ሰንዓፈ-ማይ ሓባር (Senafe-Mai Habar)

275,00 kr

Availability: In stock

SKU: 978-91-989726-5-8 Category:

ሰንዓፈ-ማይ ሓባር

ሓጸርቲ ዛንታታት

ብሽሻይ ገብረሃንስ

“ማይ ሓባርከ ኣበይ’ዩ፧” ሓበን።
“ጥቓ ነፋሲት ዘሎ።”
“ነፋሲትከ ኣበይ ይርከብ፧” ሕቶ መልአት ባና።
“ደሓን ንዒሞ ብልዒ፡ ምስ ከድና ክትፈልጥዮ ኢኺ።”
“ብእግርና ዲና ክንከዶ፧” ሓበን ሓተተ።
“ብእግርና ክንከይድ ኣይንኽእልን ኢና፣ ርሑቕ’ዩ፣ ማካይን ክመጻ’የን ኢሎመን።”
“እንታይ ደኣ ኰይነን ካብ ሰንዓፈ ዘየምጽኣና፧” ሕቶ ወሰኸ።
“እንድዒ’ንታ ሓበን ወደይ።”
“ኣይጠመኹምን ዲኹም፧” ሕቶ ምብዝሖም ገረማ ኣደ መርሃዊ። ባና፡ “ጠሚና’ባ! ግን ልዕሊ ጥምየት ሻቕሎትን ፍርሒን በርቲዑና። ኣደዋይ ኣበይ ከም ዘላ’ኳ ዘይንፈልጥ፡ ሰንዓፈኸ ሒዞማዶ ይዀኑ፧” ሕንቕንቕ በለት።

– ካብ “ሰንዓፈ–ማይ ሓባር”

ኣብ ኣፍደገ ገዛ’ታ እትጽበየኒ ዝነበረት ኣስራቒተይ ዘወን-ዘወን ድሕሪ ምባል፡ ብዛዕባ ዝገብሮ ዘለኹ ኣሰላሰልኩ። ብሕልናይ ዝውቅሰሉ ነገር ይፍጽም ከይህሉ ነብሰይ ሓተትኩ፣ ካብ ሕልናይ ግን፡ ዝዀነ ክሲ ኣይመጽኣንን። ብዙሕ ግዜ ንሕልናይ ብዝመረጽኩዎ ምኽንያታት ከታልሎ ክኢለ እየ። ሕልና ንዓይ፡ ልክዕ ከም ሰብ-ሰርሖ ብልሒ ዝሃብካዮ ሓበሬታ መስሪሑ ውጽኢት ዝህብ እዩ።

– ካብ “ዋላ አይከሰብ”

Weight 325 g

Reviews

There are no reviews yet.

Be the first to review “ሰንዓፈ-ማይ ሓባር (Senafe-Mai Habar)”

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top