ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፤ 110 ሕሩይ ቅንየት (Fiqhri Weykhea Mot)

ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፤ 110 ሕሩይ ቅንየት

እኩብ ግጥምታት ብሃይለ ቢዘን

ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፤ 110 ሕሩይ ቅንየት ኣብ 12 ቴማታት ዝተመደቡ 110 ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። እቶም ቴማታት እዋናውያ ዝገብሮም ኣገደስቲ ኤርትራ-ጠቀስ ኵርናዓት ይድህስሱ። ገለ ካብ’ቶም ቴማታት ንምጥቃስ ዝኣክል፤ ፍቕሪ፡ ውልቃዊ ጦብላሕታታት፡ ስደት ኤርትራውያን (ሰሃራ፡ ኤውሮጳን ናይ ሕማመይን)፡ ወፈያ ንስሙያት ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ትርጕማት ልሉያት ግጥምታት ኖርወይ ይርከቡዎም።

195,00 kr

Description

ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፤ 110 ሕሩይ ቅንየት

እኩብ ግጥምታት ብሃይለ ቢዘን

ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፤ 110 ሕሩይ ቅንየት ኣብ 12 ቴማታት ዝተመደቡ 110 ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። እቶም ቴማታት እዋናውያ ዝገብሮም ኣገደስቲ ኤርትራ-ጠቀስ ኵርናዓት ይድህስሱ። ገለ ካብ’ቶም ቴማታት ንምጥቃስ ዝኣክል፤ ፍቕሪ፡ ውልቃዊ ጦብላሕታታት፡ ስደት ኤርትራውያን (ሰሃራ፡ ኤውሮጳን ናይ ሕማመይን)፡ ወፈያ ንስሙያት ኤርትራውያን ከምኡ’ውን ትርጕማት ልሉያት ግጥምታት ኖርወይ ይርከቡዎም። ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት፡ ሃይለ ቢዘን፡ ንፍልዩነት ቅዲ ኣገጣጥማኡ ዳግማይ ዝደራዓሎም ስራሓት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ።

ሃይለ ቢዘን፡ ተዓዋቲ ውድድር ስነ-ጽሑፍ ቀድማይ ፌስቲቫል ኤርትራ (1992)፡ ምኵር ጋዜጠኛ መጽሔት ሕውየትሕድሪን ራድዮ ድምጺ ሓፋሽን ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ’ቲ ሞያ ኰይኑ’ውን ሰሪሑ። ኣብ ኣሕተምቲ ሕድሪ’ውን ከም ኣርታዒ ዝሰረሐ ሃይለ፡ ዘመናዊ ቅዲ ዘለዎም ብፈጠራን ዕምቈትን ዝልለዩ ግጥምታት ዝገጥም ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ብድሕሪ ማዕጾ (እኩባት ግጥምታት) ከምኡ’ውን ወራሲ (እኩባት ሓጸርቲ ዛንታታት) ገለ ካብ ኣቐዲሙ ዘሕተሞም መጽሓፍቲ እዮም። ብርክት ዝበሉ ብልፍንቲ ምስ ካልኦት ጸሓፍቲ ዝተሰናድኡን ዝተተርጐሙን ስራሓቱ ኣብ ዝተፈላለይ እዋናት ኣሕቲሙ ይርከብ።

Related Product

Scroll to Top