ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ናብራ ከልቢ

ኣነ፡ ቀዲምካ ኣብ ቈጸራ ምብጻሕ ስለ ዝፈቱ፡ ቅድም ኢለ’የ ኣብ’ታ ዝተቛጸርናላ ባር ካፕቴን ኵክ ዝበጻሕኩ። ዘወረድኩዋ ቢራ ድሮ ከማን ተፋሪቓ ነይራ። ምስቲ ደልዳላ ወዲ ባሪስታ ቍሩብ ሌላ ስለ ዝነበረና ንእሽቶ ዕላል ብምሓዝና፡ ኣይተረድኣንን ብዙሕ ከም ዝመዓጕኩላ። ጽምኢ’ውን ዘይነበረኒ ኣይኰነን፣ ኣብታ ቍሩብ-ቍራቦ ዝረኽበላ ስራሕ’ውን ድፍእ ክብልሲ ኣማስየ ነይረ እየ።
“ቫ ክዩል. . . ቀዲምካኒ መጺእኻ፡ ኣነ ድማ ቀዲመዮ ኣለኹ ኢለ’የ ተሓጒሰ ነይረ፡” ሞሊን መሳርሕተይ’ያ ብጐድነይ ደው ኢላ ኣንቃዕሪራ ብምጥማት፡ ሓቚፋ ንኽትስዕመኒ ኣእዳዋ ዘርጊሓ ዝተዛረበት።
“ካብ ስራሕ’የ ትኽኢለ መጺአ፣ ንገዛ ኣይተኣለኹን።”

ጃኬታ ንምውጻእ ድሕሪ ምሕጋዘይ፡ ኣብ ጥቓይ ኮፍ ንኽትብል ከምቲ ኮፍ ኢለሉ ዝነበርኩ ነዊሕ መንበር ስሒበላ። ንዅሉ ተግባራተይ ትዕዘብ ምንባራ ኮፍ ድሕሪ ምባላ ምስ ኣመስገነትኒ’ዩ ተረዲኡኒ። ኣነ ግን በቲ ተነስኒሳቶ ዝመጽአት ምኡዝ ሽቶኣ ዓንዚዘ’የ ነይረ። ኣእምሮይ ከም’ዚኣ ገይራ ነብሳ እተልዕል ሽወደናዊትሲ ትህሉ’ዶ ኢሉ’ዩ ዝሓስብ ዝነበረ።
“ዩ ኖው ዋት. . . ከም ቶሚ ጽሉል’ኮ የለን፣ ክወጽእ ምስ ረኣየኒ ምሳኺ ዘይከድኩ ኢሉ ብጽብጽ ኣቢሉኒ። ቶሚ ‘ተዘይህሉ ህይወት ብሓቂ ምጸላእኩዋ።”
“እወ፡ እርደኣኒ።” ካልእ ዝብሎ ኣይነበረን። ድሓር ድማ፡ ብዙሕ ሌላ የብልናን። መን ቶሚ’ዩ እዝጊሄር ዋናኡ።
“እንታይ’ዩ’ባ ክብለካ ጸኒሑ እዚ ባሪሳታ፧ ብዕቱብ ዝዛረበካ ዝነበረ ኰይኑ ተሰሚዑኒ። ምእዛዝ ኣብዩካ ድዩ፧”
“ሃሃሃሃ. . . ከምይ ኢልኪ ከምኡ ትብሊ፧ ነሀለን’ዶ ቢራይ ፍርቂ በጺሑ። ብዝዀነ፡ ናይ ድሓን’ዩ። ብቐዳማይ ኣብዚ በይነይ ኣማስየ ነይረ። ሓደ ቍሩብ ለኺፉኒ ነይሩ። ግን ብዙሕ ዓቢ ነገር ኣይኰነን።”
“እንታይ ዝዀነ’ዩ፧ እንታይ ኢሉ ለኺፉካ፧ ንዓይ ዘይትነግረኒ፧”
“ዓቢ ነገር’ኳ ኣይኰነን፡ ግን ኣንደሽ’ውን ክትከሶ ትደሊ እንተዀንካ ኣድራሻኡ ኣለና ክንህበካ ንኽእል ኢና’ዩ ክብለኒ ጸኒሑ።”
“ሃሪሙካ ድዩ፧”
“ነይ ነይ. . . እንታይ ወሪዱኪ’ቲ ሞሊን፡ ዝህረም ሰብእይ’ዶ እመስል’የ፧”
“ነይ. . . ጋሻ ስለ ዝዀንካ ነዚ ዓዲ፡ ከየዳህልሉኻ ኣምበር። እንታይ’ዩ’ኸ ገይሩካ፧ ፍቓደኛ ዲኻ ክትነግረኒ፧”
“ካልእና ምዕላል ኣይምሓሸን፧” ብቐደሙ ሱቕ ኢለ’የ ሐራይ ኢለ ቈጸራ ሒዘ ምስ’ዚኣ፡ በይነይ ምጭራም ምሓሸኒ። ነዓይ ከገላግል ክብል ኣንደሽ ቢራኣ ሒዙላ መጺኡ።
“ንኣንደሽ ሕተትዮ፡ ንሱ ክነግረኪ’ዩ። ኣነ ምስቲ ቢራን ቍሩብ ናይ ቋንቋ ጸገምን፡ ኵሉ ኣይሰማዕኩዎን።” ኣነ እንተ ተዓገሰት ኢለ ዝተዛረብኩዎ፡ ናይ ሓቂ ገይራቶ። መዓስ ሰንፋ ኰይና። ኣንደሽ ምስኪን ድማ፡ ስርሑ ገዲፉ ብስምዒት እምበር ዘርዘረላ።
“ኣብዛ ዘለኹማ ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ ብደገ ጸጊቡ መጺኡ ‘ገዛኻ ዘይትኸይድ’ ኢሉዎ። ቲዮ ድማ ነዚኣ ሒዘያ ዘሎኹ ወዲአ ክኸይድ’የ ኢሉ መሊሱሉ። ደሓር እቲ ሰኽራም፡ ነዓይ ከምዚ ኢልካ ትላገጸለይ ኢሉ ኣንጸርጺሩ ምጽራፍ ጀሚሩ። ቦዲጋርድና ድማ ደፊኡ ኣውጺኡዎ። ቲዮ ግን ኣዝዩ ህዱእ ሰብ’ዩ። ሓንቲ ቃል’ውን ኣይመለሰሉን። ሱቕ ኢሉ ቢራኡ ይሰቲ ነይሩ። እቲ ድማ ይግዕር። ይቕረተ’ኳ ሓቲትናዮ ኢና። ኣድላዪ እንተዀይኑ’ውን ኣድራሻ ናይቲ ሰኽራም ሒዝናዮ ኣለና።”
“ስለምንታይ ዘይትኸስሶ’ሞ፡ ዓድኻ ዘይትኸይድ ማለቱ’ኳ’ዩ ገዛኻ ኺድ ክብለካ ’ንከሎ። ድሓር ድማ ተጻሪፉካ፡” ሞሊን ኣብ ክንዲ ንቢራኣ ነዚ ዘረባ ጠምጠም ጀሚራቶ።
“ሎሚ ክዘናጋዕን ምሳኺ ንኽላለን’የ ኣብዚ መጺኤ ዘለኹ። ዝሓለፈ ሓሊፉ’ዩ። ድሓር ዝበለ እንተ በለ፡ ኣብ ነብሰይ ዝወሰኾ ወይ ዘጕደሎ ነገር የሎን። ካልእ’ዶ ነዕልል፧”
ኣዎንታዊ መልሳ ቢራኣ ጠምጠም ብምባል ገለጸቶ። ኣይሓመቐትን ዳርጋ ኣርኪባትኒ።
“ዓድኻ ኪድ ምስ በለካ ሞካዲሹ’ዶ ተራእያትካ፧ ሶማሊ ኢኻ ምሽ፧” ኣየ ሞሊን ንመበል ሓሙሻይ ግዜ ይኸውን ሓቲታትኒ’ላ’ዛ ሕቶ ኣብ ስራሕ። ብዛዕብ ኤርትራን ቀይሕ ባሕሪን ዶባታን ክነግራ ትንፋሰይ ከም ዘይመለቝኩ፡ ሕጂ ድማ ሶሞሊ ዲኻ. . .
“እወ ሶማሊ’የ። ኣብ ሞቓድሾ ድማ ዓብየ።”
“ሞካዲሹ ከመይ ዓይነት ከተማ’ያ፧”
“ኣውሪዱለይ’ዶ. . .”
“እንታይ ኢልካ፧”
“ርእሰ-ከተማና’ያ። ከባቢ ሓደ ሚልዮን ዝኸውን ነባሪ ኣለዋ። ዓቢ ወደብ ኣለዋ። ብዙሕ ናይ ቀደም ናይ ጥልያን ጽልዋ ዘለዎም ህንጻታት ድማ ኣለዉዋ።” ብይኸውን ተዘርዚረ። እምበር፡ ኣብ ኣእምሮይ ዝነበረኒ ስእሊ’ታ ከተማ፡ ሕምብርጅሉ ካብ ዝኣትዎ ዕስራ ዓመታት ሓሊፉ’ሎ። ብቘልዓይ ርእሰ-ከተማታት ሃገራት ኣፍሪቃ ከጽንዕ ከለኹ ካብ ድምጺ ኣስማት እተን ከተማታት ዝፈጥሮ ስእሊ ነይሩኒ። ሞቓድሾ፡ ምስ ቤት መቕደስ ኣተኣሳሲረ ከምዚ ዓቢ ቅዱስ ስፍራ ዝርከቦ ብዓበይቲ ህንጻታት ዝመለአን ዝበዝሑ ነበራት ድማ ቀምሽ ዓረብን ጸሊም ካባን ዝለብሱ ገይረ እቐርጾም ነይረ። ድሓር ኣብ ቴስዓታታ፡ ብመስኰት ቴሌቪዝዮን ብዝረኣኹዎ ስእሊ ግን፡ ዑናን መዳፍዕን፡ ነበርታ ድማ ብራቴለ ማልያ ወድዮም ብረት ትሓንጊጦም ዝናጠሩን ዝጐይን’ዮም። ብኸመይ አቃድዎ ኣይፈልጥን፡ ግን እቲ ስእሊ ተሓዋዊሱ፡ ንሞሊን ክገልጸላ ዘኽእል ክረኽበሉ ኣይከኣልኩን።
“ዩ ኖው ዋት. . . ቀደም ሓደ ሶማሊ ዓርኪ ነይሩኒ። ንቝሩብ እዋን በቃ ተጸሊለሉ ነይረ። ግን ብሓንሳብ ባር ክንከይድ ዘይደሊ። ግን ቢራ ብሓደ ኣብ ገዛ ኰይና ንሰቲ ነይርና፣ ድሓር ጠቕላላ ገዲፉዎ። ብሓደ ሳምቦ ኰይና ንንበር ኢለዮ፣ በቃ ክውስን ኣይከኣለን። ሓንሳብ ገዛኡ፡ ሓንሳብ ገዛይ ንሓድር ነይርና መጀመርያ። ድሓር ኣዝማዱ ምስኡ ኣብ ገዛኡ ክነብሩ ስለ ዝጀመሩ፡ ብሓደ ምኻድ ኣቋሪጽና። ገዛይ ምሕዳር ድማ በብቝሩብ ገዲፉዎ። ይገርመካ ኣብኣ እንከለኻ ንኣብዲ ኢኻ’ኮ ትመስል። ሓውኻ ድዩ፧”
“ነይ፡ ሓወይ ክኸውን ኣይክእልን’ዩ። ሓደ ሓዊ ጥራይ’ዩ ዘሎኒ፣ ንሱ ድማ ኣብ ዓዲ’ዩ ዘሎ።”
“ዓርኪ ኣላትካ’ዶ፧” እዋእ ካበይ ናበይ’ያ ተናጥሮ ነዚ ዘረባ።
“የብለይን፣ ሰበይቲ ግን ኣላትኒ። ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑን’የ።”
“ኣነ ይገርመካ፡ ንሓዳር ዝሓስቦ ዝነበርኩ ሓደ ጀርመናዊ ዓርኪ ነይሩኒ። ንኽልተ ዓመት ምሉእ ተጸባቢና። ብኢንተርነት ቻት ሩም ኢና ተላሊና። ሽዑ ኣነ ጂምናስዬት ክውድእ ዓመትን ፈረቓን ተሪፉኒ ነይሩ። ንሱ ድማ ኮሌጅ ጀሚሩ ነይሩ። ክልተ ክረምቲ ክንራኸብ ኣይከኣልናን። ካብ ትምህርቲ ወጺአ ዕላል ምስኡ ጥራይ’የ ምሉእ ምሸትን ለይትን። ናብ ዝዀነ ፓርቲ እንተኸይደ፡ ተሌፎነ ደዊለ ኣብቲ ፓርቲ ዝተወልዑ ሙዚቃታት አስምዖ ነይረ። ጂምናስዬት ምስ ወዳእኩ ግን ብመደብ ክልተ ወርሓት ኣብ ምትካል ገረብን ኣርባዕተ ወርሓት ድማ ኣብ ምዕሻግን ምዕዳልን ጋዜጣ ብምስራሕ ገንዘብ ኣዋህሊለ በርሊን ተራእየ።”
ቀደም ከተማ በርሊን፡ ማእከል ወጥሪ ዝሑል ኲናት ምንባራ ጥራይ’የ ዝፈልጥ ነይረ። ዝነበረኒ ፍልጠት ብዛዕባ ከተማታት ብማዕከናት ዜና ዝጽሎ ብምንባሩ፡ እሞ ድማ እተን ከተማታት ምስ ኲናትን ዕግርግርን ፖለቲካዊ ቍርቍስን ስለ ዝለዝለዓላ ኣብ’ተን ብቐረባ ዝረኽበን ዝነበርኩ ማዕከናት ዜና፡ እቲ ስእሊ ዘኽርህ’ዩ ዝነበረ። ሞሊን ንእትነግረኒ ግን፡ ማቴዎስ ዓርከይ በርሊን ከተማ ፈንጠዝያ ምዃና ጽብቕ ገይሩ ኣዳልዩኒ ነይሩ።
ክልተ ወርሒ ምሉእ ሞሊን ምስ ጀርመናዊ ዓርካ ፈቐዶ ለይታዊ ትልሂት ከተሕልፎ እንከላ፡ እታ እዋን እቲኣ እታ ዝበለጸት ግዜ ኣብ ህይወታ ክትኰነላ ተማህሊላ ነይራ። ክልተ ዓመት ተጸብያ ዳኣ’ሞ ግድን እምበር። እዚ ክንድኡ ግዜ ተጸብያ ዝረኸበቶ ዓርካ’ዶ ድኣ ኰይኑ እቲ ዓንተዎ ዝጠቐሰቶ ቶሚ? እዘን ደቂ’ዚ ዓዲ መቸም እንተ ኣፍቂረን ጽኑዓት’የን ኣብ ሓደር! መወዳእትኡስ ሰሚሩሎም ይኸውን እምበር።
“ዶባትን ሩባታትን ዘይዓገቶ ፍቕሪ፡ መወዳእታኡ ኵል-ግዜ ጽቡቕ’ዩ።” ኣብ ዕላላ ሰማዒ ጥራይ ካብ ምዃን ርእይቶ ወስ ከብል ኢለ’የ ተዛሪበ።
“እንታይ ትብል ኣለኻ! ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓሺሽ ወሲደ ነብሰይ ኣብ ዓራት ሕክምና ምስ ተበራበረት፡ ቲሞ ዓርከይ ሞይቱ እንተ ኢልምኒ፡ ነብሰይ ከጥፍእ ተዳልየ ነይረ። ደጋጊመ ብዛዕባኡ ምስ ሓተትኩ ግና፡ በይነይ ኣብ ሓደ ጐደና ረኺቦም ብኣንቡላንስ ናብ ሕክምና ከም ዘምጽኡኒ ሓንቲ ካብ’ተን ኣለይቲ ሕሙማን ነጊራትኒ። ንቲሞ ቴሌፎን ደዊለ ስኢነዮ። ምስ ተመለስኩ፡ ወዲእና።”
“እሞ ናይ ክልተ ዓመት ዕርክነትኩም ኣብ ክልተ ወርሒ ተወዲኡ?”
“ኖ ማልተ ተደዋዊልና ገለ. . . ተረሓሒቕካ ክቕጽል ዝኽእል ርክብ ይርከብ ኣይብልን. . .  ግን ዩ ነው. . . ኣይ ላቭ ዘ ስኖው ህዬር! ኣብዚ ዓለም በረድ ‘ተዘይህሉ፡ ህይወት ብሓቂ ምጸላእኩዋ። ንሱ ድማ ክመጽእ ኣይደለየን። ዝተዓጽወ ምዕራፍ’ዩ ድሓን ንረሳዓዮ።”
እዋ፡ ባዕልኺ መምጽኢት ደርፊ፡ ባዕልኺ መጥፍኢት ደርፊ። መን’ዶ ተዅቲኽኪ’ዩ ብቐደሙስ። ግን ነቲ ብኣካል ረኺባ መን ምዃኑ ከይፈለጠት ክልተ ዓመታት ምሉእ ዝተጸበይቶ ሰብ፡ በረድ ስለ እተፍቅር ክትገድፎ ምውሳና ገሪሙኒ። እሞ ሕጂ በረድ’ዶ ሓዳር ክገብረላ’ዩ ኢለ ኣብ ሓሳብ ጥሒለ፡ ቢራይ ሃንቦቕ ምባል ግን ኣየቋረጽኩን።
“ሕጂ ሰበይትኻ ኣብ ሞካዲሹ እንታይ ትገብር ኣላ፧”
“ከምዚ ኣነ ዝጽበያ ዘለኹ፡ ንሳ ድማ ንዓይ ትጽበ።”
“ሓሙሽተ ዓመት ግን ነዊሕ’ዩ።”
“ኖ ድሓን’ዩ። ንስኺ ምሽ ክልተ ዓመት ምሉእ ንዓርክኺ ተጸቢኽዮ።” ንሱ ከማን ፍጹም ርኢኽዮ ንዘይተፍልጢ።
“ተረሓሒቕካ ዝቕጽል ርክብ ዳርጋ የለን። ኣብዚ ብዙሕ ናጽነት ኣለካ፣ ግድን ሓዳር ምግባር ኣይድልየካን’ዩ። ሳምቦ ኰይንካ ክትወልድ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ፡ ህይወትካ ክቕጽል ኣለዎ። ኣብ ሓደ ዘይንቀሳቐስ ቦታ ኣቐሚጥካ ክተባኽኖ የብልካን።”
ብዛዕባ’ተን ሰብኡተን ንገድሊ ምስ ከዱ ክልተ ዓሰርት ዓመታት ፍጭም ኢለን ዝተጸበያ ኣዴታት ዓደይ እንተ ዝነግራስ እንተይ ኰን ምበለት ኢለ ሓሰብኩ። ካልእ ኣርእስቲ የብላን ድዩ’ኸ፧ ኣብቲ ናይ ስራሕ ናይ ሻሂ ዕረፍቲስ ብዛዕባ ቅብኣን ተዋስኦን’ያ ተዕልለኒ ዝነበረት። ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከተማ ማልመ ንኽልተ ሮማውያን ለመንቲ ከም ስራሓት ስነ-ጥበብ ንምርኢት ዘቕረበ ስነ-ጥበበኛ ምስ ኣዕለልና ተመሳሳሊ ዝንባለ ከም ዘሎና ብምግንዛብና’ዩ ነዚ ናይ ሎሚ ርክብና ዝተሰማማዕና። ከም ገለ ገይረስ ኣርእስቲ ከቀይራ መደብኩ።
“ከም ዝመስለኒ ተመሃሮ ኣዝዮም’ዮም ዝፈትዉኺ። ከመይ ዓይነት ኣመሃህራ ኢኺ ተዘውትሪ፧” ከመይ ዝበሉዎ ሓንኳል ሕቶ’ዩ ወደይ ኢለ ነብሰይ ወቐስኩዋ። ብቐመር ክተዕልል ምፍታን፡ ንሱ’ዩ ትርፉ። ነቲ ቢራ ኣይትኽየፈሉ፡ እቲ ዕላል ድማ ዓይኒ ዘይብሉ መጺጽ ጣይታ ኰይኑ ይተርፈካ።
“ተመሃሮይ ንሞሊን ንፈትዋ ኢና ድዮም ኢሎምኻ፧”
“ነይ. . . ኣብ’ቲ ቤት ንባብ እምበር ብቐዳማይ ሓደ ቈልዓ ጐዩ መጺኡ ተሓቚፉኪ። ምስ ሓደ ሰብኣይ ነይሩ።”
“ኣሃ፡ ቪንስ ወደይ እንድዩ። ምስ ኣቡኡ ማርኮስ ክልተ ዓመት ብሓዳር ነይራና። ድሕሪ ቪንስ ምውላዱ’ዩ። ግን ብዙሕ ስለ ዘይተሰማማዕና፡ ተፈላሊና። ስለዚ፡ ቪንስ ሰሙን ምሳይ ሰሙን ድማ ምስ ማርኮስ’ዩ ዝነብር። ሽዑ ናይ ማርኮስ ሰሙን ስለ ዝነበረ፡ ምስኡ’ዩ ነይሩ። ሰሙን ነጻ ክኸውን ከለኹ፡ ተንቀባሪረ’የ ዘሕልፎ።”
ናይ ቋሕ-ሰም ርክብ’ያ ነይራ ርክቦም ሽዑ። ፍጹም ናይ ኣደን ውላድን ርክብ ኰይኑ ኣይተሰምዓንን። ምፍታሓን፡ ካብ ናታይ እትብሎም ወዳን ሰብኣያን ነጻ ምዃና ዝፈጠረላ ሓጐስ፡ ሕርኽርኽ ኢሉኒ። ብፍላይ ምስ ውላዳ ከምኡ ዓይነት ርክብ ክህልዋ ስለ ዘሐጐሳ ንዓይ ጓሂ ፈጢሩለይ። ንኹነታታ ምኽኑይ ክገብሮ ዝኽእል ነገር ክፈጥር ፈቲነ፡ ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ ሓሳብ ጥራይ ጎፍ ኢሉኒ። ንሳ ምስ ሓደ ሰብ ጥራይ እያ ተፋቲሓ፡ ንውላዳ ድማ ውዒላ ሓዲራ ኣብታ ብእብረ እትረኽባ ሰሙን ዘድልዮ ፍቕሪ ትልግሰሉ ትኸውን። ናተይ ዛህላይነት ግን፡ ጐሊሑለይ፤ ኣነ ከም ሞሊን ምስ ሓደ ሰብ ጥራይ ዘይኰን፡ ምስ ዓደይን ህዝበይን’የ ተፋቲሐ። እቲ ቢራ ድማ ካብ ዘጨንቕ ኣርእስቲ ከይኣልየኒ ምጥቃም ኣብዩ ኣምስዩ። ዑመር ኸያም’ዩ ዘዘክርካ ምሸቱ። ንጓሂየይን ትካዘይን ኣጥሒሉ እንተ ኣረሰዓኒ ተኪላ ሻት ኣብ ኣእምሮይ ቅጅል ኢሉኒ።
“ሞሊን፡ ቪል ዱ ሃ ተኪላ ሻት፧”
“ኡንደርብሮ ቲዮዶር!! ኣይ ላቭ ዩር ስታይል!!”
“እዚኣ ‘ኣይ ላቭ ዩር ስታይል’ሲ ፈሊጠያ ኣለኹ፣ ካብታ ዝረአ ዘይብለን ሸንቋራት ሞዴላት ወዛል ክዳን ኤች ኤን ኤም ተኸዲነን ዝረኣያላ መወዓውዒት ኢኺ ወሲድክያ።” ምስ’ዚኣ ከም’ዚታት ምዕላል ይሓይሽ ብዝብል’የ ነዚ ዘረባ መሪጸዮ።
“ኣፍሪቃውያን ቀጣን ጓል ኣይትፈትዉን ኢኹም። ኣብዲ ድማ፡ ንግሆ ንግሆ ንጕየ ‘ተበልኩዎ፡ ክትቀጥኒ ኣይደልየክን’የ ኢሉ ይኣብየኒ ነይሩ።” ኣነ ፈጠራ የብልክን ኢልካኒ ኢላ ተቘጢዓ ክንነጋረም’ሞ ገለ ዕላል እንተ መጽአ እጽበ፡ ንሳ ድማ ጠውያ ናብ ርክብ ወዲን ጓልን። ሓጺሩኒ እንተበልኩስ፡ ተደቢሩ ይስዕስዕ’ዩ ንገሩ። ኸያም ሓቁ’ዩ፡ ናብ ተኪላ ክዕቈብ ወሲነ፣ ኣታ እዚ ኣንደሽ’ከ እንታይ’ዩ ደንጕዩ ወደይ — ኦው መጺኡ’ባ፣ ሻት ከቐምጠልናን ካልኣይ ንኽውስኸና ክሕብሮን ኣይደንጐኹን።
ሞሊን ነታ ዘቢብ እትበሃል ቀደም ኣብ ኣስመራ፡ ምሳይ ቢራ ክትሰቲ ዘምሰይት’ሞ ዕላላ ቅጭ ዘምጸአለይ ጓል ኣዘኪራትኒ። እዚ፡ ተኪላ ስራሑ ዘይምስራሑ ዘርኢ ሓደ ምልክት’ዩ ነይር። ክልተ ለጊዐስ ዋላ’ኳዩ ምቘት ዝበሃል ዘይፈጠረለይ ነይሩ። ብዕላል ዘቢባ ምስ ተወደኣኒ፡ ክሸይን’የ፡ ኢለ ብኡ ኣቢለ ሕሳብ ከይከፈልኩ ገዘይ ከይደ ኣስተርሕየ ደቂሰ። ሽዑ ግን፡ ንጽባሒቱ ይዅን ንድሕሪኡ ክረኽባ’የ ኢለ ዘጨንቕ ኣይነበረንን። ነዚኣ ከማኡ ጌርካያ፡ ኣብ ስራሕ እንታይ ትገብር ዝፈልጦ ኣይነበረንን። ዘይከፈልካዮ ሕሳብ ኣለካ ኢል’ኳ ናይ ፖሊስ መጸዋዕታ ተምጽኣለይ ትኸውን። ዓንተወይ’ውን ንኽኸስስ ትደፋፍኣኒ ነይራ። ኣብ ቀርኒ ነገር ክትውጣሕ ትጐይ ኰይና ተሰሚዓትኒ። ሓንቲ መዋጽኦ፡ ብውኖኻ እንከለኻ ይእከለና ኢልካ ምኽኒት ፈጢርካ ገዛ ምኻድ’ያ ኢለ ወዳእኩ።
“ኦኬ፡ ገዛኻ ዋላ ገዛይ ይሕሸና፧” ናይ ውሽጢ ስንባደይ ኣብ ገጸይ ከይረአ ተቘጻጺረ ክኢለዮ ነይረ። ኣብ ጽሑፍ ከርእዮ ግን ዝኽእል ኣይመስለንን። ሕቶይ ይእከለና’ዶ ዝብል ጥራይ’ዩ ነይሩ፣ ካልእ መወሰኽታ ኣይነበሮን።
“ገዛይ’ኳ መዳቕስተይ ኣሎ። ገዛኺ ድማ ቶሚ ይጽበየኪ ይህሉ’ዩ። ምናልባት ካልእ መዓልቲ እንተ መቺኡና።” ሰሓቓ መግትኢ ኣይነበሮን። ዋይ ነብሰ-ገርግሽ ኣብ ሎሚ በጺሓ ተጠላቕያ። ቅሩብ መኣዲ ምርጋጸይ፡ ናይ እንዳ መን ዓንደ’ዩ ኢላ ድያ፧ዘይረ ንብምልእታ ባር ካፕቴን ኵክ ተዓዚበያ። ካፕቴን ኵክ’ውን እንተዀነ ኣብ ዳህሳሳቱ ከም ኣጣምታይ ገይሩ ዘቋምት ዝነበረ ኣይመስለንን። ጽምዲታት ኣዒንቲ ኣባይን ኣብ ሞሊንን ተኲረን ምስ ረኣኹ፡ ካፕቴን ኵክ ዘይኰነ ጨቃናት ኣዒንቲ ካፕቴን ሁክ’የን ተራእየናኒ። ‘ሕሰም ዝፈጥሮ መከራ’ ኢሉ ደራፋይ። ሕሰምን መከራን ዝፈለልዮም ዶብ ኣይፈልጦን’የ ነይረ። ኵክን ሁክን ድማ ከም ሕሰም ድዩ ዋላ ከም መከራ ኣይፈልጥን ብሓደ ኣብ ሓደ ህሞት ምስ ተጐርበቱኒ ቀዚዘ ዝረኣየትኒ ሞሊን ስሓቓ ቀንሰትሉ። ተኪላ ድዩ ዋላ ናይ ሓቂ ሰሓቕ፡ ዝፈልጦ ኣይነበረን።
“ቲዮዶር ዩ’ር ሶ ፋኒ. . .” ኣእዳዋ ዘይጠብጠቦ ክፋል ሰብነተይ ኣይነበረን። ኣነ ግን ዕትሮ ዝተቐየረ፡ ፈዛዝ ተዓዛቢ’የ ኰይነ ነይረ። “ቶሚ ሓደ ካብ’ቶም እኽላበይ’ዩ። ካልኣዩ ድማ ሮኒ።”

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top