ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

Category

መራነት (Meranet)

ደራሲ ኣብ መወዳእታት 1969 ኣብ ቤት ትምህርቲ ማዕሃድ ዲኒ ኣልእስላሚ ከረን ትምህርቱ ክጅምር እንከሎ፡ ሸኽ ቃዲ መሓመድ መራነት ናይ ሲራት-ኣረሱል ሷላላሁ ዓለይህ ወሰለም መምህር ነበረ። ንሕና ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ እንከሎና፡ ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ ዛጊት ርእሰ-መምህራን ማዕሃድ ዘሎ ፈሲሕ ዘልሳኑ፡ ጽፉፍ፡ እዱብ፡ ሕፉር፡ መተዓቢቱን ብጻዩን ኡስታዝ እድሪስ ኣደም ኣብ ድርኵዂት ክፍሊ ተቐቢሉ ናብ ክፍልና ኣእተዎ።

235,00 kr

Description

እዛ ስራሕ፡ ንመራነት ማእከል ዝገበረት’ኳ እንተዀነት፡ ብቐንዱ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ዝቈጻጸሮ ዝነበረ ቦታ ብፍላይ ድማ ከተማ ከረን ትትርኽ። እዛ መጽሓፍ ካብ ዝቐረበቶ ታሪኽ እዚ ዝስዕብ ይረከቦ፤ “ኣብያተ ትምህርቲ ማዕሃድ ኣብ ኤርትራ፡ ዘውጊ ዘይቕበላ ድሙቓት ኣሳእል’የን ነይረን። መምህራነን ኣብ ዓውደ ተቓውሞ ውፉያት ሃገራውያንን ጀጋኑን’ውን’ዮም ነይሮም። ካብ’ቶም ተቓወምቲ መምህራን፡ ሸኽ መሓመድ መራነት ሓደ ህያው ኣብነት’ዩ። ካብ ማህጸን’ቲ ማዕሃድ ዝተወልደን ኣብ ሕቝፊ ንጹሃት ሃገራውያንን ብጹኣንን ዝተመልመለን’ዩ። ካብ ንእስነቱ ሃገራውነትን ሃይማኖትን ክብ ዘበለ ተጋዳላይ ሸኽ ነይሩ። ኣብ ከረን፡ ኣብ ውሽጣዊ ስርርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሓደ ካብ’ቶም ዝያዳ ዝተዀለዐ መሪሕ ነይሩ። ንሃገርን ሃይማኖትን ምክልኻል፡ ናይ ኣቦታቱ መሻይኽ ሕድሪ ተቐቢሉ ዕላማታቱ ንምፍጻም ኣብ ዓውደ ቅልስ ብግብሪ ኣተወ።
ደራሲ ኣብ መወዳእታት 1969 ኣብ ቤት ትምህርቲ ማዕሃድ ዲኒ ኣልእስላሚ ከረን ትምህርቱ ክጅምር እንከሎ፡ ሸኽ ቃዲ መሓመድ መራነት ናይ ሲራት-ኣረሱል ሷላላሁ ዓለይህ ወሰለም መምህር ነበረ። ንሕና ኣብ ቀዳማይ ክፍሊ እንከሎና፡ ኣምላኽ ዕድመን ጥዕናን ይሃቦ ዛጊት ርእሰ-መምህራን ማዕሃድ ዘሎ ፈሲሕ ዘልሳኑ፡ ጽፉፍ፡ እዱብ፡ ሕፉር፡ መተዓቢቱን ብጻዩን ኡስታዝ እድሪስ ኣደም ኣብ ድርኵዂት ክፍሊ ተቐቢሉ ናብ ክፍልና ኣእተዎ።”

Related Product

Scroll to Top