ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ፊልም “ትማሊ” — ታሪኽ’ዶ ልብ-ወለድ?

ሓፈሻዊ መእተዊ
ፊልም “ትማሊ” ንከባቢ ዓሰርተ-ሓደ ኣዋርሕ (2009-2010) ወትሩ ሰንበት ብመገዲ ኤሪ-ቲቪ እትፍኖ ዝነበረት ተኸታታሊት ፊልም እያ፣ እዚኣ ፊልም’ዚኣ። ንገለ ክፋል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዕስራ ሰዓታት — ማለት 45 ክፋላት — ከተርኢ ዝፈተነት’ያ ነይራ፣ ጸሓፊን ኣላዪን’ታ ፊልም ኣቶ ኢሳያስ ጸጋይ ኰይኑ። ቅድሚ ሕጂ’ውን “ሰሚራ”። “ጕያ”ን “ንእሽቶ ሓወይ ክንዲ ሓሙተይ” (“ሚለኑ”)ን ዝብላ ተኸታተልቲ ፊልምታት ጽሒፉን ኣልዩን ንምርኢት ዘቕረበ ፍሉጥ ኤርትራዊ ደራሲ እዩ፣ ኣብዚ ከይተሓጽረ። ብርክት ዝበሉ ናይ መድረኽ ተዋስኦታት። ሙዚቃውያን ድራማታት። ኣዘንተውቲ ፊልምታትን ግጥምታት ደርፊን ዝጸሓፈ ምዃኑ’ውን ይፍለጥ፣
ፊልም “ትማሊ”። ኣብ ፖለቲካዊን ብረታዊን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ እተተኵር። ትሕዝቶኣ ታሪኽ ጠቀስ’ውን እዩ፣ ንታሪኽ ዝምልከት ትሕዝቶ ስለ ዘሎዋ። ታሪኻዊ ትሕዝቶ ዘሎዎም ፊልምታት ብከመይ ይስርሑ? እንታይ ብድሆታት የጋጥሙዎም? ነቲ ዘልዓሉዎ ታሪኽ ብዝግባእ ይዓሙዎ’ዶ? ከምኡ’ውን ብህዝቢ ዘሎዎም ተቐባልነት ከመይ ይመስል? ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ግድን ይኸውን፣
ታሪኽን ልብ-ወለድን ኣብ ፊልም
ዲ.ዳብሊው. ግሪፍስ ዝተባህለ ሰራሕ-ፊልም። ብ1915 “ዘ በርዝ ኦፍ ኤ ኔሽን” እትብል ታሪኻዊት ፊልም ምስ ሰረሐ። ብዙሓት ዝገራጨ ርእይቶታት ተላዒሎም፣ ብፍላይ ግሪፍስ። ንነብሱ ልዕሊ ጸሓፍቲ ታሪኽ ብምስራዕ። ስራሕ ታሪኻዊ ፊልም ንልሙድ ስራሕ ምጽሓፍ ታሪኽ ክትክእ ምዃኑ ተነብዩ፣ እዚ ከብሎ ዝኸኣለ። ጸሓፍቲ ታሪኽ። ብዙሕ እዋን ብድርኺት ባህሪ ጽሕፈት። ውዱዕነቶም (objectivity) ኣብ ሕቶ ዝኣቱ ብምዃኑን ብኣንጻሩ ድማ ካመራ ካብ ጽሑፍ ንላዕሊ ውዱዕ ስራሕ ከተቕርብ ትኽእል’ያ ካብ ዝብል እምነት ብምብጋስን ነበረ፣ ኣብ ዓመቱ ግን። ግሪፍስ ሓሳቡ ብምቕያር። ስራሕ ታሪኻዊ ፊልምን ምጽሓፍ ታሪኽን ጐድኒ-ንጐድኒ ክኸዱ ምዃኖም ኣመነ፣
ብቀንዱ። ሓንቲ ታሪኻዊት ፊልም። ታሪኻዊ ዝብል ቅጽል ትተሓንገጥ እምበር። ስራሓት ፈጠራ ምዃና ኣይተርፍን እዩ፣ ቀዲሙ ንዝሓለፈ ፍጻሜ ደጊምካ ምውሳኡ እቲ ቀንዲ ዕማም ኰይኑ ንረኽቦ፣ ታሪኻዊ ጭብጥታት ምስ ብፈጠራ ኣካል ዝለብሱ ጠባያት። ወይ ድማ ብህይወት ንዝነብሩ ዝነበሩ ሰባት ምስ ፈጠራውያን ፍጻሜታት ተወሃሂዶም ይቐርቡ፣ ከም’ዚኦም ዝበሉ ስራሓት። ሰነዳውያን (documentary) ፊልምታት ብዘይ ምዃኖም። ትሕዝቶኦም ሽሕ ግዜ ታሪኻዊ ይበሃል እምበር ልብ-ወለዳውያን ምዃኖም ኣይተርፍን፣
ሰራሕቲ ፊልም። ሰነዳዊ ፊልም ይሰርሑ ክሳብ ዘይሃለ ንሓቂታት’ቲ ዝድህስሱዎ ታሪኽ ብዝምስጥ ከቕርቡዎ ይግባእ፣ ነዚ ንምግባር። ናይ ፈጠራ ጠባያት። ትልሚ። ቦታን ፍጻሜታትን ክሕውሱ ይግደዱ፣ ከም ዘሎዎ ጻልጣ ሓቂ ከቕርቡ እንተ ኰይኖም ግን። ስራሖም ሰነዳዊ ኰይኑ ክተርፍ ይኽእል፣
ምስዚ ክረአ ዝግባኦ ድማ። ሓቅታት ታሪኽ ብዝተፈላለዩ ኵርናዓት ኣጠማምታ ክረኣዩ ስለ ዝኽእሉ። ትርጕሞምን ኣቀራርባኦምን ንኵሉ ዝወሓጠሉ ከይከውን ይኽእል፣ ገለ-ገለ እዋን’ውን ጸግዒ ምሓዝ ወይ ምቅጣን ውዱዕነት ክስዕብ ይኽእል፣ ብእኡ ምኽንያት ድማ። ታሪኻውያን ተባሂሎም ዝቐርቡ ፊልምታት። ወትሩ ተቓውሞ ህዝቢን ተመራመርቲ ታሪኽ ኰይኖም ንረኽቦም፣ ካብ ብዙሓት ሒደት ንምጥቃስ። ናይቲ ውሩይ ኣፍሪቃዊ ሰራሒ ፊልም ዑስማን ሰምቤነ “ሰዶ”። ከምኡ’ውን ብመገዲ ስቱድዮታት ሆሊድ ዝተሰርሓ “ትሮይ”ን “ዲፍያንስ”ን ኣሎዋና፣
ፊልም “ትማሊ” ድማ። በዚ ኣጠማምታ ምስ እንዕዘባ። ተቓውሞ ክገጥማ ግድን ኰይኑ ንረኽቦ፣ ጸሓፊ’ታ ፊልም። ዝፈጠሮ ትልሚ ዳርጋ የሎን፤ ነቶም ኣብ ውሽቲ ትረኻ ርእየተ-ሕሉፍ (retrospective narration) ቀጥታዊ መስመር ተኸቲሎም ዝኸዱ ፍጻሜታት ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ። ናይ ፈጠራ ጠባያት ኣንቢሩሎም፣ ብርግጽ እዛ ስራሕ እዚኣ። ታሪኻዊ ትሕዝቶ ዘሎዋ’ኳ እንተዀነት። ብቀንዱ ናይ ፈጠራ ስራሕ ድማ ክንብላ ንኽእል ኢና፣ ከምኡ ብምዃና። ንፈጠራዊ ስራሕ ክንምርምረሎም ዘኽእሉና ነጥቢታት እናልዓልና ምስ ታሪኻዊ ትሕዝቶኣ ብከመይ ከም ዝተዋሰቡ ምድህሳሳ ኣገዳሲ ከይኰነ ኣይተርፍን፣
ቀዲሙ ከም ዝተጠቕሰ። ፊልም “ትማሊ”። ትረኻ ርእየተ-ሕሉፍ ተጠቒማ ፍጻመታት ብቀጥታዊ መስመር ዝውሕዙሉ ትልሚ ኣሎዋ፥ ማለት ካብ 1998 ብምጅማር ናብ 1977 ብምምላስ ክሳብ 1991 ተዘንቱ፣ መንቀሊ ዛንታ ትማሊ። ኣስማይት — ሓውቱ ንቀንዲ ጠባይ’ታ ፊልም ዝዀነ ክብርኣብ — ናይ 1998 ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብገስ እንከሎ ኣይከትትን ስለ ዝበለት ይብገስ፣ ኣብቲ ‘ክተቲ–ኣይከትትን’ ዝብል ምልልስ ክልተ ኣሕዋት። ኣስማይት። “ኣብ ግዜኻ ክነብር ኣይትጸበየኒ።” ትብሎ፣ ክብርኣብ። ግዜኡ ከመይ ከም ዝነበረ ከዘንቱ ናብ ድሕሪት ብምምላስ ዛንታ’ታ ፊልም ይዝርዘር፣ 1991 ኰይኑ እቲ ዛንታ ገድሊ ምስ ኣብቀዐ። እታ ፊልም “ዛንታ ገዛና ቀጻሊ’ዩ” ብምባል ትዛዝም፣
ኣብ ኣገባብ ምህናጽ ዛንታ ተኸታታሊ ፊልም ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣብ “ፕሮድዩሲን ፎር ቲቪ ኤንድ ቪድዮ፥ ኤ ሪል-ዎርልድ ኣፕሮች” እትብል ብካትሪን ኬሊሰን ብ2006 ኣብ ዝተሓትመት መጽሓፋ ዝሰፈሩ ነጥብታት ብምውካስ ንትሕዝቶ ዛንታ ፊልም “ትማሊ” ምስ እንርኢ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፥
1. ኣገራሚ መስሕብ ገለ ፍሉይ ትሕዝቶ ፊልም። ማለት ጠባይ። ምከና ወይ ድማ መሰረታዊ ዓይነት’ቲ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ ምስ ዝህሉ ተዓዛቢ ዘይትስእን ተኸታታሊት ፊልም ክፍጠር ይከኣል፣ ፊልም “ትማሊ”። ብዙሓት ፍሉያት ዝዀኑ ጠባያት ዝቐረበት ፊልም’ያ ነይራ፤ ገለ ካብኦም ንምጥቃስ ጽርሃ። ሰርጌንቲ ተኪኤ። ትልንቲ ያሲን። ግርማይ። ኣብሾን ፍሬታን ጐሊሖም ዝተራእዩ ነይሮም ክበሃል ይከኣል፣ ምከና ግዜን ቦታን ድማ። ኣስመራን ሜዳን ካብ 1970ታትን ክሳብ ናጽነት ብምንባሩ። ተዓዛቢ ተሃንጥዩ ንክዕዘብ ዝድርኽ’ዩ ነይሩ፤ ብዙሕ ግን ዝተርሰርሓሉ ኣይነበረን፣ ብኣንጻሩ። ነቲ እዋን ዝገልጹ ኣልባስ ጠባያት ኣብ ኣስመራ ሰሓብቲ ካብ ዝነበሩ ትሕዝቶ’ታ ፊልም’ዮም ነይሮም፣ መሰረታዊ ዓይነት ትሕዝቶ’ታ ፊልም። ኣብ ወተሃደራዊ ፍጻሜታት ጥራይ ዘይኰነ ነቲ ኣብ ከተማ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ከምኡ’ውን ፍቕሪ ተጋዳልቲን በደላት ጸላኢን እናተበራረዩ ይቐርቡ ብምንባሮም ንተዓዘብቲ ከይሰሓበ ኣይተረፈን፣
2. ቀንዲ ጠባይ እቲ ንቡር ቀንዲ ጠባይ ዝውንኖም ባህርያት። ፍሉይነት ዘሎዎ ኰይኑ ግን ወቓሕ ዝብለና። ተነቃፊ ግን ተባዕ። ከምኡ’ውን ኣብ ተዓዛቢ ምድንጋጽ ዝፈጥር ክዀኑ ይኽእሉ፣ቀንዲ ጠባይ ፊልም ክብርኣብ ምዃኑ ርጉጽ’ኳ እንተዀነ። እዞም ዝተጠቕሱ ባህርያት ግን ኣይረኣዩዎን’ዮም፣ ፍሉይነት የብሉን። ትብዓቱ’ውን ይንገር እምበር ኣይረኣይን። ቍሩብ ኣብ ውሳኔ ዝምድና ክማታእ እንከሎ ተዓዘብቲ ምስኡ ተደናጊጾም ተዀይኖም እምበር። ከም ቀንዲ ጠባይ ብዘእምን ዝቐረበ ነይሩ ኣይበሃልን፣ ፍሬታ ብኣንጻሩ። ንሱ ክህሉዎ ዝነበሮ ባህርያት ዝሓዘት ትመስል፤ ልዕሊ’ቲ ቀንዲ ጠባይ’ውን ጐሊሓ ተራእያ’ያ ክበሃል ይከኣል፣

ምኵር ተዋሳኣይ እታ ፊልም – ፉኣድ ኣላሚን

3. ተጻይ ጠባይ ንቀንዲ ጠባይ ብድሆታት። ግርጭትን ወጥሪን ዝፈጥር ጠባይ እዩ፣ ኣብዛ ፊልም ፍትዊ ሓደ ተጻይ ጠባይ ኰይኑ። ብቀንዱ ጸላኢ’ውን ከም ተጻይ ጠባይ ክንወስዶ ይከኣል፣ ፍትዊ ጨካን። ስሱዕን ዓመጸኛን ጠባይ ምዃኑ ኣዝዩ ንጹር ነይሩ፣ ከም ጠባይ ግን። ብዙሕ እዋን ዝቐረበ እዩ፤ ኣብ ዝተፈላለያ ፊልምታት ወዶ-ገባ ኣንጻር ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝዕጠቑ ጠባይያ ተራእዮም ብምዃኖም መለሳ ትስእነሉ፣
4. ዓርኪ ቀንዲ ጠባይእዚ ጠባይ’ዚ ኣገዳሲ ተራ ኣብ ተግባራት ቀንዲ ጠባይ ዘሎዎ እዩ፣ ንቀንዲ ጠባይ ድማ ከም ሕልናኡ። ሓጋዚኡ። ፈታሒ ሽግሩን ኣደዓዓሲኡን ኰይኑ ክቐርብ ይኽእል፣ ጀላኒ። ኣብ ፊልም “ትማሊ”። ነዚ ተራ’ዚ ዝተሰከመ ጠባይ ምንባሩ ብቀሊሉ ክንግንዘብ ይከኣል፣ ኣብ ምምዓድን ምሕጋዝን  ክብርኣብ’ውን ልዑል ዝዀነ ተራ ይጻወት እዩ፣
5. ብድሆ። ግርጭትን ተጻራርነትንእቲ ቀንዲ ጠባይ ብድሆ ገጢሙዎ ኣብ መስርሕ ተዓዊቱ ይወጽእ ወይ ድማ በቲ ብድሆ ይስነፍ፣ ኣብቲ መስርሕ። እቲ ጠባይ ክወስዶም ዘሎዎ ምርጫታት ሃልዮም። ነፍሲ-ወከፍ ምርጫ ድማ ሳዕቤን ምስ ዝህልዎ ግርጭት ይስዕብ፣ እቲ ግርጭት ብዘእምንን ዘዕግብን ክፍታሕ ድማ ኣሎዎ፣ ተጻራርነት ምስዚ ተኣሳሲሩ ክመጽእ ዝኽእል ኰይኑ። ሓደ ጽቡቕ ዝመስል ኩነታት ሕማቕ ኰይኑ ክርከብ እንከሎ ወይ ድማ ብኣንጻሩ ሕማቕ እናመሰለ ጽቡቕ ምስ ዝኸውን ድማ ይፍጠር፣ ኣብ ፊልም “ትማሊ”። ክብርኣብ ከም ብድሆ ብውልቁ ዝገጥሙዎ ጥንሲ ዮርዳኖስ። ከም ሓፋሽ ውዱብ ኣብ ከተማ ክሰርሕ ዘይምኽኣልን ኣብ ሜዳ ድማ ምስ ፍሬታ ዝምድና ክምስርት ምጥርጣርን ኰይኖም። ኣብ ቃልሲ ዝነበሩ ብድሆታት ግን ከም ሰቡ ምስ ዋሕዚ’ቲ ኩነታት ይረኣዩ’ዮም፣ እቶም ከም ግርጭት ክመርጽ ዝግደደሎም ጉዳያት። ሓደ ምስ ፍሬታ ንክዛመድ ኣብ ምውሳን ዝሽገሮ። ከምኡ’ውን ተመርዕዩ ካብ ሜዳ ምምጻኡ ንዮርዳኖስ ምንጋራን ዘይምንጋራን ዝነበሮ ምርጫ እዮም፣
6. ኣእምሮ ዝዅሕዅሕ ነባሪ ነገርቅድሚ’ቲ ዛንታ ምጅማሩ። ነቲ ቀንዲ ጠባይ ዘጋጠሞ ወትሩ ኣእምሮኡ ዝዅሕኵሖን ንናይ ሕጂ ተግባራቱ ዝጸልዎን ነገር፣ ክብርኣብ ንዮርዳኖስ ብጥንስታ ሓዲጉዋ ንሜዳ ምኻዱ። ኣብ ዳሕረዋይ ናይ ሜዳ ህይወቱ ብዙሕ ይጸልዎ ምንባሩ ርዱእ ነይሩ፣
7. ፍቕሪባእታ ፍቕሪ። ተዓዘብቲ ምስ ጠባያትን ህይወቶምን ምትእስሳር ከም ዝፈጥሩ ይገብሮም፣ ፊልም “ትማሊ”። ነዚ ትሕዝቶ’ዚ ብብዙሕ ምቕራባ ንካልኦት ጉዳያት ዘህሰሰቶም መሲላ፣
8. ኣዕጋቢ ኣወዳድኣብሓጐስ እሞ ድማ እቲ ጠባይ ካብ ሽግር ክናገፍ ወይ ገለ ለውጢ ኣብ ህይወቱ ኣርእዩ ዝውድእ ትሕዝቶ ብዙሕ እዋን ንተዓዛቢ ዘዕግብ እዩ፣ እንተዀነ። ኵሉ ዛንታ ብሓጐስ ክውድእ ኣሎዎ ማለት ኣይኰነን፤ ዘሕዝን ኣወዳድኣ ዘዕግብ ክሳብ ዝዀነ ቅቡል ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን፣ ኣወዳድኣ ፊልም “ትማሊ”። ንብዙሓት ተዓዘብቲ ዘይምዕጋቡ ክዝረብ ይስማዕ እዩ፣ ትረኻ ዛንታ’ታ ፊልም። ክብርኣብ ንኣስማይት ዘዘንቱወላ ዘሎ ክመስል ድሕሪ ግርጭቶም’ዩ ዝጅምር፣ መንቀሊ ግርጭቶም ድማ ንሳ ምጥናሳ። ከምኡ’ውን ግዜኣን ግዜ ክብርኣብን በበይኑ ምዃኑ ምዝራባን ብምንባሩ። እዚ ኵሉ ትረኻ ኣብ ውሳኔን ህይወትን ኣስማይት ገለ ተራ ክህልዎ ክትጽበ ንቡር ብምዃኑ። “ዛንታ ገዛና ቀጻሊ’ዩ” ዝብል መዛዘሚ ምስ ትጽቢት ከይተሳነየ ዝተረፈ እዩ፣ ክብርኣብ። ንዮርዳኖስ ክምለሳ ዘይምኽኣሉ። ንተዓዛቢ ከጕህዮ ይኽእል ይኸውን፤ እቲ ሓቂ ድማ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምዓርን ዕረን ሓቚፉ’ዩ ተዛዚሙ፣ ናጽነት ጋህዲ ክኸውን ዝኸኣለ። ብዙሓት እነፍቅሮም ተኸፊሎም፤ ተጋደልቲ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ በረኻ ኣሕሊፎም፤ ብዙሓት ውልቃውያን ዕድላት ህይወት ንህይወት ህዝቢ ተወፍዮምን እዮም፣ ስለዚ። ውሳነ ክብርኣብ ምስ ኩነታቱ ተቐባልነት ኣሎዎ፣ እንተዀነ። ንኣስማይት ትፈልጦን ዘይትፈልጦን ዛንታ ድሕሪ ምዝንታ ዘምጸኦ ፋይዳ ከየርኣየ እቲ ዛንታ ተቘጽዩ ብምትራፉ። ዘዕግብ ኣይነበረን፣
ንጉዳይ ደቀንስትዮ ብዝምልከት
ብዛዕባ ኵለን ደቀንስትዮ ጠባያት ፊልም “ትማሊ” ምዝራብ ኣብ ኣዝዩ ነዊሕን ካብ ኣተኵሮ’ዚ ዓንቀጽ ወጻኢን ክኸውን ስለ ዝኽእል። ኣብ ውሱናት ምድሃብ ከድሊ እዩ፣ ጽርሃ። እታ ብውሕልነት ዝተነድቀት ጠባይ ኰይና። ንዓኣ ኰይና ዝተዋስአት ጽገ ተኽለሰንበት’ውን እታ ጠባይ ኣዝያ ንክትጐልሕ ብቕዓታ ኣርእያ’ያ ወጺኣ፣ ዮርዳኖስ። ንግስቲ። ጕዖይ። ርቕያን ሰይቲ ሰርጌንቲን’ውን ክትስዕበን ዘየጸግማ ጠባያት ነይረን፣
እተን ኣባላት ሓፋሽ ወዱባት ዝነበረ ደቀንስትዮ ጠባያት ግን። ተራአን ዝተፈራረቐ ነይሩ፣ ሊሊን ኣኽበረትን ከም ኣብ ባር ዝሰርሓ ጠባያት ጽቡቕ ዝተሃንጻ’ኳ እንተ ነበራ። ኣብ ስራሓት ሓፋሽ ውዱባት ግን ኣይግድን፣ ልዑል ተራ ዘሎወን ንምምሳል ብዙሕ ይዝረብን ላዕሊን ታሕቲን ተባሂሉ፤ እንተዀነ። ብመገደን ይዅን በቶም ደቂ ተባዕትዮ መሳርሕተን። ሓንቲ’ውን ትዅን ዕቲ ስራሕ ኣይተራእየን፣
ተራ ገለ ደቀንስትዮ ጠባያት እንታይ ነይሩ እንተ ተባሂሉ መልሲ ኣይርከቦን፣ ከም ውዱባት ተራ ኣለም። ስተል። ኣኽበረት። ደሃብ እንታይ ነይሩ ምስ ዝበሃል። ዝጭበት መልሲ ዝርከቦ ኣይመስልን፣ ብዘይካ ንግስቲ ኣብ መወዳእታ ሓበሬታ ኣብ ምቕባል። ከምኡ’ውን ሊሊ ኣብ ጁባ ፍትዊ መጠንቀቕታ ወረቐት ኣብ ምእታው ዝተጻወታኦ ተራ። ንብቕዓት ደቀንስትዮ ዘርኢ ተራ ዳርጋ ኣይተዋህባን፣

ሓንቲ ካብ’ቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ

እተን ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ጠባያት። ብዘይካ ፍሬታን ዛህራ (ጥንቁልሓስን) ካልኦት ሃሳሳት’የን ነይረን፣ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን። ከም ፍሬታ ዓይነት ደቀንስትዮ ተጋዳልቲ ኣይነበራን ዘስምዕ ነቐፌታታት ተሰሚዖም ነይሮም፣ ብፈጠራዊ ስራሕ ስነ-ጽሑፍ ክረአ እንከሎ። ቅቡል ኣይኰነን፣ ጸሓፊ። ፍሉያት ጠባያት እንተ ዘይቀሪቡ። ወይ ድማ ከምቲ ወትሩ ኣብ ህይወት ዘጋጥሙና ፍሉይነት ዘይብሎም ዓይነት ሰባት እንተ ቀሪቡ። መቐረት ዘይብሉ ዛንታ’ዩ ክሃንጽ ማለት እዩ፣ ስለዚ። ብፍሉይነታ — ምስ ኵሎም ደቂ ኣሃዱኣ እትጫረቕ። ናይ ምውጋእ መንፈስ ዘሎዋ። ብፖለቲካ ንቕሕቲ። ደፋርን ካብ ትኣምነሉ ድሕር ዘይትብልን። ሰሓቢ ፍረ-ገጽ ዘሎዋ ወዘተ. — ብልጫ ኣተሃናንጻ ጠባይ ነይሩዋ፣ ኣብ ቀጻልነት ጠባያ ግን። ገለ-ገለ ጸገማት ይንጸባረቓ ነይሩ፣ ንኣብነት። ንመትከል ምዕቃብ ምስጢራዊነት ክትምድረሉ ከም ዘይጸነሐት። ድሕሪ ቍሩብ እዋን ንክብርኣብ ምስጢር ክተምልቘሉ ትረአ፣
ጥንቁልሓስ’ውን ብኣዘራርባኣ ፍሉይ ጦብላሕታ እትገድፍ ጠባይ’ያ ነይራ፣ ርህርህቲ ምዃና ኣብ ገለ-ገለ ኣጋጣሚታት ንርኢ፤ ካብኡ ሓሊፉ ግን ዋላ ሓደ ብዛዕባኣ ክትፈልጥ ዘኽእል የሎን፣ ከም ገዲም ተጋዳሊት’ውን ኣብ ኣሃዱኣ ጕሉሕ ተራ ክትጻወት ኣይትረአን፣
ካልኦት ዝተረፋ ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ጠባያት። ብዙሕ ዝጭበጥ ኣተሃናንጻ ኣይነበረንን፣ ለቱን ጓል ዓንደለን። ከመይ ዓይነት ሰባት’የን ኣይነጸራን፣ ብዛዕባ ዝምድናአን ከምኡ’ውን ደቂ ገጠር ምዃነን ንርዳእ፤ ውልቃዊ ባህሪአን ግን ኣይበረሀን፣ ብዛዕባአን ሃሳስ ስእሊ ሒዝካ ጥራይ ኢኻ ምስዋአን ዝንገረካ፣ እዚ ብመንጽር ካልኦት ደቂ ተባዕትዮ ጠባያት ክረአ እንከሎ። ዳርጋ ናይ ሰማይን ምድሪን ፍልልይ ኣሎዎ፣ ንኣብነት ንወዲ ባሻይ ከተድንቕ እንከሎኻ። ንመሓሪ ትጸልኦ። ንዳእላ ኣብሾ ድማ ብሃንቀውታ ትጽበዮ፤ እዚ። እቶም ደቂ ተባዕትዮ ተጋደልቲ ልዕሊ’ተን ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ብጽቡቕ ዝተሰርሓሎም ጠባያት ምንባሮም የገንዝብ፣
ብዙሓት ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ብዘይ ምንባረን ጐሊሐን ኣይተራእያን፣ ኣብ’ተን ዝተራእያለን ምርኢታት። ብዘይካ ኣብ መበል 35 ክፋል ዝነበረት ብዙሓት ደቂ ተባዕትዮ ዝሳተፉዋ ናይ ምግብና ስራሕ። ካልእ እዋን ንደቀንስትዮ ጥራይ ከም ዝምልከት ንሰን ክሰርሓኦ’የን ዝረኣያ፣ ንኣብነት። ኣብ መበል 26 ክፋል። ሓንቲ ጓለንስተይቲ ኣብ ስራሕ ምግብና ተጸሚዳ እንከላ። ሓደ ወዲ ተብዓታይ ሬድዮ እናሰምዐ ቀሸም ዕንጨይቲ የቐብላ፣ እዚ። ነቲ “ማዕረነት ብማዕረ ተሳታፍነት” ዝብል ጭርሖ ገድሊ ዘየንጸባርቕ’ዩ ነይሩ፣
ፊልም “ትማሊ”። ብደቂቕ ክትረአ እንከላ ተብዓታዊ ጸግዒ ዝሰረቶም ብዙሓት ነጥብታት ይርከቡዋ፣ ገለ ካብኦም ንምጥቃስ፥
*  ኣብዛ ፊልም ሓሙሽተ ፍጻሜታት ጥንሲ ኣሎ፣ እቲ ቀዳማይ። ጥንሲ ኣስማይት ኰይኑ። ዳርጋ መበገሲ ትረኻ ዝሓለፈ ዛንታ ክብረኣብ’ውን እዩ፣ ስዒበን ዮርዳኖስ። ኣደኣ። ጽርሃን ፍሬታን’ውን ይጠንሳ፤ ርጉጽ’ዩ ናይ ጽርሃን ፍሬታን ጥንሲ ተነጺሉ ከም ዝኸደን ንፈልጥ፣ ካብ ጥንሲ ዝፍጠር ባህታን ሓጐስን ኣብዛ ፊልም ኣይተራእየን፣ ብኣንጻሩ። እተን ደቀንስትዮ ብሰንኪ ጥንሲ ክሰናኸላን ከይሰናኸላ ክሰግኣን ጥራይ ይረኣያ፣ እቲ ንደቀንስትዮ ጥራይ ዝተዓደለን ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ብከምዚ ጥራይ ከተርእዮ ምፍታን። ደቀንስትዮ ድኹማት’የን ዝብል ኣመት ምሃብ እዩ፣
ብፍላይ ክብርኣብ ኣብ 8ደቒቕ ጻንሖት ቀዳማይ ክፋል’ታ ፊልም። ኣስማይት ሓውቱ ከይተመርዓወት ብምጥናሳ ሰንቢዱ ዘርእዮ መልሰ-ተግባር። ምስቲ ስዒቡ ዝግለጽ ሕሉፍ ተግባሩ ኣይቃዶን፣ ንሱ ቅድሚ 20 ዓመት — ብተዛማዲ ዓቃባዊ ኣብ ዝዀነ ሕብረተሰብ እናነበረ እንከሎ — ንዝፈጸሞ ጌጋ። ኣስማይት — ከምኡ ዓይነት ተርእዩ ብዙሕ ዘየገርም ኣብ ዝዀነሉ እዋን — ምስ ደገመቶ ጓል ምዃና ጥራይ ቆጭቆጭ የብሎ፣
ብተወሳኺ። ሰርጌንቲ ተኪኤ ኣብቲ ክብርኣብ ዝወዓሎ ጥንሲ ዮርዳኖስን ናይ ኣስማይት ጓሎምን ዘርእዩዎ መለሰ-ተግባራት። ካብቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ መርገጺ ክብርኣብ ኣይፍለን፤ ኣዝዩ ከማን ይብእስ፣
*  ካብ ብዙሓት ንጉዳይ ጾታ ግዲ ዘይነበሮም ዝርርባትን ፍጻሜታትን ገለ ንምጥቃስ፥
– ኣብ 2ክፋል’ታ ፊልም። ኣስማይትን ፊልሞንን እናተጻወቱ። ፊልሞን ወዲ
እንተ ዘይኰይኑ ጓል ስራሕ ከም ዘይትኸይድ ይነግራ፣ እዛ ዘረባ’ዚኣ ንክልተኦም ብምብኣስ። ፍትዊ ኣብ ሞንጎ ኣትዩ ነቲ ወዲ ክገንሖ’ሞ። ተመሊሳ ኣስማይት ንሓዋ ክትሕለቐሉ’ዩ እቲ ሓሳብ ዝመስል፣ እቲ ዝድለ ባእሲ ክልተ ኣሕዋት ግን። ብካልእ ጉዳይ’ውን ክፍጠር ምተኻእለ ነይሩ፣
– እንደገና ኣብ 2 ክፋል። ክብርኣብ ስተል ዕንጨይቲ ክትፍልጽ ምስ ጸንሓቶ። “ጀላኒ የሎን ድዩ ሰብኣይ ተቐይርኪ?” ኢሉዋ ይኣቱ፣ ስራሕ ሰብኣይ ትሰርሕ ኣላ ኢሉ ግን ክሕግዛ ኣይረአን፤ እቲ ዘረባ ግን ንዓቕሚ ደቀንስትዮ የነኣእስ፣
– ኣብ መበል 27 ክፋል። ሱሌማን ንሰመረ ብዛዕባ ዮርዳኖስ ከምዚ ዝስዕብ ይብሎ፥ “ናይ ጥንሲ ምሽክላ ኣጋጢሙዋ እምበር ንፍዕቲ’ያ፣” ሰመረ ድማ። “እምበር መልክዓ ምተጠቐምናሉ ነይርና።” ኢሉ ይምልሰሉ፣ እዚ ኣዘራርባ’ዚ ደቀንስትዮ ካብ ኣካለን ሓሊፉ ዝሰርሕ ኣእምሮ የብለንን ዝብል እምነት የንጸባርቕ፣
– ኣብ መበል 40 ክፋል። ኣብሾ ንቁንጪ። “ዛህራ ንመስርዕ ብሬን እንታይ’ያ ክትብላ።” ይብል፣ ተወሳኺ ኣብ ዓቕሚ ደቀንስትዮ እምነት ዘይብሎም ተጋደልቲ ድዮም ዘብል ዘረባ ኰይኑ ንረኽቦ፣
*  ብተደጋጋሚ ካብ መራሕቲ መሳርዕ ክሳብ ሓይሊ። ንሽጋራ ዝትክኹ ደቂ-ተባዕትዮን ደቀንስትዮን ብማዕረ ክርእዩዎም ዘይምኽኣሎም። እሞ ድማ ሓደ ጥራይ ኣብ ልዕሊ ፍሬታ ኣዎንታዊ ኣረኣእያ ዘሎዎ መራሒ ምንባሩ። እንታይ ዓይነት መራሕቲ’ዮም ዘብል እዩ፣
ፊልም “ትማሊ” ዝቐረበቶ ትሕዝቶ
“ኣፍሪካን ኤክስፒሪየንስ ኦፍ ሲነማ” ኣብ ዝብል መጽሓፍ። ፍራንሷ ፋፍ ዘስፈሮ “ኣፍሪካ ፍሮም ዊዝኢን፥ ዘ ፊልምስ ኦፍ ጋስቶን ካቦሬ ኤንድ ኢድሪሳ ኦውድሮጎ ኣዝ ኣንትሮፖሎጂካል ሶርስስ” ዝብል ዓንቀጹ። ጆን ኤች. ዊክላንድ ንዝጸሓፎ “ፊቸር ፊልምስ ኣዝ ካልቹራል ዶክዩመንትስ” ዝብል ዓንቀጽ ብምጥቃስ እዚ ዝስዕብ ትንተና ብዛዕባ ትሕዝቶ ፊልም የቕርብ፣
ዊክላንድ። ኣገዳስነት ልብ-ወለዳውያን ፊልምታት ሓደ ዛንታ ዝነግሩ ምዃኖም’ዩ ይብል፣ ቀጺሉ። ገለ ክፋል ህይወት ቆንጪሎም ብምምራጽ። ቅርጺ ብምትሓዝን ምስልታት ብምስራዕን ትንተናኦም ይቕርቡ ክብል ይድምድም፣
ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል። ፍራንሷ ፋፍ ናብ ካልእ ደረጃ ንምብጻሕ ከምዚ ይብል፥ “እዚ ‘ትንተና ገለ ክፋል ህይወት’ ዝብል ሓሳብ። ኣብ ንንግዲ ዝዓለመ ምዕራባዊ ፊልም ንሓደ ሰብ ክትገድፎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ። ምኽንያቱ ፊልም ምስራሕ ናይ ከም ጸሓፊ ጽሑፍ-ፊልም (screenplay)። ኣላዪን ኣፍራዪን ዝኣመሰሉ ሰባት ዝሓቍፍ ጕጅለ እዩ፣ ኣብ ኣፍሪቃዊ ሲነማ ግን። ፊልምታት ፍርያት ደረስቲ እዮም፣ እቲ እንኮን ኣገዳሲን ፈጠራዊ ሓይሊ። ሽሕ ግዜ ምስ ሓገዝቲ ጕጅለ ይስራሕ ወይ’ውን ብዊንታ’ቶም ብገንዘብ ዝድግፉዎ ትካላት ይቀየድ…። እቲ ሰራሕ-ፊልም ብዙሕ ዕማማት ይዓምም — ማለት ናይ ኣፍራዪ። ጸሓፊ ጽሑፍ-ፊልምን ኣላዪን ዕማማት…፣ ስለዚ። ውልቃዊ ባህሪን ትምህርቲን ሰራሕቲ-ፊልም ኣፍሪቃ ንቅዲን ባህላዊ ትሕዝቶን ፍርያት ሲነማ ልዑል ጽልዋ ከም ዘሎዎም ብቀሊል ክግመት ይከኣል፣” ኣሰራርሓ ፊልም “ትማሊ” ድማ ካብዚ ዝፍለ ኣይነበረን፣ ብዙሕ እዋን። ምስራሕ ተኸታተልቲ ፊልም ብዙሓት ጸሓፍቲ ዝዋስኡዎ ስራሕ ክነሱ። ፊልም “ትማሊ” ግን ሓደ ጸሓፊን ኣላዪን’ዩ ሰሪሑዋ፣ ስለዚ። ጸሓፊኣን ኣላዪኣን ክሳብ ክንደይ ጽልዋ ከም ዝነበሮ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን፣
ፊልም “ትማሊ” ዝቐረበቶ ትሕዝቶ። ፍሉይ ምስሊ ተጋዳላይ ዘርኢ ነይሩ ክበሃል ይከኣል፣ ቅድሚ ሕጂ ዝቐረባ ፊልምታት። ንተጋዳላይ ድኻም ዘይስመዖ። ዳርጋ ሓጺን ለበስ። ወትሩ ኣብ ትንፋስ ዘይህብ ተዅሲን ላዕሊን ታሕቲን ገይረን ዘርእያ ነይረን ምስ እንብል ምግናን ኣይኰነን፣ ብኣንጻሩ። ፊልም “ትማሊ”። ሰብኣዊ ጐድኒ ተጋዳላይ ከተርኢ ክኢላ ክበሃል ይከኣል፣ ዝፈርሑ። ዘፍቅሩ። ዝጠራጠሩ። ዋዛ ዘይምነዎም። ዝቐንኡ። ሰብ ዝቕይሩ . . . ተጋደልቲ ኣርእያ፣
ኣብዛ ፊልም ዝቐረበ ንፍቕሪ — ጾታዊ ፍቕሪ — ዝምልከት ኣርእስቲ ከካትዕ ይኽእል ይኸውን፣ ብዙሓት ተዓዘብቲ። ምቅርራብ ክብርኣብን ፍሬታን ካብቲ ኣብ ሜዳ ዝነበረ ምቅርራብ ተጋደልቲ ክልተኡ ጾታታት ዝተፈልየ ነይሩ ኢሎም፣ ፍቕሪ ዝበሃል ኣምር ኣብ ገድሊ ኣይነበረን ክበሃል ኣይከኣል፣ ተጋደልቲ ሰባት ስለ ዝዀኑ። እቲ ሓደ ባህሪ ሰብኣውነት ዝዀነ ስምዒት ፍቕሪ ክስመዖም ግድን እዩ፣ መርኣያ እዚ ድማ። ብዙሓት ተጋደልቲ ኣብ ሜዳ ዝምድና ሰሪቶም። ሓደር መስሪቶምን ቈልዑ ወሊዶምን ናጽነት ምስ ኰነ ድማ ናብ ቤቶም ተመሊሶም፣
ኣንጻር ዝዀኑ ጽምዲ ነገራት — ከም ሕማቕን ጽቡቕን። ለይትን ቀትሪን። ፍቕርን ጽልኢን… — ወትሩ ብሓደ ቅቐርቡ እንከሎ ዝፈጥሩዎ ስምዒት ሓያልን ዓሚቝን ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኰነን፣ ጽንኩራት እዋናት ኲናት። ዕርቃን። ጥሜት። ባህርያውያን ሽግራትን ካልኦትን ኣብ ገድሊ ኤርትራ ብዙሕ እዋን ዝዝንተወሎም ነገራት እዮም፣ ኣብዛ ፊልም ግን። ኣይተንጸባረቑን ክበሃል ይከኣል፣ እቲ ፍቕሪ ኣብ ዓንኬል’ቲ ጸገማት እንተ ዝድኰን ነይሩ። ትርጕሙ ሓያልን ንኣእምሮ ኵሉ ተዓዛቢ ዝትንክፍን ናይ ምዃን ተኽእሎን ነይሩዎ፣
ኣብ መበል 26 ክፋል’ታ ፊልም። መራሕቲ ኣሃዱ ፍሬታ። ኲናት ሻዱሻይ ወራር ኣብ ቅድሚኦም እናተጸበዮም ብዛዕባ ምትካኽ ሽጋር ፍሬታ ይዝትዩ (እቲ ከምኡ ዓይነት ዘተ ንልዕሊ 5 ዓመት ዝኸደ ምዃኑ ድማ ክዝከር ይግባእ)፣ እዚ ዓይነት ምርኢት ንክብደት እቲ ወራር ሚዛን ዘይህብ ኣብ ርእሲ ምዃኑ መጐታዊ’ውን ኣይኰነን፣
መነባብሮ ገድሊ ኣብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ማዕርነታዊ (egalitarian) ምንባሩ ብዙሓት ዝጸሓፉሉን ዝመስከሩሉን እዩ፣ ኣብዛ ፊልም። ገለ ዝሰርሑ ገለ ድማ ዘይሰርሑ ተጋደልቲ’ዮም ቀሪቦም፣ ማእቶታዊ ስራሕ ዳርጋ ኣይተራእየን ኣብዛ ፊልም፣ እቲ ናይ ምግብና ስራሕ’ውን ንገለ እንተ ዘይኰይኑ። ንገለስ ዘይምልከቶም ዝነበረ ይመስል፣ ንኣብነት ፍሬታን ክብርኣብን ኣብ ስራሕ ምግብና ኣይተራእዩን ክበሃል ይከኣል፣
ስራሕ ሓፋሽ ውዱባት ኣዝዩ ድኹም ኰይኑ’ዩ ቀሪቡ፣ ዋላ ሓደ ብልሓት’ቶም ኣባላት ኣይተንጸባረቐን፣ ዝንገር ሓደ-ሓደ ነገራት ነይሩ። እንተዀነ ካብ ኣብ ሓደ ገዛ ተሸጒጥካ ሕቱኽቱኽ ዋላ ሓደ ኣይተሰርሐን፣ ነቲ ሓደ ከዳዕ ከማን። ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ርእሲኡ ክውሰድ ዝወጠኑዎ ስጕምቲ ከተግብሩ ኣይከኣሉን፣ ብድብዱቡ እዛ ፊልም ልሙስ ስራሕ ሓፋሽ ውዱባት’ያ ቀሪባ፣
ገለ ቴክኒካዊ ጉዳያት’ታ ፊልም
ኣብ ከተማ ዝነበሩ ምርኢታት። ብልብሲ ተዋሳእቲን ምከናን ናብቲ ኣዋን ዝወስዱ ነይሮም፣ ጃንጎ ስረ ምስ ኣፍሮ ምሻጦ። ጀልብያ። ከምኡ’ውን ጎና ክዳን ደቀንስትዮ። ነቲ እዋን ዘይፈልጥ’ውን ነቲ እዋን ካብቲ ምርኢት ብኣእምሮኡ ክስእሎ ዘኽእል ብምንባሩ። ብሉጽ ስራሕ መረጻ ኣልባስ ነይሩ፣
ምከና ኣብ ከተማ ዝተመርጹ ቦታታት’ውን ብጽቡቕ ክጥቀሱ ይከኣል፣ መንበሪ ኣባይቲን ባራትን ዝነበረን ንብረት። ናይ ቀደም ኣብ ርእሲ ምንባሩ ግዜን ቦታን ኣብ ምንጽብራቕ ልዑል ተራ ተጻዊቶም፣
ንጻረ ስእሊን ድምጺን ከማኡ’ውን መይክ-ኣፕ ናይዛ ፊልም ብጽቡቕ ክጥቀሱ ይግባእ፣ ኣብ መበል 29 ክፋል ዝቐረበት ምርኢት ኣሰቃቒ መስዋእቲ ተጋዳላይ። ኣዝዩ ንኡድ ስራሕ መይክ-ኣፕ ዝተሰርሓላ ብምንባራ ኣእማኒት ነይራ፣
ብኣንጻሩ። ትሕዝቶ ፊልም “ትማሊ”። ብዝርርብ ዝተሃንጸን ሲነማዊ ቋንቋ ዝውሕዶን ኣብ ርእሲ ምዃኑ።  ኣብ ኣምር ግዜ። ኣገባብ ትረኻ። ቍጽጽር ሓሳብ ጸገም ተንጸባሪቑዋ፣ ፊልም። ብትርኢት ዘዘንቱ ዓይነት ስነ-ጥበብ እዩ፤ ዘሕልፎም መልእኽታት ምርኢታውያን ምስ ዝዀኑ። ሓይሊ’ቲ ስራሕ የርኢ፣ ዘረባ ዝዓብለሎ ስራሕ ግን። ካብ ከም ፊልም ከም ተዋስኦ ኣብ መድረኽ ክቐርብ ይምረጽ፣ ዓበይቲ ፍጻመታት ብዘረባ ተሓሊፎም፤ ዳርጋ ሻዱሻይ ወራር ከም ምሕላፉ ሓሊፉ። ወይ ናደው ተደምሲሱ። ባጽዕ ተታሒዛ ዝዓይነቱ’ዩ ነይሩ፣ ከም ሰነዳዊ ፊልም። ኣብ ድፋዖም ንዝሞቱ ወተሃደራት። ተጋደልቲ ነጢሮም እናሓለፉዎም ይረኣዩ፣ ተጋደልቲ ክትኵሱ ትርኢ፤ እንተዀነ። ዝትኵስ ወተሃደር ኣይተራእየን፣ እዚ ፍጹም ነቶም ፍጻሜታት ዝምልከት ምርኢታት ኣይነበረን ማለት ኣይኰነን፣ ብኣብነት ከምቲ ዝዝንተወሉ ምረት ውግኣት 6ወራርን ካልኦት መነባብሮ ገድሊን ኣይተራእየን፣
ናይዚ ቀንዲ ምኽንያት። ትረኻ ንውሓት ፊልም ንምንካይ እንተ ዘይኰይኑ መሳጢን ንስእላዊ ምርኢት ዘሐይልን ኰይኑ ብዘይ ምቕራቡን እዩ፣ ከም ኣገባብ። ኣብ ፊልም ዝውቱርን ቅቡልን’ኳ እንተዀነ። በቶም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ምኽንያታት ነታ ፊልም ሃስዩዋ ኣምበር ኣይጠቐማን፣ ኣብ ክንዲኡ። ሞንታጅ ኤዲቲን ተጠቒምካ። ብስሉጥ እቲ ክበሃል ዝድለ ብስእሊ (እንተ ተደልዩ ድማ ትረኻ ተወሲኹዎ) ክመሓላለፍ ምኸኣለ ነይሩ፣
ኣምር ግዜ ብኣላዪ’ታ ፊልም ዕሽሽ ተባሂሉ ዕቱብ ትዅረት ዘይተገብረሉ ጉዳይ’ዩ ነይሩ፣ እታ ፊልም። ማዕረ-ማዕረ ዝኸዱ ክልተ ዛንታታት — ኣብ ኣስመራን ሜዳን — ብጽምዶ ቀሪባ፣ እቲ ኣገባብ ጽቡቕ ኰይኑ። ውህደት ግን የብሉን፣ ብ1977 ክብርኣብ ንሜዳ ክወጽእ እንከሎ ዝተጠንሰ ቈልዓ። ብዛዕባ ሻዱሻይ ወራር ኣብ ዝረኣየሉ መርኢት። ወዲ 5 ኰይኑ ክረአ እናተገበኦ ሕቋፍ ቈልዓ እንከሎ ይረአ፣ ጽርሃ። ወዲ ዮርዳኖስ ሕቋፍ ቈልዓ እንከሎ (1979) ዝጠነሰቶ ዕሸል። ብዛዕባ ካልኣይ ውዱባዊ ጉባኤ ኣብ ዝረኣየሉ ምርኢት (1987) ይንጸል፣ ካብ 1977 ኣትሒዛ ክሳብ 1991። ምቅይያር ኣባላት (ተኽሊጥ) ዘይምልከታ ኣሃዱ ትርኢ፣ ንከባቢ ዓሰርተ ዓመታት ብዛዕባ ምምእካል ዝምድና ክብርኣብን ፍሬታን ምኒን ምባልን ወዘተ.፣
ብተወሳኺ። ፊልም “ትማሊ” ቍጽጽር ሓሳብ ኣይነበራን፣ ቍጽጽር ሓሳብ ማለት። ኵሉ ኣብ ድርሰት ዝቐርብ ምዕባለታት ንሓንቲ ሓሳብ ዘብስል። ዝምልእ። ዘሀብትም… ካብ ምህውታት የድሕነካ፣ ቍጽጽር ሓሳብ ምስ ዝህሉ። ደራሲ ዘተኵሮሎም ኩርናዓት ኣሎ ማለት እዮም፣ ልዒሉ ከም ዝተጠቕሰ። ኣብቲ ሰብኣዊ ክፋል ተጋደልቲ ብዝበለጸ ተተዅሩ እንተ ዝስረሓላ። እዛ ፊልም ሓይላ ምበርተዐ፣ ከም ዘላቶ ግን። ንታሪኽ ኤርትራ ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብመልክዕ ኣስተምህሮ ዝመስል ዝርርብ ሰርጌንቲ ተኪኤን ትልንቲ ያሲንን ትምድር፤ ንብዙሓት ፍጻሜታት ገድሊ ኤርትራ ብመገዲ ትረኻ ክብርኣብ ጥቕስ ኣቢላ ትሓልፎ፤ ከምኡ’ውን ውጽኢት ስራሖም ዘይረአ ጕያ-ጕያ ሓፋሽ ውዱባት ኣብ ኣስመራ ተርኢ፣ ንኵሉ እናብሰለት ካብ ዝወሰደቶ ግዜ ክልተ ወይ ሰለስተ ዕጽፊ እንተ ትኸይድ። ተዓዛቢ ብዕምቈት ዝርድኦ ታሪኽ ትማሊ ኤርትራ መጨበጠት፣
መደምደምታ
ፊልም “ትማሊ”። ከም ስራሕ ፈጠራ መጠን። ብዙሓት ሓቅታት ጐስያን ዘይነበሩ ነገራት ኣማእኪላን ክትከውን ትኽእል እያ፣ ንታሪኽ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራ ብዝግባእ ዕምቈት ኣይቀረበትን እንተ ተባህለ’ውን። ካብ ሓቂ ዘይረሓቐ ምጕት ከይኰነ ኣይተርፍን፣ ብኣንጻሩ ልብ-ወለዳዊት ስራሕ ብምዃና። ናይ ፈጠራ ጠባያት ኣብ ታሪኻውያን ፍጻሜታት ኣሊማ’ያ ቀሪባ፣ ልክዕ ቅዳሕ’ቶም ዝተጠቕሱ ፍጻሜታት ናይ ምቕራብ ዝከኣል ኣይኰነን፣ ብዘእምን ምቕራብ ግን ዘይከኣል ኣይኰነን፣
ካብ’ቶም እዛ ፊልም እተብርሆምን ክስትብሃለሎም ዝግበኦምን ትሕዝቶታት። ነቲ ሰብኣዊ ጐድኒ ተጋዳላይ እዩ፣ ተጋዳላይ ሰብ ብምዃኑ። ዝተፈላለዩ ሰብኣውያን ስምዒታት ዝስመዖ ምንባሩ ኣርእያትና፣ ክሃድሙ ድንዕ ዝብሉ። ክውስኑ ዝጠራጠሩ። ዘፍቅሩ… ተጋደልቲ ምቕራባ። እቲ ዝዓበየ ብልጫኣ እዩ፤ ምኽንያቱ ብዙሓት ቅድሚ ሕጂ ዝተሰርሑ ንእዋን ገድሊ ዘርእያ ፊልምታት። ነቲ ሰብኣዊ ጐድኒ ተጋዳላይ ክንድቲ ትዅረት ዝገበራ ነይረን ክበሃላ ኣይከኣልን፣
ኣብ ውክልና ደቀንስትዮ ተጋደልቲ ዘዕግብ ስራሕ ኣሎዋ ኣይበሃልን፣ ደቀንስትዮ ብዝግባእ ኣይተወከላን፣ እቲ ማዕርነታዊ ኣናብራ ተጋደልቲን ካብ ደቂ ተባዕትዮ ዘይሰንፍ ተሳታፍነት ደቀንስትዮን ውዱን ብዝዀነ ኣገባብ ኣይቀረበን፣
ፊልም “ትማሊ”። ብዙሓት ኣገባባት ምህናጽ ዛንታን ሲነማዊ ኣቀራርባን ድማ ይጐድላ፣ ፍሉይነት ዘይብሉ ቀንዲ ጠባይ ኣብ ርእሲ ምቕራባ። ዝተኸተለቶ ኣገባብ ትራኻ ንምርኢት ዘሐይል ዘይምንባሩ። ነቲ ፈጠራዊ ጐድኒ’ታ ፊልም ኣዝዩ ካብ ዝሃሰዩ ነይሩ ክብሃል ይከኣል፣ እቲ ዝዓበይ ሃጓፍ’ዛ ፊልም። ብዓማሚ-ኵሉ ዝዀነ ሰራሕ-ፊልም ምምእዛና እዩ፣ ንደራሲን ኣላዪን’ዛ ፊልም ዝሕግዙ ተቘጻጸርቲ ጽሑፍ-ፊልምን ቀጻልነት (script supervisor and continuity supervisor) እንተ ዝነብሩዋ። እቲ ኣብ ዝበራረ ውህደት ፊልም (cross editing) ዘጋጠሙ ዓበይቲ ጸገማት ኣምር ግዜ ምጐደሉ ነይሮም፣

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top