ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ታሪኽ ቤተክርስታን 2 (Church History Vol. 2)

ክርስትና ከመይ ኢሉ ናብ ዓለም መጸ? ከመይ ኣቢሉኸ እዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ ባህርያትን ጽልዋን ኪሕዝ ከኣለ? ታሪኽ ቤተክርስታን ቅጺ 2 ፡ ደቂቕ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ዛንታ ታሪኽ ክርስትናን ኣመዓባብላኡ ኣብ ማእከላይ መዋእልን ዝሓዘት መጽሓፍ እያ።

250,00 kr

Description

ኣስታት 2.5 ቢልዮን ካብ ህዝቢ ዓለም ክርስትያን እዮም። እዚ ን32 ሚእታዊት ካብ ህዝቢ ዓለም የጠቓልል። ገለ ካብዚኦም ጽኑዓት ተኸተልቲ ናይዚ ዓብዪ ሃይማኖት እዮም። ገለ ድማ ብትውልዶም ኣቢሎም ስማውያን ኣባላት ናይዚ ዓለምለኻዊ እምነት ምዃኖም ይፍለጥ። እዚ ኽልቲኡ ንኽንደይ ክፋል ይውክል ምግማቱ ኣሸጋሪ እኳ እንተኾነ፡ ክርስትና ክሳዕ ሎሚ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ጸለውቲ ሓይልታት ምዃኑ ግን ዜጠራጥር ኣይኮነን። ኣብ ማሕበራዊ፡ ባህላውን ፖለቲካውን ከይዲ ዓለም እዚ ዘይበሃል ንጉዕ ስፍራ ዘለዎ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ። ከምዚ ካብ ኮነ ግን፡ ክርስትና ከመይ ኢሉ ናብ ዓለም መጸ? ከመይ ኣቢሉኸ እዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ ባህርያትን ጽልዋን ኪሕዝ ከኣለ? ታሪኽ ቤተክርስታን ቅጺ 2 ፡ ደቂቕ መጽናዕቲ ዝተኻየደሉ ዛንታ ታሪኽ ክርስትናን ኣመዓባብላኡ ኣብ ማእከላይ መዋእልን ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። እዛ መጽሓፍ፡ ብትግርኛ ንፈለማ ጊዜ ዝተዋደደ ዛንታ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ንምቕራብ ዝፈተነት መጽሓፍ ኽትበሃል ትከኣል። ጸሓፊ ክሳዕ ሕጂ ዚፈልጦ፡ ብኸምዚ ኣቀራርባን ኣርእስትን ዝተዳለወ ኣዝዩ ሒደት ብትግርኛ ዝተጻሕፈ ናይ ታሪኽ መጽሓፍ ጥራይ እዩ ኪረክብ ክኢሉ [ንኣብነት ብመሪጌታ ይትባረኽ ሃብተጊዮርጊስ ዝተጻሕፈት “ታሪኽ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡”]። እዛ መጽሓፍ እምበኣር፡ ቅድሚ ሕጂ ብተመሳሳሊ ኣርእስቲ ናይ ዝወጸት ቀዳመይቲ ቅጺ ሒዛ ኣብዚ ዓውዲ እዚ ሓድሽ ኣበርክቶ ተበርክት ኣላ። ካብ ዘመን ምንቁልቋል ሃጸያዊት መንግስቲ ሮማን ውድቀት ሮማን ተበጊሳ፡ ኣውሮጳ ከመይ ኢላ ኣብ ናይ ጸላም መዋእል ከምዝኣተወት ትትርኽ። ቀጺላ ኸኣ፡ ቤተክርስትያን ብጳጳሳት፡ ነገስታት፡ መነኮሳት፡ ሊቃውንትን እናተጸልወት፡ ብዓበይቲ ክርስተታት ከም እኒ ትንሳኤ እስላም፡ ወፍርታት መስቀል፡ ወረራ ሞንጎላውያንን ባርባራውያንን ከምኡውን ብረነይሶንስ እናተቐርጸት ከመይ ኢላ ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ከምዘስፋሕፍሐት ተዘንቱ። እዛ መጽሓፍ ዛንታታትን ዕዮታትን ናይቶም ንክርስትናን ቅድሚ ዘመናዊ ዓለም ዝነበረ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዝጸለዉ ዓበይቲ ሊቃውንቲ፡ ስነመለኮታውያንን ፈላስፋታትን ተዘንቱ። ዛንታታት ከም እኒ ሃጸይ ዩስጢንያን፡ ጎርጎርዮስ ዓብዪ፡ ሻርልሜይን፡ ኩብላይ ክሃን፡ ቶማስ ኣኳይናስ፡ ዳግማዊ መሕመት ከምኡውን ነገስታት ላሊበላን ዘርኣ ያእቆብን፡ ከመይ ኣቢሉ ምስቲ ንክርስትና ዝቐረጸ ክስተታት ከምዚተኣሳሰር ተርኢ። ሓደ ካብቲ ነዛ መጽሓፍ ፍልይ ዜብላ፡ ናይ ማእከላይ መዋእል ታሪኽ ክርስትና ኣብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጠርኒፋ ብምህላዋ እያ። ኣብ መወዳእታ፡ እዛ መጽሓፍ፡ ብዝተኻእለ መጠን፡ ብእሩም ስዋስዋዊ ቅዲ ናይ ቋንቋ ትግርኛ ንምቕራባ ተፈቲኑ ኣሎ።

Related Product

Scroll to Top