ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

መጽሓፍ “ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት” ብመጕልሒ መነጽር


ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት፤ ብምሉእብርሃን በርሀ ሓጎስ፤ ኣስመራ። ኤርትራ፥ ቤት ማሕተም ኣማን። 2009፤ ገጻት። VII+296፣
ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ
ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት እትብል መጽሓፍ ብምሉእብርሃን በርሀ ሓጎስ ኣብ ሚያዝያ 2009 ንዕዳጋ ተዘርጊሓ፣ ጸሓፊ እዛ መጽሓፍ ምሁር ሕጊ ምዃኑ ዝፍለጥ ኰይኑ። ነቲ ብዙሕ ሰብ ብቃል ጥራይ ክዝረበሎም ዝሰምዖ ትሕዝቶታት ሕግታት እንዳ’ባ ነዊሕ ግዜ ብምውሳድ መጽናዕቲ ኣካይዱሎም ይርከብ፣
ጸሓፊ። ነታ መጽሓፍ ንኣርባዕተ ዕላማታት ከም ዘዳለዋ ኣብ መእተዊ ይሕብር፣ ንሳቶም ድማ፥
1. ሕግታት እንዳ’ባን ዘመናዊ ሕግን ብምንጽጻር ብልጫኦምን ድኻሞምን ኣብ ጕዳይ ጾታዊ ማዕርነት ንምምርማር፤
2. ሕግታት እንዳ’ባ ኣብ ነንሕድሕዶምን ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊታትን ብምውድዳር ኣመለኻኽታ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣብ ክልተኡ ጾታታት ንምትንታን፤
3. ንጾታዊ ማዕርነት ብዝምልከት ዝወጽእ ሕጊታት ከም መወከሲት ንከተገልግልን
4. ንህዝቢ ኣምራትን መትከላትን ሕጊ ንምምሃርን ኣብ ዘጋጥም ግርጭታት መፍትሒ ዝኸውን ሓሳባት ንምልጋስን ከም መወከሲት ኰይና ከተገልግልን እዮም፣
ጸሓፊ። ነዛ መጽሓፍ ንምድላው ልዕሊ ሸውዓተ ዓመታት ወሲዳትሉ፣ እዚ ዝዀነሉ ድማ ብዙሓት ብድሆታት ከም ዘጋጠሙዎ ብዝርዝር ኣብሪሁ ይርከብ፣ እቶም ብድሆታት ድማ፥ ሓደ። ብዝሒ ቍጽሪ ሕጊታት እንዳ’ባ ማለት ድብቱራትን ዘይድብቱራትን 21 ምዃኖም፤ ክልተ። ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተጻሕፉ ብምዃኖም። ንምትርጓሞም ነዊሕ ግዜ ብምውሳዱ፤ ሳልሳይ። ኣሰራርዓ ዓንቀጻት ሕጊታት እንዳ’ባ ንተጠቃሚ ኣሸገርቲ ብምንባሮም። ኢንደክስ ተጠቒሙ ብኮምፒዩተር ንስራሑ ዘድልዮዎ ዓንቀጻት ንምንፋይ፤ ራብዓይ። እቲ ዝተኻየደ ምንጽጻራት ድርብ ብምንባሩ፥ ሓደ እቶም ሕጊታት እንዳ’ባ ነንሓድሕዶምን ምስ ዘመናዊ ሕጊን ንምንጽጻር ኣህላኽን ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ምንባሩ፤ ሓሙሻይ። ነተን ዘይተሰነዳ ሕጊታት። ምስ ብዙሓት ኣፍልጦ ዘለዎም ሰባት ቃለ-መሕትት ብምክያድ። ነቲ ዝተመልአ ካሴት ቃል ብቃሉ ናብ ጽሑፍ ምልዋጥ ነዊሕ ግዜ ዝሓትት ምንባሩ፤ ሻድሻይ። እቶም ተሰኒዶም ዝተረኽቡ ሕግታት ቅድሚ ነዊሕ እዋን ዝተጻሕፉ ብምዃኖም። ንዝተገብሩሎም ለውጢታት ንምርግጋጽ ኣህላኺ ምንባሩን እዮም፣
ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ብምውሳድ። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ከዳሉ ብምብቃዑ። ተወፋይነት ጸሓፊ ኣብ ስርሑ የርኢ፣ እቲ ዝዓበየ ኣገዳስነት እዛ መጽሓፍ። ነቶም ፋሕ-ፋሕ ኢሎም ንኽትረኽቦም ኣሸገርቲን ገለ’ውን ብሰንኪ ናይ ቋንቋ ሕጽረት ንምርዳኦም ዘይከኣሉ ዝነበሩ ሕግታት እንዳ’ባ ኤርትራ። ከለ ክፋላት ካብ ዓንቀጻቶም ኣጣሚራ ብምህላዎ እዩ፣ በዚ መዳይ እዚ። ነቲ ጸሓፊ ከም መወከሲት ከተገልግል ኢሉ ዝሓሰቦ ዕላማ ዝወቕዐት ኰይኑ ይስመዓኒ፣
ጸሓፊ። ከም ቀንዲ ትሕዝቶ መጽሓፍ ገሊጽዎም ዝርከብ ሽድሽተ ክፋላት እዮም፣ ቀዳማይ። ብዛዕባ ሕጊ ሰብነት፤ ካልኣይ። ብዛዕባ ሕጊ ስድራ-ቤት፤ ሳልሳይ። ብዛዕባ ሕጊ ውርሻ፤ ራብዓይ። ብዛዕባ ሕጊ ንብረት፤ ሓምሻይ። ብዛዕባ ሕጊ ውዕል፤ ከምኡውን ሻድሻይ። ብዛዕባ ዘይውዕላዊ ግዴታን ገበንን እዮም፣
መጽሓፍ ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት። ካብ ኣርእስታ ጀሚራ ንጕዳይ ጾታዊ ማዕርነት እትምልከት ምዃና ኣይንስሕቶን፣ ከም ቀዳማይ ዕላማኣ’ውን ኣስፊራቶ ትርከብ፣ ኣብ ኣርእስቲ ግን ንጹር ዘይኰነ ኣጠቓቕማ መስተጻምር ብምህላ። ትርጕም ኣርእስቲ’ታ መጽሓፍ ንምርዳእ ጸገም ይፈጥር፣ እዛ መጽሓፍ’ዚኣ ንሕግታት እንዳ’ባ ኣብ ጕዳያት ጾታዊ ማዕርነት ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ድያ ክትምርምር ደልያ? ዋላስ። ንሕግታት እንዳ’ባ ምስ ዘመናዊ ሕጊ ብምንጽጻር ንጾታዊ ማዕርነት ንከገልግሉ’ያ ትድግፎም ዘላ? እቲ ኣብ ኣርእስቲ ኣትዩ ዝርከብ ‘ን’ ዝብል መስተጻምር ብ “ኣብ ጕዳይ” ወይ “ብዛዕባ” ምስ ዝትካእ ዝህሉ ለውጢ ትርጕም ነቲ ፈጢሩዎ ዝርከብ ጸገም የጕልሖ፣
ኣርእስቲ መጽሓፍ ከም ዘለዎ እንተ ወሲድናዮ ግን። ጸሓፊ። ሕግታት እንዳ’ባ ንጾታዊ ማዕርነት ንከገልግሉ ይእምሞም ምህላተስምዕ፤ ብተወሳኺ። ዋላ’ኳ ጸሓፊ ከምኡ ዓይነት እማመ ብግልጺ እንተ ዘየስፈረ። ቀሪቦም ዘለመደምደምታታት ከምኡ ይእምቱ፣
ኣብ መወዳእታ መጽሓፍ ቀሪቡ ዝርከብ ብሰንጠረዥ ዝተሰነየ መደምደምታ ንጽጽር ዘመናዊ ሕጊን ሕግታት እንዳ’ባን። ኣብ 62 ንጾታዊ ማዕርነት ዝትንክፉ ጕዳያት የተኵር፣ ብመሰረት ዝተገብረ ንጽጽር። ጸሓፊ ‘ድኽመት’ ዶ ‘ብልጫ’ ንዝብል ሕቶ መደምደምታኡ ሂቡ ይርከብ፣ ካብ’ዞም 62 ጕዳያት። ዘመናዊ ሕጊ ኣብ 25.8% ጥራይ ብልጫ ክህልዎ እንከሎ። ሕግታት እንዳ’ባ ግን 66% ብልጫ ኣለዎም፣ ከምዚ ዓይነት ጋግ ኣብ መንጎ ምስ ትዕዘብ። እቲ መደመደምታ ንሕጊታት እንዳ’ባ ኣብዚ ዘሎናዮ ዘመን ንክንጥቀመሎም ባርኾቱ ይህብ ኣሎ ክበሃል ይከኣል፣
ነዚ ትዕዝብቲ ዘራጕድ። እዛ መጽሓፍ ስለ ምንታይ ንጕዳይ ጾታዊ ማዕርነት ክትምርምር ከም እተገደደት ንምግላጽ። ጸሓፊ እዚ ዝስዕብ ምኽንያት ኣስፊሩ ይርከብ፥ “…ቐንዲ ምኽንያት። ሕግታት እንዳ’ባ። “ንመሰል ደቀንስትዮ ዝጻረር ዓንቀጻትን ትሕዝቶን ኣለዎ።” ዝብል መረዳእታ ብገለ ሸነኻት ስለ ዝስማዕ’ዩ፣” ካብዚ እንርዳኦ። ዋላ’ኳ ገለ ሰባት ሕጊታት እንዳ’ባ ንመሰል ደቀንስትዮ ዝጻረሩ’ዮም ዝብል መረዳእታ እንተ ሃለወ። ከምኡ ዘይምዃኖም’ዩ ዘነጽር፣ ከምኡውን። ብፕሮፌ. ኣስመሮም ለገሰ እተጻሕፈ መቕድም እዛ መጽሓፍ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ “[ኣብ’ዛ መጽሓፍ ዝተገብረ] መጽናዕቲ ከም ዘነጽሮ “ሕግታት እንዳ’ባ ኤርትራ። ንመሰል ደቀንስትዮ ዘይውክልን ዝጸቅጥን’ዩ።” ዝብል ኣተሓሳስባ። መሰረት ከም ዘይብሉ ከተነጽር ክኢላ’ላ፣” ስለዚ። ብዛዕባ ጕዳይ ደቀንስትዮ ምዃን ዘማትእ ስለ ዘይብላ። ብኣኡ ዓይኒ ምጥማታ ኣገዳሲ ኰይኑ ንረኽቦ፣
ጾታዊ ማዕርነት እንታይ’ዩ?
ጸሓፊ። ኣብ መእተዊ መጽሓፉ ከምዚ ይብል፥ “ሕጊ። ሓደ ካብ’ቶም ቀንዲ መሳርሒታት ንማሕበራዊ ለውጢ ስለ ዝኾነ። እዛ መጽሓፍ’ዚኣ። ሕግታት እንዳ’ባን ዘመናዊ ሕግታትን ንምርግጋጽ ጾታዊ ማዕርነት ዘለዎም ብልጫታትን ድኽመታትን ከተነጽር’ያ፣” እንተዀነ። ጾታዊ ማዕርነት ዝብል ሓረግ ኣብ ክንዲ ጀንደር ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ቃል ኣብ መጽሓፉ ምጥቃሙን ሰፊሕ ዓውዲ ምዃኑ ምሕባሩን እንተ ዘይኰይኑ። ነቲ ኣምር’ቲ መግለጺ (ደፍኒሽን) ኣየቕረበሉን፣ ጾታዊ ማዕርነት እንታይ ምዃኑ ከይሓበረና ናብ ምንጽጻር ትሕዝቶ ሕጊታት ምእታ። ነቲ ዘካየዶ መጽናዕቲ ዕምቈት ከይነከየሉ ኣይተረፈን፣
ኣብ ጕዳይ ጾታዊ ዘይምዕሩይነት። ጾታዊ ማዕርነት ዝብል ኣምር ድሕሪ ምፍጣር ማዕረ ዕድላት ንክልተኦም ጾታታት ይስዕብ፣ ብዙሓት ኣብ ጕዳይ ጾታ ዝጽሕፉ ወገናት ዝሰማምዑሉ ነጥቢ። ማዕረ ዕድል ንጾታታት (gender equity) ዝብል ኣምር። ምዕሩይ ዕድላት ንክልተኦም ጾታታት ኣብ ኵሎም መዳያት ሕብረተ-ሰብ ባህላዊ። ማሕበራዊ። ቍጠባዊ። ትምህርታዊ። ሲቪላዊ። ፖሊቲካዊ… ምፍጣራ ማለት እዩ፤ ማዕረ ተሳታፍነት ክልተኦም ጾታት ኣብ’ዚኦም መዳያት ምስ ዝህሉ ድማ። ጾታዊ ማዕርነት ክረጋገጽ ተኽእሎ ኣሎ ንብል፣
ስለዚ ጾታዊ ማዕርነት ማለት። ነቲ ዝተፈጥረ ማዕረ ዕድላት ተጠቒምካ ምዕሩይ ተሳታፍነት ክልተኦም ጾታት ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ህይወት ሓደ ሕብረተ-ሰብ ከም ዝህሉ ምርግጋጽ’ዩ ክበሃል ይከኣል፣
ርእይቶታት ኣብ ትንተናታት መጽሓፍ
በዚ ዝተጠቕሰ መግለጺ ጾታዊ ማዕርነት። ኣብዛ መጽሓፍ ቀሪቦም ዝርከቡ ትንተናታት ምስ እንምርምር። ከምቲ ዝድለ ዕምቈት ኣለዎም ክበሃል ኣይከኣልን፣ ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ። ነቶም ጕሉሓት ጕድለታት’ታ መጽሓፍ ኣብ’ቶም ቀንዲ ንደቀንስትዮ ዝምልከቱ ኣርእስታት ብምትኳር ምስ እንርእዮም ዝሓሸ ኰይኑ ይስመዓኒ፣
ትርጕም ሰብ
ንሕጊ ሰብነትን ጾታዊ ማዕርነትን ዝምልከት ኣርእስቲ። ብተዛማዲ ዝሓሸ ትንተናታት ዝርከቦ ክፋል እዩ፣ ንኣብነት ንትርጕም ሰብን ረብሓ ዝተጠንሰ ቈልዓን ዝምልከቱ ንኡሳን ኣርእስታት። ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊን ሕጊታት እንዳ’ባን ንጹር መብርሂ ንረክብ፣ ሰብ መዓስ ይፍጠር ዝብል ሕቶ። ዋላ’ውን ኣብዚ ዘሎናዮ እዋን ኣዝዩ ኣካታዒ ኣርእስቲ እዩ፣ እዚ ሕቶ’ዚ። ብተዘዋዋሪ ንምንጻል ጥንሲን ኣብ ነፍሰ-ጾር ኣደ ንዝስዕብ ማህሰይቲን ዘለዎ ግደ ብቀሊል ዝረአ ኣይኰነን፣
ትንተና ጸሓፊ ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት። ሕጊታት እንዳ’ባ ኣደ ድቂ ካብ እትሕዘሉ ግዜ ጀሚራ። ህይወት ዘለዎ ፍጡር ተሰኪማ ምህላዋ ብተዘዋዋሪ መገዲ ከም ዝሕብራ የብርህ፤ ብኣንጻሩ ዘመናዊ ሕጊ። ንድቂ ከም ፍጡር ከም ዘይቈጽሮን ዕሸል ተወሊዱ 48 ሰዓታት ከይመልአ ምስ ዝመውት ዝዀነ መሰላትን ግቡኣትን ዘይምልከቶ ምዃኑን ይሕብር፣ ብልጫ ሕጊታት እንዳ’ባን ድኽመታት ዘመናዊ ሕጊን ኣነጺሩ የርእየና፣
ምጥፋእ ሃለዋት
ኣብ ምጥፋእ ሃለዋት ሰብን ሳዕቤኑን ዝምልከት ንኡስ ኣርእስቲ’ውን። ኣብ ልዕሊ መጻምድቲ ዘስዕቦ ጸቕጢ ንረክብ፣ እንተዀነ ጸሓፊ። ሳዕቤናት ምጥፋእ ሰብ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ኣስፊሩ ክነሱ። ንጕዳይ ደቀንስትዮ ትርጕም ዝህብ ሳዕቤናት ኣየቕረበን፣ ብኣንጻሩ። ኣብ ትርጕም ሃለዋት ሰብ ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ከምዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ንረክብ፣ “ተጻማዲ ወይ ተጻማዲት ደሃይ ብምጥፍኡ ሓዳር ኣብ ሰንፈላል ይወድቕ፣ ህሉው ተጻማዲ ናይ ቈልዓን ንብረትን ምእላይ ጾር ይስከም፣” ብምቕጻል። መብዛሕትኡ እዋን ሰብኣይ ብዝተፈላልዩ ምኽንያታት ካብ ቤቱ ምስ ወጸ ምጥፋእ ሃለዋት ከም ዘጋጥም ይሕብር፣
ብሰንኪ ከምኡ ዓይነት ኵነታት ድማ። ደቀንስትዮ ዝስከማኦ ሽግራት ግልጺ ብዘይኰነ ሓሳባት ሰፊሩ ንረኽቦ፥ “ብሰሪ ደሃይ በዓል ቤተን ምጥፍኡ። ደቀንስትዮ ኣብ ከቢድ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ይሽመማ፣ ኣብ ጊዜ ሽግር። ንብረትካ ክትሸይጥ ወይ ክትልውጥ ትግደድ ኢኻ፣ ኣብ ጊዜ ሓዳር ዝተጠርየ ናይ ሓባር ንብረት ብዘይ ስምምዕ ተጻማዲ ክሽየጥ ወይ ክልወጥ ሕጊ ኣየፍቅድን እዩ፣”
ኣብዚ። ‘ከቢድ ቍጠባውን ማሕበራውን ጸገማት’ ጥራይ ኢልካ ምሕላፉ። ንጹር ስእሊ’ቲ ጸገም ኣየርእየናን፣ ንኣካላዊ። ስነ-ኣእምሮእዊን ስምዒታዊን ድሌታት ግምት ኣይህብን፣ ከምኡ’ውን ምቅሊተን ሒዘን ክፍተሓ ምኽኣለን ከም ብልጫ ሕጊታት እንዳ’ባ ተቘጺሩ ንረኽቦ፣ እንተዀነ። ኣብ’ተን ብሕጊ ሸሪዓ ዝምረሓ ብሄራት። ምቅሊት ደቀንስትዮ ካብቲ ሓዳር ክምስርታ እንከለዋ ሒዘናኦ ዝመጻ ገዝሚ ኣይበዝሕን’ዩ፤ ዋንነት ዝተረፈ ንብረት ድማ ንሰብኣይ ይምልከት፣ ስለዚ። ኣብ ሓደር ዝተጠርየ ንብረት’ውን እንተዀነ ብማዕዶ ርእየናኦ ክኸዳ’የን ዝግደዳ፣
ኣብ ብዙሓት ካብ’ተን ሕጊታት እንዳ’ባ። ደቀንስትዮ ንመጻምድተን ንብዙሓት ዓመታት ክጽበያኦም ይግደዳ ምንባረን ግሉጽ’ዩ፤ ዋላ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ገደብ ግዜ እንተ ጐደለ። ዳግማይ ናይ ምምርዓው ዕድለን ጸቢብ ምዃኑ ኣብ ግመት ኣእቲኻ። እቲ ድኽመት ናይ’ዘን ሕጊታት ኣብ ልዕሊ ብልጫአን ጐሊሑ ይረአ፣
ብተወሳኺ። ኣብ ዘይስኑድ ሕጊ ሕዳርብ። መጻምድቲ ሃለዋት ምስ ዘጥፍእ። ኣደን ደቃን ካብቲ ዋሕስ ዝዓቀቦ ንብረቶም እናተቐበሉ ናብራኦም ንኽመርሑ ዝእዝዝ ሕጊ ብምዃኑ። ንብቕዓት ደቀንስትዮ ኣብ ምምሕዳር ሓዳር ትሑት ግምት ዝህብ’ዩ ክበሃል ይከኣል፣ ንሲቪላዊ መሰል ደቀንስትዮ ኣብ ግምት ዘየእቱ ብምዃኑ። እቲ ንክልተኦም ጾታታት ምዕሩይ ዕድላት ምፍጣር (gender equity) እንብሎ ኣምር ምግሃሱ የመልክት፣
መሰል ሞግዚትነት
መሰል ሞግዚትነት ኣብ ግዜ ፍትሕን ሞት ወለድን ብዝምልከቱ ንኡሳን ኣርእስታት። ትንተና ጸሓፊ። ካብ’ቲ ዘመናዊ ሕጊን ሕጊታት እንዳ’ባን ብመንጽር ጾታዊ ማዕርነት ዝብል ርእሰ-ጕዳዩ ዝዘንበዐ ይመስል፣ ኣተዓዳድላ መሰል ሞግዚትነት። ንረብሓ ቈልዓን ኣቦን ምዃኑ’ዩ ዘመልክት፣ ኣብ ዝተፈላልዩ ሕጊታት እንዳ’ባ። ዕድመ ቈልዓ ትሕቲ ሰለስተ። ሓሙሽተ። ሸውዓተ። ትሽዓተ ዓመት ወይ ክሳብ ዕድመ ግርዝውና። መሰል ሞግዚትነት ንኣደኦም ይወሃብ፣ ዋላ’ኳ። ቈልዑ ረብሓ ክረኽቡ እንተኸኣሉ። ኣደ ካልኣይ ንኽትምርዖ ዘሎዋ ዕድል ኣብ ርእሲ ምጽባቡ። ጾር ምዕባይ ቈልዑ’ውን ናብኣ ይዛዙ፣
ኣብ ገለ ካብ ሕጊታት እንዳ’ባ’ውን። መሰል ሞግዚትነት ዝዓበየት ጓለንስተይቲ ውላድ ንኣቦ ክወሃብ እንከሎ። ናይ ትሕቲኣ ዘሎ ወዲ ተብዓታይ ውላድ ድማ ንኣደ ይወሃባ፣ ጸሓፊ ምኽንያት ናይዚ ክሕብር እንከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ “እዚ ዝኾነሉ ቐንዲ ምኽንያት። በዅሪ ወይ ዝዓበየት ጓል ንኣቡኣ ኣብ ምግብናን ዘቤታዊ ስራሓትን ንኽትሕግዞ። በዅሪ ወይ ዝዓበየ ወዲ ድማ ንኣዲኡ ኣብ ሕርሻን ካልእ ጕልበታዊ ስራሓት ንኽተሓጋገዛ እዩ፣” እዚ። ንጓለንስተይቲ ኣባታዊ ዝዀነ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ዘዳለዎላ ቦታ — ኣብ ምግብናን ዘቤታዊ ዕዮን — ህይወታ ንኽትመርሕ ካብ ብንእሽቶኣ ምምልማል’ዩ ክበሃል ይከኣል፣ እቲ ንኣደ ብወዳ ክሰላሰለላ ዝድለ ስራሓት ድማ። ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ከተዕምሞም ስለ እትኽእል። ብግብሪ’ውን ስለ ዝረኣይ። እቲ ዝተጠቕሰ ኣተዓዳድላ መሰል ሞግዚትነት ኣድልዎኡ ብቅሉዑ ይረአ፣
ብተወሳኺ። “…ኣብ መንጎ ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰበይቲ ኣቦን ቈልዑትን ስምምዕ ምስ ዝሰኣን። ዝበጽሐ ወይ ዝዓበየ ሓዎም ዝበዝሕ ግዜ ልዕሊ 15 ወይ ዝተመርዓወ ምስ ዝህሉ ንብረት ናይ ዝሞተ ኣቦ ወይ ኣደ ተረኪቡ ናይ ሞግዚትነት ሓላፍነት ይስከም፣” ዝብል መግለጺ ንረክብ፣ ካብዚ ዘይፍለዩ። ካልኦት ኣማራጺታት’ውን እንተ ተጠቕሱ። እቲ መሰል ሞግዚትነት ንደቂ ተባዕትዮ — ማለት ሓወቦ። ኣኮን ኣቦሓጎን — ይወሃቦም፣ እዚ’ውን ደቀንስትዮ ብቕዓተን ንኸርእያ ዕድል ኣብ ርእሲ ዘይምኽፋቱ። እቲ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ልዕሊ ብቕዓተን እምነት ዘየሕድር ምንባሩ የነጽረልና፣
ሕጸ
ኣብቲ ንሕጸን ኣገባባቱን ዝምልከት ንኡስ ኣርእስቲ። ጸሓፊ። እዚ ዝስዕብ መደምደምታ ይህብ፥ “…ንሕቶ ጾታዊ ማዕርነት ብዝምልከት። መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ። ዕድመ ተሓጸይቲ ብመትከል ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ክኸውን ከምኡ ድማ ኣብ ድልየት ተሓጸይቲ ክምስረት ምሕጋጉ ሰጓሚ እዩ፣ እንተ ኾነ። …ሕጸ ኣብ ወለንታን ድልየትን ተሓጸይቲ ዝግበርን ዘይግበርን ዝከታተላን ዘተግብራን ትካላት ስለ ዘየለዋ ዛጊት ብሕግታት እንዳ’ባ እዩ ዝግዛእ ዘሎ፣” ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል፥ “…ኣብዚ እዋን’ዚ ተራ ተሓጸይቲ ወሳኒ እናኾነ ይመጽእ ኣሎ፣ ተሓጸይቲ ድልየቶምን ወለንታኦምን ከይተረጋገጸን ከይተረኣኣዩን ምፍጻም ዳርጋ እናተረፈ ይኸይድ ኣሎ፣ ስለ’ዚ። ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ክርኣያ ኸለዋ ክውንነታውያንን ሰጐምትን ዓንቀጻት ኣስፊረን ኣለዋ፣”
እዚኦም ክልተ ተገራጨውቲ መደምደምታታት ዝተፈላለዩ ሕቶታት የልዕሉ፣ ጽሓፊ። ኣብ ሕጊታት እንዳ’ባ። ሕጸ ብድልየትን ወለንታን ተሓጸይቲ ይፍጸም ምህላ ብኸመይ ኣረጋጊጹ? ነቲ ቈልዑ ከይተወልዱ እንከለዉ። ዝፍጸም ዝነበረ ኣገባባት ሕጸ’ኸ ምስ ምንታይ’ዩ ክቘጽሮ? ሕጊታት እንዳ’ባ እቲ ዝለዓለ ዕድመ ሕጸ ጓለንስተይቲ 15 ምዃኑ። ብኸመይ ሰጐምቲ የብለን? ተሓጸይቲ ብፍላይ ደቀንስትዮ ድሌቶም ንሕጸ ይሕተቱ ምዃኖም’ኳ እንተ ገለጸ። እቲ ዕድመ ኣብ ግመት ምስ ዝኣቱ። ንኸምኡ ዓይነት ናይ ህይወት ውሳኔ ንክውስኑ። እኹል ብስለት ኣለዎም’ዶ? ብፍላይ ደቀንስትዩ። ክሳብ ደቂ 12 ዓመት ከለዋ ይሕጸያ ብምንባረን። ኣብዚ ዕሸል ዕድመ’ዚ ከምኡ ዓይነት ውሳኔ ንኽወስዳ ብቕዓት ኣሎወን ክበሃል ይከኣል’ዶ? ካልኦት ብዙሓት ሕቶታት’ውን ክስዕቡ ይኽእሉ፣
ገዝሚ
ጸሓፊ መጽሓፍ ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት። ንገዝሚ ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ ተወሳኺ ተገራጫዊ ሓሳባት የቕርብ፣ “ኣብ ሕግታት እንዳ’ባ ብሄረ ትግርኛ። ኣመንቲ ክርስትና… ኣቦ ጓል ከግዝም ዝግደደሉ ቀንዲ ምኽንያት ምስ ዋንነት ውርስን መሬትን ዝተሓሓዝ እዩ[።]” ይብል፤ ስለ ምንታይ ጓለንስተይቲ መሬት ዘይትወርስ ኢሉ ግን ኣይሓትትን፣
ቀጺሉ ድማ፥ “ገዝሚ ምስ መሰል ውርሲ መሬት ዝተተሓሓዘ ካብ ኮነ ስለምንታይ ኣብ ከተማታት ይቕጽል ኣሎ ዝብል ሕቶ ክለዓል ግድነት’ዩ፣ ኣብ ከተማታት። መሬት ጤሳ ንጓለንስተይቲ ኣብ ዓዲ ሰብኣያ እዩ ክፍቀድ ጸኒሑ፣ ስለ’ዚ ኣምሳያ ናይ ክወሃባ ዝግብኦ መሬት ጤሳ ኣብ ዓዲ ኣቡኣ እዩ ገዝሚ ክወሃብ ዝጸንሐ[።]” ኢሉ ክነሱ። ስለ ምንታይ ኣብ መበቆላዊ ዓዳ መሬት ጤሳ ክትወስድ ዘይተፈቕደላ ኢሉ’ውን ኣይሓትትን፣
ነዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ነጥብታት ብምዝንጋዕ። ጸሓፊ ነዚ ዝስዕብ ግምታዊ መደምደምታ’ውን ይስንዝር፥ “መሰጋገሪ ሲቪላዊ ሕጊ ገዝሚ ክልኩል ክብል ዘገደዶ ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ኣቦ ጓል ዘየድሊ ቝጠባዊ ተጽዕኖ ሃስያን ንኸይስዕብ ካብ ዝብል ሓልዮት ኽኸውን ኣለዎ፣” ብተወሳኺ፥ “ብዓይኒ ዝተጠቕሳ ምኽንያታትን ድሕረ ባይታን ገዝሚ ተራእዩ። ኣድልዎ ኣንጻር ጓለንስተይቲ እዩ ኢልካ ምድምዳም ኣሸጋሪ ይኸውን፣ ኣብ ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና ብሕጊ ሸሪዓ ዝቕየዱ እሞ ገዝሚ ምሃብን ምቕባልን ክድገፍ ዝግብኦ መሰል’ምበር ኣድልዎ ኣንጻር ደቀንስትዮ ዘለዎ ሕጊ ኣይኮነን[።]” ዝብል ዘሕንኽ ጕሉሕ ርእይቶ ንረክብ፣ ጓለስንተይቲ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋታ ክትወርስ እንተ ዝፍቀደላ። ናይ ገዝሚ ኣድላይነት ክተርፍ ምኸኣለ’ዶ ዝብል ሕቶ ግን የሎን፣ ኣቦ ጓል ከይውጻዕ ዝብል እርእስቲ ክለዓል እንከሎ። ጓለንስተይቲ ከይትውጻዕ’ከ ኣይበሃልን ድዩ? እቲ ከም ውርሻ’ዩ ዝበሃል ዘሎ ገዝሚ። ኣብ ገለ ሕጊታት እንዳ’ባ ዕሽር (ሓደ ዕስሪት) ናይ’ቲ ጠቕላላ ብመልክዕ ስልማት ተዋሂባ ውልቃዊ ንብረት ይኸውን፣ ከምኡውን። ኣብ ገሊአን። ፍርቂ ካብ’ቲ ገዝሚ። ኣቦ ወዲ ይወስዶ፣ ስለዚ። ጓለንስተይቲ ድኣ እንታይ’ያ ትወርስ? ምስ’ቲ “ሰብነት” ኣብ ዝብል ትንተና ዝቐረበ መሰል ናይ ሰብ’ከ ኣይገራጮን’ዶ? ጓለንስተይቲ ምልእቲ ሰብ ዲያ? ሰብ እንተ ኰይና ድኣ’ሞ መሰላ’ኸ ተሓልዩላ’ዶ?
ኣብ ጕዳይ ገዝሚ። ጸሓፊ ሸለል ኢሉዎ ዝሓለፈ ነገር ከነስተብህለሉ ይግባእ፣ ብሰንኪ ምብዛሕን ምውሓድን ገዝሚ። ወይ’ውን ብሰንኪ ስእነት። ደቀንስትዮ ዝገጥመን ጸገማት ኣብ ሓዳር ከምኡውን ከይተመርዓኻ ምትራፍ ኣሎ፣ ወርቁ ዘርኣይ። ንክፍሊ ምምሕዳር ብ1986 ዘዳለዎ ግን ዘይተሓትመ ጽሑፍ ብምጥቃስ ኣብ Economic and Political Weekly ዝብል መጽሔት ብጥቅምቲ 29። 1994 ዘስፈረቶ ዓንቀጽ። ብንጹር ኣብሪሃቶ ትርከብ፣ ብዙሕ ዝተገዝመት ጓለንስተይቲ። ብሰብኣያን ስድራኡን ልዑል ክብሪ ክትረክብ እንከላ። ውሑድ ዝተገዝመት ግን። ሰብኣያን ስድራኡን ይንዕቁዋን ብዙሕ እዋን’ውን እቲ ዝምስረት ሓዳር ብፍትሕ ዝድምደም ምዃኑ ትሕብር፣ ካብ ዘይርኹባት ስድራ ዝውለዳ ደቀንስትዮ ድማ። ከይተመርዓዋ ግዜ ይሓልፈን፤ ኣብ ርእሲኡ። ብስድራአን ከም ሰኸም ስለ ዝቝጸራ። ንከተማ ብምኻድ ኣብ ዘቤታዊ ሽቕለትን ምንዝርናን ይዋፈራ ክትብል ነቲ ዝወርደን ጸገም ኣስፊራቶ ትርከብ፣
መርዓ
ጸሓፊ። ኣብ ዓይነታት መርዓ። ብፍላይ ኣብ መርዓ መንቀጺ ደም። ጓለንስተይቲ ብፍቓዳ ነቲ መርዓ ምስ እትፍጽሞ። ንሰላምን ርግኣትን ሓደ ሕብረተ-ሰብ ሓጋዚ ምዃኑ ይገልጽ፣ እንተዀነ። ፍቓድ እታ ጓለንስተይቲ ካብ ውሽጣ ደልያቶ ዘይኰነስ። (ባህሊ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ግምት ብምእታው) በጃ ስድራኣ ገንሸል ክትከውን ክትመርጽ ከም እትኽእል ምግንዛብ የድሊ፣ ድሕነት ስድራቤታን ቀቢላኣን ኣብ መንኮባ ምስ ተሰከመት። ኣዎንታዊ መልሲ እንተ ሃበት ብፍቓዳ’ዩ ክንብል ቅኑዕ’ዶ ይኸውን? ብግብሪ’ውን ኣደዳ ብዙሕ ኣደራዕ ከም እትኸውን ተራእዩ እዩ፣ ኣብ’ቶም ካልኦት ዓይነታት መርዓ። ባዕሉ ጸሓፊ’ውን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ዝግበር ኣድልዎን ወጽዓን ኣሚኑሉ ብምህል። ብዙሕ ክብል ኣይደልን፣
ስጋዊ ርክብ ቅድሚ መርዓ
መጽሓፍ ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት። ሕጊታት እንዳ’ባ ስጋዊ ርክብ ቅድሚ መርዓ ከም ዝኽልክላ ትሕብረና፣ ጸሓፊ። ሕቶ ድንግልና ክልተኦም ጾታታት ኣብ ግዜ መርዓ ኣገዳሲ ምዃኑ’ውን ይሕብር፣ መደምደምታ ጸሓፊ’ውን። ኣገዳሲነቱ ኣብዚ እዋን’ዚ ከይተረፈ ልዑል ምዃኑ ይገልጽ፣
ሕጊታት እንዳ’ባ። ኣብ ሕቶ ምርግጋጽ ድንግልና ድኻም ከም ዘለወን’ውን ይገልጽ’ዩ፣ እንተዀነ። እታ ጓል ድንግል ኣይጸንሐትን ተባሂላ ኣቦ ወዲ ካሕሳይ ይወሃብ፣ ድንግልና ጓለንስተይቲ ግን ባዕላ ንባዕላ ብእተካይ’ዶ ተግባር ኣይኰነን ዝፈርስ፤ ነቲ ኣብቲ ተግባር ኢድ ዘለዎ ወዲ ተባዕታይ ንምርካብ ዝግበር ጻዕሪ የሎን፣ ድንግልና ወዲ ተብዓታይ ክረጋገጽ ስለ ዘይከኣል…ተባሂሉ ትም ይበሃል፣ ኣብ ርእሲኡ። ድንግል ክነሳ። እቲ ድንግል ከብላ ዝኽእል ኣካልዊ ብቕዓት ከይህልዋ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ዝኣቱ ኣይኰነን፣
ጕዳይ ውርሻ
ንውርሻ መሬት ኣብ ዝምልከት ንኡስ ኣርእስቲ ምስ እነተኵር። ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ ምድንጋራት ይፈጥር፣ እቶም ቀሪቦም ዘለ ጓለንስተይቲ መሬት ክትወርሰሉ ዘኽእሉዋ ትሽዓተ ምኽንያታት ኣብ ሰለስተ ክንምድቦም ንኽእል፣ ካብ ከምኣ ጓለንስተይቲ (ማለት መሬት ብኣደኣ ወይ ዓባያ ዝውነን ምስ ዝነብር)። ናይ ቤተሰባ መሬት ክወርሶ ዝኽእል ወዲ ተብዓታይ ምስ ዘይህሉ። ከምኡውን ብጻዕራ መሰላ ምስ እተረጋግጽ (ግብሪ ምስ እትኸፍልን ከም ኣሕዋታ ምስ እትማጐትን) ጥራይ መሬት ክትወርስ ትኽእል፣ ኣብቲ ግብሪ ከፊላ መሰላ ዘረጋገጸትሉ’ውን። መሰል ተጠቃምነት መሬት ክሳብ ኣርባዕተ ወለዶ እንተ ዘይኰይኑ ብድሕሪኡ ትንፈግ፣
ጸሓፊ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣድልዎ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ንምእላይ ኣዋጅ 58/1994 ናይ መንግስቲ ኤርትራ “…ውነና መሬት ናብ መሰል ተጠቃምነት” ከም ዝቐየሮ ይሕብረና፣ ብምቕጻል። እዚ ኣዋጅ’ዚ ኣብ ግብሪ ክውዕል ዘይምኽኣሉን ሕጊታት እንዳ’ባ ዝኽተላኦ ቅጥዕታት ይቕጽል ምህላ’ውን የነጽር፣ ዋላ’ኳ ኣብ ምንፋግ መሰል ዋንነት መሬት ንደቀንስትዮ ዝተፈላልዩ ነጥቢታት ደርዲሩ ምኽኑዩ ክብሎ እንተ ፈተነ። ነቲ ኣብ ልዕሊአን ዝፍጸም ኣድልዎ ክኽውሎ ኣይክኣለን፣
ንኣብነት። ኣብ “ኣዋጅ ቍጽሪ 58/1994ን ጽልዋኡ ንጾታዊ ማዕርነት” ኣብ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ። ጸሓፊ። ኣብ’ዚ ኣዋጅ’ዚ ንዝተሓገገ ብኸምዚ ይገልጾ፥ “ቀዳማይ። ዝኾነ 18 ዓመት ዝመልአን ብሕጊ ምሉእ ሰብ ዝቝጸር ዜጋ ምርሒት መሬት መገበርን ጤሳን ክሓትት መሰሉ ከም ዝኾነ ተነጺሩ፣ ካልኣይ። ነፍሲ ወከፍ ተጻማዲ። ሰብኣይ ይኹን ሰበይቲ። ኣብ መበቈል ዓዶም ወይ ዝመረጽዎ ቦታ ነናቶም መሬት መገበርን ጤሳን ክምርሓሎም መሰል ኣለዎም፣ ኣዋጅ ቍጽሪ 58/1994 ከተኣታትዎ ዝሓለነ ኣገባብ ምርሒት መሬት። ብዓይኒ ጾታዊ ማዕርነት ኣዝዩ ሰጓሚ እዩ ክብሃል ምተኻእለ፣” ካብዚ ብምቅጻል። ኣብ 1995 መሬት ንምርካብ ኣብ ከባቢ ኣስመራ ኣብ ዝርከባ ዓዲታት ተመዝጊቦም ዝነበሩ ብሰንኪ ምብዛሖም። ቍጽሮም ንምጕዳል ኣብ ጥቕሚ ዝወዓለ ኣገባብ። “…ናብ ሕጊ እንዳ’ባ ዝቀራረብ” ምንባሩ ይሕብር፣ ብሰንኩ ድማ። እቲ “ኣዝዩ ሰጓሚ” ዝተባህለ ኣዋጅ 58/1994 ክትግበር ኣይከኣለን፤ እዚ ማለት ድማ። ብዙሓት ደቀንስትዮ መሰል ዋንነት መሬት ተነፊገን ማለት’ዩ፣
ንጕዳይ ወርሻ ኣብ ሕጊ ሸሪዓ ብዝምልከት። ወርቁ ዘርኣይ ኣብቲ ልዒሉ ዝተጠቕሰ ዓንቀጻ ንናይ 1985 ሰነዳት ሃ.ማ.ደ.ኤ. ብምውካስ ከምዚ ትብል፥ “ኣብ’ቶም ሸሪዓ ዝዝወተረሎም። ደቀንስትዮ መሬት ክወርሳ ኣይክእላን እየን፣ ኣብ ዝንቀሳቐሱ ንብረት። ፍርቂ ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣሕዋተን ይግብአን፣ ምርዕውቲ ድማ። ሓደ ስምኒት (1/8) ንብረት ሰብኣያ ትወርስ፤ ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ኣንስቲ ዝነበራኦ ሰብኣይ እንተ ነይሩ ድማ። እዚ ዓቐን’ዚ ኣብ መንጎአን ይማቐላኦ፣”
ኣብ ውርሻ በዅሪን ሕሳስ ልደን። ብዘይካ ክልተ ሕጊታት እንዳ’ባ። ካልኦት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ኣድልዎ ዝገብራ ምዃነን። ጸሓፊ የነጽር፣ ብግብሪ’ውን ዝፍጸም ብምንባሩ። ዘውርዶ ቍጠባዊ ሃስያ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ ርዱእ’ዩ፣
ዓመጽ ስጋዊ ርክብ
ንዓመጽ ስጋዊ ርክብ ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ። ሕጊታት እንዳ’ባ ኣንቢረናኦ ዘለዋ ዓንቀጻት ካብ ናይ ዘመናዊ ሕጊ ዝሓሸ ምዃኑ የተምብህ፣ ቃል ብቃሉ ምስ እንርኢ። ኣብ ዘመናዊ ሕጊ። “ዓመጽ ግብረ ስጋ ዘጋጠማ ጓለንስተይቲ ናይ ምምርዓው ዕድላ ጽብብ ዝበለ ክኸውን ስለ ዝኽእል። ከምኡ ድማ። ንስድራ ቤት ከቢድ ነውሪ ስለ ዘስዕብ። ንረብሓ ተዓማጺትን ቤተ ሰባን ተባሂሉ ዓማጺ እንተ ተመርዓዋ ይሓይሽ ይኸውን ዝብል ግምት ኣሎ፣” ብምቕጻል ከምዚ ይብል፥ “ብመሰረት ሕጊ እንዳ’ባ። ተዓማጺት። ፍቓደኛ እንተ ኾይና። ዓማጺ ግድነት ክምርዓዋ ስለ ዝግደድ። ዝተዋህበ ካሕሳ ውልቃዊ ንብረት ብድልቲ ይኸውን፣ ዝተገብረ መርዓ። ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ሰብኣይ ምስ ዘፍርሶ። ኩሉ ንብረት ብዘይ ጸብጻብ ከረክባ። ክኽሕሳን ተወሳኺ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝቕጻዕን ይግበር፣”
ትሕዝቶ ክልተኦም ጥቕስታት ተመሳሳሊ ክነሱ። ንተዓማጺት ኣብ ዝወሃብ ካሕሳ ጥራይ ይፈላለዩ፣ እቲ ኣብዚ ክንግንዘቦ ዘሎና። ዋላ’ውን እታ ጓለንስተይቲ ፍቓደኛ ኰይና እንተ ተመርዓወት። ነቲ መርዓ ብሓቂ ደልያቶ ኣይኰነትን ትፍጽሞ፣ ሕጊታት እንዳ’ባ በወገነን። ዓማጺ ንተዓማጺት ንክምርዓዋ የገድዳኦ፤ እዚ ማለት ድማ። ነቲ ጸሓፊ። ኣብ ሕጊታት እንዳ’ባ መርዓን ሕጸን ብወለንታን ድሌትን ተጻመድቲ’ዩ ዝፍጸም ዝበሎ ዘፍርስ እዩ፣ እቲ ርኹብ’ውን። ነታ ብግዲ ዝተመርዓዋ ጓለንስተይቲ። እቲ ዝወሃብ ሂቡ ክፈትሓ ስለ ዝኽእል። ንተግባራቱ ዝገትእ ስጕምቲ ኣይኰነን፣
መደምደምታ
ኣብ ትሕዝቶ መጽሓፍ ሕግታት እንዳ’ባ ብመንጽር ዘመናዊ ሕጊ ንጾታዊ ማዕርነት ብዙሕ ክበሃል ዝግበኦ ከም ዘሎ ክንዝንግዕ ኣይግባእን፣ ብዓቢኡ። ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ኣባታዊ ስርዓት ምንባሩ ብምዝካር ንትሕዝቶ ሕጊታት እንዳ’ባ ምግማት ኣየጸግምን፣ እቶም ሕጊታት። ክንደፉን ክጸድቁን እንከልዉ። ክንደይ ዝኣኽላ ደቀንስትዮ ተሳቲፈን እንተ ተባሂሉ’ውን። ክንድዚ ዝብል መልሲ ዝርከብ ኣይመስለንን፣ ነዚ። ብዙሕ እዋን። ኣቦታት ቀደም ምስ ኣንስቶም ይመኽሩ ነይሮም ይበሃል’ዩ፤ እንተዀነ። ኣብቲ እዋን’ቲ ክሳብ ክንደይ ድምጸን ተሰማዒ ነይሩ ይኸውን? ገሊኡ ሕጊታት እንዳ’ባ። ናይ ማእከላይ ዘመን። ገሊኡ ድማ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ዝተነድፈን ዝጸደቐን ምዃኑ ኣብ ግምት ብምእታው። ቍጠባዊ። ማሕበራዊን ፖሊቲካዊን ደረጃ ደቀንስትዮ ትሑት ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ንምግማት ኣየሸግርን፣ ገለ ካብ ሕጊታት እንዳ’ባ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ኣበየናይ ክፋል ሰብነታ ክሃርማ ከም ዝኽእል ዝኣወጃ ምህላወን’ውን። ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ ዓይኑ ሰም ኣቢሉ’ዩ ሓሊፉዎ፣
ብሓፈሻ። ብዙሓት ዓንቀጻት ካብ ሕጊታት እንዳ’ባ ኣብ’ዛ መጽሓፍ ክንረኽቦም ምኽኣልና። እቲ ዝዓበየ ብልጫ ናይ’ዛ መጽሓፍ እዩ፣ ብተወሳኺ። ጸሓፊ ኣዝዩ ዝደኸመሉ ስራሕ ምዃኑ። ክትግንዘብ ይከኣል፣ ብዙሕ እዋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝሕተሙ መጽሓፍቲ ዘየዘውትሩዎ። ሕንጥልጥል (ኢንዴክስ) ክህሉዋ ምኽኣሉ ነዛ መጽሓፍ ዘመጕሳ ትሕዝቶ’ዩ፣ ብተወሳኺ። ዝርዝር ኣገደስቲ ቃላት ምስ ትርጕሞም። ከምኡውን ዝርዝር ዝተወከሶም መጽሓፍቲ ስለ ዝርከባ ከም ጽቡቕ ጎኒ ክጥቀስ ይግባእ፣ እንተዀነ። ንሕጊታት እንዳ’ባ ልዕሊ ዘመናውያን ሕጊታት ኣብ ጕዳይ ጾታዊ ማዕርነት ምእማሞምን ምብራኾምን። ምዕሩይ ዕድል ጾታታት ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምፍጣር ንዝካየዱ ጻዕሪታት ዕንቅፋት ምፍጣር ኰይኑ ይስመዓኒ፣
ኣብዚኣ ንእሽቶ ዓንቀጽ። ብዛዕባ ምሉእ ትሕዝቶ እዛ መጽሓፍ ርእይቶ ምፍሳስ ኣጸጋሚ ብምዃኑ። ዘይተተንከፉ ኣርእስታት ከም ዘለ ምሕባር የድሊ፣
ቴክኒካዊያን ጕድለታት
ካብ ትሕዝቶ ናብ ኣቀራርባ መጽሓፍ ምስ እንሰገር ድማ። ክግለጹ ዝግባኦም ገለ-ገለ ቴክኒካዊያን ጸገማት ኣለ፣ ቅድሚ’ቶም ሽድሽተ ቀንዲ ክፋላት እዛ መጽሓፍ። ብዘይካ ምስጋና። መቕድምን መእተዊን ሓሙሽተ ኣርእስታት ይርከቡ፣ ንሳቶም ድማ ብቕደም ተኸተል፥ ሓጺር ድሕረ-ባይታ ሕጊታት እንዳ’ባ። ድሕረ-ባይታ መሰጋገሪ ዘመናዊ ሕጊታት ኤርትራ። ጽማቝ ትሕዝቶ መጽሓፍ። ድርቱነት መጽሓፍ። ከምኡውን መጽሓፍ ንምድላው ዘጋጠሙ ብድሆታትን ኣፈታትሓኡን እዮም፣
ኣብዚ ከም ጸገም ክረአ ዝከኣል። ሓደ። ምስጋና ወትሩ ቅድሚ መሐበሪ ዝርዝር ትሕዝቶ መጽሓፍ ዝመጽእ ክነሱ ድሕሪኡ ምስፋሩ እዩ፣ ካልእ። ኣብ’ቶም ኣብ ላዕሊ ተዘርዚሮም ዘለ ኣርእስታት መጐታዊ ኣሰራርዓ የሎን፣ ብዛዕባ ጽማቝ ትሕዝቶ መጽሓፍ። ድሩትነትን ኣምድላው መጽሓፍ ዘጋጠሙ ጸገመታትን ምስ መእተዊ እንተ ዝሰፍሩ ነይሮም ዝሓሸ ምዀነ ዝብል ርእይቶ ኣሎኒ፣ ስዒቦም ድማ። ሓጺር ድሕረ-ባይታ ሕጊታት እንዳ’ባን መሰጋገሪ ዘመናዊ ሕግታት ኤርትራን ምመጹ፣
ከምኡውን። ብዙሓት መብርሂታት ዝደልዩ ኣምራትን ታሪኻውያን ፍጻሜታትን ኵሉ ሰብ ከም ዝፈልጦም ተቘጺሮም። ብዘይ መብርሂ ተጻሒፎም ኣለ፣ እሞ ድማ። ሓደ ካብ ዕላማታት እዛ መጽሓፍ ንብምልኡ ህዝቢ ከም መወከሲ ከተገልግል ተሓሊኑ እንከሎ፣
እቲ ኣዝዩ ጐሊሑ ዝረአ ጸገም እዛ መጽሓፍ። ናይ ባዕሉ ጸሓፊን ዝጠቕሶምን ሓሳባት ፈሊኻ ክትርደኦም ዘይከኣል ምዃኑ እዩ፣ ሽሕ’ኳ ቍጽሪ-ኣልቦ ትርጋጻት (ፉት ኖትስ) እንተ ዘርዘረ። ናይ ጸሓፊ ክትብሎም ዘጸግሙኻ ሓሳባት። ከም ናቱ ኮፍ ኣቢሉዎም ትረኽቦም፣ ንዝተወከሶም ጽሑፋት ኣዀምሲዑ (ፓራፍሬዝ ብምግባር) ኣብ ምቕራብ ድኻማት ተንጸባሪቑዋ ንረኽባ፣ ቀጥታዊ ጥቕሲ ይዅን ብተዘዋዋሪ ዝጽብጸብ ሓሳብት’ውን ብፍጹም ኣይንረክብን፣
ኣብ ርእሲ’ዚ’ውን። ናይ ኣርትዖት ድኻማት’ውን ኣይተሳእናን፣ ብዙሓት ዝደጋገሙ ሓሳብት ንረክብል፣ ከም መሰጋገሪ ዝተዘውተረ “ዝስዕቡ ዓንቀጻት ነዚ ጕዳይ’ዚ ብዓይኒ ጾታዊ ማዕርነት ክትንትና’የን” ዝብል ሓረግ ኣድላይነት ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኖም። ንዋሕዚ ንባብ ዓንቀፍቲ ኰይኑ ንረኽቦ፣ ግድፈት ፊደላት። ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ስርዓተ-ነጥቢ’ውን ኣለ

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top