ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ቅ.ጽ.እ.|E.S.S.

ቅዲ ጽሑፍ እምኵሉ | Emkulu Style Sheet

ጽሑፍ ትግርኛ፡ ብዙሓት ከም መወከሲ ከገልግሉ ዝኽእሉ ጽሑፋትኳ እንተ ኣለዉዎ፡ ጸሓፍቲ ትግርኛ ግን፡ ድንግርግር ዝበሉ ጽሑፋት ካብ ምጽሓፍ ገና ሓራ ክወጹ ኣይከኣሉን ዘለው። ነዚ ጸገምዚ ካብ ሱሩ ንምምሓው፡ ውሁድን ትካላዊ ኣስራርሓን ዘድልዮ ምዃኑ ርዱእ እዩ።

ከምኡ ዝዓይነቱ ፍታሕ ክሳዕ ዝመጽእ ግን፡ ኣሕታሚ እምኵሉ፡ ንንጻረ፡ እሩም ኣገባባት ጽሑፍ ትግርኛ ከምኡውን ንትግርኛ ኣብ መጻኢ ዲጂታላዊ ንምግባሩ ንዝሰላሰሉ ስራሓት ኣብ ግመት ብምእታው፡ ብዓቕሙ ነዚ ቅዲ ጽሑፍ እምኵሉ” (...) ብምድላው፡ ነቶም ብቐሊሉ ክፍትሑ ዝኽእሉ ኣደናገርቲ ኣገባባት ኣጸሓሕፋ ከወግድ መሪጹ ኣሎ።

... ንብዙሓት ኣካታዕቲ ኣገባባት ኣጸሓሕፋ ትግርኛ ኣዀምሲዑ፡ ንንጻረ ዝሓሹ ዝበሃሉ ኣገባባት ይእምምን ብግብሪ ንኽስራሓሎምን ድማ ከም መወከሲ ከገልግልን እዩ። እዚ ቅዲ ጽሑፍ እዚ፡ እቲ መራሒ ሓሳብ ኣብ ኣነዳድቓ ቃላት፡ ናብ ሱር ቃል ተመሊስካ ረባሕታታቱ ምፍታሽ እቲ ዝሓሸ ኣገባብ ምዃኑ የስምረሉ። ንኣብነት፡ ጎያዪ‘ ወይስ ጐያዪ‘? ንዝብል ሕቶ ንምምላስ፡ ናብ ረባሕታ እቲ ቃል ምስ እንኸይድ => ‘ኣጓያይ‘ ዝብል ረባሕታ ቃል ስለ ዘለና፡ እቲ ቅኑዕ ጐያዪ‘ ኰይኑ ንረኽቦ። ብኸምዚ ኣገባብ፡ ቅ..ኣብ ዓመቝቲ ትንተናታት ከይኣተወ፡ ሓጸርትን ንምርድኦም ቀልልትን ዝዀኑ ነጥብታትን ኣብነታትን ብምጥቃም፡ ነዚ ዝስዕብ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ውዱእን በቃ ዘበለን ዘይምዃኑ ብምእማን፡ ኣብ ቀጻሊ ዝውሰኽ ክውሰኾን ክምሓየሽ ዝግበኦ ክመሓየሽን ተኽእሎ ምህላዉ ድማ የረጋግጽ።

Emkulu Publisher

Our Featured Products

Scroll to Top