መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ሓደ – 2ይ ክፋል (Metsihaf Eyo Tigrinya Hade – Kifal 2)

270,00 kr

መም. ዮሴፍ ወረቀ ኣስራት፡ ናይ ልዕሊ 20 ዓመታት ናይ ምምህርና ተመኵሮኡ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምምሃር ቋንቋ ትግርኛ፡ በዚኣ ስራሕ’ዚኣ የካፍለና ኣሎ። እቲ ብሓፈሻ ቈልዑ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ካብ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ሕብረተ-ሰብ ተፈልዮም ዝዓብዮ፡ ዝገጥሞም ብድሆታት ኣብ ምንባብን ምጽሓፍን ቋንቋ ትግርኛ፡ ብኣጋኡ ዘላለየ መም. ዮሴፍ፡ ናይ ባዕሉ ኣገባባት ኣመሃህራ ምንባብን ምጽሓፍን እቲ ቋንቋ ኣማዕቢሉ ዘዳለዋ ስራሕ እያ።

Out of stock

SKU: 978-91-991678-1-7 Category:
Wishlist Compare

መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ሓደ – 2ይ ክፋል፤ ንባብን መላመድታትን

ብዮሴፍ ወርቀ ኣስራት

ቍ. ገጽ 112

መጽሓፍ ሓደ ቀዳማይ ክፋል ብግቡእ ዝተማህሩ ቈልዑ፡ ኣብ ምጅማር መጽሓፍ ሓደ ካልኣይ ክፋል ዘለዉ ፊደላትን ሰዓብቶምን፡ ብዙሕ ክብድሁዎም ይኽእሉ እዮም ዝብል ትጽቢት የለን። እዚ ትሕዝቶ፡ ከም ዳግማይ መንቀሊን መዘኻኸሪን ክውሰድ ይኽእል። ብፍሉይ ግን፡ ፊደላት ሳድስን ሳብዕን እኹል ኣቓልቦ ክንህቦም ከም ዝግባእ አዘኻኽር።

ቀጺሎም ዘለዉ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ቴማታት ዘተኰሩ ትሕዝቶታት፡ ቈልዑ፡ ናይ ምንባብ፡ ኣንቢብካ ናይ ምርዳእ፡ ናይ ምጽሓፍ፡ ምስማዕን ምዝራብን ዓቕሞም ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ንምምዕባል ዝተዳለዉ እዮም።

መጽሓፍ ሓደ ካልኣይ ክፋል፡ መባእታዊ ሰዋስው ከም ስም፡ ቅጽል ከምኡ’ውን ግሲ ብመጠኑ ትድህስሶም እያ። ኣውራ ክንድ ስም፡ ንጽል ድርብ ስም፡ ናይ ሕቶ ቃላት፡ ስርዓተ-ነጥቢ ቋንቋ ትግርኛ ከም ኣርባዕተ ነጥቢ፡ ክልተ ነጥቢ፡ ስለስተ ነጥቢ  ምኡ’ውን ምልክት ስምዒት ኣጠቓሊላ ኣላ። ቀንዲ ዕላማ ናይ’ዞም ትሕዝቶታት እዚኦም፡ ቈልዑ ኣብ ሰዋስው ቋንቋ ትግርኛ ሌላ ንኽህልዎም እዩ። ኣብ መጽሓፍ ክልተን ሰለስተን ግን፡ ብዕምቈት ተዳልዮም ኣለዉ።

ኣብ መዛዘሚ ዘሎ ትሕዝቶ፡ ናይ ቃል መኽዘን ኰይኑ፡ ቈልዑ፡ ነቶም ኣብ ቅድሚት ዘለዉ ፊደላትን ሰዓብቶምን ክምሃሩን መላመዲ ክሰርሑን ከለዉ ዘሎ ስእልታት ብቐሊሉ ንኽርድኡ ተባሂሉ ብቛንቋታት ሽወደንኛን እንግሊዝኛን ዝተዳለወ ስለ ዝዀነ፡  ጠቐምቲ እዛ መጽሓፍ፡ ኣቓልቦ ክህብዎ አዘኻኸር።

Weight 350 g

Reviews

There are no reviews yet.

Be the first to review “መጽሓፍ ዕዮ ትግርኛ ሓደ – 2ይ ክፋል (Metsihaf Eyo Tigrinya Hade – Kifal 2)”

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top