ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ (Ab Libya’ye Tenise)

“ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ”፡ 19 ሓቀኛ ዛንታታ ዝሓቖፈት፡ 216 ገጻት ዘለዋ ኮይና፡ ኤርትራውያ ደቂ ኣንስትዮ ኪኖ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝሓልፍኦ ጸገም፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ኣተዋ ዘጋጥመን ማሕለኻታት’ውን ኣብዛ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ።

235,00 kr

Description

ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ

ደራሲ፡ ጸጋብርሃን ጎይትኦም

ገጻት መጽሓፍ፡ 216

መጽሓፍ ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናይ ዝርከባ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ሓቀኛ ዛንታ ዝሓቖፈት ኮይና፡ ካብ ኤርትራ ምስ ወጻ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሕልፍኦ ህይወትን፡ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምእታው ዝሰግርኦ ሕማቅ ናይ ሳህራን ሊብያን መንገዲ እትሕብር ኮይና፡ ኣብ ሓቐኛ ዛንታ ዝተመርኮሰት መጽሓፍ እያ።

መጽሓፍ ኣብ ሊብያ’የ ጠኒሰ፡ 19 ሓቀኛ ዛንታታ ዝሓቖፈት፡ 216 ገጻት ዘለዋ ኮይና፡ ኤርትራውያ ደቂ ኣንስትዮ ኪኖ ናብ ኤውሮጳ ንምእታው ዝሓልፍኦ ጸገም፡ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ኣተዋ ዘጋጥመን ማሕለኻታት’ውን ኣብዛ መጽሓፍ ተገሊጹ ኣሎ።

እዛ መጽሓፍ፡ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃን ኤውሮጳን መጽናዕቲ ብምክያድ፡ ኣብ ህይወት መንእሰያት ንዘጋጥም ማሕበራዊ ጸገማትን ኣፈታትሕኡን፡ ሓቀኛ ዛንታ ብምእካብ ዝተጻሕፈት መጽሓፍ እያ። ኣብዛ መጽሓፍ ዝርከቡ ዛንታት መንእሰያት ዓቢ ትምህርቲ ብምውሳድ፡ ንዘጋጥሞም ማሕበራዊ ጸገማት ኣብ ምብዳህ ሓጋዚት ንምዃን’ያ ተሰሪሓ።

Related Product

Scroll to Top