Description
ቅናት፡ ዛንታ ኣደታት ኤርትራ
ደራሲ፡ ብርሃነ ገብረትንሳኤ
ገጻት መጽሓፍ፡ 344
እኵባት ሓቀኛ ተረኻታት ሒዛ እትርከብ “ቅናት”፡ ኣብ ክልተ እተኸፍለት ኣያ። ቀዳማይ ክፋል፡ ዛንታ ሸውዓተ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዝሓዘ ኰይኑ፡ መንፈስ ቃልሰንን ጽንዓተን ይትርኽ። እቲ ካልኣይ ክፋል፡ ጸሓፊ ናይ ውልቁን ስድራቤቱን ዛንታ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተራ ከም ዘለዎ ብምምእማን ተሪኹዎ ይርከብ። ብርሃነ፡ ገዲም ጋዜጠኛ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ነበር፡ ኣደ ንስድራኣን ደቃን እትኸፍሎ መስዋእቲን ፍቕሪን፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዘለዋ ልዑል ኣበርክቶ፡ እተማህረት ኣደ ትዑይ ዝበሃል ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምህናጽ ዘለዋ ኣበርክቶ፡ ከምኡ’ውን ማዕርነት ደቀንስትዮን ምውጋድ ኣባታዊ ስርዓትን ኣብ ኵለንትናዊ ምህናጽ ምዕሩይ ዕድላት ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ዓሊሙ ኣብ ስራሑ ክድህስስን ይፍትን።
Reviews
There are no reviews yet.