ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

Author name: admin

ወዲ የማነ

ቅድሚ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ምስ ፖሊስ ዝተራኸብኩለን መዓልታት ምስ’ዛ ዳሕረወይቲ መዓልቲ’ዚኣ ዋላ ንፈውሲ ማሕላ ብፍጹም ኣይነጻጸራን እየን። ክዛረብ ዕድል ከይሃቡ፡ በዲለ ድየ ኣይበደልኩን’ውን ከይሓተቱ፡ ተሳሂሎምኒ። እቶም ክልተ በበትሮም ሒዞም፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ድማ ብቕልዒትን ጕስጢን ምዝራብ ክሳብ ዝስእን ምንህንህ ኣቢሎም ኣብ ባይታ ሰጢሖምኒ። እቲ ዝዘነበኒ ውቅዒቶም ኣብ ኣእምሮይ እናደጋገምኩ፡ ንነብሰይ ከም ሓንቲ ብጅግ-ጅግ ዝበለት ብላይ ጨርቂ ሰኣልኩዋ። […]

ወዲ የማነ Read More »

ምልሶት ንዓዲ

ን’ሓት ናፍቖት ዘቐምሰሎም ሕጻናት ኣጓብዞም ዝነጸፉ ኣዳራሻት ቁሸታት ሓዳር ሕልሚ ዝዀነን ጐራዙ ሕጽኖት ሓንቲ ለይቲ ዝጓዓዙ ብግዜ ዝቋመር ዝርካቡ ሰብኣይ ዕብራን ኣደ ዘይትምነዮ ንኣባይ እግሪ ታንክ ዝፈሓሮም ገጻት ቍሪ ዘንጸለን ስድራ–ቤታት ብቐትሩ ዝገሃሙ ፍሩያት ፈዛዛት ኣዒንቲ ምብራቕ ዘየለልዩ ኣእምሮ፡ ‘ትርፎ ለይቲ ተባህለ ክሰምዕ ዝውዕል እዝኒ ንሓቂ ዝጥርጥር ሰንፈላል ልቢ ጕልሻ ብዘይ ሓዊ ሰኽቲቱ ድስቲ ዘቃልሕ

ምልሶት ንዓዲ Read More »

ጕዕዞ ናብ ሮሰን

ሎሚ፡ ምስ ኣሮን መሳርሕተይ ብስራሕ ናብ ሮሰን ገይሽና። ሮሰን እትበሃል ቁሸት፡ ባከ ንእትበሃል ቁሸት ረጊጽና ምስ ሓለፍና ኢና ክንብጽሓ ዝነበረና። ነቲ ኣብ መንጐአን ዘሎ ናይ ኣስታት 10 ኪ.ሜ. ፍልልይ፡ ቈጸራና ንምርካብ ብልዑል ፍጥነት እናተሓንበብና ኢና ሸፊናዮ። ኣብቲ ቅጥራን ከም ረጒድ ዓለባ ጡጥ ተነጺፉ ዝነበረ በረድ ከም ዘራጊቶ ዑብ ኣበልናዮ። እቲ ዳእላ ዘይፍለዮ ኣሮን፡ “በየን ደኣ

ጕዕዞ ናብ ሮሰን Read More »

ፊልም “ትማሊ” — ታሪኽ’ዶ ልብ-ወለድ?

ሓፈሻዊ መእተዊ ፊልም “ትማሊ” ንከባቢ ዓሰርተ-ሓደ ኣዋርሕ (2009-2010) ወትሩ ሰንበት ብመገዲ ኤሪ-ቲቪ እትፍኖ ዝነበረት ተኸታታሊት ፊልም እያ፣ እዚኣ ፊልም’ዚኣ። ንገለ ክፋል ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከባቢ ዕስራ ሰዓታት — ማለት 45 ክፋላት — ከተርኢ ዝፈተነት’ያ ነይራ፣ ጸሓፊን ኣላዪን’ታ ፊልም ኣቶ ኢሳያስ ጸጋይ ኰይኑ። ቅድሚ ሕጂ’ውን “ሰሚራ”። “ጕያ”ን “ንእሽቶ ሓወይ ክንዲ ሓሙተይ” (“ሚለኑ”)ን ዝብላ ተኸታተልቲ ፊልምታት

ፊልም “ትማሊ” — ታሪኽ’ዶ ልብ-ወለድ? Read More »

Balcony Piece I

One hand fighting with mosquitoes using a bat, a simple specimen of electrocution; another smsing with another sleepless soul for the immensely wide syllabus of DU; my fan creaking as it blows my unkempt countable hair that has seemed evenly grown grass on an asphalt; sweat itching my skin for the damp t-shit which has

Balcony Piece I Read More »

Scroll to Top