ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ኣለኹ (Alekhu)

ኣለኹ

እኩብ ግጥምታት ብይርጋኣለም ፍስሃ

ኣለኹ ኣብ ክልተ እተመደቡ ኣብ ውሽጢ 19 ዓመታት ዝተገጥሙ 130 ሕሩያት ግጥምታት ዝሓዘት መጽሓፍ እያ። ይርጋኣለም፡ ቅድሚን ድሕሪን ማእሰርታ ዝገጠመቶም ግጥምታት ብምንጽጻር (ብዝሖም ጥራሕ ኣብ ግምት ምስ እነእቱ)፡ ናይ ጽሕፈት ወና ከም ዘይተኸምሐ ንዕዘብ። እዞም ክልተ ምድባት ናይ’ዞም ይርጋኣለም ቀሪባቶም ዘላ ግጥምታት፡ ብሓደ ወገን “ርግኣት፡ ግርህናን ዕቁን ድፍረትን” ብኣንጻሩ ድማ “ጥርዚ ወጥሪታት፡ ዓውደ-ቕልስ መንቂን ጭውነትን፡ ዓመጽን ፍትሒን፡ ጽንተትን ቀጻልነትን ወለዶታት፡ ስደትን ሞትን…” ይጸባረቑሎም።

235,00 kr

Description

ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ዝነበራሉ ግዜያት ብቐጻሊ ጽሑፋታን ግጥምታታን ኣሕቲማ፡ ከምኡ’ውን ከም ጋዜጠኛ ኣብ ትምህርታዊት ራድዮ ባና ንሓያሎ ዓመታት ሰሪሓ። ምስ ምዕጻው ናይታ ራድዮ፡ ኣብ ለካቲት 2009 ሓያሎ ኣባላት እታ ራድዮ ምስ ዝርከቡዎም ጋዜጠኛታትን ሰሓፍቲን ተኣሲራ። ካብ ሕጋዊ ክስን ፍርዲን ዘይነበሮ ናይ ሽድሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍታሓ፡ ኣብ ስደት ትነብር ኣላ። ነቲ ንብዙሓት ጸሓፍቲ ዓዚሙ ዝርከብ ስቕታ ብምስባር፡ በዛ እኩባት ግጥምታት ዝሓቘፈት በዅሪ መጽሓፋ ድማ “ኣለኹ” ትብል ኣለና ኣላ’ሞ፡ “ሓንጎፋይ” ንበላ።

Related Product

Scroll to Top