ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

Category

መጽሔት መናራ 2

120,00 kr

Description

ኣብታ ACCOUNT ትብል ብምጥዋቕ ሕሳብ ክፈቱ።
ኣብታ Register ትብል ብምጥዋቕ፡ ኣብኡ ዘሎ ዝርዝር ሓበሬታ ምልኡ።

 

 

 

 

ነቲ ዝርዝር ብምምላእ ተመዝጊብኩም። ድሕሪኡ ናብ ኢ-መይልኩም ተመሊስኩም ነታ መላግቦ (link) ብምጥዋቕ ነታ ዝኣዘዝኩም መጽሔት ንበቡ።

ካልኣይቲ ሕታም መጽሔት “መናራ”፡ ጕዳይ ደቀንስትዮን ደቀንስትዮ ጸሓፍቲን ኣማእኪላ ንሕትመት በቒዓ ኣላ። ታሪኽ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ጸሓፍቲን ሰብ ቅኔን ብጽጹይ ካብ’ዚ እዋን’ዚ ይጅምር ንምባል ኣጸጋሚ’ኳ እንተዀነ፡ ካብ ማመት ጓል ጸባኡ ጀሚርና ክንጽብጽብ ዘኽእሉና መርትዖታት ግን ኣይሰኣኑን።
ኣብ’ቲ ዘመናዊ ትምህርቲ ዝጀመረሉ ግዜ’ውን፡ ከም ኣብ ብዙሓት ሕብረተ- ሰባት፡ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ከም መሳቱአን ደቂ-ተባዕትዮ ዕድል ትምህርቲ ብዝግባእ ይረኽባ ብዘይምንባረ፡ ኣበርክቶአን ኣብ ናይ ጽሑፍ ድርሰት ቍሩብድንጕይ ኢሉ ምጅማሩ ይፍለጥ።
ካብ መወዳእታ ስሳታት ጀሚሩ ግን፡ ብኣበባ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ ዝጀመረ ኣበርክቶ ደቀንስትዮ ኣብ ስነ-ጽሑፍ፡  በብእዋኑ ዘገምታዊ ዕቤት ኣርእዩ እዩ።
ብዙሕ ከይደንጐያ ድማ፡ ብዓል ሃና ገብረግዚኣብሄር፡ ጸዳል በራኺን ዛፈወርቅ ፍስሓን ስዒበንኣ።
ኣብ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ስራሓተን ንግዜኡን ደረጃ ምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራን ዝምጥን ነይሩ ክበሃል ይከኣል። ንኣብነት፡ ናይ ኣበባ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ ሰለስተ ድርሰታት ብዓሚቝ ከይተንተንካ፡ ካብ ቀዳማይ ንዳሕራይ ዝረአ ልሉይ ምምሕያሻት ብቕዓት ይምስከረሎም። ካብ ቀዳማይ ክሳዕ ሳልሳይ ድርሰታ፡ ናይ ከባቢ 25 ዓመታት ፍልልይ ኣሎ። ብቕዓቱ ምስ ዝግምገም ድማ፡ ናይ ሰማይን ምድሪን ምዕባለ ንምስክር። እዚ ማለት ግን፡ ኣብ ኵለን ጸሓፍቲ
ዝረአ ምዕባለዩ ክበሃል ኣይከኣልን።
ብተወሳኺ’ውን፡ ቍጽሪ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ደረስቲ ብዝግባእ ዘይምውሳኹ፡ ዘሻቕል እዩ። ነዛ ሕታም’ዚኣ ዝዓለመ ኣብ ዝገበርናዮ ኣፈናዊ ዳህሳስ፡ እቲ ቍጽሪ ደቀንስትዮ ጸሓፍቲ ኣስታት 60 ጥራሕ ምዃኑ፡ ብዙሓት
ደቀንስትዮ ዝገጥሙወን ማሕለኻታት የዘክረካ።
ኣብቲ ተኻቲቱ ዘሎ ዝርዝር ኣስማት ደቀንስትዮ ጸሓፍቲ፡ ብዙሓት ኣብ ድርሰት ዝነጥፋ ክዀና ከለዋ፡ ገለ ድማ ኣብ ትርጕም ዝነጥፋን ኣካደምያዊ ጽሑፋት ዝደረሳን እየን። ካብ ሓሙሽተ ዘይበዝሓ ስራሓት ግጥሚ ዘሕተማ ድማ
ይርከባአን።
እዛ ሕታም’ዚኣ፡ ንስራሓት ሕትመተ ደቀንስትዮ ኤርትራ ንምጽንባል ብኣጋጣሚ 8 መጋቢት 2023 ዝተበገሰት እያ። እቲ ሃንቀውታ፡ ደቀንስትዮ ዝጸሓፋኦ ዓንቀጻት ንምእንጋድ’ዩ ነይሩ። ብብዙሕ ምኽንያታት፡ እቲ ኣበርክቶ ድሩት
ኰይኑ ረኺብናዮ። እቲ ዝርካቡ ዝተበርከተ ስራሓት ደቀንስትዮና ግን፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ዝነኣዱን ክንበቡ ዝግብኦም ኣበርክቶ’ውን ረኺብና።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣባላት ምስንዳእ፡ ነተን ጻውዒትና ተቐቢለን ዘበርከታ ጸሓፍትና ዕዙዝ ምስጋና እናቕርብና፡ ኣብ ቀጻሊ ሓባራዊ ስራሕ ክንሰርሕ’ውን ተስፋና ንገልጽ።

Related Product

Scroll to Top