Description
ዝጠመመ መትሎ
ሓጸርቲ ዛንታታት ብሽሻይ ገብረሃንስ
ዝጠመመ መትሎ፡ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ምድረበዳ ሰሃራ፡ እስራኤልን ኤውሮጳን ዝፍጻመኦም ሓጸርቲ ዛንታታት ዝሓቘፈት መጽሓፍ እያ። እዞም ደርዘን ዝቝጽሮም ዛንታታት፡ ንህልው ኵነታት ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ኣብ ናይ ስደት ሃገራት፡ ብስነ-ጥበባዊ መንገዲ ሰኒዶም ይርከቡ። ጠመተ ደራሲ ኣብ ውሱናት ፍጻሜታት ብምትኳር ዓማሚ ዝዀነ ስራሕ ቀሪቡ ይርከብ።
ንሽሻይ ገብረሃንስ፡ ዝጠመመ መትሎ ካልኣይቲ ናይ እኩብ ሓጺር ዛንታ መጽሓፉ እያ። ሽሻይ፡ ንሓያሎ ዓመታት ምስ ራድዮ ሳዋን ራድዮ ኤረናን ዝሰረሐን ዝሰርሕ ዘሎን ጋዜጠኛ ኰይን፡ ካብ’ቶም ኣብ ሃገራት ስደት ዝዓንበቡ ኤርትራውያን ደረስቲ እዩ።
Reviews
There are no reviews yet.