ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

Category

መጽሔት መናራ 1

120,00 kr

Description

ኣብታ ACCOUNT ትብል ብምጥዋቕ ሕሳብ ክፈቱ።
ኣብታ Register ትብል ብምጥዋቕ፡ ኣብኡ ዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ ምልኡ።
ነቲ ዝርዝር ብምምላእ ተመዝጊብኩም። ድሕሪኡ ናብ ኢ-መይልኩም ተመሊስኩም ነታ መላግቦ (link) ብምጥዋቕ ነታ ዝኣዘዝኩም መጽሔት ንበቡ።

ቀዳማይ ሕታም መጽሔት “መናራ”፡ ሰፊሕን ዓሚቝን ዝትሕዝቶኦም ጽሑፋት ሒዛ ናብ ነበብቲ ትቐርብ ኣላ። እዛ ብቦርድ ምስንዳእ ተዳልያ ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ክትቀርብ ተዳልያ ዘላ መጽሔት፡ ኣትኵሮ ትሕዝቶኣ ብሓፈሻ ኣብ ባህሊ ክኸውን እዩ።
እዚ ድሕሪ ብዙሕ ክትዓት ብኣሰናዳእታ ስም’ዛ መጽሔት ክኸውን ዝተሓርየ ‘መናራ’ ዝብል ቃል፡ ብዙሕ ዝውቱር ኣይኰነን። ልዕሊ ዘይዝውቱርነቱን ፍሉዩነቱን ግን፡ ትርጕሙ፡ ነቶም እዛ መጽሔት ዓሊማ ተበጊሳትሎም ዘላ ዕማማት ዝበቅዕ እዩ። መናራ ዝብል ቃል፡ ሴማዊ መበቈል ዘለዎ ኰይኑ፡ ብመንገዲ ኣራማይኛ፡ ሲራይኛን ዓረብኛን ኣቢሉ ናብ ትግርኛ ዝኣተወ ቃል ክኸውን ከም ዝኽእል መዝገበ ቃላት ግዕዝን እንግሊዝኛን ዎልፍ ሌስላውን “ዘመናዊ መዝገበ ቓላት ትግርኛ” ተክአ ተስፋይን ምልክታት ሂቦምሉይርከብ።
ከም’ቲ ሓደ መናራ ቀጻሊ ብዝበርህ ወይ ብልጭ-ብልጭ ብዝብል ጸዳል ንኣብረርቲ ነፈርቲን ባሕረኛታትን ኣንፈት ንኸለልዩ ዝእምሮም፡ መጽሔት “መናራ” እውን ኣብ ኣምራት ባህሊ ተመሳሳሊ ተራ ክትጻወት እያ። እቲ በሪኽ ግንቢ ሓደ መናራ፡ ኣብ’ዛ መጽሔት፡ በቲ ናብ መላእ ዓለም ተዘርጊሓ ክትንበብን ብዙሓት ግዱሳት ከተሳትፍን ዘለዋ ሕልሚ ክምሰል ይከኣል እዩ።
“መናራ” እተመንጭዎ ጸዳል፡ ንልዝብ ዘሰስን፡ ብዙሕነት ዝዅስኵስ፡ ኣምራት ዝትንትን፡ ከምኡ’ውን ኣብርሆት ዘስንቕ ክኸውን ኣሰናዳእታ ክጽዕቱሉ እዮም። ኣንቂዳትሉ ዘላ ዕማም ባህሊ፡ ከም’ቲ ስፍሓቱ ብዙሓት ኣርእስታትን ጕዳያትን ኣብ ገጻታ ከተስፍር እያ። ስነ-ጽሑፍ ኣብ ኵሎም ጨንፈራቱ፡ ትርኢታዊ ጥበብ፡ ሙዚቃን ትልሂትን፡ ያታን ታሪኽን፡ ህሉው ማሕበራዊ ጕዳያትን ካልኦትን ዜናዊ ብዘይኰነ፡ ግን ብዝዓመቘ ትሕዝቶ ክትቅርብ እያ። ሓንቲ ደራፊት ኣብ መድረኽ ዕርቃና ተራእያ ዝብል ዜና፡ እዛ መጽሔት እትጐየሉ ሓበሬታ ኣይከውንን፣ ንሱ ዘበገሶ ክትዕ ያታን እምነትን ግን፡ ን“መናራ” ከገድሳ ዝኽእል እዩ። ኣገዳሲ ዝገብሩዎ ምስ’ቲ ፍጻመ ዝተኣሳሰሩ፡ ናይ መን ያታ፡ ናይ መን እምነት፡ ውልቃዊ ናጽነት ስነ-ጥበበኛን ትልሂትን ዝብሉ ጕዳያት ክትድህስሶም፣ ትኽእል።
“መናራ” ኣብዚ ናይ መጀመርታ ዓመት ዕማማ፡ ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣብ ሓደ ሕታም እተትኵሮሉ ቴማ ኣለልያ፡ ዝተፈላለዩ ኣርእስታት ብኹርናዕ ዘንቀደቶ ቴማ ጽሑፋት ከተአንግድ እያ። ናይ ሎሚ ቀዳመይ ሕታም ግን፡ ነዚ መትከል ንግዜኡ ኣወንዚፋ፡ ኣብ ሓደ ቴማ ከየትኰረት ብዝተፈላለዩ ትሕዝቶ’ያ ቀሪባ ዘላ። ስነ-ጽሑፍ (ስነ-ግጥሚ፡ ሓጺር ዛንታን ጽዋን)፡ ታሪኽ፡ ፊልም፡ ቴክኖሎጂ፡ ሙዚቃ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ምርጫ ሽወደን ኣልዒላቶም ዘላ ጕዳያት እዮም።
ትሕዝቶ “መናራ”፡ ከም ዝዀነ ብስሩዕ ዝሕተም ማዕከን መራኸቢ ብዙሓን፡ ብተኸታተልታን ተሳተፍታን ዝስስንን ዝድንፍዕን ከም ዝኸውን እምነት ኣሰናዳእታ እዩ። ስለ’ዚ፡ ትሕዝቶኣ ክትነቡ እትብህጉ ኵልኹም፡ ዓማዊላ ንኽትኰኑ ብኽብሪ ትዕድመኩም። እዛ ጣይታ ፈለማ ዝዀነት ሕታም፡ ብዲጂታዊ መልክዕ ትዝርጋሕ’ኳ እንተላ፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሕታማትን ጠለባት ኣንበብቲ ኣብ ግምት ብምእታውን፡ ብወረቐት ተሓቲማ ኣብ ኢድ ነበብቲ እትበጽሓሉ ኣገባብ’ውን ኣብ መደብ ምህላዉ ክንሕብር ንፈቱ።
ኣሰናዳእቲ

Related Product

Scroll to Top