መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ሓደ – 1ይ ክፋል (Metsihaf Eyo Tigrinya Hade – Kifal 1)

270,00 kr

መም. ዮሴፍ ወረቀ ኣስራት፡ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ምምህርና ተመኵሮኡ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ትግርኛ፡ በዚኣ ስራሕ’ዚኣ የካፍለና ኣሎ። እቲ ብሓፈሻ ቈልዑ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ሕብረተ-ሰብ ተፈልዮም ዝዓብዮ፡ ዝገጥሞም ብድሆታት ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ቋንቋ ትግርኛ፡ ብኣጋኡ ዘላለየ መም. ዮሴፍ፡ ናይ ባዕሉ ኣገባባት ኣመሃህራ ምንባብን ምጽሓፍን እቲ ቋንቋ ኣማዕቢሉ ዘዳለዋ ስራሕ እያ።

Availability: In stock

SKU: 978-91-991678-0-1 Category:
Wishlist Compare

መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ሓደ – 1ይ ክፋል፤ ንባብን መላመድታትን

ብዮሴፍ ወርቀ ኣስራት

ቍ. ገጽ 140

መጽሓፍ ሓደ ቀዳማይ ክፋል፡ ቋንቋ ትግርኛ ክምሃሩ ንዝጅምሩ ቈልዑ መንቀሊ ባይታ እያ።

ፊደላት ትግርኛ፡ ብዝቐለለ መንገዲ ክምሃሩላ ተባሂላ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ ድማ እያ።

ኣብ’ዛ መጽሓፍ፡ ፊደላት ቋንቋ ትግርኛ፡ ብቕርጾም ኣብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ተመዲቦም ኣለዉ። ቀዳማይ ጕጅለ፡ ክልተ እግሪ ዘሎዎም ፊደላት ኰይኖም፡ ብቐሊሉ ቈልዑ ክለማመዱዎም ዝኽእሉ ፊደላት እዮም። ኣብ’ዚ መደብ እዚ፡ በ፡ ቨ፡ ሰ፡ ሸ፡ ከ፡ ኸ፡ አ፡ ለ፡ ዘ ከምኡ’ውን ዠ ይጠቓለሉ። ብመሰረት ኣብ’ዛ መጽሓፍ ቀሪቡ ዘሎ ትሕዝቶ፡ እዞም ፊደላት እዚኦም፡ ኣብ ሰለስተ ንኡሳን ጕጅለታት ተመቒሎም ኣለዉ። ሓደ ፊደል ምስ ሰዓብቱ ኣብ እንምህረሉ ግዜ ድማ፡ ንፊደላት ሳድስን ሳብዕን ፍሉይ ኣተኵሮ ክንህቦም ይግባእ።

ኣብ ካልኣይ ጕጅለ፡ ሓደ እግሪ ዘሎዎም ፊደላት ኣለዉ። ገ፡ ነ፡ ኘ፡ ፐ፡ ተ፡ ቸ፡ ቀ፡ ቐ፡ ረ ከምኡ’ውን ፈ እዮም። እዞም ፊደላት እዚኦም፡ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ጕጅለታት መቒልና ክንምህሮም ንኽእል። ብተወሳኺ፡ ሓደ ፊደል ምስ ሰዓብቱ ኣብ እንምህረሉ ግዜ፡ ንፊደላት ራብዕ፡ ሳድስ ከምኡ’ውን ሳብዕ ኣተኵሮ ክንህቦም ኣለና። ብፍሉይ ፊደላት ‘ረ’ን ‘ፈ’ን ኣብ እንምህረሉ ድማ፡ ተወሳኺ ኣተኵሮ የድሊ።

ኣብ ሳልሳይ ጕጅለ ዝርከቡ ፊደላት፡ ኣብ ኣርባዕተ ንኡሳን ጕጅለታት ዝተመቐሉ እዮም። ሰለስተ ኣእጋር ዘሎዎም ከም ጠ፡ ጨ፡ ሐ፣ ሓደን ክልተን ኣእጋር ዘሎዎም ከም የ፡ ደ፡ ጀ፣ ክልተ ኣእጋር ዘሎዎም ከም ‘ጸ’ን ‘ጰ’ን፣ ከምኡ’ውን እግሪ ዘይብሎም ከም ሀ፡ ዐ፡ ወ፡ መ እዮም። እዚኦም እቶም ዝበርትዑን እኹል ግዜ ክውሃቦም ዝግባእን ፊደላት እዮም።

ብሓፈሻ፡ ኣብ’ዛ መጽሓፍ፡ ድሕሪ ነፍስ-ወከፍ ፊደል፡ ቃላት፡ ምሉኣት ሓሳባትን ተወሰኽቲ መላመድታትን ኣለዉ። ቈልዑ፡ ብርግኣት እንተ ተማሂሮምላ ድማ፡ ውጽኢታዊ ክትከውን ትጽቢት ይግበረላ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብግቡእ ዝዛዘሙ ቈልዑ፡ ናብ’ታ ሊላ ዝሕብራ ናይ’ዛ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ካልኣይቲ ክፋል ክቕጽሉ ይኽእሉ። ድሕሪኡ ድማ፡ ናብ መጽሓፍ ቍጽሪ ክልተን ሰለስተን ይቕጽሉ።

Weight 350 g

Reviews

There are no reviews yet.

Be the first to review “መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ሓደ – 1ይ ክፋል (Metsihaf Eyo Tigrinya Hade – Kifal 1)”

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top