።
እወ፡ ኣታ ቈልዓ፡ ነቦይ ቀሺ’ስከ ቅድሓሎም፡ ኣብቲ ካሴታ ኣለካ መስተዪ።” ነቲ ቈልዓ ክሰጐ ከም ዘይጸንሐ መሊሱ ጸወዖ ።
ኣይፋሉን ኣይሰቲን’የ፡ ጸሓይ’ዩ ርእሰይ ከሕመኒ’ዩ፡” እቶም ቀሺ፡ ነቲ ቈልዓ፡ ንኸየምጽኣሎም ብዓይኖም ሓበሩዎ።
ኣኽሊ ብእኽሊዩ ፍጹም ኣይጓዳእንዩ።
ደሓን ኣይፋለይ፡ውሳነኦም ኣጽንዑ እቶም ቀሺ።
ሰሚዕኩም ኣባ ቀሺ፡ እዞም ዓድኹም ሰብኡት የብልኩምን። ልሙሳት’ዮም፣ ኣነ ወዲ የማነ ብኽልተ ኢደይ እጠቕዓልኩም፡ ጓል ምራጭ ክንዲ ዓሰርተ ሰብኡት ዓዲኹም’ያ።” እቲ ኣውቲስታ እዚ ክብል እንከሎ፡ ኣነ፡ ነታ ኣብ ልዕሊኡ ተጻሒፋ ዝነበረት “ኖን ፓርላታ ኣል’ኣውቲስታ” እትብል ናይ ጥልያን መጠንቀቕታ ኣስተውዓልኩላ። ኵሉ እቲ ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበረ ሰብ፡ ነታ መጠንቀቕታ ንምኽባር ካብ ዝመስል ነቲ ኣውቲስታ ዕላል ዝኸፈተሉ ኣይንበረን።
ካብ ቅድሚ’ቲ መዘወሪ ዘሎ ደንደስ ፍርቂ ስላም ዝኸውን ቅጫ ስገም ኣውጺኡ ብጸጋማይ ኢዱ ሒዙ ከረቶ፣ ካብቲ ስዋ ምዒጕ ድማ ኣካፈዮ። “የማነ ኣቦይ ይሙት’የ ዝብለኩም ዘሎኹ ኣባ ቀሺ፡ ኣሕዋታ ይዅኑ ደቂ ሓዎቦታታ ዘይሰርሑዎ ቪላ’ኳ’ያ ኣብ ደረት መንገዲ ሰሪሓቶ…”
እወ ሓቅኻ፡ ዕድል ጌራ ጤሳ ኣብ ጽቡቕ ቦታ በጺሑዋ፡” መለሱ እቶም ቀሺ ገጾም ኣዕቲቦም። ጽውግ ኢሎም ሓንሳብ ናብኡ፡ ሓንሳብ ድማ ናብ መንገዲ ገጾም ጠመቱ። እጣምታኦም፡ ካብኡ ንላዕሊ ንሶም መራሒ’ታ ኣውቶቡስ ዝዀኑ’ዮም ዝመስሉ ነይሮም።
ኣነ ጓል ምራጭ እንተ ዘይትህሉ፡ በዚ መስመር’ዚ ፍጹም ኣይምተመላለስኩን፣ መኪና ክትሰሩ ትጐዩ፡ ምስ ተሰቐልኩም ግን ኣብ ምኽፋል ተዕጠጥዩ።”
እናኽበርኩምልና እንዲኹም፡ እምበር ምኽፋል’ሲ ከይከፈልና’ዶ ወሲድኩምና…”
ኣነ ካብ ገንዘብኩም እዛ ዝሰትያ ስዋ ትሕሸኒ፣ እንታይ ክዓብሰለይ’ዩ እናረገምኩም ትህቡኒ ገንዘብ፧” ብጽልኣት ሓተተ ወዲ የማን።
ዝወደይ፡ ንምርቐካ እምበር ኣይንረግመካን ንሕናስ፣ እታ ስዋ ተስንቐካ ዘላ ቈልዓስ ጓልና እንድያ፡ ክትህሉወልና እምበር ንደሊ። ሓራስ ነበሪ ድማ ኣይ በቕሊ ዓድና እንድያ፣ እንታይ ኴና’ሞ ክንራገም፧” መሊሶም ሓተቱዎ ኣቦይ ቀሺ።
ካብ ኣስመራ ብዓዲ ጓዕዳድ ዝሓልፍ ጽርግያ ወዲእና፡ ናብ ሕምብርቲ ዝወስድ ጽርግያ ክንጥወ እንከሎና፡ ወዲ የማነ ነታ መስተዪት፡ ኣብ መንጎ መንበሩን መኽደን ሞተረ’ታ ኣውቶቡስን ክቕርቅራ ክብል እቲ ስዋ ተኻዕወ። ነቲ ዝተኻዕወ ብዓይኑ ርእዩ ዘድሕኖ ክመስል ዓሰርተ ግዜ ተገልቢጡ ጠመተ። እታ መእለዪት መንገዲ’ውን ከይተፈለጠቶ ህሩግ በለቶ፣ ናህሪ’ታ ኣዉቶቡስ ኣብ ሽዑ በጺሑ ዓቐኑ ዝሓለፎ መሰለ። ክጠውያ እንከሎ ከዝሕላ ዕድል ብዘይ ምርካቡ፡ ንጸጋም ዛዝያ ዳርጋ ምድሪ ስዒማ ተመልሰት። ልበይ ዓዊፋ፡ ናብ’ቶም ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ወደቕኩ፣ ዋጭዋጭ ኰይኑ እንተ ዘይበራበር ዝተገልበጥና’ዩ መሲሉኒ ነይሩ። ካብ’ቶም ዝወደቕኩዎም ሰባት ክትንስእ’ውን ኣይከኣልኩን። ገለ ንብረት ካብ ሰንቀ’ታ ኣውቶቡስ ኣብ ልዕለይ ወዲቑ ነይሩ። መን ምዃኑ ኣይፈልጥን ነቲ ንብረት ካብ ሰብነተይ ምስ ኣልዓለለይ፡ ተንሲአ ንነብሰይ ደው መበሊ ጥጡሕ ቦታ ኣናደኹላ። ሓንቲ እግረይ ኣብ መንጎ መሸማዓት ኣንቢረ፡ ነታ ሓንቲ ግን መርገጺ ብምስኣነይ፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ መሸማዕ ረገጽኩ፣ ምኽንያቱ ካልእ ኣማራጺ ኣይነበረንን።
ጓልዛ ተካሊት፡ ዝሓድጋ’ኮ’ዩ መሲሉዋ… ኣነ ወዲ የማነ’ሞ ሰተት’ከ!” ንበይኑ ፈከረቲ መራሕመኪና። እቶም ኣብ ጐድኑ ዝተቐመጡ ቀሺ፡ ብጎቦ ዓይኖም ካብ ምጥማት ሓሊፎም ዝበሉዎ ኣይነበረን። ምናልባት ግን፡ ኣብ መዓልቦና ንኽንበጽሕ ብልቦም ጸሎት ኣዕሪጎም እንተዀኑ ኣብታ ተሪፋ ዝነበረት ጕዕዞና ክርእዮ ተጸበኹ። በዓል መስቀል ዝኣኽሉ ኣብ ቅድሚት ኮፍ ኢሎም እንከለዉ እንተ ተገልቢጥና፡ ጸሊዩ ዘብጽሕ የሎን ማለት’ዩ ኢለ ሓሰብኩ።
ኣብቲ ልሙጽ መንገዲ፡ እታ ኣውቶቡስ ሰለል እናበለት ክትከይድ እናተጸበኹ፡ ብኣንጻሩ ገለ ነገር ተሰመዓኒ። ኣብቲ ሓርፋፍ መንገዲ ዓዲ ጓዕዳድ ዘየስተውዓልኩሉ፡ ሓደ ጎማኣ ሓባጥ ብምንባሩ ምስ ዛሕሊ ኣካይዳኣ፡ ኣድጊ ተወጢሕካ ትጋልብ ዘሎኻ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓካ።
ንወዲ የማነ ግን፡ ብዙሕ ዘጨንቕ ጕዳይ ኣይነበረን። ሓንቲ ዝጭነቐላ፡ ማርሻ ክቐያይር እንከሎ ትኣብዮ ብምንባራ፡ ጸጸኒሑ፡ “ጓልዛ ለማኒት፡” እናበለ ይጻረፍ ነበረ። በቲ ጽቕጥቅጥ ዳህሪ ዝዀኖ ህጻን ክውጭጭ ጀመረ። ኣደኡ ምእባድ ኣቢዋ ጭንቀታ ኣብ ገጻ ይንበብ ነበረ። ካብ ቅድሚት ክልተ መንበር ድሒራ ተቐሚጣ ብምንባራ፡ ናይቲ ቈልዓ ምውጫጭ ከይኣክል፡ ወዲ የማነ’ውን ተረቢሸ ብዘስምዕ ምንጽርጻር፡ “ሕጂ ሱቕ እንተ ዘየቢልክዮ ኣብዛ ጐልጐል ክገድፈኪ’የ!” ኢሉ ኣጓጠጠላ። እቲ ህጻን ግን ካብኡ ኣይትሕለፍ ዝብል ክመስል ምእባድ ኣብዩ ነደረ።
 
ወዲ የማነ ማርሻ ምቕያር ኣብዩዎ፡ ነዛ ኣውቶቡስ ሓንሓን ከብል ትኪ ዑብ ኣበላ። እቲ ጸሊም ትኪ ተዓዃሊሉ ብመሳኹቲ’ታ ኣውቶቡስ ንውሽጢ ኣተወ። ብዙሓት ተዓፊኖም ኣሃንጠሱን ሰዓሉን። እቶም ክዛረቡ ዝኸኣሉ ድማ፡ ተቓጺላ ከይትኸውን ጥርጣረኦም ኣፍኣሙ። እቲ ተቓጺላ ዝብል ዘረባ፡ ንወዲ የማነ ከም ንብዓል ነጐዳ ብሓዊ ደብሶ’ዩ ኰይኑዎ።
እንታይ ኰይና’ያ ትቃጸል፧ ከመይ ዝበሉዎም ሓሳዳት ዓዲ’ዮም ወደይ እዚኦም፧ ሓሰውቲ ሎኽመኛታት፧…” ብዘይ ዕረፍቲ ኣንጸርጸረ ወዲ የማነ። እታ ማኪና፡ መቓልሕ መራሒኣ እትመልስ ክትመስል ቀጻሊ ገዓረት። ድሕሪ ብዙሕ ፈተነ ድማ ናብ ንቡር ምስ ተመልሰት፡ ጕዕዞና ከም እንደገና ጀመርና። ቍሩብ ድሕሪ ምኻድና፡ “ኣታ ቈልዓ፡ ኣበይ ኢኻ ጠፊእካ፧ ንዓ’ስከ ቅድሓለይ፡” ኢሉ ነታ ዝፈሰሰት መስተዪኡ ኣልዒሉ ዊጥ ኣበለሉ።
ካብ ቀዳማዩ ዳሕራዩ’ዩ ዝገድድ እዚ ኣውቲሳታ፡ኢለ ስዒቡ ዝመጽኣና እንታይ’ኮን ይኸውን ኢለ ሓሰብኩ። ኣብቲ ቀስ ክትብል ዘየመኒ ልሙጽ መንገዲ፡ መካይን ወትሩ ክንህራ’የን ዝረኣያ። ከም ገለ ስዋኡ ጎርዳዕ ከብል እንከሎ እንተ መጺኤን፡ ስዋኡ ከይድፍኦ ነታ ኣውቶቡስ ኣርባዕተ ኣእጋራ ንላዕሊ ክሰቕሎ ከም ዝኽእል ገመትኩ። ግምተይ ምስ ነብሰይ ጥራይ ብምንባሩ ግን፡ ካልኦት እንታይ ይሓስቡ ምንባሮም ክፈልጥ ኣይከኣልኩን። ገጻት ኵሎም’ቶም ክርእዮም ዝኸኣልኩ ተሳፈርቲ ሓሓሊፈ ምስ ጠመትኩ፡ ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ ኢሎም ዝተዛነዩ መሲሎም ነበሩ። እቶም ቀሺ ግን፡ ነታ መስተዪ ሱዋ ዓቲራ ዝነበረት ኢድ ወዲ የማነ ጸጸኒሖም ጠመቱዋ።
እታ ኣካይዳ ዘይተገርሐት በቕሊ እትኸይድ ኣውቶቡስ፡ ንእሽቶ ዓቐበት ረኺባ ዝነበራ ፍጥነት ብምንካያ፡ “ሕዙለይ ኣባ ቀሺ፡” ኢሉ ወዲ የማነ፡ መስተዪ ሳዋኡ ነቶም ቀሺ ኣረከቦም። ማርሻ ክቕይረላ ደጋጊሙ ሓኾት ጀመረ። ንሳ ግን፡ ነታ ዓቐብ ለመም ኢላ ደይባ ክትውድኣ ንእሽቶ ምስ ተረፈታ፡ ንድሕሪት ተመልሰት። ምዕልባጥ ኣውቲስታ ብምስትውዓልና፡ ዳርጋ ኵልና ተሳፈርቲ ዘዝረኸብናዮ ነገር ጨቢጥና ሓዝና። እታ ኣውቶቡስ ሓንጊዳ ኣብያ ከም ዘይጸንሐት፡ ንድሕሪት ፍንጭራዕ እናበለት ተመልሰት።
ሞይትና፡ ሎሚ ምዕልቲ ሞይትና፡ መላሲ ኣውያት’ኳ የብልናን፡” ዓው ኢለን ሓንቲ ኣደ ብቕብጸተተስፋ ተዛረባ።
እጆኺ ኣብሻይ፡ ኣብቲ ሓጺን ሓዚ… ኣብቲ ሓጺን ሓዚ…”
ኣውያትን ዋይዋይን ምስቲ ዓጠጠጠጥ ዝብል ድምጺ’ታ ኣውቶቡስ ከምኡ’ውን ድምጺ ሞተረ ተሓዊሱዎ ኣእምሮና ደንቈረ። ንቕድሚት ክትንህር ፍጹም ዘይረኣናያ ኣውቶቡስ፡ ሕጂ ናህራ ብምውሳኽ ካብቲ ጽርግያ ናብ ሓደ ቍሩብ ህትፍ ዝበለ ደረት’ቲ ጽርግያ ተኣለየት። ሓፍ ኮፍ ምስ በለት፡ ገለ ተሳፋራይ ምስ መስኮት፡ ገለ ምስ ቅድሚኡ ዘሎ መንበር፡ ገለ ድማ ምስ ኮፍ መባህልቱ ተናጐዐ። ሽዑ ዝሰማዕኩዎ ኣውያት ሓንቲ ንእስ ዝበለት ሰበይቲ፡ ንጻረ ድምጺ ጎሮሮኣ ንብዓል ሞያ ኣላቓሲ ዘተምኒ’ዩ ነይሩ። ኣውቶቡስ፡ ብሕሩስ መሬትን ደናጕላን ተዓጊታ ምንቅስቓሳ ዘፍ ኢሉ ኣኽተመ።
ኵሉ ተሳፋሪ እናንጸርጸረ፡ ናብ መሬት ንምውራድ ክደፋፋእ ጀመረ። ዝበዝሐ ሰብ መርገጺ እግሩ ከይረኣየ ሰብነቱ ጥራይ የቐድም ብምንባሩ፡ ካብ መደያይቦ’ታ ኣውቶቡስ ቍልቍል ኣፎም ኣብ መሬት ወደቑ። ካብቲ ዘጋጠመ ንእሽቶ ድንገት፡ ብድፍእፍእ ዝሰዓበ ማህሰይቲ ዛየደ። ኢዱ ዝምናህ፡ ብርኩ ዝልሕጸጽ፡ እግሩ ዝግመ… ኣይወሓደን።
ገለ ንወዲ የማነ ክወቕሱ እንከለዉ፡ ገለ ግን እቲ ሰበብ እርጋን እታ ኣውቶቡስ ኣብ ከምኡ ከም ዘውደቐና ከመኽንዩ ብምፍታን፡ ደፊእና ናብ ጽርግያ ከነደይባ ደፋፍኡና። ወዲ የማነ ድማ፡ ካብ ኣውቶቡሱ ከይወረደ ብመስኮት ተቐልቂሉ ብኸምዚ ዝስዕብ ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፤ “ሃየ ድፍኡ፡ ኣታ ቈልዓ ቀልጥፍ ታኮ ቀርብ…።”
ክላ ሱቕ በል፡ ‘መንገዲ ጥዕናስ ዓመት ኪዶ’ ኢሎሞ ኣቦታት፡” ኢሎም እቶም ቀሺ ብእግሮም መንገዲ ክቕጽሉ ተበገሱ።
እዛ ጓልዛ ሕንጊድ… ሕጂ ክትወጽእ’ያ’ኮ ጽንሑ፡” ወዲ የማነ ተዳሃዮም ነቶም ቀሺ።
ግደፈና ዋእ፡” ኢሎም እቶም ቀሺ ኢዶም ጸግ ኣቢሎም ስጕምቶም ኣቐልጢፎም ቀጸሉ።
ኪድ በል ተሒሹካስ፡ ርጉም ቀሺ፡ ብቐደሙስ ኣብዚ ቅድሚት ኮፍ ኢልካ ክትስርየና ጸኒሕካ ትኸውን እምበር እንታይ ጥዑይ ስራሕ ከይትሰርሕ፡” ብምብጫው ተዛረበ ወዲ የማነ። “ሓራስ ነብሪ ጠሓሒሻ ምዃና ኣይፈለጥካያን።”
ነታ ዘይትጠቅም ዓቐበት ክትድያብ ብዘይ ምኽኣላ ተገልቢጥና ምንባርና ዘንጊዑ ከምኡ ምባሉ፡ ብጥዕና ኣእምሮኡ ተጠራጠርኩ። ግን ትምኒተይ ከም ቃሉ ጠሓሒሻ ክትኰነለይ’ዩ ዝነበረ። ዝሳለጥ ስራሐይ ከርክብን ዘይከርክብን ናይ ሓደ ሰዓት ግዜ ጥራይ ነበረኒ። እታ እንኮ ኣማራጺተይ፡ ነታ ኣውቶቡስ ብዝዀነ ተኣምራት ካብ ዝኣተወቶ ህጕም ኣውጺእና ኣብ ዝብጻሕ ከተብጽሓናዩ ዝነበረ። ከም’ቶም ሓዲጎምና ዝኸዱ ቀሺ፡ ብእግረይ ምኸድኩ፣ ከይደክም’ውን ፍጹም ኣይሰጋእኩን። ግዜ ግን እቲ ዝዓበየ ጕዳይ ኣብ ጕዕዞይ’ዩ ነይሩ።
ዝነበርና መንእሰያት ብዅሉ ዓቕምና ተጋዲልናን ብርሃጽ ጀብጂብናን ጽርግያ ኣደየብናያ። ከይደንጐና ነቒልና፡ ብዙሕ ከይተጓዓዝና ክትሞውሊዕ እትበሃል ንእሽቶ ዓዲ ምስ በጻሕና፡ ወዲ የማነ ምስ ሰባት ክናገር ደው ኣበለና። እቶም ቀሺ ዝገደፉዋ መንበር ሒዘ ኣራጢጠ ኮፍ’ኳ እንተበልኩ፡ እታ ኣውቶቡስ ደው ምባላ ኣረብረበኒ። ደጋጊመ ድማ ንወዲ የማነ ጠመትኩዎ፣ ፍጹም ኣይረኣየነን። ክሳዱ ብመስኮት ኣውጺኡ፡ ምስ ሓደ ሰባኣይ ብዛዕባ ፊኖን ጤለበጊዕን ዋጋ ዕዳጋ’ዩ ዝገብር ነይሩ። እቲ ሰብኣይ፡ ሕርቃነይ ግዲ ኣብ ገጸይ ኣንቢቡዎ ኰይኑ፡ “በቃ፡ ሕጂ ሰብ ኣሎዉኻ፡ ክትምለስ ከለኻ ኵሉ ክንውድእ ኢና፡” በሎ።
ንዓንዶ፡ ኵሉ ሓደ’ዩ፡ መወዳእታ ዋጋ ንገረኒ፡” ወዲ የማነ ቅጭጭ ከይበሎ ተዛረበ።
ኣታ ወዲ የማነ፡ ቍሩብ’ባ ዒብ ግበር፡ ዘውዓልካና ዘይኣኽለካ!” ብሃንደበታዊ ውሽጣዊ ስምዒት ተዛረብኩ።
እዋእ፡ ንስኻ’ኸ በየን ኢኻ መጺኻ ወደይ፡ ቀሺ ከይዱ ኢልና ተቐሰናስ ንዓኻ ድማ ገዲፉልና፡ ካልእ ሰብ ከይሰምዓካ በል ሱቕ በል፡” ክህድደኒ ፈተነ።
ሱቕ ኣይብልን’የ፣ ናይ ሰዓት ዘይትመልእ መንገዲ ፍርቂ መዓልቲ ክወስደልና ቍሩብ ኣይትሓስብን፡” ብሕርቃን ኵልፍኵልፍ ክብል ተፈለጠኒ። ወዲ የማነ ግን፡ ሕርቃነይ ርእዩ ቍሩብ’ውን ክምህ ዝብል ኣይነበረን። ዝቐጸሎ ዘረባ፡ ንቝስለይ ጨው ከም ምድፍዳፍ’ዩ ነይሩ።
ትርእዮ ኣሎኻ’ዚ፧ ‘ኖን ፓርላተ ኣል’ኣውቲስታ’ ይብልካ ኣሎ፣ ይርድኣካ ተዀይኑ ንመራሕመኪና ኣይትዛረቦ ማለት’ዩ። ስለዚ፡ ሓደጋ ከየጋጠመና ብሰላም ክንጓዓዝ ተደሊኻ፡ ዘረባኻ ዕጾ፡” በለኒ ብኣመልካቲቶ ጻብዕ የማነይቲ ኢዱ ናብታ ኣብ ልዕሊኡ ዝነበረት ናይ ጥልያን ጽሕፍቲ እናኣመልከተ።
ነታ ኣብ ጥቓይ ብስልኪ ተኣሲራ ዝነበረት ኣብ እዋን ድንገት ሓዊ ምስ ዘጋጥም ንምጥፋእ እትጥቀመላ ቀያሕ ዕትሮ ብባህረት ምሽት ኣቢለ ካብ ቦታኣ ኣውጻእኩዋ። እንታዩ ክሃርሞ ከም ዝደለኩ ኣይተረድኣኒን። ቀዳመይቲ ዝሰደድኩዋ፡ የማናይ ክፋል ግንባሩ ሃረመቶ። ካልኣይቲ ድማ፡ ማዕጾ ከፊቱ ክሃድም እንከሎ የማነይቲ ኢዱ ሃሪመ ዓጽሚ ቅልጽሙ ክሳብ እትስበር ደገምኩዎ።
ኵሉ ዘርዚረ ምስ ኣዘንተኹሉ፡ እቲ ኣዛዚ መደበር ርእሱ እናነቕነቐ ፍሽኽ በለ። ምስክር ዝዀኑኒ ሰባት ጸውዕ ይብለኒ’ዶ ይኸውን ኢለ ሓሰብኩ። እሞ እንተ መስከሩለይ’ከ’ሞ፧ ንወዲ የማነ ኢዱ ሰይረዮ’የ፣ “ጽቡቕ ገበርካ፡” ይብለኒ’ዶ ይኸውን፧ ዋላስ ከም እንደገና ነቶም ተናኸስቲ ኣባላቱ፡ ክድረሩኒ ይጽውዖም ይኸውን፧ ወዲ የማነስ ከመይ ወዲ ጸጋም ዘይብሉኻ ኢለ ሓሰብኩ።
17 ታሕሳስ፡ 2010

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top