ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ካልእ ስለ ዘየሎ (Kalie Sile Zeyelo)

ካልእ ስለ ዘየሎ

ሓጸርቲ ዛንታታት ብኣብርሃም ተስፋልኡል ዘርአ

ካልእ ስለ ዘየሎ፡ ኣብ ውሽጢ 12 ዓመታት ዝተጻሕፉ 16 ሓጸርቲ ዛንታታት ዘካተተት ፋልመይቲ መጽሓፍ ኣብርሃም ተስፋልኡል እያ። ደራሲ’ዞም ሓጸርቲ ዛንታታት ብኸም’ዚ ዝስዕብ ገሊጽዎም ይርከብ፤ “እዞም 16 ፍቕራውያን ሓጸርቲ ዛንታታት እዚኣቶም. . . ኣብ መላግቦ ህይወትን ጽላሎት ሞትን ንዘሎ ወጥሪ፡ ብቐንዱ ከኣ ኣብ ለጠቕታ ህይወት ዘሎ ኵነት የንጸባርቑ። ኲናትን ስነልቦናዊ ሳዕቤኑን፡ መዓልቦኡ ስገማኡን ዘይግመት ንቕሎ፡ ሰንፈላልነት፡ ዘየባትኽ ትጽቢት፡ ምንስሓብ ካብ ንጡፍ ህይወት ወዘተ. ካብቶም ተደጋጊሞም ዝለዓሉ ቴማታት ብምዃኖም ከኣ ብቐንዱ ጽንብል ህይወት ዘይኰኑስ ሰነድ ውድቀት እዮም – ካልእ ስለ ዘየሎ።”

235,00 kr

Description

ኣብርሃም ተስፋልኡል ዘረአ፡ ብሕታውያን ጋዜጣታት ካብ ዝነበራሉ (2000) ኣትሒዙ ምስ ጽሑፍ ኣብ ዝዛመድ ዕማማት ክነጥፍ ጸኒሑ። ገለ ካብኡ፡ መምህር ስነጽሑፍ ኣብ ክፍሊ ቋንቋታትን ስነጽሑፍን ኤርትራ – ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ፡ ደሓር ድማ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነፍልጠትን ዓዲቐይሕ (2004-2012)፣ ዋና ኣርታዒ ኣብ ኣሕተምቲ ሕድሪ (2007-2012)፣ ኣባል መማዪት ሽማግለን ኣቦመንበርን ኣብ ዓመታዊ ውድድር ሓጸርቲ ዛንታታት ፈስቲቫል ኤርትራ (2006-2011) ኰይኑ ሰሪሑ። ካብ 2015 ኣትሒዙ ድማ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ሓበሬታ ጽሑፋት ኣብ ምብርካት ይርከብ።

Related Product

Scroll to Top