ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

Category

ቅናት፡ ዛንታ ኣደታት ኤርትራ (Qinat: Zanta Adetat Ertra)

ቅናት፡ ንታሪኽ ገለ ወከልቲ ክዀና ዝኽእላ ሓርበኛታት ደቀንስትዮ ኤርትራ ሓወልቲ ዝዀነት ስራሕ እያ። ብርሃነ፡ ገዲምን ውሩይን ጋዜጣኛ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ነበር፡ ናይ ጋዜጠኝነት ሞያኡ ድጊሙ ብምብርባር ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣገዳሲን ወሳን ተራ ደቀንስትዮ ሰኒዱ ይርከብ። ቅናት፡ ነተን ቅናተን ሸጥ ኣቢለን መዓንጣ ሰብኡተን ገጥ ዘበላ ኣደታት ኤርትራ ዓባይ ህያብ’ያ።

250,00 kr

Description

ቅናት፡ ዛንታ ኣደታት ኤርትራ

ደራሲ፡ ብርሃነ ገብረትንሳኤ

ገጻት መጽሓፍ፡ 344

እኵባት ሓቀኛ ተረኻታት ሒዛ እትርከብ “ቅናት”፡ ኣብ ክልተ እተኸፍለት ኣያ። ቀዳማይ ክፋል፡ ዛንታ ሸውዓተ ኤርትራውያን ደቀንስትዮ ዝሓዘ ኰይኑ፡ መንፈስ ቃልሰንን ጽንዓተን ይትርኽ። እቲ ካልኣይ ክፋል፡ ጸሓፊ ናይ ውልቁን ስድራቤቱን ዛንታ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተራ ከም ዘለዎ ብምምእማን ተሪኹዎ ይርከብ። ብርሃነ፡ ገዲም ጋዜጠኛ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ነበር፡ ኣደ ንስድራኣን ደቃን እትኸፍሎ መስዋእቲን ፍቕሪን፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ዘለዋ ልዑል ኣበርክቶ፡ እተማህረት ኣደ ትዑይ ዝበሃል ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምህናጽ ዘለዋ ኣበርክቶ፡ ከምኡ’ውን ማዕርነት ደቀንስትዮን ምውጋድ ኣባታዊ ስርዓትን ኣብ ኵለንትናዊ ምህናጽ ምዕሩይ ዕድላት ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ዓሊሙ ኣብ ስራሑ ክድህስስን ይፍትን።

Related Product

Scroll to Top