ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ፍኖተ ሰሃራ (Finote Sahara)

ሴፉ ኣብርሃም፡ በዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ነቲ ባዕሉ ዝተመኰሮ ጕዕዞ ሰሃራ ብዘይ ዝዀነ ጅላሕ ፈጠራ ነቲ ሓቀኛ ፍጻሜ ብደቂቕን ዝርዝራኣዊን ትዕዝብቱን ስምዒቱን ሰኒዱዎ ኣሎ። እቲ ኣዒንቲ ርሑቕ ጠሚተን ዝዀነ ተስፋ ዝሕብ ዘይርእያሉ ህሮርማን ምድረ-በዳ፡ ተንቀጻቓሲ ስእሊ ብዝመስል ስእልዊ ትረኻ ምስ እንነብብ፡ ዋዒዑ ኣቃጺሉ እንተ ዘየምከኸና፡ ተጓዓዝቲ ዝስምዖም ክስመዓና ርግጽ እዩ።

350,00 kr

Description

ፍኖተ ሰሃራ፤ ውልቀ መዘክር ስደት

ብሴፉ ኣብርሃም

ቍ. ገጽ 260፣ ተሪር ገበር

ሴፉ ኣብርሃም፡ በዛ መጽሓፍ’ዚኣ፡ ነቲ ባዕሉ ዝተመኰሮ ጕዕዞ ሰሃራ ብዘይ ዝዀነ ጅላሕ ፈጠራ ነቲ ሓቀኛ ፍጻሜ ብደቂቕን ዝርዝራኣዊን ትዕዝብቱን ስምዒቱን ሰኒዱዎ ኣሎ። እቲ ኣዒንቲ ርሑቕ ጠሚተን ዝዀነ ተስፋ ዝሕብ ዘይርእያሉ ህሮርማን ምድረ-በዳ፡ ተንቀጻቓሲ ስእሊ ብዝመስል ስእልዊ ትረኻ ምስ እንነብብ፡ ዋዒዑ ኣቃጺሉ እንተ ዘየምከኸና፡ ተጓዓዝቲ ዝስምዖም ክስመዓና ርግጽ እዩ። ፍጻሜታት ትረኻ እዚ መዘክር፡ ተነጊሮምና ብኣእምሮና ሸፈፍ ኢሎም ዝሓልፉ ኣይኰኑን፣ ስሒቦም ኣብ ምእከሎም ኣእትዮም ተኻፈልቲ እቲ ተመኵሮ ብምግባር ርድኢትና የስፍሑ።

እቲ ጕዕዞ ካብ ኻርቱም፡ ሱዳን ተበጊሱ ብሰሃራ ቢሉ፡ ሊብያ ብምብጻሕ ጕዕዞ ናብ ኢጣልያ ብመንገዲ ማእከላይ ብሕሪ ምስ ተጀመረ ይዛዝም። ክብደት እቲ ጕዕዞ፡ ተነጊሩካ ክትርድኦ ኣይከኣልን፣ እቲ ሴፉ ተጠቒሙሉ ዘሎ ኣገባብ ትረኻ ግን፡ ስእላዊን ብምዃኑ፡ ነቲ ከቢድ ተመኵሮ ነባቢ ንኽካፈሎ ኣቕሊሉዎ ኣሎ። ኣብ’ቲ ከቢድ ሃዋሁ፡ ተስፋ ንህይወት ክተስርራ፡ ሕውነትን ብጻይነትን ከይሸረፈ ብንቡር ክቕጽል፡ ዋጋ ህይወት ኣብ’ቲ ምድረ-በዳ ባይታ ዘቢጡ ክንዕዘብ፡ ስግንጢርነቱ ዘይዓጅብ ኣይኰነን።

Related Product

Scroll to Top