SKU 978-91-989726-3-4 Category

ኣበሳ ኲናት (Abesa Kuinat)

250,00 kr

Availability: In stock

Description

ኣበሳ ኲናት

እኩብ ግጥምታት

ብኣማኑኤል ኣስራት

“ኣበሳ ኲናት” ብዝብል ኣርእስቲ ተጠርኒፉ ዘሎ መጽሓፍ፡ 48 ግጥምታት ዝሓዘ ኰይኑ፡ ኣብቲ ጋዜጣታት ብሕቲ ዓምቢበናሉ ዝነበራ ካብ 1998 ክሳዕ 2001 ካብ ዝተሓትመ ዝተሓርየ እዩ። እቶም ኣብዚ መጽሓፍ’ዚ ዝርከቡ ግጥምታት፡ ዳርጋ ኵሎም ኣብታ ኣማኑኤል ዘሰናድኣ ዝነበረ ጋዜጣ “ዘመን” ብዝተፈላለዩ ናይ ብርዒ ኣስማት ወጺኦም ዝነበሩ እዮም።

===

ኣማኑኤል ኣስራት፡ ብግጥምታቱ፡ ህየሳዊ ጽሑፋትን ዝፈጠሮ መድረኻትን ነቲ ዳግመ ትንሳኤ ስነ-ግጥሚ ኤርትራ ተባሂሉ ዝእመኖ እዋን ሓድሽ መዋእል (2000)፡ መኣዝን ኣብ ምትሓዝ ወሳኒ ተራ ካብ ዝተጻወቱ ሓደ’ዩ። ምጥርናፍ እዞም ኣብ እዋን መሳግሮ ዝተጻሕፉ ግጥምታት እምብኣር፡ ብሓደ ወገን ሰነድ ኣበርክቶ ኣማኑኤል ክዀኑ እንከለዉ፡ ብኻልእ ድማ እምቢታ ኣንጻር ስቕታ እዮም። ብውልቀይ ኣብ ሞያ ጋዜጠኝነትን ስነ-ጽሑፍን ንኽኣቱ ዓቢ ድርኺት ናይ ዝገበረለይ ሰብ ስራሕ ክርኢ እንከለኹ፡ መጠናዊ ሩፍታ እናተሰምዓኒ፡ በቲ ካልእ ወገናቱ ግን – ከም ብዙሓት ግዱሳትን ቀረብቱን – ሰላም ዘይብሉ ዕረፍቲ’ዩ።

– ኣብርሃም ተስፋልኡል (ጋዜጠኛን ጸሓፊን)

Related Product

Scroll to Top