ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ምልሶት ንዓዲ

ን’ሓት ናፍቖት ዘቐምሰሎም ሕጻናት
ኣጓብዞም ዝነጸፉ ኣዳራሻት ቁሸታት

ሓዳር ሕልሚ ዝዀነን ጐራዙ
ሕጽኖት ሓንቲ ለይቲ ዝጓዓዙ
ብግዜ ዝቋመር ዝርካቡ ሰብኣይ
ዕብራን ኣደ ዘይትምነዮ ንኣባይ
እግሪ ታንክ ዝፈሓሮም ገጻት
ቍሪ ዘንጸለን ስድራቤታት
ብቐትሩ ዝገሃሙ ፍሩያት ፈዛዛት ኣዒንቲ
ምብራቕ ዘየለልዩ ኣእምሮ፡ ‘ትርፎ ለይቲ
ተባህለ ክሰምዕ ዝውዕል እዝኒ
ንሓቂ ዝጥርጥር ሰንፈላል ልቢ

ጕልሻ ብዘይ ሓዊ ሰኽቲቱ ድስቲ
ዘቃልሕ ገዓር እቲ ብዓል ኩርሲ፤
ዓቅሊ ሓንሳብ ቀሪቡ’ዩ ቍርሲ!”
ኵምራ ዘረባ ናይ እኒእኒ ቅርሲ
ነፋስ ዝመንኰርኰሩ ህይወት
ኣይዝሑል ኣይውዑይ ስምዒት
ናተይንዶሞ ኰይኑ ከይብሎ ቡጭ
ከይውሕጦ ድማ ሓንፊፉ ዕጭ!

3 ሕዳር፡ 2012

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top