ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ሶይራ መርሬታ|Soyra Blog

ወዲ የማነ

ቅድሚ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ምስ ፖሊስ ዝተራኸብኩለን መዓልታት ምስ’ዛ ዳሕረወይቲ መዓልቲ’ዚኣ ዋላ ንፈውሲ ማሕላ ብፍጹም ኣይነጻጸራን እየን። ክዛረብ ዕድል ከይሃቡ፡ በዲለ ድየ ኣይበደልኩን’ውን ከይሓተቱ፡ ተሳሂሎምኒ። እቶም ክልተ በበትሮም ሒዞም፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ብቕልዒትን ጕስጢን ምዝራብ ክሳብ ዝስእን ምንህንህ ኣቢሎም ኣብ ባይታ

Read More »

ሓምሳ ሽሕ

ኣቶ ዘወልዲ ካብ መኪናኡ ብቕልጡፍ ወሪዱ ናብቲ መደበር ፖሊስ ብምእታው፡ ብቐጥታ ናብቲ መዝጋቢ ዕለታዊ ፍጻሜ ዝነበረ ተረኛ ፖሊስ ኣምረሐ። እቲ ፖሊስ፡ ንኽሰምዖ ድሉዎ ምስ ኰነ፡ ኣቶ ዘወልዲ መምጽኢኡ ብዝርዝር ሓበሮ፤“ሎሚ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ኣቢሉ፡ መኪናይ ኣብ ከባቢ ካርቱም ሆቴል ኣብ

Read More »

ኣውቶቡስ ምሸት

ሰመረ ሰዓቱ እናራኣየ ናብ መጸበዪ ኣውቶቡስ በጽሐ’ሞ፡ ምስ’ቶም ናብ ገገዛኦም ክኸዱ ዝተሃወኹ ሰባት ተጸንበረ። ጻዕቂ ተጸበይቲ ምስ ረኣየ፡ እታ ኣውቶቡስ ኣመና ከም ዝደንጐየት ንምግማት ኣየጸገሞን። ኣቦይ ባሻይ፡ እቶም ገዚፍ ካቦት ምስ ኣረጊት ናይ ጎልፎ ቆቢዕ ዘዘውትሩ ዓሚል ኣውቶቡስ ነታ ዘይፈልዩዋ

Read More »

ናብራ ከልቢ

ኣነ፡ ቀዲምካ ኣብ ቈጸራ ምብጻሕ ስለ ዝፈቱ፡ ቅድም ኢለ’የ ኣብ’ታ ዝተቛጸርናላ ባር ካፕቴን ኵክ ዝበጻሕኩ። ዘወረድኩዋ ቢራ ድሮ ከማን ተፋሪቓ ነይራ። ምስቲ ደልዳላ ወዲ ባሪስታ ቍሩብ ሌላ ስለ ዝነበረና ንእሽቶ ዕላል ብምሓዝና፡ ኣይተረድኣንን ብዙሕ ከም ዝመዓጕኩላ። ጽምኢ’ውን ዘይነበረኒ ኣይኰነን፣ ኣብታ

Read More »

ፋነዋ ኣቦ

ኣቦይ ተኽለ፡ ቡን ተቘልያ ክሳዕ ካልኣይቲ እትስተ፡ ብዙሕ እዋን ካብ መንበር ተንሲኦም ንደገ ክወጹ ሃቂኖም ተመልሱ። ኣደይ ስላስ፡ ብዓልቲ ቤቶም፡ ከዕጠጥዩ ርእየን ነቲ ፋርኔሎ ተቐላጢፈን ከክንዲ ዓዀር ዝዀና ሒደት ፈሓም ወሰኻሉ። ኣብታ ብዙሕ ንጻል ዝነበራ ንእሽቶ ሸሓኒ ንቝርሲ ቡን ዝተቐረበ

Read More »

“ቦሪን ኰይነ… ኢንጆይ ክኸውን ደልየ”

“ኢሂ ተገባሪት… ብሰንክኺ ድቃስ ክንስእን? ንባዕልኺ ኢንጆይ ኰይንኪ ንሕና ክነንባሁቝ።” “ተዝርከብስ ንዓይ ምሓሸኒ። ኣይትደቅሲ ኢለ ድማ ኢድኪን እግርኽን ኣይኣሰርኩኽን። ኣሕልፍና ጥራይ ሕጂ… ኣብ ኣፍ ማዕጾ ኰይንኪ ጀላዕላዕ እናበልኪ ሰብ ከይተተስኢ።” “ኪዲ ኸዝዝዛብ… ምስ’ዚ ሓለንጋይ ቅዙፍ ኣምሲኺ እንተይ ከይትስእኒ።” “ካብኣ ነጢርኪ

Read More »

ስምያ

ንግስቲ: ነቲ ጕዳይ መጀመርያ ኣቕሊላ’ኳ ርእያቶ እንተ ነበረት: ድሮ ጥምቀታ ዝነበረት ምሸት ግን ጭንቀት’ያ ተደሪራ። ኣብ ቀዳማይ ጥንሳ ዜርኣየቶ ኵርዓት: ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ፍጹም በኒኑ። ምስኣ ሰላምታ ኪለዋወጣ ፋዕራ ዘይነበረን ጎረባብቲ: ኣብ ሎሚ በጺሐን ሰላም ንኺብላኣ ደው ኢለን ይጽበያኣ፣ ካብ

Read More »

The Miniature Boat

Ghirmay could not believe his eyes when he saw the miniature sailboat filled with pieces of paper and on the floor of the sitting room. He looked around if there was anyone in the room. He wanted to let out

Read More »
Scroll to Top