ታሪኽ ህይወት፤ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም (Weldeab Weldemariam)

400,00 kr

እቲ ናይ ብዙሓት ልሉያት ኤርትራውያን ታሪኽ ህይወት ዝጸሓፈ እመነቱ ተስፋይ፡ ሕጂ’ውን ናይ ሓርበኛ ተቓላሳይ ወልደኣብ ወልደማርያም ታሪኽ ህይወት ቀሪቡልና ኣሎ። እዛ ንኣበርክቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣሓዋቱን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝገልጹ ናይ ብዙሓት ኣበርከቲ ጸሓፍቲ ጽሑፋት ዘካተተት መጽሓፍ፡ ካብ’ቲ ወልደኣብ ወትሩ ዝግለጸሎም ንጥፈታት ፖሊቲካውያን ፍጻመታት ከይወጽአት፡ ንሰብነቱ ንምጕላሕ ብሰፊሕ ተሪኻ ትርከብ።

Availability: In stock

SKU: 978-82-93929-00-0-1 Category:

ታሪኽ ህይወት፤ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም

ብእምነቱ ተስፋይ

ቍ. ገጽ 505

እቲ ናይ ብዙሓት ልሉያት ኤርትራውያን ታሪኽ ህይወት ዝጸሓፈ እመነቱ ተስፋይ፡ ሕጂ’ውን ናይ ሓርበኛ ተቓላሳይ ወልደኣብ ወልደማርያም ታሪኽ ህይወት ቀሪቡልና ኣሎ። እዛ ንኣበርክቶ ወልደኣብ ወልደማርያምን ኣሓዋቱን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ዝገልጹ ናይ ብዙሓት ኣበርከቲ ጸሓፍቲ ጽሑፋት ዘካተተት መጽሓፍ፡ ካብ’ቲ ወልደኣብ ወትሩ ዝግለጸሎም ንጥፈታት ፖሊቲካውያን ፍጻመታት ከይወጽአት፡ ንሰብነቱ ንምጕላሕ ብሰፊሕ ተሪኻ ትርከብ።

ካብ 1987 ወልደኣብ ዘቕረቦ መደረ ብምቝንጫል፤ “…እወ ንናጽነት /ወይስ ሓርነት/ ብኹሉ ዓቐመይ፡ ብኹሉ ጸዓተይ፡ ብኹሉ ፍቓደይ ልዕሊ 60 ዓመት ደልየያ። ቅድም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራን፡ ደሓር ኣብ ሃገራት ዓረብ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ሃሰው እብላ ነይረ፡ ግናኸ ኣይረኸብኩዋን። እንሆ ሎሚ ግና፡ ኣብ መበል 82 ዓመተይ፡ ኣብ መበል 63 ዓመት ምድላየይ፡ ንናጽነት ዝረኸብኩዋ መሲሉ ይስምዓኒ ኣሎ። ዘራኦን ዓጻዶን ብሓንሳእ ዚሕጐሱሉ ኣጋጣሚ ኣዚዩ ሳሕቲ ኢዩ።

እወ፡ ብምኽንያት እቲ ንግዜ ንእስነተይ ዝወፈኹዎ ሒደት ኣገልግሎት ምስ ዘራኦ ጽብጹብ እየ። እንሆ ድማ ሎሚ፡ ምናልባሽ ብምኽንያት ዕድመይ ምስ ዓጻዶ ተጸብጺበስ ኣብ መኣዶም ተቐሚጠ እርከብ ኣሎኹ።”

Weight 650 g

Reviews

There are no reviews yet.

Be the first to review “ታሪኽ ህይወት፤ ሓርበኛ ወልደኣብ ወልደማርያም (Weldeab Weldemariam)”

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top