ወቕቲ ጕዕዞ ንሰሜን (Weqhti Guezo Nisemien)

250,00 kr

Availability: In stock

SKU: 978-91-989726-7-2 Category:

ወቕቲ ጕዕዞ ንሰሜን

ብጠይብ ሳልሕ

ትርጕም፤ ናስር ኣሕመዲን

ዕላልና ናብ ቤተ-ሰበይ መርሐ። ሕጂ ግና ከይሓሰኹ፡ ብዘይ ኣቦ ከም ዝዓበኹ ኣዕለልኩዋ። ሻቡ ናብ ሓሶተይ ተመሊሰ፡ ከመይ ኢለ ከም ዝዘኽተምኩ ዘሰቅቕ ዛንታ ምስ ነገርኩዋ፡ ኣዒንታ ብንብዓት ቍጽርጽር ክብል ረአኹ። ወለደይ ምስ ሰላሳ ርእሶም፡ ፈለግ ኒል ብጃልባ እናሰገሩ ክጥሕሉ እንከለዉ፡ ወዲ ሽድሽተ ዓመት ቈልዓ ምንባረይ ነገርኩዋ። ሻቡ ድንጋጸኣ፡ ብኻልእ ስምዒት ተተክአ። ኣብ ከም’ዚ ኣጋጣሚታት፡ ድንጋጸ ዘይተደልየ ሳዕቤናት ከምጽእ ይኽእል’ዩ።

ኣዒንታ በሪሀን፡ “ኒል ዲኻ ዘልካ፧” በለትኒ ብኽቱር ሓጐስ።

“እወ ኒል።”

“ኣብ ገምገም ፈለግ ኒል ትነብር ነይርካ፧!”

“እሂናይ ደኣ! አረ ገዛና ኣብ’ታ ገምገም ሩባ’ያ ነይራ። ምሸት ድቃስ ክሳብ ዝወስደኒ፡ ኣብ ዓራተይ ጎቦ ኰይነ ኢደይ ብመስኰት ኣሕሊፈ ጨብረቕ ምባል እፈቱ ነይረ።”

እዛ ዑፍ፡ ደጊም ናብ’ቲ ሸረኽ ኣትያ’ያ። ኒል – እዚ ተመን መሰል ጣኦት – ሓዳስ ኣረይ ረኺቡ’ሎ። እታ ዝብህጋ ከተማ፡ ስጋ ጓለንስተይቲ ለቢሳ እነሀት። ሓደ መዓልቲ፡ እንተ ነውሐ ከኣ፡ ሰሙን ጸኒሐ፡ ድንኳነይ ነቒለ ናብ ጥርዚ’ቲ እምባ ክወጽእ’የ።

– ካብ ገጽ 29-30

Weight 250 g

Reviews

There are no reviews yet.

Be the first to review “ወቕቲ ጕዕዞ ንሰሜን (Weqhti Guezo Nisemien)”

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top