ኣሊስ ኣብ ምድረ-ተኣምር
ብልዊስ ካሮል
ትርጕም፤ ኣሌክሳንደር ብርሃነ
ሓንሳብ ዝን በለት’ሞ፡ ሓድሽ ሓሳብ ተቐጀላ። “እዚ ዒላ መወዳእታ ዘይብሉ እንተኾነኸ፧ በቲ ኣንጻር ክፋል ዓለም ክወጽእ ማለት እኮ’ዩ! እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ርእሶም ኣድኒኖም ዝኸዱ ሰባት ምስ ረኣዩኒ፡ ካበይ’ያ መጺኣትና ኢሎም ክግረሙ’ዮም። ኣቦ-ጂናውያን እዮም ዝበሃሉ መስለኒ…” (ኣብ’ዚ ግዜ’ኳ ዝሰምዓ ዘይምንባሩ ቂር ኣይበላን፣ ምኽንያቱ በታ ቃል ኣይተኣማመነትን) “…ኣብኡ ብጽሕ ምስ በልኩ ግን፡ ስም ናይ ዓዶም ክሓቶም ኣለኒ።” ጐረሮኣ ጸረገት’ሞ፡ “ማማ ሓንሳብዶ ክሓተክን፧ ኣብ ኒውዝላንድ ድየ ዘለኹ ኣብ ኣውስትራልያ፧” በለት። ኣብ መንጎ ዘረባኣ፡ ኢድ ክትነስእ ፈተነት (ብዒላ እናሃተፈት ኢድ ምንሳእ ተራእዩዋ!) “እታ ሰበይቲ ግን፡ ደንቈሮ ቈልዓ ገይራ ክትሓስበኒ’ያ። ምሕታት ኣይደልን… እንታይ ገደሰኒ! ስም ናይ’ታ ዓዲ ኣብ ገሊኡ ተጻሒፉ ኣይስእኖን’የ።”
እቲ ዒላ ምንቍልቋሉ ኣየቋረጸን። እታ ካልእ ዝግበር ዘይነበራ ኣሊስ ድማ፡ ነታ ትፈትዋ ድሙኣ ብምዝካር ዳግማይ ምስ ነብሳ ዘረባ ጀመረት። “ሉሲ ንፍቕ ከተብለኒ’ያ። ገዛና ጥራይ ጠዓሞታ ከይርስዑዎ! ሉሲ መዓረይ፡
ኣብ’ዚ ምሳይ ክትህልዊ ነይሩኪ! ኣንጭዋ’ኳ ክንደየናይ ከይትረኽቢ፡ መንካዕ ግን ኣይምሰኣንክን።
– ካብ ገጽ 5





Reviews
There are no reviews yet.