SKU 978-91-989726-4-1 Category

ሰናይ ወዲ ዋርሳይ (Senay Wedi Warsay)

350,00 kr

Availability: In stock

Description

ሰናይ ወዲ ዋርሳይ፤ ካብ ቋሓይን ክሳብ ብሉ ላይን

ሓቀኛ ትረኻ

ብፍትዊ ርእሶም

ሰናይ፡ ኢዱ ሰዲዱ ብኽሳድ ኣርያም ንዝጀመሮ ምድህሳስ፡ ናብ ጸጕራ ቀጸለ። ድምጺ’ቲ ኣፍ-ንኣፍ ተዋሃሂቦም ዘዕልሉዎ ዘረባ፡ ከም ባትሪ ዝወድአት ራድዮ እናደኸመ ከደ። ንእለቱ ድማ፡ ካብ ዝስማዕ ድምጺ ናብ ፍረኡ ዘይስማዕ ስንእንእ ተሳገሩ። እቲ ተጠርኒፉ ዝነበረ ጸጕሪ ኣርያም፡ ሰናይ ንኽድህስሶ ኣጸገሞ። ኣርያም፡ ንመትሓዚ ጸጕራ ምስ ኣውጽኣቶ፡ ጸጕራ፡ ክሳብ ሽምጣ ዘው ኢሉ ኣሳፍሐ። ከም’ቲ ኣደኡ ኣብ ግዜ ቍልዕነቱ ተቀባጥረሉ ከላ ብእትድህስሶ ኣገባብ፡ ኣጻብዑ፡ ኣብ ርእሲ ኣርያም ኣመላለሰን። ኣርያም፡ ከም ጡብ ኣደኣ ሒዛ ልዋም ዝደቀሰት ህጻን፡ ኣብ ኣፍ ልቡ ተጐዝጒዛ ትንፋሳ ሓብአት። ምጽቃጥ ኣርያም፡ ንሰናይ’ውን ለከሞ። ክልተኦም ተጓዛጒዞም ንመሬት ክስዕሙ ክብሉ፡ ኣርያም ቀዲማቶ ብር በለት።

– ገጽ 179

*****
እቲ ዝኽርታት ግን፡ ክልተ ጫፋት ነበሮ። ጃጓር እንተ ኣውዲቓቶ፡ ማይን ዓሳን’ዮም ክቕበሉዎ። ኣብ ቀጽሪ ማይ ነፍሒ ክወድቕ እንከሎ ግን፡ ቀያሕታይ ሓመድ ማይ ነፍሒ ተሳሊሙ’ዩ ዝትንስእ ዝነበረ።

እታ ንሳልስቲ ጥራይ ዝፈልጣ ኣርያም ሓውቱ’ውን፡ ብልጭ በለቶ። ተተይ እናበለት ምስጓም ጀሚራ ክትከውን ገመተ። ንመልክዕን ልቦናን ኣርያም ኣፍቃሪቱ፡ ኣብ ንእሽቶ ሓውቱ ክርእዮ በሃገ። ስም ኣርያም ኣፍቃሪቱ፡ ኣብ ንዕልታ ምስማዩ መዓስ ከም ዝነግራ ሓሰበ።

– ገጽ 493-494

*****
እቲ ማዕጾ ምስ ተኸፍተ፡ እቲ ተቘጻጻሪን እቶም ዝጽበዩ ዝነበሩ ሰባትን ኣፍንጫኦም ሓዙ። ዳርጋ ብምሉኡ እቲ ዳሕረዋይ ክፋል ባቡር፡ ከም ዝሞተት ኣንጭዋ ሸተተ። ሰናይን ወዲ ቓዛን፡ ኣብ’ቲ ዓይኒ ምድሪ ንፍርቂ ሰዓት ኣቢሎም’ዮም ተሓቢኦም። ምስ’ቲ ዝነበሮም ርስሓትን ዋሕዲ ኣየርን ከኣ፡ ነታ ዝነበሩዋ ባጎኒ ርእሲ ዝፍልጽ ሽታ በከላ። እቶም ተሳፈርቲ፡ ክልተ ኣወዳት ኣብ ዓይኒ ምድሪ ብሓባር ምእታዎምን በቲ ብርቱዕ ሽታን ተገረሙ።

– ገጽ 505

Related Product

Scroll to Top