ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ (Metsihaf Eyo Tigrinya)

መም. ዮሴፍ ወረቀ ኣስራት፡ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ምምህርና ተመኵሮኡ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ትግርኛ፡ በዚኣ ስራሕ’ዚኣ የካፍለና ኣሎ። እቲ ብሓፈሻ ቈልዑ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ሕብረተ-ሰብ ተፈልዮም ዝዓብዮ፡ ዝገጥሞም ብድሆታት ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ቋንቋ ትግርኛ፡ ብኣጋኡ ዘላለየ መም. ዮሴፍ፡ ናይ ባዕሉ ኣገባባት ኣመሃህራ ምንባብን ምጽሓፍን እቲ ቋንቋ ኣማዕቢሉ ዘዳለዋ ስራሕ እያ።

370,00 kr

Description

መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ፤ ንባብን መላመድታትን

ብዮሴፍ ወርቀ ኣስራት

ቍ. ገጽ 200

መም. ዮሴፍ ወረቀ ኣስራት፡ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ምምህርና ተመኵሮኡ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ትግርኛ፡ በዚኣ ስራሕ’ዚኣ የካፍለና ኣሎ። እቲ ብሓፈሻ ቈልዑ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ሕብረተ-ሰብ ተፈልዮም ዝዓብዮ፡ ዝገጥሞም ብድሆታት ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ቋንቋ ትግርኛ፡ ብኣጋኡ ዘላለየ መም. ዮሴፍ፡ ናይ ባዕሉ ኣገባባት ኣመሃህራ ምንባብን ምጽሓፍን እቲ ቋንቋ ኣማዕቢሉ ዘዳለዋ ስራሕ እያ።
ነቶም ብብዝሖም ጥራሕ፡ ቈልዑ ንምጽንዖም ብዙሕ ግዜ ክወስዱሎም ዝኽእሉ ፊደላት ትግርኛ፡ ስነ-መጐታዊ ብዝዀነ ኣገባብ ኣብ ተለለይቲ ጕጅለታት ብምምዳብ፡ ንምጽንዖም ዝቐለሉ ገይሩዎም ይርከብ። ነዚ ኣገባብ፡ ብተወሳኺ ኣቃሊሎም ውጽኢታዊ ዝገብሩዎ ገለጽቲን ሓገዝቲን ብዝዀኑ ኣሳእል’ውን ኣስንዩዎ ኣሎ።
ብልምዲ ምሽምዳድ ዝበሃል ኣገባብ ተጠቒምካ ነቶም ፊደላት ምጽናዕ እኹል ዘይምዃኑ ዝተገንዘበ መም. ዮሴፍ፡ ብዙሓት ግብራውያን መላመድታት ብምድላው፡ ቈልዑ ንዕዖም እናደገሙ ነቶም ፊደላት ዘጽንዑሉ መንገዲ ፈጢሩ ኣሎ። እዚ ኣገባብ’ዚ፡ ብተወሳኺ ልምምድ ጽባቐ ጽሕፈት’ውን ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ነቲ ኤሌክሮኒያዊ መሳልጥያታት ብብዝሒ ዘዘውትር ወለዶ፡ ኣእዳዉ ተጠቒሙ ናይ ምስራሕ ምዕባለ ንኸርኢ’ውን ዘኽእል ኣገባብ እዩ።
ፊዳላት ዝመለኹ ቈልዑ፡ ናይ ንባብ ክእለቶም ብቐለልቲ ጽሑፋት ዘመሓይሹሎም ኵነታት’ውን ፈጢራ ኣላ እዛ መጽሓፍ። ነቶም ጽሑፋት ድሕሪ ምንባብ ዝምለሱ ሕቶታት’ውን ስለ ዝስዕቡ፡ ቈልዑ ኣንቢብካ ናይ ምርዳእ ክለቶም ከማዕብሉ ሓጋዚት እያ።
ንቘልዑ ዘዛንዩ ክፋላት’ውን ኣይሰኣኑዋን። እተመሳቐሉ ቃላት ተጠቒማ፡ ናይ ምዝካር ክእለት፡ ናይ ንባብ ብቕዓት እናተዛነዩ ከማዕብሉ ተኽእሎ ከፊታ ኣላ።

Related Product

Scroll to Top