ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ወርሒ ምስ ተዓዘመት

እታ ኳዕናን ወርሒ ድምጽኻ ተቃልሕ
መሪሓ ኣእምሮይ ምስልኻ ትገልህ፣
ዜማ ድምጽኻ፣ ናይ ዓይንኻ ሰም-ቍሊሕ
ኣፍስስ እተብለለይ ወትሩ ክትበርህ
ንልበይ ጸዓት’ያ፣ ብዘይ ብኣ ነይትሰርሕ።

ኣብ ጁባታት ሰማይ ወርሒ የላን ሎሚ
ገይራቶ ድምጽኻ ዝዓርነሰ ሕልሚ፣
ዝቕህም ኰኾብ ናይ ምስልኻ ወጅሂ፤
ዋላ ንኻልኢት ሓንሳብ ብረቐለይ
ወይ ኣብ ክንዳኻ ወርሒ ሰንክትለይ።

ኵሉ ናትካ ዘበለ ውሽጠይ ዝጠጀኦ
ላዛኡን መቐረቱን ጸሚቘ ከይጥዕሞ፣
ጠሊማ’ንድያ ወርሒ ከይተቃልሖ
ድምጻ ሃጢሙ ንመሬት ከይስልሞ፣
ፍርሒ ጀሊሕዎ ኵሉ’ቲ ዝሓልሞ።

ቃላትካ ከይበልዕዎ ኮራርምቲ ፍልሖ
ኣእምሮይ ፈናጢሑ ደጊሙ ይሰርዖ፣
ኣይጽበን ኣዛን ክደግሞ ምስ ስግዳን፣
ልበይ ዓሪቓ፣ ኣርኪቡዋ ዕብዳን፣
ሕተታ ንወርሒ ክተልብሳ ኽዳን።

ክሳብ መዓስ’ኮን’የ ከምዚ’ለ ክጸንሕ፣
ውሽጠይ ቀዚሑ፣ ክብል ቍሊሕሊሕ?
ድምጽኻ ሰሚዐ ንውሽጠይ ክትሰርጽ
ሕሹኽታኻ፣ ወርሒ ከተቃልሖ’የ ዝመርጽ፣
‘ሞ ግርሓያ ንወርሒ ድቃስ ከተቋርጽ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top