ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ፋነዋ ኣቦ

ኣቦይ ተኽለ፡ ቡን ተቘልያ ክሳዕ ካልኣይቲ እትስተ፡ ብዙሕ እዋን ካብ መንበር ተንሲኦም ንደገ ክወጹ ሃቂኖም ተመልሱ። ኣደይ ስላስ፡ ብዓልቲ ቤቶም፡ ከዕጠጥዩ ርእየን ነቲ ፋርኔሎ ተቐላጢፈን ከክንዲ ዓዀር ዝዀና ሒደት ፈሓም ወሰኻሉ። ኣብታ ብዙሕ ንጻል ዝነበራ ንእሽቶ ሸሓኒ ንቝርሲ ቡን ዝተቐረበ ነቒጹ ባርኔጣ መሲሉ ዝነበረ ጣይታ፡ ኮሮሾ ንኽኸውን ዝፈረድዎ ክመስል ክልተኦም ኣይለኸፉሉን።
“ቀሪባያ… ክትባረኹ ሓንሳብ ጽንሑ፡” በላ ኣደይ ስላስ ብላይ መሽረፈት ተጠቒመን ነቲ ፋርኔሎ እናንበድበዳ።
“ቅርብርብ ኣቢልክዮ ከይትጸንሒ ድማ ንስኺ ኣርፊድክለይ፡” በሉ ኣቦይ ተኽለ ብውሽጦም ክህውጾም ዝሓደረ ከይገልሁ።
“ናበይ ደሊኹም፧ ኣይ ጌና ‘ንድዩ ዘሎ…”
“ስራሕ ኣለኒ፡ ብጽሕ ኢለ ክምለስ’የ።”
“ምሉእ ለይቲ ከይደቀስኩም ሓዲርኩምሲ… ኣዕሪፍኩም ዘይትኸዱ፧”
“ናይ ዕረፍቲስ ሓቅኺ ነይርኪ፡ ግን ኣይድንጕን’የ፡ ቀልጢፈ ግልብጥ ክብል’የ።”
ኣቦይ ተኽለ፡ ኣብቲ ናይ ለይቲ ሓለዋ ስራሖም እታ ወትሩ ቅሩብ ቀም እናበሉ ዘውግሑዋ ለይቲ ከይገጠመቶም’ያ ሓሊፋ ዝነበረት። ካፖቶም ከየውጽኡ ግምስስ ምስ በሉ ኣብ ገምገም ትኻስ’ዮም ኣውጊሖማ።
ክኸዱ’ኳ ተሃዊኾም እንተ ነበሩ፡ ነደይ ስላስ ከቐይሙወን ኣይደለዩን። ኵሉ ንሰን ዝቐረባኦ፡ ይጥዓሞም ኣይጥዓሞም፡ ብዝግባእ’ዮም ዝቋደስዎ። ናይታ ረፋድ ቡን’ውን በረካ ከይተሰተያ ክወጹ ኣይደፈሩን። ምስ ምሉእ ተርባጽ ፍንጃሎም ኣቃሪሮም ድማ፡ ልቦም ብስፉሉ ንብዓልቲ ቤቶም “ደሓን ወዓሊ” ከይበሉወን ተሃንፈፉ።

ኣእጋሮም ስጕሚ ንጉዓት እናሰጐማ፡ ኣእምሮኦም ግን ነታ ምስ’ተን ኣዋልድ ዘሕለፉዋ ህሞት ዳግም ከም ዝነብሩዋ ገበረ። ሕልሚ ከይብልዎ፡ ኣይደቀሱን። ጋህዲ ከይብልዎ ድማ፡ “መን’ከ ክኣምነኒ” ኢሎም ሓሰቡ።
እታ ጸባብ ክፍሊ መዳቕሶ ሓለዋ ለይቲ፡ ኣብታ ለይቲ ሰለስተ ሰባት ክተእቱ ምኽኣላ ንንግሆኡ ኣዝዩ’ዩ ገሪሙዎም። እሞ ድማ ናውቲ ቡን ተወሲኹዋ ፉሕ-ፉሕ ኢላ ሓዲራ። ቡን ተቐልዩ ሃገግ ኢሉ፣ ፈሊሑ ኣብ ጸዓዱ ፈናጅል ተቐዲሑ፣ ገጢሙዎም ዘይፈልጥ ምሸት ርእዮም። ጣዕሚ ዝጐሰዐ መልክዕ እተን ቡን ዘስተያኦም ርእዮም መርዑት ሕጽኖት ኰይነን’የን ዝተሰመዓዖም። እታ ሓንቲ ከናፍራ እናረማጠጠት ፍሩያት ኣዒንታ ናብ ኣቦይ ተኽለ ኣብ ዝለኣኸትሉ፡ ኣቦይ ተኽለ ክትዛረቦም ደልያ ምህላዋ ተገንዚቦም፡ ተኲሮም ጠመቱዋ። ኣብ’ቲ ዝተሰብሐ ዕንጨይቲ ዝመስል ወዝ ገጻ ጥሒሎም ተዓዘሙ፣ ኵሉ-እንተናኣ ሓረገ-ወይኒ ጓሎም ኰይና ተሰመዐቶም። “ሓረግ ጓለይ” ኢሎም ክጽውዑዋ ድንዕ እንክብሉ፡ ንሳ ቀደመቶም።
“ለንቅነ ተኽለ ባህግኻ ክሰምር’ዩ፡” ዘረባ ጀመረት ቡን ኣብ ፈናጅል እናቐድሐት። “ዝተጸበኻዮ ኣይወሓደን።”
“እ…እንታይ ኢልኪ ’ዛጓለይ?” ከም ብር ኢሎም ሓተቱዋ።
“ማለት መገሻ… ንጓልካ…” ኢላ ክትቅጽል እንኰላ፡ እታ ካልኣይታ ኰለፈታ።
“ኣቲ መን ከብድኺ ጠዊቑኪ፧ ቀስ-ብቐስ’ዩ ኵሉ ዝኸይድ፡” በለት። እዛ ዳሕረወይቲ ሱቕ ኢላ ትሰምዕ’ያ ዝነበረት። ኣቦይ ተኽለ፡ ካብታ ቡን እተፍልሕ ዝነበረት ናብኣ ጠመቱ። ኣብ ሓጺር ቈላሕታ ዝገበርዎ ንጽጽር፡ ዕቱብነታን ዘይድፈር መንፈሳን ተዓዘቡ። ትሪ ኣፍንጫኣን ድልዱል ሰብኣይ ዘምስላ ቁመናኣን ተኲርካ ዘይትጥመት’ኳ እንተ ነበረ፡ ምስሊ ንእስነቶም ኣዘከሮም። ግዲ ግን ኣይሃቡሉን፡ ዝፈትዉዋ ሓንቲ ጓሎም ስለ ዝተላዕለት፡ ክሓቱወን ግድን ኰኖም።
“ሓረግ ጓለይ ድኣ ናበይ ክትገይሽ፧” ሓተቱ ንኽልተአን በብተራ እናጠመቱ።
“ሱቕ ኢላ’ያ እዚኣ ሓንቲ ወልፋስ ኰይና ’ምበር፡ ናብ ትገሾ የብላን፡” ብዓልቲ ዕቱብ ገጽ ተዛረበት።
“ተጠንቀቒ፡ ወልፋስ ኣይብሉኽን’ዮም፡ ሰላም ጌርኪ ቡና ኣስትዪና፡” እታ ቀዳመይቲ መለሰት።
“’ዘንደቀይ ኣይትሕረቓ፡ ድሓን ቀስ ኢልክን ንገራኒ።”
“ድሓን’ዩ… እዛ ቡን’ሞ ንወድኣያ፡ ኵሉ ክንነግረካ ኢና፣ ኣይትጨነቕ ድማ፡” መለሰት እታ ካልኣይቲ።
“ሐራይ… ግን… በዚ ሰዓት’ዚ ወረ ደሓን ሒዙ ዝመጽእ ውሑድ’ዩ፣ ንስኽን ግን ጥዕምቲ ቡን ‘ተስትያ ድኣ፡ መን ኢኽን’የ’ኸ ክብል…፧”
“ጥዕምቲ ቡን’ዶ ኢልካ፡” ኢላ እታ ቀዳመይቲ ተሓጒሳ ፍሽኽ በለት። “ኣሚንኪ’ዶ ሎሚ፧ ምሉእ መዋእልኪ ቡንኪ ኣይጥዑምን’ዩ እንዲኺ ትብሊ ነይርኪ፡ ነሃለ ተኽለ ፈሪዱና ብገርሁ፣ ቡን ድማ ናይ ሓጐስ ኢና ቈሊናልካ።”
እታ ካልአይቲ ኣይመለሰትን። ቡን ግን ክሳብ ደረጃ ተሰትያ ተወደአት። ኣቦይ ተኽለ ብድሕሪኡ እንታይ ስዒቡ ኣይዘከሩዎን። እቲ ባዕዛዝ ውኖኦም፡ ወጋሕታ ክቐርብ እንከሎ በነነሎም። ነቒሖም፣ ፍጹም ናይ ድቃስ ምልክት ኣይነበሮምን። ኵሉ ዘጋጠሞም መላሊሶም ኣብ ኣእምሮኦም ክርእይዎ ዝጀመሩ’ውን ሽዑ’ዩ ነይሩ። ነታ ጸባብ ክፍሎም ኣብ ዓራቶም ኮፍ ኢሎም ብኣዒንቶም ደጋጊሞም ኰለሉዋ። ዋላ ሓደ ምልክት ናይ’ተን ቡን ዘስተያኦም ኣጓልት ግን ሰኣኑ። ኣብ ልዕሊ ትርኣስ ዓራቶም መንጠልጠሊ ካፖቶም ዝጥቀሙላ ኣታካፓኖ ኣብ መንደቕ ኣብ እተሰመረት መስማር ተሰቒላ ነይራ። በትሮም’ውን ኣብታ ወትሩ ዘቐምጡዋ ኩርናዕ ተጸጊዓ ረኣዩ። እቲ ዝቕይሮም ሓለዋ ቀትሪ ኮፍ ዝብለላ መንበር ምስ’ቲ መለስለሲ ኢሉ ዘንጸፎ ካርቶን’ውን ኣብ ቦታኡ ምንባሩ ኣረጋገጹ። ዋላ ሓደ ዝተላዕለ ወይ ዝተወሰኸ ነገር ሰኣኑ።
እቲ ዝቕይሮም ሰብኣይ ዝመጽኣሉ ግዜ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ተሪፉዎ ነይሩ። ኮፍ ኢሎም ደጋጊሞም ነቲ ሽዑ ምሸት ዘጋጠሞም ሓሰቡሉ። ሳልሳይ ደርሆ ነቆ ካብ ዝሰምዑ ዓመት ዝሓለፈ ኰይኑ ተሰመዖም። መላፍንቶም ምድንጓዩ ከም ጥሉም ቈጸራ ዕሽሽ ኢሎም፡ ናብ’ቲ ዝሓዘሎም ዘይፈለጡዎ ምስ ሓረግ ጓሎም (ብዘይ ኣፍልጦኣ) ዝሓዙዎ ቈጸራ ኣድህቦኦም ኣዝቢሎም ምንቃል ወሰኑ። ካብ ኮፍ ዝበሉዎ ተንሲኦም ምርኵሶም ከልዕሉ ብግስ ምስ በሉ፡ ገለ ነገር ብእግሮም ስለ ዝሃረሙ ጪል ዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ደኒኖም ሃሰስ ኢሎም ሓንቲ ካብ’ተን ሽዑ ለይቲ ቡን ዝሰተዩለን ፈናጅል ኰይና ረኸቡዋ። ቀው ኢሎም ኣገላቢጦም ድሕሪ ምጥማት ዝነቐጸ ሽኮርን ዳካ ቡንን ከም ዝነበራ ኣስተውዓሉ። ሕብራ’ውን ካብ’ቲ ክሰትዩላ እንከለዉ ዝነበረቶ እምብዛ ዝጻዕደወ ኰይኑ ተራእዮም።
ትማል ለይቲ ደባን ጻዕዳን ወርቃዊ ከንፈርን ዝነበራ ኰይና’ያ ተሰሚዓትኒ። እሞ ተታኺሰ’ዶ ድኣ ነይረ ኰይነ…፧ ቡን’ውን ተሰትዩላ ኣሎ። መምስ ሰተኹ’ውን ኣብ’ዛ ሕጂ ዝረኸብኩዋ እግሪ ዓራት’የ ዘንብራ ነይረ። እሞ እተን ክልተ ደቂ ናይ ሃተፍተፍ ኣይኰናን፣ ብሓቂ ምሳይ ኣምስየን ማለት’ዩ። እንታይ ዝዓይነቱ ለይቲ’ዩ ወደይ’ዚ፧ ደቂሳካ ዝሕደረሉ ለይቲ ተሳኢኑ በቃ!
ኣቦይ ተኽለ፡ ስእነት ድቃስ እንክዝክሩ፡ ወትሩ ነታ ብሰሪ ዛሕሊ ምድሪ-ቤት ቤት ማእሰርቲ ዝተላዕለቶም ኣዝማ’ዮም ዝዝክሩ። ብዓቢኡ ድማ ነቲ ትንፋሶም ትልኽ ኣናበለት ከይደቀሱ ዝሓድሩዎ ዝነበሩ ጸልማት ዓመታት ቤት ማሕቡስ። ምሕረት ተገይሩሎም ናይ ዓሰርተ ዓመታት ፍርዶም ኣፋሪቖም ምስ ተፈትሑ’ውን እንተዀነ፡ ዝዀተቱ ክልተኦም ደቆም ንገድሊ ወፊሮም ምጽናሖም ሰለም ምባል’ዩ ከሊኡዎም ዝነበረ። ውራይ ጥዕናኦምን እቲ ብዕዳ ተታሒዙ ዝተሓረጀ ንግዳዊ ትካሎምን ቅድሚ ደቆም ኣይሰረዑዎን።
እዚ ስእሊ ክመስል ኣብ ኣእምሮኦም ዝተቐርጸ ፍጻመ’ታ ለይቲ እናተራእዮም መገዶም ከይሰሓቱ እንተ ቀጸሉ’ኳ፡ ውሽጦም ግን ንመዓጹ ድቃስ ከፊቶም ብምእታው ካብ’ዚ ዕዮ ዝገላገሉላ መዓልቲ ከይበሃገ ኣይተረፈን። ኣብ ድቃስ ዝጥሕሉላ መዓልቲ፡ ኣብ ኢዶም ሒዞማ ዝነበሩ ፍንጃል መሊኣ ቀንበይ-በይ ክትብል ተራእየቶም። እግሮም እምበር ቀልቦም ከይመረሖም ድማ ኣብታ ሓረገወይኒ ጓሎም እትሰርሓላ ቤት ሻሂ በጽሑ። ኣብቲ ክፉት ቦታ’ቲ እንዳ ሻሂ መንበር ስሒቦም ኮፍ ብምባል፡ ገጽ ሓረገወይኒ ክርእዩ ብኾፎም ኣቋመቱ። ኵለን’ተን ኣብቲ ቦታ ዝሰርሓ ኣአንገድቲ ሓደ ዓይነት ናይ ስራሕ ክዳን ወድየን ላዕልን ታሕቲን ክብላ ረኣዩወን።
ንጓሎም ክርእዩዋ ብዘይ ምኽኣሎም፡ ዓቕሎም ጽብብ ኢሉዎም ኣብ ዝነበሩዎ ኰይኖም ተሓቘኑ። ድሕሪ ቅሩብ፡ ሓረገወይኒ ብውሽጢ ጸኒሓ ናብቲ ኣቦኣ ዝነበሩዎ ቅርዓት መአንገዲ ኣጋይሽ ወጸአት። ምስ ረኣየቶም ድማ፡ “እውይ ኣቦይ…፡” ኢላ ብስሉጥ ናብኦም ሰጐመት።
“እሂ’ቦ ድሓን ዲኻ ድኣ፧” ሓተተት ሓረገወይኒ ሰላም ከይበለቶም።
“ድሓን’የ ድሓን፡” ናይ ውሽጦም ተርባጽ ብፍሽኽታኦም ኣንፈስዎ። “ድሓን’የ ‘ዛጓለይ፡ ክረኽበኪ ኢለየ መጺአ።”
“ኣይ ትማሊ እንዲኻ መጺእካ ነይርካ፣ እንታይ ኴንካ ዲኻ፧”
ሕቶኣ ከይመለሱላ፡ ሓደ ተኣንጋዲ “ሓሬ፡ ሓንቲ ሻሂ’ባ፡” ስለ ዝበላ፡ ክተምጽኣሉ ገዲፋቶም ከደት። ኣቦይ ተኽለ፡ ንነዊሕ ዝርርብ ዝዳለዉ ክመስሉ ቆቢዖም ኣውጺኦም ኣብ ብርኮም ኣንበሩዋ። በተን ብስራሕን ዕድመን ዝነቐጻ ኣእዳዎም ተጠቒሞም ነተን ምሉእ ለይቲ ሰለም ከየበላ ዝሓደራ ኣዒንቶም ሓሰዩወን። ብኡ ኣቢሎም’ውን፡ ነቲ ሓባጥ-ጎባጥ ዝመልኦ ተለላ ገጾም ደራረዙዎ።
እተን ደቂ ናይ ጽቡቕ’ዩ ካብ በላ፡ እዛ ቈልዓ ገለ መርዓ’ዶ ሓሲባ ትህሉ፧ ኣብዚ እናወዓለት ብዙሓት ጠመቲ ይህልዉዋ’ዮም፣ ምጥማትሲ ኣይጽላእን’ዩ። ምስ ሰብ እናተራኸበት ድኣ ግድን’ዩ ፈተውቲን ጸላእቲን ክህልዉዋ። እዚ ዝጸውዓ ሓደ ካብኦም’ዩ ዝኸውን… ከመይ ገይሩ’ዩ’ኸ ዝጠመታ ክትከይድ ‘ንከላ። ካብ’ዞም ኣብዚ ከባቢ ዘለዉ ሰብ ኦፍቾ’ዶ’ኾን ኰይኑ። ዋይ… ነዚ ሽጋራ ተምቦኽ የብሎ’ሎ። እንታይ’ኮን ኰይኑ’ዩ ከምኡ ገይሩ ዝጥምታ ዘሎ፧
“ሎሚ ድኣ፡ ኣይተዕርፍን ዲኻ’ቦ፧” ጓሎም ካብ ሓሳቦም ኰለፈቶም።
“ከዕርፍየ፡ ዳሕራይ’ውን እንዳ ዶተር ሃብተ ትማል ዝተኸልኩወን ፈልሲ’ሎዋ ማይ ከስትየን’የ። ቅድም ግን፡ ነዛ ዓይነይ ክርእየኪ’ለየ መጺአ።”
“ሰልዲ ኣድሊካ ድዩ’ቦ፧”
“ዋይ ጓለይ፡ ትገብርዮ ዘለኺ ውሒዱስ ከምኡ ኢልኪ ክትጭነቒ፣ እቲ ሓውኺ ከማኺ ‘ተዝኸውን ከመይ ጽቡቕ ነይሩ…” ብዓሚቝ ኣስተንፈሱ። “ግን በየናይ ልቡ…”
“ከምኡ ኣይትበል ኣቦ፡ እተን ንዕረፍቲ ዝመጽኣለን ግዜ ወርሒ ኣይመልኣን’የን፣ ዓሚ ኣብቲ ናይ መቓብር ሓደስቲ ገዛውቲ’ንዶ መሰረት ምዅዓት ምስ ጀመረ ኣሃዱኡ መጺኦም ኣይወሰዱዎን፡” ሓረገወይኒ ኣዒንታ ናብ ዓማዊላ ምድሃብ ኣየቋረጸትን።
“ሓረግ፡ ውሽጢ ሰብ ኣለዉ ስምዕዮም፡ ኣነ ናይ ደገ ትእዛዝ ከብጽሕ ከይደ’ሎኹ፡” ኢላ ሓበረታ ሓንቲ ካብ’ተን መሳርሕታ። ሓረገወይኒ’ውን ብኡ-ንብኡ ብድድ ኢላ ንውሽጢ ኣምረሐት።
ክንደይ’ኮን ዝኸፍሉዋ ኰይኖም’ዮም፡ ሰልዲ ኣድሊካ ድዩ ትብለኒ፧ ዋይ’ዛ ብርኽቲ ጓለይ… ከምቲ ‘ተን ደቂ ዝበላኦ ናይ ጽቡቕ ‘ተዝዀነላ እዛ ለዋህ ጓለይ… ብሕልሚ ዝረኣኻዮ ጽቡቕ ነገር ብጋህዲ ሕማቕ’ዩ፣ እዚ ግን፡ ሕልሚ ኣይኰነን። እዛ ፍንጃል’ከ በየን ነጢባ ክትበሃል፧
ነታ ኣብ ናይ ጃኬቶም ጁባ ዝነበረት ፍንጃል፡ ኢዶም ቀስ ገይሮም ሰዲዶም ሃሰስ በሉዋ። ምህላዋ ኣረጋጊጾም ቅሩብ ሩፍታ ተሰመዖም። ዝሓለፈ ምሸት ኵሉ-እንትናኣ ደባን ጻዕዳ ኰይና’ያ ተራእያቶም ነይራ፣ እቲ ናይ ሕጂ ምጽዕዳዋ ግን ኣብ ልዕሊኣ ንዝፈጠረሎም ፍትወት ሰማይ ኣብጸሖ።
“ኣቦ ተሰኪፍካኒ ከይትኸውን፡ ሰልዲ ‘ተድሊካ ንገረኒ።” ሓረገወይኒ ከም ኣካይዳኣ፡ ቀልጢፋ ተመሊሳ ኮፍ እናበለት ተዛረበቶም።
“እናነገርኩኺ…ብኻልእ ኣይኰነን ክርእየኪ’ለየ መጺአ፣ እቲ መሃያኺ’ኸ ዘይውዳእ ድዩ፧ ኣይ ዝሓለፈ ሰሙን’ዶ ‘ይኰንክን ነዴኺ ዝሃብክያ።”
“ድሓን’ዩ’ቦ፡ ንዓኻ ዝኸውን ኣይስእነልካን’የ።”
“ይኣምነለይ ‘ዛጓለይ፡ ግን ክንደይ ከይህቡኽን… ኣበይ’ከ ክኣኽለኪ’ሉ ምስዚ ዘሎ ክብሪ።”
“ድሓን’ዩ’ቦ፡ ንሕና ኢና ዝሓሸ ንኽፈል።”
“እዋእ… ክንደይ ዲኽን ትበልዓ፧”
“ሃ..ሃ..ሃ..ሃ.. ሕጂ ድኣ ሽዱሽተ ገይሮምልና ኣለዉ።”
“እሞ’ዚአን ድኣ ንምንታይ’የን ክዀናኺ፧ ካብአን ንዓና ሂብኪ፡ ጓል እንዲኺ ድማ ጨርቀ-መርቅኺ ወሲኽኪ ኣይኣኽላኽን’የን።”
“መጻኹ’ቦ…፡” ኢላ ተንሲኣ ብዙሕ ከይሰጐመት ደው በለት። “እዋይ እንታይ’የ’ኸ ኰይነ፡ እንታይ ከምጽኣልካ’ቦ፧”
“ዋላ ሓንቲ፡ ሕጂ’የ ምስ ኣዴኺ ቡን ክሰቲ ጸኒሐ።”
“ድሓን ቡን ‘ተሰቲኻ ጸባ ከምጽኣልካ’የ፡” ኢላ ንውሽጢ ኣተወት።
ናትካ ይሕብኣካ ክበሃልስ ከምዚ’ዩ። እዛ ቈልዓ ድማ ከም ቀደም’ያ ዘላ። እንታይ ኰን ገጢሙዋ ይኸውን። እሞ ኣነ ሕጂ ባዕለይ’ዶ እንታይ ጐነፈኪ ክብላ ኰይነ፣ ባዕላ እንተ ትነግረኒ’ዩ መልክዕ ዘሎዎ። ጽቡቕ ነገር’ከ ይሕባእ ድዩ፧ …እዚ ወዲ ከመይ ኢሉ’ዩ ዝጥምታ። ገለ’ዶ ፈታዊኣ ኰይኑ፧ እዚስ ይትረፋ፡ ሱቕ ኢሉ’ዩ ነዚ ሽጋራ ቦኾኽ ዘብሎ — ባቡር! ኣየዕርፍን ድዩ’ኸ፧
በል’ስከ ሕጂ ነዚ ፈትየዮ’የ ‘ተበለትኒ እንታይ’የ ዝገብር፧ ካብ ዘምጻኹ ኣምጺኤ ከመርዕዋ ምዃነይ ርጉጽ’ዩ። ግን ድሕሪ መርዓ ምሕላፉ’ዩ ዝጅምር እቲ ጸገም። ብዘይካኣ መን’ዶ ሓጊዙኒ’ዩ። ንሳ ‘ተዀነት ስራሕ ክትጅምረሉ ኣብ ዘይግባእ እዋን ክትሕግዘኒ ክትብል ስራሕ ጀሚራ። ብዘለኽዮ ቀጽሊ ክብላ ድማ ኣይክእልን’የ። ህይወታ’ባ ድማ ክትሰርዕ። ክትሕግዘኒ ካብ ‘ትጅምር ዓመታት ሓሊፉ። ብዘይ ብኣ ምስቲ ዓንጃል ቈልዓ ከመይ’ልካ’ዩ ዝሕለፎ። ብዘይካ ድቅስ ውዒልካ ምሸት ምዛር እንታይ ይፈልጥ፧ ምዃን ኣብ ሕማቕ ዘመን ተፈጢሮም፡ እንታይ’ከ ዘይገበረ፡ ወትሩ በረኻ ኰይኑ ናብራኡ። ክውል ከይነብሎ ድማ በየናይ ዓቕሚ። ኣወዳት ከም ዘይወለድኩስ ኣብ እንግድዓ ሓንቲ ውላድ ወዲቐ! ይዋኣዮም በርሀን ዳዊትን ደቀይ’ባ። ደው’ባ ትበል ድማ እዛ ጓለይ፡፡ ንሳ የላን ማለት የማነይቲ ኢደይ ተቘሪጻ ማለት’ዩ፣ ኣኸለ! ምሳና እረጊ ድማ ኣይበሃልን’ዩ፣ ገለ ጠማቲ ረኺባስ ትህሉ’ያ። እንታይ’ሞ’ኸ ድኣ ክትገብር ሕጂ ‘ተዘይተመርዕያ፧ ግዜስ ይኸድዓ ‘ንድዩ ዘሎ…
“ሓረግ፡ ሓንቲ ቡንን ሓንቲ ኮካን ኣብ’ዚኣ፡” በለ ሓደ ተኣንጋዲ ሓረገወይኒ ነቦኣ ጸባ ሒዛትሎም ኣናመጸት እንኰላ።
“ሐራይ ቢኒ፡” ኢላ ነታ ብኬሪ ጸባ ኣብ ጣውላ ኣቦይ ተኽለ ኣቐመጠታ። ቢንያም ዝኣዘዛ ኣብጺሓ ድማ፡ ናብ ኣቦኣ ተመልሰት።
“በሊ…፡ እስከ ኣዕልልኒ፡” ጀመሩ ኣቦይ ተኽለ፡ ነቲ ባዕለይ ክሓታ የብለይን ኢሎም ዝሓሰቡዎ ቅሩብ ጕዕጽጽ ኣቢሎም።
“እንታይ’ለ ከዕልለካ፧”
“ቃሕ ዘለኪ ’ዛጓለይ…”
“ኣታ’ቦ ሎምስ ገለ ክትብል ኢኻ፣ ድሓር ድማ ክሳዕ ሰዓት 10 ግዜ ስራሕ’ዩ… ትርእዮም ኣለኻ ሰብ በዚሖምና።”
“ሓቅኺ ‘ሱስ… ድሓን በሊ ስራሕኪ ግበሪ ኣነ ድማ… እንቋዕ ረኣኹኺ’ሞ፡ ቅሩብ ‘ተዕረፍኩ ገዛ ክኸይድ።”
“’ተደሊኻ ድኣ ጽናሕ ‘ንዶ፡ ግን ናብቲን ናብዚን ክብል ኮፍ ኢለ ኣየዕልለካን’የ፡” ኢላ እንደገና ተንሲኣ ሓደስቲ ኣጋይሽ ከተአንግድ ሓዲጋቶም ከደት።
እዛ ቈልዓ ሓቃ’ያ። ወሪዱዋ ኣብዚ ከም ብዕራይ ማሕረስ ንየው ነጆው ክትብል ኣበይ ኣርኪባ። ነዛ ማይ ክትሰቲ ከማን ዕረፍቲ ‘ተረኺባ’ያ። መዓስ ኮን’ያ ተዕርፍ፧ ካብዚ ከይዳስ ነዲኣ ክትሕግዝ ላዕልን ታሕትን ኣሎዋ’ንዶ። ኮፍ ዘይትኽእሎ! እንታይ’ከ’የ ክገብር፧ ከም’ተን ዝሕንቅቓ ኣይሓንቀቐት፡ ኣይተጻወተት፡ ኣይነኣሰት… ኣታ ‘ንታይ ጌረ’የ ዘዕርፋ፧
ሰፍኢ ጥሑና ኰይና ኵሉ ክምንጥላ ኣብዚ ከይበለየት ድኣ ፈጣሪ የውጽኣያ ‘ምበር…። እቲ ሓላልሲ ኣይኰነሉን’ዩ። ፍትን ውዒሉ ተሓደረ ዘይኰነሉ። ናይ ዝጸዓርካን ዝሃለኽካን ተዝኸውን’ሲ… ቱፍ..ቱፍ..ቱፍ..ቱፍ.. እንታይ’ከ ኰይነ’የ ወደይ፡ እተን ደቂ ናይ ጽቡቕ’ዩ እንድየን ዝበላኒ… ሎሚ ምሸት’ሲ እንታይ ምዃኑ ግድን ከጥልሎ ኣሎኒ።
* * *
ኣቦይ ተኽለ፡ ከባቢ ፍርቂ ሰዓት ቅድሚ ምእካል ሰዓቶም ኣብታ ናይ ሓለዋ ክፍሎም ብታህዋኽ ኣትዮም ካፖቶም ወደዩ። ኣብቲ ከባቢኦም ድማ ቅሩብ ዘወር-ወር እናበሉ ሓደ ሰዓት ምሉእ ኣሕለፉ። እናመሰየ ምስ ከደ፡ ናብ ክፍሎም ተመሊሶም ኣብ ዓራቶም ኮፍ በሉ፣ ‘መጻኹ’ ኢሉ ዝደንጐዮም ጋሻ ዝጽበዩ ክመስሉ፡ ሰዓቶም ደጋጊሞም እናረኣዩ ትጽቢት ጀመሩ። ደጋጊሞም የማነ-ጸጋም ጠመቱ። ኣብታ ጸባብ ክፍሊ ብዘይካኦም ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። ዝገብሩዎ ጠፈኦም። ደገ ከይወጹ፡ እተን ኣዋልድ እንተ መጺአን ከይስእናኦም ፈርሑ።
ነቲ ምሉእ መዓልቲ ብኣእምሮኦም ክደጋግምዎ ዝወዓሉ ናይ ቅድሚኡ ለይቲ ርክቦም ደጊሞም ረኣዩዎ። ብዙሕ ከይቀጸሉ ግን፡ ነታ ንግሆ ኣብ ክፍሎም ዝረኸቡዋ ፍንጃል ዘከሩዋ። ስልጥ ኢሎም ካብ ጅባኦም ኣውጺኦም ረኣዩዋ። ኣብታ እቲ ናይ ቀትሪ ሓላዊ ኮፍ ዝብላ መንበር ኣቐመጡዋ። ቀው ኢሎም ድማ ምዕዛቦም ቀጸሉ። ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ኣፋ እናሰፍሐ ዝኸይድ ጀላዕ ከንፈር ኣይነበራን። ጆጭዳጭ ጓዕጓዕ ኰይና ልሙጽ’ዩ ኣካላ። በቲ ሕብራ ተመሲጦም ከይወድኡ፡ ዘፍጥረታዊ ዝዀነ ንፋስ ተገፍቲኑ ንዝነበረ ማዕጾ ክፍሎም ከፊቱ ብምእታው ንገጾም ኣማዘዎ። እቲ ኣብቲ መንበር ዝነበረ ካርቶን ብምሒር ፍሕፈሐ ኮፍ ማህሚኑ ብንባሩ፡ በቲ ንፋስ ገፍ-ገፍ በለ። እታ ፍንጃል ክትወድቕ ደልያ ተነቓነቐት። ኣቦይ ተኽለ ቀልጢፎም ካብ ዓራቶም ተንሲኦም ነቲ ማዕጾ ኣግጠምዎ። ተመሊሶም ድማ፡ ኣብ ዝነበሩዎ ተቐመጡ።
ነታ ፍንጃል ጠሚቶም ስለ ዘይጸገቡዋ፡ ጠመተኦም ቀጸሉ። እቲ በቲ ንፋስ ሓፍ ዝበለ ቅላጥ ካርቶን፡ ዕጽፍ ኢሉ ቅርጺ ፍርቂ-ክቢ ሰሪሑ ኣብ ኣፍ’ታ ፍንጃል ዓሪፉ ረኣዩ። ኣቦይ ተኽለ ጠመተኦም ካብታ ጥርሓ ፍንጃል ነቒሉ ገፈሐ፣ እቲ ቅላጥ ካርቶንን እታ ፍንጃልን ተተራኢሶም ዝፈጠሩዎ ቀርጺ ድማ ኣብ ትርኢቶም ኣተወ።
ኣታ’ንታይ ድኣሉ ኩድኹዶ ዝመስል፣ ወይለይ ቅምጥ ኢላ’ምበር ዝባን በዱ ምስ ኩድኹዶኣ። እዋእ… በዚ ሓደ ወገን እቲ ሕጂ ቀሊጡ ዘሎ ቀደም ዱር ዝነበረ ይመስል። በቲ ድማ፡ እቲ ናብ ሕዛእቲ ኣምበላይ ዘብል ከብቲ እናወፈርና ንሓዅሮ ዝነበርና ኩርባ ኩድኹዶ’ዶ ኣይኰነን። ኣየ’ወ እዛ ቤት መኻእ ምስ ኣስመራ ተሓዊሳ ገዛ ብገዛ ከይመልአት እንከላ… ርእሶም ወዲ ሸቃ ሃይለ መዝበብ ህድሞ ኣቝጽልቲ ክቘርጽ ኣምስዩ ምስ ወደቐ ደቅ-ሕድርትና ረኺበን ክሳብ ሰብ ዝረድኦ ዘጽናሓኦ ኣይ ኣብኡ’ንድዩ ግዲ። ወይለይ… እዘን ናይ ትማል ለይቲ ደቂ’ውን ካብአን’የን ዝዀና። ኣብዚ’ሞ በየን’ቢለን’የን ክመጻ፧ ዝባን በዱ ተዀነት ዝጣሕሰሰ ግራት ክትመስል ቀሊጣ’ያ ተሪፋ። ኣይኰነን ቈጥቋጥ ንሓንቲ ማሕስእ ካብ ሞት ዘስርር ሳዕሪ’ኳ እንተሊዋ’ዩ። ኣበይ’ከ ክሰፍራ፧ ምዃን እንታይ መኸወሊ’ኸ ከድልየን ኢሉ፣ ኣይ ከም ንፋስ እንድየን ፈለው-ፈለው ዝብላ። ወይለይ… እሰን’ዶ ኰይነን ማዕጾ ዘርሓዋኡ ሕጂ፧ ከመይ ኢሉ’ዩ እዚ ልበይ ተደፊኑ ሎምስ፧ ኣብዚ ከባቢ ብጀካ ኣብ ዝባን በዱ ኣበይ ከይርከባ… ናይ’ዛ ቈልዓ ነገር ሎሚ ምሸት ኣብ ዝብጻሕ ከየብጻሑኩ ደቂሰ ማለት ዘበት’ዩ! ሕጂ ከይደ እንተ ዘይረኺበየን፡ ንግሆ ኣይረኽበንን’የ።
ብናይ ቋሕ-ሰም ፍጥነት ንዝባን በዱ ክኸዱ ወሰኑ። ብባህረት ላምባዲናኦም ብጸጋማይ ኢዶም ዓትዓቱዋ፣ በትሮም በቲ ሓደ ኢዶም ሒዞም፡ ገዛ ዓጽዮም ናብቲ ጸልማት ምሸት ኣተዉ። ኣፈርኩቡ ከም እተባህለ ቤተ-ዘመድ ነፊጾም ብምኻድ እግሪ ኩድኹዶ ደው በሉ።
ኣበይ’ከ’የ ክረኽበን ሕጂ፧
ዘይከም ኣማጽኣኦም ብህድኣት ጸባብ መገዲ ኣጋር ተኸቲሎም ኣንቃዕሪሮም እናተዓዘቡ ሰጐሙ። ብዙሕ ከይደንጐዩ፡ ኣብ መንበስበስታ ኩድኹዶ በጽሑ። ፍሽ-ፍሽ ዝብል ንፋስ ቆቢዖም ክምንጥሎም ደለየ። ከየሕድጎም ቀልጢፎም ንቖቢዖም ብጫፋ ሒዞም እናመዓራረዩዋ ድማ፡ ዘወር ክብሉ ጀመሩ። ዘተንፍስ ፍጡር ኣብ ዘይብሉ እንግድዓ ኩድኹዶ፡ ፈዂስዎም ዝወነኑዋ ኰይኑ ተሰምዖም። ኣማዕድዮም ናብቲ ዝመጽኡሉ ኣንፈት ተዓዘቡ። ባና መብራህቲ ከተማ ኣስመራ ርእዮም ወጋሕታ ዘርከቦም መሲሉ ተራእዮም። ኣንፈቶም ቀይሮም ብግስ ክብሉ፡ ንፋስ ንቆቢዖም ከምቢሉ እግሪ ኩድኹዶ ሓሊፋ ናብቲ ቀደም ቈጥቋጥ ዝነበሮ ክፋል ዝባን በዱ ኣብጸሓ። እቲ ንዓመታት ጸጕሩ ዝሰኣነ ርእሶም ዝሕል-ሕል ኢሉዎ ንቖቢዖም ናፈቓ። በታ ዝደየቡላ ቀጣን መገዲ ካብ ኩድኹዶ ክወርዱ ጀመሩ።
ዋይ ተካል ምሸት! ኣነስ ቀልጢፈን ዘዕርፋኒ መሰለኒ ’ምበር ኣብዚ’ዶ ብዘይ ፍረ ዝዀልል መሲሉኒ። ኣበይ’የ’ኸ ገይረያ’ታ ላምባዲናይ፧
ነታ ድኹም ባትሪ ዝነበራ ጭልምልም እትብል ላምባዲናኦም ወሊዖም ቆቢዖም ኣብ ምንዳይ ኣተዉ። ንየማኖም እንተ ኣብርሁ፡ ዝነቐጸ ቀልቀላትን ኣዕጽምቲ መሓግሓጋን ረኣዩ።
ከመይ ዝበለ ዱር’ሲ ናብ ጎዱፍ ተቐይሩ! ዋይ ሕልፈት…
ላምባዲናኦም ናብ ጸጋም ኣንፈት ኣብርሁዋ። ኣብ ናይ ኣርባዕተ-ሓሙሽተ ስጕምቲ ዝኸውን ርሕቀት ቆቢዖም ረኣዩዋ። ዓመታት ዝተፈለዮም ፈታዊ ዝረኣዩ ክመስሉ ብሃንቃ-ሃንቃ ናብኣ ሰጐሙ። ኣብኣ በጺሖም ከልዕሉዋ፡ ክብደቶም ኣብ የማነይቲ እግሮም ኣዘንቢሎም ድንን በሉ፣ ሓደ ኢዶም ላምባዲናን በትሪን ዓትዒቱ፡ ሓደ ኢዶም ድማ ቆቢዖም ሓዘ። እታ ክብደቶም ተሰኪማ ዝጸንሐት እግሮም ግን፡ ገለ ተሪር ነገር ምርጋጻ ተፈለጦም። ከንቀሳቕሱዋ እንከለዉ፡ ሳእኖም ሓሸው ዝብል ድምጺ ኣስመዐ። ብርሃን ላምባዲናኦም ኣብኡ ተኸሉዎ። ብእግሮም ድማ፡ ነቲ ሓመድ ጻሕተርዎ። ኣብ መንጎ፡ ናብ ክልተ ወገን ዝዕጸፍ መንጠልጠሊ ተዓዘቡ። ነታ መንጠልጠሊ ብኢዶም ንላዕሊ ሰሓቡዋ። ሓንቲ ክንዲ ክልተ ዝተደረባ ሕጡብ እትኸውን ሳንዱቕ፡ ካብ መጥመሪኡ ከም ዝምዝሓቕ ማእዶ፡ ምሽት ኢል ወጸት።
እታ ሳንዱቕ፡ ብሓደ ወገና መሪታ፡ ኣብ ኩርናዓታ ናብ መንፊት ተቐይራን ብሊኮቶ ዝተዓጽወትን’ያ ነይራ። ቅሩብ ርዝን ኢላ ኰይና፡ ሓሸው-ሓሸው ዝብል ድምጺ ኣስመዓቶም።
እንታዋይ መካኒክ’ዩ ኣብዚ መጺዩ ማኪና ከዐሪ፧ ገለ’ዶ ክሸኑ ኢሎም ምስ ተኣለዩ ኣብዚ ረሲዖማ… ናይ ንኣሹቱ መካይን መፋትሕ ‘ተዘይኰይኑ ናይ ዓበይቲ’ኳ ኣብ’ዚኣስ ኣይኣቱን’ዩ። ነቲ ችክሊስታ ወዲ ሃይለ ዓርከይ ትጠቕሞ ትኸውን’ያ። ንግሆ ክሓልፍ ከለኹ ክድርብየሉ’የ…
ኣታ እዘን ደቂ ኣበየን ጠፊኤን፧ እምበር’ከ ኣብዚ ይህልዋ’ዶ፧ ኣይተዕርፍ ኢሉኒ ‘ምበር ሱቕ ኢለ’የ መጺአ… ብድሕረይ ኣብኡ ’ተመጻስ ስኢነናኒ ክኸዳ’ንድየን። ወይለይ እቲ ገዛስ ኣይበይኑ’ንድየ ገዲፈዮ። ክወጽእ ዝረኣዩኒ ተበለጽቲ ክዘምትዎ…
ሰጒሞም ዘይኰነ ጋሊቦም ክበሃል ይቐልል። እንቅዓ እናኣስተንፈሱ ኣብ ቦታ ስራሖም በጽሑ። ኣብታ ንእሽቶ ክፍሎም ኣትዮም ነታ ሳንዱቕ ጥቓ’ታ መንበር ኣቐመጡዋ። ተመሊሶም ኣብ ቀጽሪ’ቲ ዝሕልዉዎ ገዛ ዘወርወር በሉ። ብድሕሪኦም ዋላ ሓደ ዘጋጠመ ነገር ዘይምንባሩ ኣረጋጊጾም ናብ ክፍሎም ተመልሱ። ኣብ ዓራቶም ኮፍ ኢሎም ነታ ሳንዱቕ ተዓዘቡዋ። ከይደንጐዩ ድማ፡ ብመንጠልጠሊኣ ሓፍ ኣቢሎም ኣብታ መንበር ኣቐመጡዋ። እታ ተዓጽያትላ ዝነበረት ሊኮቶ ካብ ንውሓት ግዜ መሪታን እቲ ናይ መፍትሕ መእተዊ ነዃላ ብሓመድ ተዓቢሱን ጸነሖም።
ነታ ጨናፍር ተኽሊ ወይኒ ዝቘርጹላ ንእሽቶ መቐዝ፡ ኣብ ትሕቲ ዓራቶም ካብ ዝነበረት ንእሽቶ ሳንጣ ኣውጽኡዋ። ብኣኣ ገይሮም ነታ ሊኮቶ ብሓይሊ ምስ ፈንቀቑዋ፡ ከየላበወት ቃዕ ኢላ ኢዳ ሃበት። መኽደን’ታ ሳንዱቕ ዓቐቕ ኢሉ ተኸፍተ።
ብላሽ መሸት! ከመይ ዝበሉኒ ዕንክሊል’የ ወደይ ኣነ፧ ነዚ’ልካዶ ተሰኪምካ ይምጻእ፧!
ብሕርቃን ነታ መቐዞም ኣብ ውሽጢ’ታ ሳንዱቕ ደርበዩዋ። ሓሸው ዝብል ድምጺ ኣስመዐት፣ ዶሮና’ውን ዑብ በለ። ዝብሉዎን ዝገብሩዎን ጠፊኡዎም ንቕሩብ ደቓይቕ ኣብ ዓራቶም ኮፍ በሉ፣ ነታ ኣብ ትርኣሶም ዝነበረት ፍንጃል ኣልዒሎም ኣብ ሓሳብ ኣተዉ።
እዚኣ ገለ ስራይ ሒዛ መጽያ ክትከውን ኣሎዋ… ገለ እተን ደቂ ዳሕራይ መጺአን ተገለጻለይ ‘ምበር ኣነ ወሪዱኒ እንታይ’የ ክብል።
ድኻም ስለ ዝነበሮም ክግምሰሱ ወሲኖም ነታ ፍንጃል ዝዀነ ፈሳሲ ክመልኡዋ ዝደለዩ ክመስሉ ኣብ’ቲ ናብ መንደቕ ዘብል ኩርናዕ ትርኣስ ዓራቶም ኣመዓራርዮም ብምንባር፡ ንብረቶም ክውግኑ ተንስኡ። ላምባዲናኦም’ውን ኣብ መቓምጦኣ ወገኑዋ፣ መቐዞም ክእርንቡ ድማ ናብታ ሳንዱቕ ተመልሱ። ዓይኖም ግን ንመቐዞም ዘይኰነ፡ ነቲ ንሳ ኣሳፊሓቱሉ ዝነበረት ክልተ ብመሬት ዝተሰርሑ ቅርጺ ሰብ ምዃኖም ዝልለዩ ግን ዝተፈራኸሹ ቅርጻ ጠሚቶም ተዓዘሙ። ከይተረድኦም ብሓደ ኢዶም ነታ መቐዝ ኣልዒሎም፡ በቲ ሓደ ነቲ ኣብታ ሳንዱቕ ዝነበረ ቅርጻ ዳህሰሱ። ብሰሪ ንውሓት ግዜ ብቐሊል ዝፍርከሽ ምዃኑ ኣጻብዖም ኣርጋገጻሎም። ናብታ ጥርሓ ፍንጃል ተመሊሶም፡ ብዛዕባ ርኽበት ናይ ክልተአን ምሸት እናሓሰቡ ተገምሰሱ። እታ ዝበሃጉዋ ካብ ዕዮኦም ተገላጊሎም ደቂሶም ዝሓድሩላ መዓልቲ ምእካላ ብህድኣት ክውሰጦም ኣብ ዝጀምረ፡ ኣብ ሕልሚ ዘይብሉ ድቃስ ድማ ጠሓሉ።

12 ሓምለ፡ 2010

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top