ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

እንቶሽ፤ 102 ግጥምታት (Entosh)

እንቶሽ፤ 102 ግጥምታት፡ እኩባት ግጥምታት ዮናስ ወልደሩፋኤል (ቀሺ)

እንቶሽ፡ ኣብ ዓውዲ ሓሳብ ዘተኰራ፡ ወጀብጀብ ዘለ ሓሳብ፡” “እቲ ትርጕም ትርጕም እናደለየኒ፡” “ኣሎ ሓሳብ፡ ኣብ ማሕዩር ዝበለየዝዓይነተን ግጥምታት ገለ ካብ ትሕዝቶ እየን። ጽሉል ሕቶ፡ ጥዑይ መልሲ፡ ወይ ብኣንጻሩ ጥዑይ ሕቶ ጽሉል መልሲ ሰዓበኒ ቢልካ፡ ኣይትታዕነን እንቶሽ፡ ክብረትካ ዶ ኣይኰነን እንተ በዝሐ ባዶሽ፧ወዘተ ተጠቓሊሎም ኣለዉ።

180,00 kr

Description

እንቶሽ፤ 102 ግጥምታት፡ እኩባት ግጥምታት ዮናስ ወልደሩፋኤል (ቀሺ)

ጸወታ ቃላት፡ ኣዝየ ዝፈትዎ ጸወታ እዩ። ክልተብኣሃዝ ክጸሓፍ ከሎ፡ 2 እዩ። ብፊደል ክጸሓፍ ከሎ ግን፡ ሰለስተ እዩ ዝኸውን። ከመይ እንተ በልኩም፡ ክ++ተ እናድመጽና፡ንነፍሲወከፍ ፊደል ንፍቀዶ። ሽዳንዝብል ቃል፡ ካብቲ ሸደደዝብል ግሲ ኣበጊስና ክንርእዮ ከለናን፡ ካብቲ ሽዳዝብል ስም ኣበጊስና ክንርእዮ ከለናን፡ ክልተ በበይኑ ዝትርጉሞም ሓሳባትዩ ዝህበና። ክሉ፡ ክሉ ግዳ፡ ቀልቢ ኣልቦ ዶ ኰይነ ዝምነ ንሽዳሓንቲ ካብተ ብጸወታ ቃላት እተሃንጻ ግጥምታት እያ።

ኣብ ዓውዲ ሓሳብ ዘተኰራ፡ ወጀብጀብ ዘለ ሓሳብ፡” “እቲ ትርጕም ትርጕም እናደለየኒ፡” “ኣሎ ሓሳብ፡ ኣብ ማሕዩር ዝበለየዝዓይነተን ግጥምታት ድማ ገለ ካብ ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ እዩ። ጽሉል ሕቶ፡ ጥዑይ መልሲ፡ ወይ ብኣንጻሩ ጥዑይ ሕቶ ጽሉል መልሲ ሰዓበኒ ቢልካ፡ ኣይትታዕነን እንቶሽ፡ ክብረትካ ዶ ኣይኰነን እንተ በዝሐ ባዶሽ፧ወዘተ ተጠቓሊሎም ኣለዉ።

እንቶሽ ባዶሽ፡ ብኣተሓባባእ ጸጸር ዝጽወት፡ ባህላዊ ጸወታ ጓሶት እዩ። ኣብታ ተጨቢጣ ዘላ ኢድ፡ ገለ የልቦንንምባል ባዶሽትብል። ገለ ነገር ኣሎንምባል ድማ እንቶሽትብል። ስለዚ ከምቲ ምስላ እንግሊዝ፡ ካብ ብዘይ ገለስ፡ ገለ ሒደት ደኣንምባል፡ ቁንጣሮ ካብ ግጥምታተይ ሒዘ፡ እንቶሽእብል ኣለኹ።

Related Product

Scroll to Top