ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ሓደ ምቕሉል እማመ ንምምስራት ሃገረ ኣግኣዝያን

ናሁ፡ ጸሐፍኩ፡ ለኩም፡ ዘንተ፡ ጸሑፍ፡ በብዙኅ፡ አስተሐምሞ፡ ወጽሒቅ፡ ከመ፡ ይኩነኩም፡ ረባሐ።
ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጡፍ ዝዀነ ፈላጢየይ፡ “ለንቅነ ኣግኣዝያን’ያ ዓሚራ ዘላ፡ ናብኣ ከብል’የ” ክብል ሰሚዐዮ። እቲ ግልብጥ ግልብጥ ዝብል ተግባሩ፡ ነቲ ቈልዑ እንከላና በብግዜኡ ንቐያይሮ ዝነበርና ጸውታታት ኣዅድር፡ ኵዕሶ እግሪ፡ ዕንክሊል፡ ባሊና፡ ዓካት፡ ፊስካ ኣንጎሎ፡ ጥፍእ. . . ኣዘኪሩኒ። እንታይ’ያ ብልሓታ እዛ ኣግኣዝያን ዝብል ሕቶ ምስ ኣቕረብኩ ብዝረኸብኩዎ መልሲ ግን፡ ደንጕያ ዝተበገሰት ሓሳብ ኢለ ምስ ነብሰይ ሓሲበ። ቀጺለ ድማ፡ ንምምስራት እዛ ንዅሉ ሓቛፊት ክትከውን እትኽእል ሃገረ ምቕሉል ዝብሎ እማመ ንኸቕርብ ተበጊሰ።
ክሳብ ሕጂ ብዝተዓዘብኩዎ ምልልሳት፡ ምሉእ ስእሊ እቲ ዝድለ ዘሎ ክረክብ ኣይከኣልኩን። ኣድቂቕካ ዘይመተርካዮን መርሚርካ ዘይገበርካዮን፡ እቲ ይሓንቕ እቲ ድማ ይሓምቕ። ሃገረ ኣግኣዝያን ንኽትምስረት መሰረት ክዀና ዝኽእል ክልተ ኣገባብት ዝንተዋ ‘ታሪኽ’ ምፍታሽ ከድልየና እዩ። እቲ ሓደ ንዞባና ዝምልከት ብሊቃውንቲ ስነ-ጥንቲን ታሪኽን ዝቐርብ መጽናዕቲታት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ጸሓፊኡ ዘይፍለጥ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝንየትሉ ብመጽሓፍ ክብረ ነገሥት ዝጽወ ታሪኽ ሰለስተ ሽሕ ዓመታት ዝምልከት እዩ።
ተመራማሪ ቅድመ-ታሪኽ ኤች. ዴ ኮንቴንሶን ኣብ ዝጸሓፎ “ባህሊ ቅድመ-ኣኽሱም” ዝብል መጽናዕታዊ ዓንቀጽ ምስረታ ከተማ ኣኽሱምን ንግስነት ኣኽሱምን ካብ ከባቢ ክልተ ዘመናት ቅ.ል.ክ. ምዃኑ ንተመራማሪ ጂኦግራፍ ዝዀነ ክላውዲዩስ ፕቶሎሚን ዳህሳስ ባሕሪ ኤርትራ ዝብል መጽሓፍን ብምጥቃስ ይገልጽ። ንምስረታ’ቲ ንግስነት ዝሓገዙ ምቹኣት ክበሃሉ ዝኽእሉ ረቛሕቲ ስለ ዘይርከቡ ግን፡ ንጥንታውያን ቅርሲታት ብምጽናዕ እቶም ዝነበሩ ኵነታት ከመይ ምንባሮም የረድእ። ነቶም ቅርሲታት ቅድመ-ታሪኽ ብምጽናዕ ድማ፡ ኮንቴንሶን እዚ ዝስዕብ መደምደምታ ይህብ፤ “ቅድመ-ኣኽሱም ዝነበረ ግዜ፡ ጽልዋ ደቡብ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ሓያል ዝነበረሉ ግዜ እዩ። እቲ ቀንዲ ምልክት ናይዚ ጽልዋ’ዚ ድማ፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዝርከቡ ቅርሲታትን ውቑራት ኣኻውሕን ምስ’ቶም ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብ ደቡብ ዓረብ ንግስነት ሳባ ጥርዚ በጺሕሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ዝነበሩ ኣዝዮም ዝመሳሰሉ ምዃኖም’ዩ።”
ኮንቴንሶን ናብዚ መደምደምታ’ዚ ንምብጻሕ ብዙሓት ቅርስታት ይጠቅስ። እቶም ቅርስስታት ኣብ ናይ ሎሚ የመን መዕሪብን ቲምናን፡ ኣብ ኤርትራ ከስከሰን ግራት መተነን፡ ኣብ ትግራይ የሓን ኣኽሱምን ገለ ካብ’ቶም ዝጥቀሱ ቅርሲታት ዝተረኽቡሎም ቦታታት እዮም።

ብተመሳሳሊ፡ ጽልዋ ኩሻዊ ባህሊ ንግስነት መሮ ድማ ዕዙዝ ምንባሩ ካብ’ዞም ዝተረኽቡ ቅርስታት ንርዳእ። ንግስነት ኣኽሱም ጥርዚ ዝበጽሓሉ ሳልሳይ ክ/ዘ ድ.ል.ክ. ብምንባሩን፡ ስልጣነ መሮ ድማ ንኣማኢት ዓመታት ቅ.ል.ክ. ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ቀዳማይ ነቲ ዳሕረዋይ ክጸሉ ከም ዝኽእል ኣይሰሓትን። ኣብዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ መጽናዕታዊ ዓንቀጽ፡ ንጽልዋ ንግስነት መሮ’ውን ዝተራእየሎም ቅርስታት ብተመሳሳሊ ዘርዚሩ ኣቕሪቡዎም ይርከብ።

ኤፍ. ኣንፍረይ ዝጸሓፎ “ስልጣነ ኣኽሱም ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻውዓይ ክ/ዘ” ዝብል መጽናዕታዊ ዓንቀጽ፡ ነዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ጽልዋ ደቡብ ዓረብ ይድርዕ። ነዚ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ከባቢ ሰንዓፈ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጥንታውያን ታሪኻውያን ቦታታት ነዚ ዝምስክሩ ቅርስታት ከም ዝርከቡዎም የመልክት። ሓደ ካብኦም ሓወልቲ መጠራ እዩ። እቲ ናይ 200 ክ/ዘ ድ.ል.ክ. ምዃኑ ዝተረጋገጸ ሓወልቲ መጠራ ብግዕዝ ዝተወቕረ ጽሑፍ “ዘሐወለተ/ዘአገበረ
     አገዘ/ለአበወሀ/ወሰ
     ሐበ/ወሐዘተ/አወዐ
     አለፈነ/ወጸበለነ”
ዝብል ዝርከቦ ቀዳማይ ጽሑፍ ቋንቋ ግዕዝ ምዃኑ የነጽር። እቲ ኣገባብ ኣጸሓሕፋኡ ድማ መበቈሉ ካብ ደቡብ ዓረብ ኣብ እዋን ንግስነት ሳብ ካብ ዝነበረ ምዃኑ ሊቃውንቲ ታሪኻን ስነ-ቋንቋን ኤኖ ሊትማን፡ ኤድዋርድ ኡለንድሮፍን ካርሎ ኮንቲ ሮሲኒን ብዝገበሩዎ መጽናዕቲ የረጋግጹ።

ዋላ’ኳ ንጉስ ኤዛና ናይ ንግስነት ኣኽሱም፡ ንንግስነት መሮ (ክሳብ ኣትባራ ሰሜናዊ ክፋል ሱዳን) ከምኡውን ንንግስነት ሳባ (ካብ የመን ንምድረ-በዳ ኣልሩባ ኣልሕሊ ሰንጢቑ ክሳብ ናይ ሎሚ ሕቡራት ኢማራት) ብምውራር ግዝኣቱ ኣስፊሑ ምንባሩ እንተ ተፈለጠ፡ ጽሑፋቱ ግን ብጽርኢ እምበር ብግዕዝ’ሲ ድሒሩ’ዩ ክጽሓፍ ዝጀመረ።

ስለዚ፡ ህዝቢ ኣግኣዝያን ተወለድቲ ደቡብ ዓረብ ምንባሮም ዘጠራጥር ነገር የብሉን። ስሞም ከም ዝሕብሮ’ውን ነጻነት ብሂጎም ናብ ናይ ሕጂ ኤርትራ ዝፈለሱን ምስቲ ዝጸንሖም ሕብረተ-ሰብ ዝተደባለቑን፡ ቋንቋኦም’ውን ምስ ካልኡት ቋንቋታት ምትሕንፋጹን ይፍለጥ።

ነዚ ብዝምልከት ኣድርያኖ ካርቦነ ዝጸሓፎ ዶ/ር ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ “ኣፋዊ ስነ ጽሑፍ ቋንቋታት አርትራ፡ ቋንቋታት ቀርን ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣብ ዝተርጐሙዎ መጽሓፍ ብዘይካ ናራ፡ ኩናማ፡ ትግረን ሳሆን፡ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ኣብ ካልእ ሃገር ማዕቢሎም ንምድረ ኣግኣዚ ዝኣተዉ ቋንቋታት ምዃኖም ነንብብ። ናብዚ መደምደምታ ንምብጻሕ፡ ንምትሕንፋጽ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ብዝግባእ ድሕሪ ምጽናዕ ምዃኑ ብሩህ ክኸውን ይግባእ። ብኸፊል ንምጥቃስ፡ ካብ 9ይ ክሳብ 11 ክ/ዘ ቋንቋታት ታሕተዎት ኩሽ ከም እኒ ሶማል ምስ ግዕዝ ብምትሕንፋጽ ቋንቋ ዓፈር ፈጢሩ። ቋንቋ ዓፈር ብተወሳኺ ምስ ግዕዝ ብምድብላቕ ቋንቋ ሳሆ ምፍጣሩ ይጥቀስ። ብተወሳኺ፡ ቋንቋታት ሰሜን ኩሽ ከም ቤጃ (ሕዳርብ/ብዳውየት) ምስ ህዝቢ ግዕዝ ብምድብላቕ ንትግርኛን ትግረን ካብ ግዕዝ ከም ዝፍንተቱ ገይሮም። እቲ ዝርዝር ነዊሕ’ዩ፣ እቲ ዝህበና ርድኢት ድማ ብሩህ።
ዲ. ኦልደሮገ “ፍልሰት፡ ብሄራዊን ስነ-ቋንቋኣዊን ፍልልያት” ኣብ ዝብል መጽናዕታዊ ዓንቀጹ ነቲ ዝግባእ ምሰረታዊ ኣገባብ መጽናዕቲ ታሪኽ ብኸምዚ ይገልጾ፤ “ካብ መጽናዕቲታት ስነ-ሰባዊ፡ ስነ-ቋንቋኣዊን ባህላዊን ዝርከቡ ሓበሬታ ጥንታዊ ታሪኽ ኣፍሪቃ ምስ እነነጻጸር፡ እቲ ስነ-ሰባዊ ሓበሬታ ኣዝዩ ኣገዳሲን ውድዓዊን ኰይኑ ይርከብ።” እዚ ማለት ዓሌታዊ ኣቃውማ ሓደ ህዝቢ ካብ ባህሉ፡ ሃይማኖቱን ዝዛረቦ ቋንቋን ንላዕሊ እኹል መረዳእታ ታሪኽ ክህብ ይኽእል ማለት’ዩ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኤስ. ኤፍ ናደል “ዓሌታትን እንዳታትን ኤርትራ” ኣብ ዝብል መጽሓፉ ንመበቈል ብሄራት ኤርትራ ኣብ ሰለስተ ይኸፍሎም፤ ሃማውያን፡ ሴማውያንን ጸለምቲ ዝመበቈሎምን ብምባል። ብምቕጻል ድማ በዚ ዝስዕብ ይድምድም፡ “እዞም ሃማውያንን ሴማውያንን ቃል-ብቓሉ ጽሩይ ዓሌት የብሎምን፣ ብርግጽ ናይ ንሓድሕዶም፡ ናይ’ቶም ጸለምቲ ዓሌት፡ ከምኡውን ናይ ካልኦት ምንጮም ዘይልለዩ ጕጅለታት ደም ስለ ዘለዎም፡ ዓሌት ዝብል ኣምር ትርጕም ዝህልዎ ኣይኰነን።” ብተመሳሳሊ፡ ብ1913 ዝተሓትመ “ፍትሕ መሓሪ ወዓዶታት” ዝብል ሕጊ እንዳባ ትግረ ምስ እንውከስ፡ ገለ እንዳታት ትግረ ወለዶኦም ካብ ዓሌት ቑሬሽ ምዃኑ ነንብብ።ካብዚ ብዘይፍለ ኣልቤርቶ ፖሌራ “መበቈላውያን ኣህዛብ ኤርትራ” ኣብ ዝብል መጽሓፉ ነዚ ሓቂ’ዚ ብንጹር ኣስሚሩሉ ይርከብ። ገለ ኣብነታት ንምጥቃስ፡ ድሕሪ ምድኻም ንግስነት ኣኽሱም፡ ዕብለላ ግዝኣት በጃ ተራእዩ ነይሩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ካብ ባርካን ሳሕልን ተበጊሱ ብሰምሃር ኣቢሉ ንኸበሳ ዝደየበ ዕብለላ በጃ፡ ኣብ ሕርጊጎን ሕጥምሎን ርኡይ ኣሰሩ ገዲፉስ ኣብ በለው ከለው’ውን ጽልውኡ ተራእዩ ነበረ። እቲ ፍጻመ’ውን ብበለውን ከለውን ስያመ ይፍለጥ። እቲ ዕብለላ በለውን ከለውን ክልተ እዋን ዝተራእየ ኰይኑ፡ ቀዳማይ ደድሕሪ ምድኻም ንግስነት ኣኽሱም እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ግዜ ቱርካውያን’ዩ ዝነበረ። ናይዚ ዕብለላ ውጽኢት ድማ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ ክነብሩ ዝቐጸሉ ድሓር ናይባት ዝተሰየሙ እምነቶም ምስልምና ኰይኑ ክቕጽል እንከሎ፡ እቶም ኣብ ከበሳታት ዝተረፉ ድማ ብኽርስትና ቀጺሎም። እዞም ኣህዛብ መበቈሎም በጃ ኰይኑ፡ ሓረግ ዘርኦም ድማ ካብ ሕውነት ዘይርሕቕ እዩ።

ክልኣይ ኣብነት ንምጥቃስ፡ ብሄረ ሳሆ ካብ ምብራቓዊ ሽመዛና ተበጊሱ ክሳብ ወሽመጥ ዙላን ሓውሲ ደሴት ቡሪን ብምዝርጋሕ ኣብ ንጡፍ ንግዳዊ ልውውጥ ጥንታዊት ኣዱሊስ ልዑል ተራ ዝጻወት ዝነበረ ዓሌት ምዃኑ ይፍለጥ። ብፍላይ እንዳታት ጦርዓ፡ ሓዞን ጋዞን ምስ ዓርባዊ ዓለም ዝነበረ ጥንታዊ ርክቦም ክሳዕ ቀረባ እዋን ኣብ ዝኽርታቶም ህያው እዩ። ዝርግሐ ብሄረ ሳሆ ኣብዚ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ከባቢታት ዘይሕጸር ምዃኑ፡ ዝርግሐ ሓረግ ዘርኢ ዓሌታት መንሳዕ፡ ማርያ፡ ደኪ-ሻሓይ ዓንሰባን ቦጎስን ናብኡ ዝመጽእ ምዃኑ እኹል ኣብነት እዩ። ናይ ካልኦት ብሄራትን ዓሌታትን ሓረግ ዘርኢ ምስ እንቘጽር’ውን ካብዚ ዝፍለ ከም ዘይኰነ እኹል መርትዖታት ኣሎ።
ምዚ ብዝገራጮ፡ መበቈል ኣህዛብ ኤርትራ ምስ ሰሎሞናዊ ወለዶ ንምትእስሳሩ ዝፍተን ካብ ጽውጽዋይ ዘይሓልፍ ትረኻ መጽሓፍ ክብረ ነገሥት እዩ። ብሓጺሩ፡ ንግስቲ ማክዳ ወይ ኣዜብ ናይ ኣቢሲንያ ከም ንግስቲ ሸባ (ሳባ) ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ብምጥቃስ ካብ ንጉስ ሰሎሞን ብዝወለደቶ ቀዳማዊ መነሊክ ምስ ወለዶ እስራኤላውያን ንምትእስሳሩ ይፍተን። ልዑል መነሊክ ካብ ኣቢሲንያ ንኣቦኡ ንምርኣይ ናብ እስራኤል ድሕሪ ምብጽሑ፡ ንጉስ ሰሎሞን ድማ ንደቂ ሹማምንቱ ከም ዘሰንዩዎ ብምግብራ ናብ ዓዱ ይመልሶ። ኣብዚ ጕዕዞ’ዚ፡ ኣዛርያ (ወዱ ንላዕለዋይ ተጽዋዒ ኣቕሽሽቲ እስራኤል ዝዀነ ሳዶክ (ዛዶክ)) ንጽላት ጽዮን ሕጊ ኣምላከ እስራኤል ካብ ዝተቐመጠትሉ ቤት መቕደስ ሰሪቑ ይማልኣ።
ካብ’ዞም ንቐዳማዊ መነሊክ ኣሰንዮም ዝመጽኡ ዓሰርተ ክልተ ንገዳት እስራኤል ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ናይ ሕጂ ኤርትራን ኢትዮጵያን ቦታ ተዋሂቡዎም ፈረዩ ይበሃል። ካብ’ዚኦም፡ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ሰፊሮም ዝበሃሉ ሽዱሽተ ኰይኖም፤ ይሁዳ፡ ሌዊ፡ ሚናብ፡ ሮቤል፡ ዮሴፍን ስምኦን ድማ’ዮም። ብናይ ሓባር መጽውዒ ድማ ደቂ ያቆብ ተባሂሎም ይጥቀሱ። ካብ’ዚኦም እውን፡ ሚናብ ኣብ ሓማሴን ተሪፉን ዘርኡ ሰሲኑስ፡ ክሳዕ ሕጂ’ውን ብዙሕ ክፋል ህዝቢ ሓማሴንን ኣከለ-ጉዛይን ደቂ ሚናብ ተባሂሎም ይጽውዑ ኣለዉ ይበሃል።
ከምዚ ዓይነት ጽውጽዋይ፡ ኣብ ደቡብ ዓረብ መበቈል እቶም ናብ ናይ ሎሚ ኤርትራ ዝፈለሱ ዓሌታት ሓበሻን ግዕዝን ዝዀነ ቦታ ዝውቱር’ውን’ዩ ዝነበረ። እዚ ዛንታ ኣብ ግዜ ዕብላለ ኣኽሱም ናብኡ ሰጊር ከይበሃል ድማ፡ ምጥቀት ኢምበራጦርያ ኣኽሱም ድሒሩ ኣብ ሻዱሻይ ክ/ዘ እዩ ዝነበረ።
እዚ ሒደት ቁንጫል ኣብነታት፡ ኣብ ቋንቋ፡ ባህሊን ሃይማኖትን ዝተሰረተ ታሪኽ ውዱእ ስእሊ ክህብ ከም ዘይክእል መርኣያ እዩ። ቋንቋ ምስ ፍልሰትን ርክባት ኣህዛብን ፍልቀቱ ዘይቋርጽ ዘይጭበጥ ሃብቲ ሓደ ሕብረተ-ሰብ እዩ። ባህሊን ሃይማኖትን ብተመሳሳሊ ምስ ዝተፈላለዩ ጽልዋታት ወትሩ ዝቕየሩ እዮም። ሓረግ ትውልዲ ብኣንጻሩ፡ ንኣመጻጽኣ ሕብረተ-ሰባት ናብ ሱሩ ከብጽሓና እኹል ዝዀነ መርትዖታት ኣለዉዎ። እቶም ጽጹያት መጽናዕታት ቅድመ-ታሪኽን ታሪኽን ምስ ዝውሰኹዎ ድማ፡ ትርኑዕን ህያውን ይኸውን።

ካብዚ ብምብጋስ ድማ፡ እዞም ዝስዕቡ ምቕሉላት እማመታት ንምስረታ ሃገረ ኣግኣዝያን አቕርብ፤

  1.       ነዞም ልዒሎም ዝተዘርዘሩ ክልተ ፈትሊታት ታሪኽ ልቢ እንተ ኢልናሎም (ነቲ ጽውጽዋይ ስግረ-ዶብ ዕሽሽ ብምባል)፡ ምድረ ኣግኣዝያን ንሓደ ብሄር ቀሪቡ ንኻልእ ብሄር ዝርሕቆ ኣይኰነን። ነበርቲ’ዚ ምድሪ’ዚ እንተ ዘይጸቢቡዎም ኣይገፍሖምን ድማ። ዘርእኻ ቈጺርካ ናብ’ቲ ኣሎ ዝበሃል ድሕሪት እንተ ተኸይዱ ድማ፡ የመንን ስዑድያን ምድረ ኣግኣዝያን ክኸውን’ዩ። ከምእ’ውን ሳሃራ’ውን ከይዓጠጠና ክሳብ ኣትባራ ምድሪ ኣግኣዝያን ክኸውን ዘለዎ። ስለዚ ምድሪ ኣግኣዝያን ኣብ ምብራቓዊን ምዕራባዊን ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተጋሕተነ ብኽልቲኡ ጠረፋቱ ምድረ-በዳ ዝኸለሎ ግዝኣት ክምስረት ኣለዎ።
  2.        ነዚ ዝኣክል መሬት ኣብ ቍጽጽር ንምውዓል፡ እቶም ንዶናልድ ትራምፕ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ዝሰደዱ ሰባት ብስሉጥ ኣጽዋርን ፖሊቲካዊ ደገፍን ክልግሰልና ድማ ክጽዕቱ ይግባእ። ናይ ዮሃና መልእኽቲ ምስዳዶም ጽቡቕ ዲፕሎማስያዊ መንጸፍ’ዩ። ኣመሪካ በለት ማለት ኣብ ቅድሚት ዝጸንሕ የሎን። ወይለይ’ባ ኣብታ ባንዴራ ሃገረ ኣግኣዝያን ድማ’ባ እታ ናይ ሽምዓ መቐመጢ ኣርማ ኣይሁድ’ውን ኣርማና ከይና’ባ’ላ። ስለዚ፡ እስራኤል’ውን ነዘን ጐረባብትና ሃገራት ዓረብ ክንጸራርገን ምብጋስናን ኣሐጒሱዋ ዘድሊ ዕጥቂ ክትልግሰልና’ያ።
  3.       ብሸነኽ ቍጠባ፡ ኣብ ባብ-ኤል-መንደብ ተጋሕቲንና ንዝሓለፈት መርከብ እናኣገበርና ሃብቲ ሃገረ ኣግኣዝያን ሽዑ በሽበሽ ከመ ባሕር ወ ሰማይ ክኸውን’ዩ።
  4.        ቋንቋና ግድን መለልዪና’ዩ እንተ ተባሂሉ ድማ፡ ጸገም ዘለዎ ኣይኰነን። መነኵሳት ኣድባራት ቆቢዖም ቀዲዶም ክሰፍዩ ካብ ዝውዕሉ፡ መምሃሪ ቋንቋ ግዕዝ ዝኸውን መጽሓፍቲ ጽሓፉ ዝብል ትእዛዝ ክመሓላለፍ ኣለዎ። እቶም ዝዓበናስ ድሓን ቀደም’ውን ብሰንኪ መግዛእቲ (ኵሉ ጸገማት ናብ መግዛእቲ ምድርባይ ኣይኰነን፡ ሓቂ’ዩ) ቋንቋ ኣዴና ክንመሃሮ ዕድል ኣይረኸብናን። ደቅና ግን ቋንቋ ግዕዝ ክመሃሩ ኣለዎም! ግን፡ ቋንቋ ኣዴኦም’ዶ ዋላ ቋንቋ ኣቦኦም’ዩ ክበሃል፧ ምዚ ዝተኣሳሰር ድማ፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግረ ብቕልጡፍ ክመልኩዎ ምዃኖም ኣይነርስዕ። ብውሁብ ሓቂ ድማ፡ እቲ/ታ መራሒ/ት ሃገረ ኣግኣዝያን ድማ ተዛራቢ/ት ቋንቋ ትግረ ንኽኸውን/ንኽትከውን ክንጽዕር ኣለና። እቶም ትግርኛ ናትን’ዩ ክትብሉ ጀሚርኩም ዘለኹም ጀበርቲ’ውን እንቋዕ መጐሰኩም። እቲ ቋንቋ ግን ናይ ኵልና’ዩ፣ እቲ ትኣልምዎ ቅጭን ኩታን መዐመምያን’ውን ናይ ኵልና።
  5.       ምምላስ ምምላሱ ናብቲ ዝጠንተወ መንነትና ምምላስ ካብ እተደለየ፡ ኦርቶዶክስ የለ ዋላ ምስልምና። ኣማልኽቲ ጸሓይን ወርሕን ከም’ቶም ኣቦታትና ሓልዉና እናበልና ንጽልየሉ ኣገባብ ንፈጥር ማለት’ዩ። ኣይፋልን፡ ግድን ብሕጊ ኦሪት ኢና ንኸይድ እንተ ተባህለ ድማ፡ ንመን’ሞ ከይከፍኦ፧ ምኽምያቱ እቶም ታቦትና’ዶ ጺዩንና ዝብሉ፡ ካብ’ቶም ዓሰርተ ትእዛዛት እቲ ጽላት ነቶም ዕስራ ስለ ዝጥሕስዎም ዘዋጽኦም ኣይኰነን። ንኣብነት፡ ንሓውኻ ዘይኰነ ንጸላኢኻ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር ዝብል ሓንሳብ ዘይኰን ብዝተዓጻጸፈ’ዮም ክጥሕስዎ ንርእዮም ዘሎና። ካብ ጸሓየ-ወርሒ ምምላኽሲ፡ ብዘይ ሃይማኖት’ውን ምኻድ ዝከኣል’ዩ። ሃይማኖት እንትርፎ ድንቍርና፡ ዝተኽሎ ጽቡቕ እንተሎ ሃየ ኣንቅሑና። ካብቲ ልሙድ ኣባህላኦም፡ እዚ ጸጋማዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝብልዎ ፍሉጥ’ዩ። እንተዀነ፡ ጸጋም ጸጋም ዝዀውን ጸጋም እንተ ተባሂሉ ጥራይ’ዩ። እዚ ኢሃይምኖታዊ (ዓለማዊ ዝብል ቃል ደሓን ከይትሓሙና ገዲፍናዮ ኣሎና) ሃገር ምምስራት ዝበሃል መገዲ የማን ዝመርሕ ምዃኑ ዘይእመን፡ ቅዱስ መጽሓፍን ቁርኣንን መተርኣስ ክዀንዎ ንመቓብሩ ክማላእ ጥራይ ክመዓድ ኣለዎ።
  6.       ንሕጽዩነት ሪፓፕሊካን ተወዳዳሪ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዝወዳደር ዝነበረ ቴድ ክሩዝ (ስም ቀሹ ድያብሎስ) ንፉዕ ሓሳዊ ምዃኑ ብዛዕባ ዋዒ ዓለም ክምጕት እንከሎ ኣስተውዒልና ንኸውን፡ “ዓለም ኣብ’ዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት ርኡይ ክበሃል ዝከእል ወሰኽ ዋዒ ኣየርኣየትን ይብል።” ሓቁ’ዩ ነይሩ። እንተዀን፡ ካብ ሰብዓታት ዝተኣከበ ጸብጻብ ከም ዘመልከቶ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዓ ዓመታት ዋዒ ዓለም ብኣዝዩ ልዑል ዓቐን ምውሳኹ’ዩ ዝተሰነደ። ክጥዕመካ ቈንጪልካ ዝውሰድ ሓቂ፡ ብሕጊ ኦሪት’ውን ብሓሶት ምምስካር’ዩ። ካብ ገደናኦም ዘይሓልፍ ዛንታ ሒዞም ብዛዕባ ናይ ትማሊ ጽዓዘጋ ሃለፍ ኢልካ፡ ተናጢርካ ድማ ብዛዕባ ኣግኣዝያን፡ እኽሱምን ጽዮንን ምንስናስ፡ ተስፋ ዘይኰነ ቅብጸተ-ጽዮን እዩ። ኣልቫረዝ ዝሰነዶ ታሪኽ ምድረ-ባሕሪ ኵሉ ህዝበ ኣግኣዝያን ክነቦ ኣሕሚመ እላቦ። ቅድሚ ኣኽሱም፡ ኣዱሊስን ንግስነት መሮን ዝተፈልጣ ምንባረን እዞም ብኣድጊ ዝተዓሰቡ ኣዛብእ ክመሃሩ እማመ እቕርብ። እቲ ዘይነጽፍ ታሪኽና፡ ብስሩ ጀሚርና ክንፈልጦ እምበር ኣብ ሓንቲ ዓንኬል ከንዅድዶ ብሃምነት’ዩ።

እዚ እማመ ዓሰርተ ከብጽሖ ሓሲበ ነይረ፡ እንተዀነ ካብ ሕጊ ኦሪት ፍልይ ክብልሲ፡ ኣብዚ ክንውድኦ። ነጋሪት ዘድልዮ ሰብ እንተሎ፡ በዛ እትስዕብ ምስላ ቋንቋ ትግረ እፍለዮ፤ “ምን ሕበዘት እት ተንዱር፡ ፍላም ዲብ እዴ።” ምኽንያቱ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ታሪኽ ሰሪሑ ሃገር ከም ዝወለደ ክሳብ ሕጂ ዘይስቈሮም ብዙሓት ብምህላዎም።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top