ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ሓምሳ ሽሕ

ኣቶ ዘወልዲ ካብ መኪናኡ ብቕልጡፍ ወሪዱ ናብቲ መደበር ፖሊስ ብምእታው፡ ብቐጥታ ናብቲ መዝጋቢ ዕለታዊ ፍጻሜ ዝነበረ ተረኛ ፖሊስ ኣምረሐ። እቲ ፖሊስ፡ ንኽሰምዖ ድሉዎ ምስ ኰነ፡ ኣቶ ዘወልዲ መምጽኢኡ ብዝርዝር ሓበሮ፤
“ሎሚ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ኣቢሉ፡ መኪናይ ኣብ ከባቢ ካርቱም ሆቴል ኣብ ዝርከብ ደው መበሊ መካይን ደው ኣቢለ ክወርድ እንከለኹ፡ ክልተ ቈልዑ፡ መኪናይ ክውልውሉለይ ሓቲቶምኒ። ግዜ ስለ ዝነበረኒ፡ ክሓጽቡዋ ብምባል ማዕጾ ከፊተሎም ከድኩ። ስረሐይ ወዲአ ምስ ተመለስኩ፡ መኪናይ ኣጽርዮማ ጸኒሖምኒ። ነቶም ቈልዑ ሕሳቦም ሂበ፡ ኣብ ሹቕ ዝጸዓን ፊኖ ስለ ዝነበረኒ ንኽሕግዙኒ ሓቲተዮም። ብዘይ ዕጥይ-ምጥይ ምሳይ ተሰቒሎም ብምኻድ ጽዒኖምለይን፡ ኣብ ማይ-ጭሆት ዝርከብ እንዳ ፎርኖይ ምስ ከድና ድማ ኣራጊፎምለይ። 50 ናቕፋ ሂበ ድማ ኣፋንየዮም።
“ድሕሪ ቀትሪ፡ ንስራሕ ዝኸውን ዘይቲን ሽኮርን መግዝኢ ኢለ ኣብ መኪናይ ኣቐሚጠዮ ዝነበሩኩ ሓምሳ ሺሕ ናቕፋ ዘየሎ ጸኒሑኒ። ብዘይካ እዞም ቈልዑ ድማ ካልእ ሰብ ኣብ መኪናይ ዝተሰቕለ የሎን። ስለዚ፡ ብሕጊ ክተሓዙለይን ክምርመሩለይን እሕብር።”
“ኣብ መኪናኻ ኣብ ምንታይ ቦታ ኢኻ ኣቐሚጥካዮ ነይርካ፧” ተራኛ ፖሊስ ምጽሓፍ ኣቋሪጹ ሓተተ።
“ኣብ ትሕቲ’ቲ ኮፍ ዝብለሉ መንበር’የ ኣቐሚጠዮ ነይረ።”
“መትሓዚ ኣይነበረካን ድዩ፧”
“በብምኢቲ ብምንባሩ ብዙሕ ድርዳር ኣይኰነን ነይሩ፣ ድሓር ድማ ብጋዜጣ ጠቕሊለ’የ ኣቐሚጠዮ ነይረ።”
“ምስቲ ገንዘብ ካልእ ዝጠፈኣካ ንብረት እንታይ ኣሎ፧”
“ሓንቲ ዝተሰብረት ኩቺነተ ናይ’ታ ናይ ስራሕና መልወሲት ብሒቝ ክገዝእ እንከለኹ ንመርኣዪት ኣምጽኤያ ስለ ዝነበረኩ፡ ምስቲ ገንዘብ ጠቕሊለያ ነይረ።”
“ድሕሪ ምስ’ቶም ቈልዑ ፊኖ ምርጋፍኩም ክሳዕ እቲ ገንዘብ ዝሰኣንካሉ ግዜ ዝበጻሕካዮም ቦታታትን ኣብ መኪናኻ ዝደየቡ ሰባትን ትዝክሮ’ዶ፧”
“ካብኡ መኪናይ ኣብ ገዛ ኣእትየ፡ ተመሲሐ፣ ቍሩብ ኣዕሪፈ። ናይ ንግሆ ስራሕ ፎርኖ ስለ ዘይብልና፡ ስራሕተኛታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ሰዓት ሰለስተ ኣቢሎም’ዮም ዝመጽኡ። ኣነ ድማ፡ ሰዓት ክልተ ነታ ዝተሰብረት ኩቺነተ ንምግዛኣ ናብ ክልተ ወይ ሰለስተ እንዳ ስፔርፓርት ከይደ ብምድላይ ገዚአ ተመሊሰ። ድሓር ንሓደ ካብ’ቶም ሰራሕተኛታት ንኽገጥማ ሂበዮ። ድሕሪኡ ዘይቲ፡ ለቢቶን ሽኮርን ከምጽእ ናብ ሜዳ ኤርትራ ከይደ። ኣብኡ ነቲ ዘቐመጥኩዎ ገንዘብ ሃሰስ እንተ በልኩ፡ ኣይጸነሓንን። ድሕሪኡ ድማ ትኽ ኢለ ናብዚ መጺአ።”
“ናብ ኵሉ’ዚ ቦታታት ክትከይድ እንከሎኻ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ መኪናኻ ዝተሰቕለ የሎን፧ ማዕጾ ዓጺኻ’ዶ’ኸ ትወርድ ነይርካ፧”
“ድሕሪ’ቶም ቈልዑ ዋላ ሓደ ሰብ ኣብ መኪናይ ዝተሰቕለ የሎን። ብልምዲ ድማ ኣነ መኪናይ ከይዓጸውኩ ኣይገድፍን’የ። ስለዚ ርግጸኛ’የ፡ ካብኦም ሓሊፉ ገንዘበይ ዝወሰደለይ ካልእ ሰብ የሎን’የ ዝብል ኣነ።”
2
“ጭፍልቂ፡ ኣታ ጭፍልቂ… ነዓናይ ኮካ ተራጊፉ’ሎ፡” ዓው ኢሉ ኣድሃየ ስኒ።
“ሓንሳብ ወዲአ’የ፡ እዘን ጎማ ክቕስለን፡” መለሰ ጭፍልቂ ደኒኑ ጎማ መኪና እናሓጸበ። “ኣበይ’ዩ ድኣ ተራጊፉ፧”
“መጀመርያ ኣብ ግሪን ፓርክ፡ ሕጂ ድማ ኣብ ኣንበሳ ይራገፍ ኣሎ።”
“እሞ ንብዓል ጻጸ ጸውዓዮም ኣከፋፋት ክንጻወት!” ጨደረ ጭፍልቂ። “ብፍላይ ሰሉማየ ተላ ዕድል ስለ ዘይብላ ናብኣ ስለ ትበጽሕ ጸውዓያ።”
ስኒ፡ ዓርኩ ዝብሎ ከዋድድ ነቶም ካብኦም ፍንትት ኢላ ኣብ ዝነበረት ኣንጎሎ ኰይኖም ዘዕልሉ ዝነበሩ ሰለስተ-ኣርባዕተ ዝዀኑ መሳትኡ ተጸንበሮም። ገጽ’ቶም ካብ ሰለስተ ሓሙሽተ ዘይሓልፍ ዕድመ ዝነበሮም መንእሰያት ፍሽኽታ ዝዓሰሎ’ዩ ዝነበረ። እንተዀነ፡ ናይ ገሊኦም ዝተፈሓናጨረ፡ ናይ ገሊኦም ብጸሓይን ቍሪን ዝደበነ፡ ከምኡ’ውን ናይ ገሊኦም ዓቢ ማዳ ዝረኣዮ’ዩ ነይሩ።
“ሓቦ ተለክን ኣካፋፋት ንጻወት፡” ስኒ ነቶም ኣርባዕተ መሳቱኡ ተሓዊሱዎም ቍሩብ ከይጸነሐ ተዛረበ።
“መን ይፈርሕ፡ እንድያሞ ጃይ፡” መለሰ ሓደ።
“ኤእ ልሚ ናይ ፋታ ጥራይ ኢና ኣኪብና፡ ኣይተዋጽእን’ያ፣ ብለቓሕ እንተሎ ግን ኮይስ፡” ካልእ ወሰኸ።
“ነውሪ፡ ነውሪ…፡” በለ ስኒ። “እንታይ ኴንኪ’ቲ ማንጃ ኣብ ኣከፋፋት’ዶ ከምኣ’ላ’ያ፧ ዘይከውን ትዛረቢ።”
ከምኡ እናተበሃሃሉ፡ ጭፍልቂ ተሓወሶም። ናብ ኣየነይቲ እንዳ ሻሂ ይኸዱ ክካትዑ ድማ ጀመሩ።
“ኣታ ማንጃ በጃኻ ሰበራል ኬፍ ኣይትዅነና። ንስኻ ኣንበሳ ኬድካ ፋታ ጥራይ’ዩ ዝረኣየካ ዘሎ፡ ቍሩብ ከኣባ ንዓና ሕሰበልና፡” ጭፍልቂ ተዛረቦ።
“እዋእ ኣነ ጥራይ ድየ ፋታ ዝበልዕ፡ ንስኽን’ከ ኣይትበልዓን ዲኽን፧” ሓተተ ማንጃ።
“ኣታታታ ንገረልና በጃኻ፡ ስኒ ኣይሓከኻዮምን ዲኻ ናይ ዓንተወይ፧” ጭፍልቂ ብኢዱ ከብዱ እናደራረዘ ተዛረበ።
“ኣታ ናይ ዓንተወይ ተነጊረየን ድኣ ኣንባሂቘን ክዝረራ፡” ፍሽኽሽኽ በለ ስኒ፡ ነተን ምግላህ ከናፍር ዘየድልየን ንቕድሚት ውጽእ ዝበላ ላዕለዎት ፍሩያት ናይ ቅድሚት ኣስናኑ ገይጹ።
“በጃኻ ሓክየን ቍሩብ ተተረድአን ከመይ ከም ዝነበረ።”

“በቃ ብሓጺሩ ሕጽኖት ገለ’ዩ ነይሩ፣ ጭፍልቂ መኪና ይቕስለላ ነሓንቲ ሰብኣይ። ተኸይፋ ትሬንታ ሂባቶ፡ ድሓር ፊኖ ከነራግፈላ ሒዛትና ትኸይድ። ሹቕ ከይድና ኣርባዕተ ድዩ ዋላ ሓሙሽተ መሸማዕ ፊኖ ናብ መኪናኣ ሰቒልና፡ በዚ ኣደባባይ ሓሊፍና ንማይ-ጭሆት ትወስደና። ኣብኡ ኣራጊፍና ምስ ወዳእና፡ ገዛ ኣእትያ – እብለክን ኣለኹ እቲ ገዛ ከምዚ እንዳ ንጉስ ገለ’ዩ ዝመስል – ምሳሕ (ከምኡ የለን)…”
“ኪድ-ኪድ ሓሳዊ፡ ንዓኻ ድኣ ስንኻ ርእዩ ከማን ምሰጐጐትካ፡ ኣይኰነን ገዛ ኣእትያ ከተምስሓካ፡” ማንጃ ኣብ መንጎ ኰለፎ።
“መቸም መግቢ ተተላዒሉ ነብስኻ ኣይገብረልካን’ዩ! ኵሉ ንዓይ ምስ በልካ ኢኻ። ሓንሳብ ኣወድኣዮ። ወደይ ስኒ ቀጽል፡” ጭፍልቂ፡ ሓጐሱ ኵሉ ሰብ ከይፈለጦ ንኸይተርፍ ብምስጋእ፡ ንማንጃ ክገንሖ ፈተነ።
“በቃ ገዝሚ’ዩ ነይሩ ኢልካ ምውዳእ ይሓይሽ፣ ኣነ ዝበለ እኩላ ኣኪልና ቺንኳንታና ተተልቢብና ናብዛ ድፋዕና መጺና። ማንጃ ሓወይ ፋታኻስ ንዓኻ ድኣ… ሕጂ ኮካን ሽጋራን ጥርይ’ዩ ዝረኣየና ዘሎ።”
“እሞ ኣብ ኣንበሳ ኴንኩም ዘይትጻወቱ ኣከፋፋት፧” ሓተቶም ማንጃ።
“ትግጥም እንዲኻ፡ ኣብኡ ሽጋራ ሽግር ምዃና፡ ተደሊኻ ምስ ኣከልካ ኣርክበና፡” ኢሉ ጭፍልቂ፡ ንማንጃ ኣብ ዝነበሮ ገዲፉ ነቶም ካልኦት መሪሑዎም ናብ ዳሕረዋይ ክፋል ግሪን ፓርክ እንዳ ሻሂ ኣበለ።
ስኒን ጭፍልቂን ምስ ካልኦት ሰለስተ ኣከፋፋት ባሊቃ ኮካ ንምጽዋት ድሉዋት ኰይኖም ተቐሚጦም ሽጋራ ወልዑ። ኣሳሳዪት፡ ብስኒ ጀሚራ ዘምጸአቶ ጠራሙዝ ኮካ ተር ኢላ በብሓደ ከፈተትሎም።
“ክላእ፡” በለ ሓደ ካብ’ቶም ሰለስተ ነቲ ኣብ ናይ ውሽጣዊ ክፋል ባሊቃ ዝርከብ ቍጽሪ ድሕሪ ምርኣይ።
“ክንደይ ድያ፡ ኣርኢ ሰሉማየ ከንደይ’ያ ክንደይ፧” ሓተቱ እቶም ካልኦት።
“ኣታ ኡኖ’ያ፡ ሎሚ ከአ ሸኺልክናኒ፡” ኢሉ ነታ ቍጽሪ ሓደ ዝነበረተ ባሊቃ ሰንድዩ ኣብ መንደቕ ኣላጋዓ ሰሉማየ። ሽዓ ቀትሪ ክልተ መካይን ሓጺቡ ዘዋህለለን 40 ናቕፋ ናይ ሓሙሽተኦም ሕሳብ ምስ ከፈለ ተጓህሚመን ሓሙሽተ ናቕፋ ጥራይ ክተርፎ ተረኣዮ።
ናይ ካልኦት ባሊቃታት ድማ በብተራ እንተ ተራእየ። ናይ ሓደ 4፡ ናይ ካልእ 20፡ ናይ ስኒ 5፡ ከምኡ’ውን ናይ ጭፍልቂ 0 ኰና።
እቶም ካልኦት ነታ ናይ ጭፍልቂ ርእዮም ሱቕ እንተ ዝብሉ ነይሮም፡ ሰሉማየ ናይ ኵሎም ሕሳብ ከፊሉ ምኸደ ነይሩ። እንተዀነ፡ በቲ ዘይተጸበዩዎ ውጽኢት ጨደሩን ወጨጩን፣ ንስሉማየ ድማ ኣድሓኑዎ።
ኣብዛ ህሞት እዚኣ፡ ሰለስተ ሰብኡት ንማንጃ ተኸቲሎም ናብታ’ቶም ጕጅለ ኮካ ዝሰትዩላ ዝነበሩ ቤት ሻሂ ኣተዉ። ስኒን ጭፍልቂን፡ ገጽ ኣቶ ዘወልዲ ምስ ረኣዩ ብድድ በሉ።
ሓደ ካብ’ቶም ምስ ኣቶ ዘወልዲ ዝኣተወ ሰብኣይ ግን ብደሃሊ ድምጺ፤ “ኮፈል፡ ኮፈል… ናበይ በተግ-በተግ ሕጂ፡ ኵልኻ ኣብ ዘሎኻዮ ኮፍ በል።”
“ኣየኖት’ዮም፧ ተለልዮም ዲኻ፧” እቲ ካልኣይ ንኣቶ ዘወልዲ ሓተቶ።
ኣቶ ዘወልዲ ናብ ስኒን ጭፍልቂን ኣመልከተ። እቶም ሰባት ፖሊስ ምዃኖም ሓቢሮም ንኽልተኦም ኢዶም ቀይዶም ሒዘምዎም ድማ ናብ መደበር ፖሊስ ኣምርሑ።
“ኣታ ማንጃ፡ ኣመሲግካዮም ማለት’ዩ’ኮ፡” ሓደ ካብ’ቶም ሰለስተ ምስ ብዓል ስኒ ኮካ ዝሰትዩ ዝነበር ተዛረበ።
“ኣታ ኣነ ድኣ፡ እቲ ሰብኣይ ‘ዓንተወይ መኪና ዝሓጸቡለይ ኣበይ ኣለዉ’ ምስ በለኒ፡ ከስርሖም ዝደለየ መሲሉኒ እምበር…” ብጣዕሳ ተዛረበ።
“እንታይ ድኣ ገይሮም ይዀኑ’ባ፧” ሓተተ ካልእ።
“ክላ ይህድዳና’የን ነይረን ማለት’ዩ…፡ ኣምሲሑና ገለ ዝበላስ ኣብ ገዛኡ ጨዲዐን’የን ተመሲሐን ማለት’ዩ፡” ወሰኸ ካልእ።
“ናብ ኮሚሳርያቶ’ዶ ወሲደሞም ይዀኑ ወይስ፧”
“እንታይ ኮሚሳርያቶ ድኣ፡ ናብ ካልእይ መደበር ገጾም’ዮም ዝኸዱ ነይሮም። ኣኺሉወን’ዩ!”

3

ጭፍልቂን ስኒን ኣብ ሓጺር እዋን ቃሎም ክህቡ ምስ ተሓተቱ ብዛዕባ ገንዘብ ዝዀነ ዝፈልጡዎ ነገር ከም ዘይነበረ ሓበሩ። ቀጺሉ እቲ መርማሪ ፖሊስ ሰርጌንቲ ብርሃነ ኣተኵሮኡ ናብ ጭፍልቂ ብምግባር ከምዚ ዝስዕብ በሎ፤ “እስከ ነታ መኪና ከመይን ብኸመይን ከም ዝሓጸብካያ ብዝርዝር ንገረኒ።”
ጭፍልቂ ብዘይ ዝዀነ ጸገም ክዝርዝረሉ ጀመረ። ካብ ብዙሕ እዋን መኪና ምሕጻብ ዝተላዕለ፡ እቲ ዝኸተሎ መስርሕ ምንጋፍ፡ ምጥልቃይ፡ ምጽራይን ምንቃጽን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መወዳእታ ምቕያር ማይን ገለ ከየትረፈ ሓበሮ። ንዅሉ’ዚ ተግባራት ክፍጽም እንከሎ ዝረኸቦ ወይ ድማ ዘልዓሎ ነገር እንተሎ ሓተቶ ሰርጌንቲ ብርሃነ። ጭፍልቂ፡ ሓንቲ ብጋዜጣ ዝተጠቕለለት ክብድ ዝበለ ነገር ረኺቡ፡ ከይትጥልቂ ብምስጋእ ኣልዒሉ ኣብ ሳንዱቕ መቐመጢ መፋትሕ ናይታ መኪና ከፊቱ ኣብ ሓንቲ ኣብኡ ዝጸነሐቶ መፋትሕ ዝነበራ ፌስታል ከም ዘቐመጣ ኣረጋገጸሉ።
“ኣብኡ ከም ዘየቐመጥካያ ፈሊጥና ኣሎና፡ ሓቂ ተዛረብ ከይከፍኣካ፡” ትርር ኢሉ ተዛረበ ሰርጌንቲ።
“ኣነ’ሞ ኣብኡ’የ ኣቐሚጠያ።”
“ድሓን፡ ዝፈራሕካዮ ሰብ እንተሎ ስሙ ጥራይ ንገረና ባዕልና ክንረኽቦ ኢና።”
“ዝፈርሖ ሰብ የለን።”
“እታ ዘልዓልካያ ብጋዜጣ ዝተጠቕለለ ነገር እንታይ’ያ ነይራ፧”
“እንድዒ ኣይረኣኹዋን።”
“ከመይ ኢልካ ድኣ ኣይረኣኹዋን ትብል፡ ሕጂ’ዶ ኣይኰንካን ኣብ ሳንዱቕ ኣቐሚጠያ ክትብል ዝጸናሕካ!”
“እወ ኣቐሚጠያ፡ ክብድ ኢላ ሓጺን’ያ ትመስል ነይራ፣ ግን ከፊተ ኣይረኣኹዋን።”
“ኣታ ቈልዓ ሓቂ ተዛረብ!”
“ሓቀይ’የ ዝነግረካ ዘሎኹ።”
“በቃ፡ በቃ ንስኻ ኣብዚ ትእሰር፡ እቶም ዝሃብካዮም ድማ ይዕንድሩ፣ ፈሊጥካ’ሎኻ እቲ ገንዘብ ግን በቲ ኢልና በቲ ክንረኽቦ ኢና።”
“ገንዘብ ድዩ ነይሩ፧” ሓተተ ጭፍልቂ ናይ ምህንጣይ ድምጺ ወሲኹ።
ሰርጌንቲ ብርሃነ ነታ ሕቶ ኣይመለሳን። ገንዘብ ትብል ቃል ምውጽኡ ከም ዝተጋገየ ተረደአ። ገጽ ግን ኣይሃቦን። ሓለዋ ጸዊዑ፡ ጭፍልቂ ምስ ካልኣዩ ኣብቲ መደበር ፖሊስ ክሓድሩ ምዃኖም ሓቢሩ ኣፈነዎም። ንኣቶ ዘወልዲ ጸዊዑ፡ ኣብ ሳንዱቕ መቐመጢ መፋትሕ መኪናኡ ምድላዩን ዘይምድላዩን ሓተቶ።
“ኣብኡስ ኣይነበረን ርግጸኛ’የ፣ ዓንተወይ’ውን ባዕልኻ ርኢኻያ ነይርካ ኢኻ፡” መለሰ ኣቶ ዘወልዲ።
“እታ መኪና ሓቀይ ተማሊእካ’ያ ኣሎኻ ኣብዚ፧”
“እወ ኣላ።”
“እስከ ንኺድ ክፈተለይ።”
ኣቶ ዘወልዲ ክጠራጠር ጀመረ። ግን፡ ቍሩብ ሕስብ ኣቢሉ ድማ፡ ርግጸኛ ምዃኑ ብምትእምማን ንሰርጌንቲ መሪሑዎ ብምኻድ ማዕጾ መኪና ከፈተሉ። ከምኡ’ውን ነታ ሳንዱቕ ከፊቱ ክዕዘቦ ጀመረ። ሰርጌንቲ ብርሃነ ቢሮኡ ተጠቒሙ ኣብኡ ንዝጸነሖ ኣጭርቕቲ ገላሊሁ ረኣየ። መፋትሕ ብዘይ ምርኣዩ ቅር ከም ዝበሎ ገጹ እስር ኣበሎ።
“መፋትሕ የብልካን ድዩ፧” እቲ ፖሊስ ሓተቶ ንኣቶ ዘወልዲ።
“ኣሎኒ’ባ ግን…”
“ኣበይ ዲኻ ተቐምጦ፧”
“ኣብኡ’የ ዘቐምጦ፡ ዓንተወይ ካብ ገዛ ክወጽእ ከሎኹ ነታ ዝተሰብረት ኩቺነተ ናይታ መለሲት ማሽን ንኸዕርዩሉ ነቶም ሰራሕተኛታት ገዲፈሎም።”
“ነቲ መፋትሕ ቈጺርካ ዲኻ ኣረኪብካ’ዮም ነቶም ሰራሕተኛታት፧”
“ኣይፋሉን፡ ኣብ ፌስታል ስለ ዝነበረ ኣብኡ እንከሎ’የ ሂበዮም።”
“ብልክዕ ንመን ሂብካዮ፧”
“ዋእ…፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ንስንክተሉ ክፍሊ ሓንቲ ዓባይ ጣውላ ስለ ዘላ፡ ኣብዚ ኣሎኩም ኢለ ኣብኡ ኣቐሚጠያ’የ ወጺአ።”
“በል’ስከ ንኺድ ናብኡ።”
“ግን፡ እቲ ገንዘብ’ኮ ኣብኡ ኣይነበረን… ኣብዚ ትሕቲ ሰዲለይ’ዩ ነይሩ። ኣብዚ ሳንዱቕ ኣየቐመጥኩዎን።”
“ድሓን፡ ንኺድ ጥራይ።”
ኣቶ ዘወልዲ፡ ሰርጌንቲ ብርሃነ እንታይ ክገብር ከም ዝደለየ ክርድኦ ኣይከኣለን። እቶም ሰሪቖምኒ ዝበሎም ሰባት ምርካቦም ቍሩብ ቅሳነት ረኺባ ዝነበረት ልቡ፡ ሰገአት። ግን ፍታሕ ሽግሩ ኣብቲ ፌስታል ብፍጹም ክትኣቱ ከም ዘይትኽእል እናተኣማመነ መኪናኡ ኣተንሲኡ ናብ ኣንፈት ማይ-ጨሆት ጠወያ።
ሰርጌንቲ ብርሃነ ደድሕሪ ኣቶ ዘወልዲ ናብቲ ክፍሊ መሰንከቲ ኣተወ። ናብ ነፍሲ-ወከፍ ኩርናዕ ቀስ ኢሉ ኣዒንቱ ለኣኸን። ንጋፍ ሓሩጭ ነቲ ምድሪ ዓሲሉዎ፡ ጥርሑ መሸማዓት ዛሕ ኢሉ፡ እታ ሽዑ ዝተዓረየት መለሲት ማሽን ንፈተነ ተወሊዓ ሩር ትብል፡ ኣብ ሓደ ዓቢ ጣውላ ድማ ዛሕ ዝበለ መፋትሕን ርጕድ ዝበለት Business Royals ዝብል ጽሑፍ ዘሎዋ ጻዕዳ ፌስታል ለም ኢሉ፡ ከምኡ’ውን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታት ኣብ ሓደ ዓቢ በርሚል ማይ ክመልኡ ረኣየ።
“እነሀለት ከማን እታ ፌስታል፡” ኢሉ ኣቶ ዘወልዲ ናብኣ ገጹ ኣምረሐ።
“ድሓን ግደፋ፡” በለ ሰርጌንቲ። “ሰራሕተኛታትካ ንሶም ጥራይ ድዮም?”
“እወ ንሶም ጥራይ’ዮም።”
ሰርጌንቲ ብርሃነ፡ ከም ወትሩ ቢሮኡ ኣውጺኡ ነታ ፌስታል ገንጺሉ ረኣያ። ኣብ ውሽጢ ብዘይካ ሓንቲ ካቻቪተ፡ ገለ ብሎኒታትን ስልኪን ካልእ ኣይነበራን። እቲ ጉዳይ ብውዑዩ እንከሎ ክጻረ ከም ዘሎዎ ብምግንዛብ፡ እቲ ሰርጌንቲ ከም ኣማራጺ ዝተራእዮ ነቶም ሰራሕተኛታት’ውን ንመርመራ ናብቲ መደበር ፖሊስ ክውሰዱ’ዩ ነይሩ።
4
“ካብ’ዞም ሰራሕተኛታት ትጥርጥሮ ኣሎካ’ዶ፧” ሓተተ ሰርጌንቲ።
“ሓደ’ኳ ዝጥርጥሮ የብለይን። ገሊኦም ንልዕሊ ሓሙሽተ-ሽዱሽተ ዓመት፡ ገለ’ውን ሰለስተ-ኣርባዕተ ዓመት ምሳይ ዝሰርሑ’ዮም። ባዕሎም ዝሰርሑዎ ባኒ ከማን ብኢደ-ዋኒኖም ኣልዒሎምለይ ኣይፈልጡን’ዮም፤ ፍጹም ኣይጥርጥሮምን’የ፡” መለሰ ኣቶ ዘወልዲ።
“ነታ ዝተባላሸወት ማሽን ዝኸውን ኩቺነተ ምስቲ ገንዘብ ጠቕሊልካዮ ምንባርካ ዓንተወይ ነጊርካኒ ነይርካ። ሓድሽ ቅያር ክትገዝእ እንከሎኻ’ባ ንመርኣዪ እንተይ ተጠቒምካ፧” ሕቶኡ ቀጸለ ሰርጌንቲ።
“ዋእ ሽዑስ ብተብተብ ካብ መኪና ወሪደ ኣብኡ ከሎኹ ዓቐን ነጊረየ ሓቲተ ረኺበ።”
“ስለዚ ብድሕሪኡ ኣይረኣኻያን፧”
“ኣይረኣኹዋን፣ ንሳ እንተ ዝርኢ’ሞ እቲ ገንዘብ’ውን ኣበይ ከም ዝኣተወ ምተፈልጠ መስለኒ…”
“ነቲ መፋትሕ ኣብቲ ጣውላ ክትገድፎ እንከሎኻ፡ ነታ ማሽን መን ከዐርያ ኢኻ ሓቢርካዮም ነቶም ሰራሕተኛታት፧”
“እታ ማሽን ብዙሕ እዋን ስለ እትበላሾ፡ ሓንሳብ ብኸመይ ከም እትዕረ ምስ ኣርኣኹዎም ብሓባር ኰይኖም ተሓጋጊዞም’ዮም ዘዐርዩዋ።”
ሰርጌንቲ ብርሃነ ካብ ኣቶ ዘወልዲ ሓሊፉ፡ ነቶም ሰራሕተኛታት በብሓደ ከዘራርብ ጸሓይ ዓሪባ፡ መስዩ፡ ወጋሕታ ተቓረበ። ኣቶ ዘወልዲ ሰራሕተኛታቱ ሒዙ ናብ ስራሕ ክኸይድ ብምድላዩ፡ ኣብ መጸበዪ ክፍሊ ኮፍ ኢሉ ተጸበየ። ሰርጌንቲ ብርሃነ ክወጽእ ምስ ረኣየ ተቐላጢፉ ደድሕሪኡ ሰዓበ።
“ሰርጌንቲ፡ ወዲኦም ድዮም ዋላ ጌና’ዮም፧” ሓተተ ኣቶ ዘወልዲ።
“ኣለኻ ዲኻ ክሳብ ሕጂ፧” ሰንቢዱ ተዛረበ ሰርጌንቲ ብርሃነ። “ኣብዚ ዘጽንሕ’ኳ ኣይነበረካን። ድሓን ንሶም ኣብዚ ክጸንሑ’ዮም፣ ጌና መርመራና ኣይወዳእናን። ንስኻ ግን ገዛኻ ኪድ።”
ኣቶ ዘወልዲ፡ ሰራሕተኛታቱ ሒዙ ብዘይ ምኻዱ ሕርኽርኽ እናበሎ መኪናኡ ኣልዒሉ ናብ ቤቱ ኣምረሐ። ቅድሚ ናብ መንበሪ ቤቱ ምእታዉ፡ ናብቲ እንዳ ፎርኖ ተኣልዩ ነቲ ክልወስ ተቐሪቡ ዝነበረ ሓርጭ ወጋገኖ። ዓቕሉ ጽብብ ኢሉዎ ናብ ዘብሎ ጠፈኦ፣ ድቃስ’ውን ኣይተረኣዮን። ካብታ መሰንከቲ ክፍሊ ክወጽእ ፍጹም ኣይደልየን።
ምሉእ ምሸት ከይሸነ ምሕዳሩ ዘኪሩ ግን ናብ ዓይኒ-ምድሪ ናይ’ቶም ሰራሕተኛታት ኣተወ። ሽንቲ ደገ ሸይኑ ብልስሉስ ወረቐት ተማሲጕ ኣብታ ኣብ ኩርናዕ መንደቐ ተቐሚጣ ዝነበረት መአከቢ ጓሓፍ ሰንደዎ፣ ኣዒንቱ ግን ነቲ ኣብቲ መአከቢ ጓሓፍ ዝረኣያኦ ክኣምናኦ ኣይከኣላን። ብባህረት ስረኡ እናዓጠቐ ተኲሩ ረኣየ።
ኣቶ ዘወልዲ፡ ነታ ሽዑ ተማሲጕ ዝሰንደዋ ልስልስቲ ወረቐት ብጫፋ ሒዙ ኣውጸኣ። ኣብ ትሕቲኣ ዝነበረት ቅዳድ ጋዜጣ ዋላ’ኳ ቀልቀል ተጸይቓ እንተ ነበረት፡ እታ ገንዘብን ኩቺነተን ጠቕሊሉላ ዝነበረ ኰይና ተሰመዐቶ። ደገ ወጺኡ ተቐላጢፉ ሓንቲ ትርር ዝበለ ቀጣን ዕንጨይቲ ሒዙ ብምምጻእ ነታ ጋዜጣ ስንቅር ኣቢሉ ኣውጸኣ። ተኲሩ ምስ ረኣየ ድማ፡ ኣብ ገጽ’ታ ጋዜጣ ርስሓት ግሮሶ ዝፈጠሮ ክንዲ’ታ ኩቺነተ ዝኸውን ቅርጺ ክቢ ረኣየላ። ተመሊሱ ናብታ መአከቢት ጓሓፍ ብምኻድ በታ ዕንጨይቲ ተጠቒሙ ፈታተሻ። ካብ ታህዋኹ ዝተላዕለ፡ እታ ንእሽቶ መአከቢት ጓሓፍ ክንብል ኢላ ወደቐት። ካብ ውሽጣ ግን ብዘይካ ወረቓቕቲ ዋላ ሓንቲ ኣይወጸን። በታ ዕንጨይቲ ገይሩ ትኽ ከብላ እንከሎ ከኣ፡ ኣብ ኩርናዕ’ቲ መንደቕ እታ ኩቺነተ ጸንሓቶ። ንኽሓስብ ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደን፣ ተጓይዩ ናብ ሰርጌንቲ ብርሃነ ስልኪ ደዊሉ ሓበሮ።
ሰርጌንቲ ብርሃነ፡ ነቲ ዝተረኽበ ሓድሽ መርትዖ ብኣካል ከይዱ ኣረጋጊጹ ተመልሰ። ንዕኡ መበገሲ ብምግባር፡ ከይደቀሰ ንዝሓደረሉ ጉዳይ መዕለቢ ክገብር ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኰይኑ ኣዕሚቝ ሓሰበ። መሬት ወገግ ክብል እንከሎ፡ ሃንደበት ካብ ኮፍ ዝበሎ ብድድ በለ፣ እቲ ብዕግግ ኢሉ ዝጸንሐ ገጹ ፍስሃ ዓሲሉዎ ፈገግ ኢሉ ካብ ቤት ጽሕፈቱ ወጺኡ ነቲ ሓለዋ ዝነበረ ፖሊስ ጸወዖ። ነቶም ንኸባቢ ዓሰርተ ክልተ ሰዓታት ዝተቐየዱ ሰራሕተኛታት ኣቶ ዘወልዲ ናብኡ ንኸመጽኣሉ ሓበሮ።
ኣርባዕተኦም ጥርጡራት ተሰሪዖም ናብ ቤት ጽሕፈት ሰርጌንቲ ብርሃነ ኣተዉ።
“በሉ ቅድሚ ናብ ገዛኹም ምስዳድና፡ ክትሸኑ ክሰደኩም’የ’ሞ፡ ሽዑ ወረቐትኩም ሂበ ከፋንወኩም’የ፡” በሎም ሰርጌንቲ። “ሽንቲ ደገ ትሸኑ መነ-መን ኣሎኹም፧”
እቶም ሰለስተ፡ “ኣነ ኣሎኹ” ክብሉ እንከለዉ፡ ሓደ ግን ሽንቲ ማይ ጥራይ ከም ዝሸይን ሓበረ። ሰርጌንቲ ብርሃነ ሓለዋ ጸዊዑ ነቶም ሰለስተ ከሽኖም ሓበሮ። ነቲ ራብዓይ ድማ ኮፍ ኣበሎ።
“እታ ትማሊ ዝተማሰጕካላ ጋዜጣ ረኺብናያ ኣሎና፡” ኢሉ ሰርጌንቲ ብርሃነ ምስ ጀመረ፡ ኣዒንቲ እቲ ክሱስ ቀባሕ ኢለን ምስ’ተን ኣፍጢጠን ዝጥምታኦ ዝነበራ ኣዒንቲ’ቲ ሰርጌንቲ ተጋጨዋ። “እቲ ገንዘብ ኣበይ ኣቐሚጥካዮ፧”
“ናይ ምንታይ ጋዜጣ ትዛረብ ከም ዘሎኻ ኣይተረድኣንን፡ ምሽ ሕጂ ሕጂ ወዲእኩም ኢኹም ገዛኹም ክሰደኩም’የ ክትብለና ጸኒሕካ፡” መለሰ እቲ ክሱስ ድምጹ እናተቘራረጸ።
“እታ ትማሊ ገንዘብ ተጠቕሊሉላ ዝነበረት ጋዜጣ፡ ንስኻ ኢኻ ተማሲጕካላ።”
“ኣበይ ኰይነ’የ ዝማሰጐላ፧ ብቀ..ልቀል መ..ርመራ ዲኹም ኣረጋጊጽኩም፧” ኣሽካዕላል ዝሓሰቦ ዘረባ ሕርቃን ተሓዊሱዎ ወጸ።
“ሸንኰለል ኣይትበል ብእዋኑ እቲ ገንዘብ ኣበይ ከም ዘቐመጥካዮ ተዛረብ።”
“ክንደይ ግዜ ድየ ክነግረካ፡ ገንዘብ ዝበሃል ኣይረኣኹን!” ከእምን ጸዓረ።
ሰርጌንቲ ብርሃነ፡ ነታ ተቓሪባ ዝነበረት ጉዳይ ወዲኡ ክድቅስ ተሃንጠየ። ወትሩ ጉዳይ ክመጽኦ እንከሎ በየን ከም ዝጅመር’ኳ ዝጽገም እንተዀነ፡ ሓንሳብ ምስ ጀመሮ ግን ከም ገማግም ሮባ ንውሕጅ ባዕሉ’ዩ እቲ ጉዳይ ዝቕልሶ። መደምደምታ ዝበጽሓሉ እዋን’ውን የሀንጥዮ’ኳ እንተዀነ ከም ዘይድንጒ ይረኣዮ እዩ። ሕጂ ድማ፡ ዝርርብ ይኣክል ኢሉ ብምእማኑ፡ ንኣርባዕተኦም ጥርጡራት ብቕልጡፍ መርመራ ኣሰር ኣጻብዕ ከም ዝግበረሎም ገበረ። ምስቲ ኣብታ ኩቺነተ ዝተረኽበ ኣሰር ኣጻብዕ ብምንጽጻር፡ እቲ ሽንቲ ማይ ጥራይ ክሸይን ዝደለየን ሰርጌንቲ ብርሃነ ድማ ከም ቀንዲ ጥርጡር ዝረኣዮን ሰራቒ ምዃኑ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ-ሽዱሽተ ሰዓታት ተረጋገጸ።
እቲ ጥርጡር፡ ነቲ ገንዘብ ምስ ረኸበ ብምስድዑ ከም ዝሰረቐን ገበነኛ ምዃኑ ብምእማን ከም እንደገና ቃሉ ሃበ። እቲ ገንዘብ፡ ኣብቲ ዓይኒ-ምድሪ ልዕል ኢሉ ኣብ ዝርከብ መዕቈሪ ማይ ላስቲክ ተጠቕሊሉ ዋላ ሓንቲ ናቕፋ ከይጐደሎ ኣቐሚጡዎ ድማ ጸነሐ።
13 ጥሪ፡ 2011

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top