ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ስምያ

ንግስቲ: ነቲ ጕዳይ መጀመርያ ኣቕሊላ’ኳ ርእያቶ እንተ ነበረት: ድሮ ጥምቀታ ዝነበረት ምሸት ግን ጭንቀት’ያ ተደሪራ። ኣብ ቀዳማይ ጥንሳ ዜርኣየቶ ኵርዓት: ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ፍጹም በኒኑ። ምስኣ ሰላምታ ኪለዋወጣ ፋዕራ ዘይነበረን ጎረባብቲ: ኣብ ሎሚ በጺሐን ሰላም ንኺብላኣ ደው ኢለን ይጽበያኣ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራ ዚጥምታኣ ኣይወሓዳን፣ ኣዒንቲ ጠመትታ ኣብ ከብዳ ኬዕርፋ ምስ ርኣየት: ኣብ ንኡስ ዕድመኣ ዝሓለፈ መንእሰይ ነተን ውልዶ ኣጥባታ ዚጥምተሉ ዝነበረ ግዜ ኣዘኻኸራ። ክሳብ ክንደይ ዜጨንቕ ምዃኑ ድማ: ንግስቲ ሃብተ ወልዱ ብልባ ሓሰበት። ልዕሊ ፍርቂ’ቲ ጕዕዞ ከም ዝኸደቶ ኣሚና ነይራ፣ እታ ተሪፋ ዝነበረት ሓንቲ መዓልቲ ግን ከየጨነቐታ ኣይተረፈትን። ብኸመይ ክትከስባ ከም እትኽእል ድማ: ኣዕሚቛ ሓሰበት።
እቲ ቐንዲ ንንግስቲ ዜሕሰባ: ጕዳይ ሓይሎም ሓዋ’ዩ ነይሩ። ጥንሳ ምስ ተፈልጠ: ካብ’ተን ጎረባብታ እንተ ዘይከፊኡ ዚሓይሽ መልሰተግባር ኣይነበሮን። “ሰብኡት’ሲ ዕድለኛታት’ዮም: ምጥናስ እንታዮም ኰይንዎም:” ባዕላ ንባዕላ ሕሹኽ በለት። ጸኒሓ ድማ: “ቱፍቱፍ” ኢላ ንሓሳባ ባዕላ ነጸገቶ። ኣደነት ዝፈጠረላ ባህታ ዝዀነ ወዲተብዓታይ ኪርድኦ ከም ዘይክእል ዘከረት። ምንቅስቓስ ዕሸላ ኣብ ውሽጢ ማሕጸና ዘኪራ ጓለንስተይቲ ኰይና ምፍጣራ ኣሐጐሳ። ተወራርዶም ዝነበረት ሓሳባት: ከም ኮቦርታ ኣምዩቖማ: ከይተፈለጣ ድማ ጸሓይ ናብ መስፈሪኣ ሳገመት። ብርሃን’ቲ ዝነበረቶ ክፍሊ ድማ: ደብዘዘ። ካብ ክሽነ ኣደኣ ኪደሃየኣ እንተ ዘይትሰምዕ: ካብ’ቲ ታኼላ ሓሳብ ዜውጽኣ ኣይምረኽበትን።

እናጠበወ ዝደቀሰ ወዳ ከዳዲና ድማ: ናብ ክሽነ ገጻ ኣምረሐት። ኣደይ ለምለም: ነቲ ዓቢ ድስቲ ውራይ እናኣዀሳ: ምምጻኣ ተገንዚበን ናብ ንግስቲ ቍሊሕ በላ። “ኢሂ ነግሽ ጓለይ: ዝደቀስኪ’ንድዩ መሲልኒ ነይሩ።”

ከመይ’ለ’ሞ ክድቅስ…” ክትብሎ ዝሓሰበት ከይወድአት ዝን በለት።
እንታይ ከ’ባ ሓሲብኪ ነግሸይ?” ኣፍኲሰን ሓተታኣ።
ኣቲ’ደ: ሓስዊ’ኮ ኢኺ ትብልኒ ዘለኺ: ንምዃኑ ይርደኣኪ’ሎ’ዶ?” ጭንቕ ኢላ ሓተተት ንግስቲ።
ቀስ’ሞ በሊ…” ኢለን ብዓይነን እናገንሓኣ: ናብ’ታ ካብ’ታ ክሽነ ቀጺላ ዝነበረት ክፍሊ ብርእሰን ምልክት ገበራ።
ኣብታ ቀጺላ ዝነበረት ክፍሊ: ሒደት ኣንስቲ ጎረባብትን ኣዝማድን ካብ’ቲ ውዒለን ንኽሓድራሉ ዝወጠናኦ ስራሕ ኬዕርፋ ቡን ይቋደሳ ነይረን። ኣደይ ለምለም ነታ ረኺበናኣ ዝነበራ ዕድል ብሕትውና: ብዓውዓው ኪኸስራኣ ኣይደለያን።
ንዕናይ’ሞ ኣብቲ መዳቕሶ:” ኢለን መሪሐንኣ ተበገሳ።
ኣብቲ ብደብዛዝ መብራህቲ ኮሞዲኖ ዝበርሀ ክፍሊ ድማ: ዝርርበን ብሕሹኽታ ቀጸላ።
ሕልናይ ፈጺሙ ኣይቅበሎን’ዩ: ድሌቶም ይግበሩኒ’ምበር ንዘየቡኡ ኣይህቦን’የ።”
ብምኪኤል ኣቦይ ተለምኒ: ንወ’ተሳርያም ሓወይ ዋላ ሃብዮ: ጌጋ መዓልቲ ውዒላ ድማ ንብለልኪ:” ኣደይ ለምለም ተማሕጸናኣ።
እንታይ ምስ ኰንኩ’የ ጌጋ መዓልቲ ውዒላ ዝበሃለለይ?” ነደረት ንግስቲ።
ክተወድእና ዲኺ ደሊኺ? ኵላ ዓለም የዕብዮ ተጋዳላይ ምዃኑ ትፈልጥ’ያ። ሰላም ጌርኪ ቈልዓኺ ዘይተዕብዪ። ናይ ነብስኺ ድላይኪ ምዀነ: ናይ’ዚ ቈልዓ ግን ሎሚ ምሸት ቍርጺ ክትውድኢ’ለኪ:” ኣሕሚመን ተዛረባ።
ዋላ ሓደ ኣብ ጎንኻ ዝኸውን’ዶ ትስእን ኢኻ ወደይ!” ርእሳ እናወዛወዘት ካብ ዓራት ተንሲኣ ናብ’ቲ ስእሊ የዕብዮ ተቐሚጥሉ ዝነበረ ተመዛዝ ኮሞ ኣምርሐት። “ናተይ ጌጋ የዕብዮ ኣይትኺዲ እናበለኒ ምምላሰይ ጥራሕ’ዩ!” ጸጋማይ ኢዳ ኣብ ግንባራ ኣተርኢሳ: የማናይ ኢዳ ናብ’ታ ስእሊ ልኣኸቶ። ነዋሕቲን ቀጠንቲን ኣጻብዓ: ነቲ እታ ስእሊ ተዓቂባትሉ ዝነበረት መመላኽዒ ርቡዕኩርናዕ ቀስ ኢለን ዳህሰሳኦ። ፍዝዝ ዝበላ ኣዒንታ: ንምስሊ የዕብዮ ወሓጣኦ። ምስ’ቲ ፍቕሩ ቀሚሳ ከይጸገበቶ ዝተፈለያ ብዓልቤታ ክትህሉ ተመነየት። ትዅረት ኣዒንቱ: ኣጆኺ ኣሎኹ ምሳኺ ዚብላኣ ዘለዋ መሰላኣ።
ብቐደሙስ መን’ዶ ተመለሲ ኢሉኪ ነይሩ’ዩ? ሓደው ምስ ከድኪ ኣብኣ ምትራፍ’ያ ነይራ: ወይ’ውን ከም ኣካይዳኺ ክኸውን ነይርዎ ኣማጽኣኺ።” ምላሽ ኣደኣ: ከም መዶሻ ርእሳ ሂም ኬብላ ተሰምዓ።
ንዕንባባ ጓለይ ክብል ኢለ’ምበር: ኣነስ ተደናዲነ ነይረ። ብዘይ ኣቦ ዓብያስ: ኣዲኣ ድማ ክትስእን’ዛ ጓለይከመይ ኢሉ’ኸ ነብሰይ ክገብረለይ? ንዓይ ክሕሸንስ: ጓለይ ክድርቢ ደሊኺ?”
እንታይ ምስ ኰነት’ያ ትድርበ? ንሕና እንታይ ዲና?”
ድሓን ኣደ: መጺኤ ስለ ዘለኹ: ባዕለይ ኣለኹላ’ዛ ጓለይ ክንድ’ቦኣን ኣዴኣን።”
እሞ ነዚ ጉድ’ዶ ሒዝክልና መጺእኪ: ንጓልኪ ከማን ኣይሓሰብክላን።”
ሓንቲ ቈልዓ ሒዘ መሬት ከዕርቦ ድዩ ነይሩ ትምኒትኪ? ፍጥርቲ’ዶ’ኸ ኣይኰንኩን?!”
ንሱ ገይታ ዝሃበካ ኢኻ ትወስድ።”
በሊ ነዚ’ውን ጎይታ’ዩ ዓዲልኒ:” ንዘረባአን መደምደታ ክትገብረሉ ፈተነት ንግስቲ።
ንሱ ድሓን ይጽነሓልና: ሓውኺ ካብ የዕብዮ ምዃኑ ‘ተፈሊጡ እንታይ ከም ዝገብር ኣይጠፍኣክን’ዩ።”
እፈልጥ: ጽቡቕ ገይረ ኣፈልጥ: ቈልዓ ሰበይቲ ካብ ምስቓይ ሓሊፉ እንታይ ከይገብር። ንሱ ኣፍሪሑኒ ማለት ድማ ዘበት:” ሓንሓነት ንግስቲ።
ድሓን: ቀሳእ ኢልኪ ሕሰቢ ሕጂ’ውን፣ ናይ ነብስኺ ጥራሕ ዘይኰነ: ናይ’ዚ ቈልዓ’ውን ሕሰቢ:” ኢለን ኣደይ ለምለም ብፍርሒ ከብደን እናተሓቝነ ናብ ክሽነ ተመልሳ።
*  *  *
ንግስቲ: ኵሉ’ቲ ካብ ጥንሳ ክሳብ ሕርሳን ድሕሪኡን ዝነበረ ተግባራት ሓይሎም ሓዋ ኣብ ኣእምሮኣ ተመላለሳ። ናይ ክልተ ቕነ መገሻኣ: ይፈልጦ ብዘይ ምንባሩ: ንክልተ ሰለስተ ወርሒ ዝሰዓበ ነገር ኣይነበረን። ከብዳ ኪፍለጥ ምስ ጀመረ ግን: ሕቶኡ ዕረፍቲ ከሊኦምዋ’ዮም ሓግዮም። ሓይሎም ምፍርራሕ ሓዊሱ ድቃስ ከልኣ።
ናይ ክንደይ ሰባት ህይወት ብኢደይ ሓሊፈን’የን፣ ናይ ሓንቲ ምውሳኽ ንዓይ ክንዲ ጽፍሪ ኣይኰነትን። ብሰንክኺ ክብረተይ ክድፈርሰሚዕኪ’ለኪ?”
መገደይን መገድኻን በበይኖም’ዮም: ንዓኻ ዝትንክፍ ነገር’ውን ኣይገበርኩን፣ እንታይ ግበሪ ትብለኒ’ለኻ?”
ክሳብ ትሓርሲ ሱቕ ክብል መሪጸ፣ ሕጂ ግን: ኣቦይ ተሞተ ክንድቦይ ኰይነ ነቲ ዝወለደልኪ እቲ ዝግበኦ ክገብረልኪ ከም ዘለዎ ከፍልጦ’ለኒ። ብዛዕባ ንዓኺ ዝሓይሽ ምዝራበይ ክትድግፍዮ’ምበር ክትግረጭለይንዓኺ ዝሓይሽ’ዩ’ኮ?” ልባ ንምርካብ ፍዅስ ኪብለላ ፈተነ።
ድሓን ብዛዕባ ንዓይ ዝሓይሽን ዘይሓይሽን ባዕለይ ኣለኹዎ። ድሓር ድማ…” ሓሳባ ከይወድአት ሓይሎም ኮለፋ።
ሓፍቲ መን ዲኺ ክትበሃሊ? ካብ መን ወሊዳ’ኸ ክትብሊ?”
ካብ ዝወለድኩ ይውለድ ኣይምልከተካን’ዩ:” ትራ ኣብ ድምጻ ኣቃልሐ።
ምዃን ምስ ሓንቲ ኸልቢ ይዛረብ ምህላወይ ኣነ’የ ዘንጊዐ: ፈሊጥኪ’ለኺውዒለ ሓዲረ ከሕርረኪ ምዃነይ ፍለጢ።” ንዕቀትን ሕርቃንን ኣዳዊሱ ጠመታ።
ድሓን ናቱስ: ዝገብር ነዲኡ ነይነግርሰብኡት ዝሰርሕዎ’ዶ ድኣ ከይትገብር።” ኣይረኣየቶን: ብንዕቀት ርእሳ ነቕኒቓ ወዳ ምጥባው ቀጸለት።
ንመነዴኺ ኢኺ’ቲ?” ካብ መንበሩ ብድድ ኢሉ ናብኣ ገጹ ሰጐመ። ኣደይ ለምለም ኣብ ልዳት ማዕጾ ኰይነን ኪሰምዓ ድሕሪ ምጽናሕ: ኣብ መንጎኦም ኣትየን ገላገላኦም።
ነገር ድሕሪ ምህዳኡ’ውን እንተዀነ: ንግስቲ ቍስሊ ሓይሎም ሕርሕራይ ገይራ ጐዲኣቶ ብምንባራ: ምሕንሓን ኣይቋረጸን። ዚሕዞንዚጭብጦን ጠፊኡዎ: ኢዱ ዓሚኹ ነቲ መደገፊ ኢድ እቲ መንበር ብተደጋጋሚ ዘበጦ። ኣብ ስራሑ ዝለመዶ ክብረት ስለ ዝነፈገቶ: ክሳብ ክንዳኡ ደፊራ ኣፍኣፉ ምምላሳ ኣሰንበዶ። ኣብ’ቲ ዚሰርሓሉ ፋብሪካ ክሻ: ኣኼባታት ኪመርሕ እንከሎ: ኣይኰነን ደፊሩ ዚምልሰሉ ቍሊሕ ኢሉ ዚጥምቶ ብዘይ ምንባሩ ዘኪሩ: ተዋሪደ ኢሉ ሓሰበ። ‘ዎቅታዊ ሁኔታ’ ዚብል ዛዕባ ኣኼባ ኬዳሉ እንከሎ: ዝቦኸሩን ዝደንጐዩን ሰራሕተኛታት ደሞዞም ከም ዚቝረጽ ኪገብር እንከሎ: ውሳኔ ሓይሎም ተቐቢሎም ይኸዱ እምበር ኣቤት ኢሎምሉ ኣይፈልጡን። ናይ ንግስቲ መልሲ ግን: ደሙ ኣፍሊሑሉ።
ንግስቲ ግን: ጸባ’ያ ሰትያ። ሰሪቓ ምስ ጠመተቶ: ግዜ ቍልዕነቶም ኣዘኻኸራ። ብቈልዑቶም ብዙሕ እዋን ስሉጥ ውሳኔ ወሲዳ ጸፊዓቶ ንገዛ ክትሃድም እንከላ: ዘርእዮ ዝነበረ ሓፍፈጠቕን ምዕግርጋርን ምስ ናይ ሕጂ ምዕልባጡ ኣመሳሰለቶ። ኣቦኣ “ኣንበሳ ነግሽ ጓለይ” እናበሉ ኪውድስዋን: ንሓይሎም “ኣልግስ ቶሽታሽ” ኪብልዎን ከም ሽዑ ኰይኑ ኣብ ኣእምሮኣ ተሳእላ።
ህድእ እንዶ በል ሓይሎመይ: ሓደ ስድራ ተባሂልናስ ንግሆንግሆ ክንጨቓጨቕ…” መደበሲ ዚዀኑ ቃላት ሰው ኣበላ ኣደይ ለምለም።
እዛ ኸልቢ እዚኣ ከላ’ሞ ከመይ ኢልና ሰላም ክንረክብ?” ሓይሎም ናብ ንግስቲ ገጹ ኢዱ ኣወጣወጠ።
ስነስርዓት ግበር: ጓል ሃብተ ከልቢ ኣይብሉኻን’ዮም።”
ሓቂ’የ ዝዛረብ ዘለኹካብ መን ከም ዝወለድኪ ዘይትፈልጥስ ብዛዕባ ስነስርዓት ድማ ክትዛረቢ።”
ሱቕ እሞ በሊ ንስኺ: ሱቕ እስኪ በሊእዚ ጕዳይ’ዚ ድማ ንኣኣን ንሰብኣያን ስለ ዝምልከት ሱቕ ንበል ኩልና።” ኣደይ ለምለም: ንሓይሎም ሱቕ በል ንኽብላኦ ስለ ዘይደፈራ: ንነብሰን’ውን ወሲኸን ተዛረባ።
ኣየናይ ሰብኣያ ኢኺ’ቲ ትዛረቢ ዘለኺ?” ሓተተ ሓይሎም ባጫ ሓዊሱ።
ክንደይ ሰብኡት ዲኻ ትፈልጠላ?” ኣደይ ለምለም ከይሓሰባኦ ፍንጪ የውጽኣ ምንባረ ዘንጊዐን ሓተታ። ሓይሎም’ውን ቀልጢፉ’ዩ ቆብ ኣቢልወን። ግን ብዘይ ሕብእብእ ኪፈልጥ ብምድላዩ ነቲ ዘረባ ቀጸሎ።
ካብ’ቲ ቆማል ሻዕብያ’ያ ወሊዳ ጥራሕ ከይትብልኒ። ንቡር ነይርክስ ካብ የዕብዮ ቆማል!? ንብዓል ወርቅነህን ጥላሁንን ተሓሲምክስ እምበኣር ናብ ጓሓፍ ተጐናቢሕኪ። ኣበይከ ረኺብክዮ? ኣነ ተሓባበርቲ ሻዕብያ ከጥፍእ ኣብ ጎልጎል ህርድግ ይብል: ንስኽን ባዕልኽን ኣብዚ ከለኽን…”
ውድእውድእ ኣይተብሎ ሓይሎመይ: ከምኡ ኣይኰነን…” ኣደይ ለምለም ኰለፋኦ።
ድሓንድሓን: ኣደን ጓልን ዓይነይ ከተንቍራኒ ጥራሕ’ዩ ሓሳብክን: በላፈሊጥክን ኣለኽን: ኣብዚ ገዛ’ዚ ሰይቲ ሻዕብያ ኣይኰነትን ወዲ ሻዕቢያ’ውን ቦታ የብሉን:” ኢሉ ብድድ ኢሉ: ኣፍጢጡ ንኽልተአን ጠመተን።
ኣብ ገጽ ንግስቲ: ዋላ ሓደ ናይ ፍርሒ ይዅን ምድሃል ምልክት ኣይነበረን። ኣደይ ለምለም ግን: ተጨነቓ። “ሓይሎመይ ከምኡ ኣይኰነን ህድእ በልድሓን ‘ዝ ወደይ ኣብ መዓልቱ ዅሉ ክንፈልጦ ኢና: ንዓ ደቅኻ ኪዶም መስዩካ’ሎ:” ኢለን ምስ ኣፋነዋኦ: እቲ ኣርእስቲ ክሳብ መዓልቲ ጥምቀት ንግስቲ ዓረፈ።
*  *  *
ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት: ድሮ ውራይ: ስሓቕን ዕላልን ዚዕብልለሉ ምሸት’ዩ። ንንግስቲ ግን ምውጋሕ ዝኣበየት ምሸት’ያ ነይራ። እተን ናብ ቤተ ክርስትያን ዜሰንያኣ ኣንስቲ ኪበዝሓ ከም ዘይብለን ምስ ኣደኣ ተረዳዲኣ ነይራ። ብፍላይ ገለገለ: ክትሕውሰን ፍጹም ኣይደለየትን። ኣደይ ህይወት ኣፈን ጎማጺጸን ኪርእያኣ ኣስተውዒላ ብምንባራ: ዛንታአን’ውን ስለ ዝነበራ ኪህልዋ ኣይደለየተንን።
ህይወት እንተ ዘይጸዋዕናየን’ሞ: ድርብ ክጥርጥራና’የን: ግድን ክንጽውዐን ኢና:” ውሳነአን ኣስመዓ ኣደይ ለምለም።
ኣቲ’ደ ከመይ ጌርና ሓሰውቲ ኣብ ጥቓና ከነቕርብ ትደሊ’ለኺ?”
ከምኡ ተጌርና ድኣ: ትሒምትሒመን ክረግኣለን።”
ኣብዛ ሪጋናስ መን ኣሎ ብሰንከን ካብ ቀበሌ መጸዋዕታ ዘይመጾ ወይ ዘይተኣስረ?”
እሞ ከምኡ’ኳ’የ ዝብለኪ ዘለኹ: እንተ ዘይጸዊዕናየን እኽለማይና ሰብ ከይጠዓሞ ጓድ ጠበቃ ክመጹና’ዮም።”
ኣነስ እንድዒ’ቲ’ደ: ዋላዋላ ኣይብረሃንን’የን:” ንግስቲ ንውሳኔ ኣደኣ ናብ ምቕባል ገጻ ዛዘወት።
ከምዛ ዝፈተናየን ጥራሕ ኣሰንያና ንበለን እምበር ዝገብራኦ የብለንን።”
ነዚ ዝርርብ’ዚ ኣብ ኣእምሮኣ ደጋገመቶ። ኣብ ሕጂ በጺሓ ክትቅይሮ ትኽእል ኣይነበረን። ዝዓደምካዮ ሰብ እንደገና ኣይዓደምኩኻን ኪበሃል ሰሚዓን ርእያን ኣይትፈልጥን’ያ። ኣብ ኣደይ ህይወት በጺሓ ግን: ንሳ ፈላሚቱ ክትከውን ምምረጸት። ካብ ሓይሎም ሓዋ ፈልያ ዘይትርእየን ኣብ ጎኒ ቆልቋል ዝተጸግዓ እሾኽ’የን ነይረን ንኣኣ። ድሮ እዋን እቶእቶ ሓሊፉ ብምንባሩ’ውን: ወተሃደራት ደርግ ጐደናታት ተዘሪኦምዎ ከም ዚህል’ በርሃላ። እዋኑ: እቲ ህዱእ ንፋስ መሸት ኣስመራ ራዕዲ ሓዚሉ ዚዛወረሉ፣ ህዝቢ ኣስመራ ጽሓይ ዕራርቦ ፈሪሑ ተገዳም ማዕጾኡ ዜጽንዓሉ፣ ክሳብ ጽሓይ ቅርኒብ ዓይና እትኸፍት: ሸፋሕፋሕ ዚንቀሳቐሱ ወተሃደራትን ተሮግሮግ ጠያይቲን ዚስመዓሉ ግዜ’ዩ ነይሩ። ወጺኣ ሓሳባ ከተተግብር ድማ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ።
ስለዚ ንግስቲ: ኣብ ማእከል’ዚ መጋርያ: ምርጫኣ ከተለሊ ወሰነት። ሓቂ: ዘይትቕየርን ዘይትግማዕን መረስረሲት ልባን’ያ ነይራ። ካብ ጎድና ድማ ክትፈልያ ኣይደለየትን። ሳዕቤና ግን: ካብ ኢድ ሓዋ ከም ዘይትሓልፍ ብንጹር ፈለጠት። ንውላዳ: ንዘይኣቦኡ ምሃቡ ድማ: ውሽጣ እናዀርኵሐ ድቃስ ከም ዘይህባ ተገንዘበት። ድሮ’ኳ: እንዳ ሕማኣ እግሪ ኣሕጺሮም ነይሮም። ነታ እንኮ የዕብዮ ዝገደፈሎም ጓሉ ኪርእዩ ምልስምልስ ይብሉ ከም ዘይነበሩ: ጥንሳ ፈሊጦም ርሒቖማ። ኣቦ የዕብዮ: ንዕምባባ ጓልወዶም: ጓል መን ምዃና ምስ ሓተቱዋ፥ “ጓል የዕብዮ ስብሃቱ:” ኢላ ክትምልሰሎም እንከላ ዚስመዖም ባህታ ወሰን ኣይነበሮን። ድሕሪ ጥንሲ ንግስቲ እንተዀነ: ድሃይ ጓልወዶም ንኺገብሩ ሓንቲ መዓልቲ’ውን ትዅን ኣብታ ገዛ እግሮም ኣየንበሩን።
እንታይ ከሲራ: እንታይ ክትከስብ ከም ዝነበራ ከይወሰነት እንከላ: ንግስቲ ንቕሎ ናብ ቤተ ክርስትያን ኣርከባ። ዓሰርተ ዘይመልኣ ኣንስቲን ኣቦነብሲ ቐሺን ኣሰንዮማ: ጕዕዞ ጀመረት። ወጋሕታ ብምንባሩ: ድቃስ ብምስኣን ዝባዕዘዙ ወተሃደራት ብዙሕ ከይሰጐሙ ደው ኣበልዎም።
ወዴት ናቹህ?” ሓተተ ሓደ ካብ’ቶም ወተሃደራት።
ክርስትና ኣለን: ወደ ቤተ ክርስትያን:” መለሱሉ እቶም ቀሺ: ካብ’ተን ኣንስቲ ቅድም ኣቢሎም ናብኡ እናቐረቡ። እቲ ወተሃደር: ንዅለን እተን ኣንስቲ ብዓይኑ ዀለለን፣ ብርእሱ ንኺሓልፉ ድማ ምልክት ገበረሎም።
ከስራሕ ቦሃላ: ቤቱ እዛ ነው ጸበል ቅመሱ…” ኣምሓርኛን ትግርኛን ሓዊሶም ቀጸሉ ኣባ ቐሺ: ተጸዊጉ ይርእዮም ንዝነበረ ካልኣይ ወተሃደር እናጠመቱ።
እሺ ኣባታችንእሺ እንመጣለን…” መለሰሎም እቲ ናይ መጀመርያ ወተሃደር ፍሽኽፍሽኽ እናበለ።
ንግስቲ: ጽልኣት ዝጸገበ ኣጠማምታ እቲ ካልኣይ ወተሃደር ምስ ረኣየት: ሰብነታ ከቢድ ጾር ከም እተሰከመ ክብድ በላ። እታ ናይ ፍርቂ ኪሎ ሜትር ኣቢሉ ርሕቀት ዝነበራ ቤተ ክርስትያን: ኣማኢት ኪሎ ሜትራት ዝረሓቐት ኰይና ተሰምዓታ። ምስ ነፍሲወከፍ ስጕሚ: ንድሕሪት ቍሊሕ እናበለት ከደት። ኣብ’ታ ቤተ ክርስትያን ምስ ኣተወት ከይተረፈ: እቲ ወተሃደር ተኸቲሉዋ መጺኡ ከይከውን: ደጋጊማ ንድሕሪኣ ቀልባዕቀልባዕ በለት።
ብዛዕባ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ: ብዙሕ ሓሲባ ብምንባራ: ኣባሊገ ወዳ ዚኸውን ሰብ ኣዝያ ተጠንቂቓ’ያ መሪጻቶ። ወዳ ኪጥመቕ ከሎ: ብስም መን ይጽዋዕ ተገዲሱ ከስተውዕል ከም ዘይክእል ዝተኣማመነትሉ ወዲ ሓወቦኣ ዝወለዶ ሸውዓተ ዓመት ዘይመልአ ቈልዓ’ዩ ነይሩ።
ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ምስ ኣተወት ግን: ኣደይ ህይወት ካብ’ተን ኣሰንየንኣ ዝመጻ ኣንስቲ ብዕድመ ዝደፍኣ ብምንባረን: ነቲ ሕጻን ናይ ምሕቋፍ ክብሪ ረኸባ። ምምዝጋብ ስም ምስ ኣኸለ ድማ: ኪሰምዓኒ’የን ኢላ ንግስቲ ተጨነቐት።
ናተን ከይወድአት እንከላ: ሓይሎም ሓዋ ብዓልቲቤቱ ኣኸቲሉ ናብ’ቲ ቤት መቕደስ ኪኣቱ ርእያ: ንግስቲ ዓቕላ ጽብብ በላ። ዋላ’ኳ ኣባላት ኢሰፓ ኣብ ዝዀነ ሃይማኖታዊ ጕዳይ ኪሳተፉ ዘይፍቀዶም እንተ ዘይነበረ: ኣቦነት ውላድ ንግስቲ ንምፍላጥ ክቱር ተሃንጥዩ ኣብኡ ተረኽበ። ሓይሎም፥ “ከመይ ሓዲርክን:” ኢሉ ኣብ ጎድኒ ኣደኡ ደው በለ። ድምጹ: ህድኣትን ርእሰተኣማንነትን ኣቃልሐ። ንግስቲ: ድልውነት ሓዋ ካብ ኣከዳድናኡ ከይተረፈ ክትርዳእ ፈተነት። እቲ ኵሉ ኣባል ኢሰፓ ዚወድዮ ደሚቕ ሰማያዊ ምሉእ ጁባን ስረን ክዳን: ሰንበት መዓልቲ ተኸዲንዎ ምምጻኡ ርእያ ግንብንብ በላ። ካብ ናታ ዘይፍለ: ኣብቲ ቤት መቕደስ ዝነበረ ብምልኡ ሰብ’ውን: ኣንፈት ጠመተኡ ናብ ሓይሎም ኣቕነዐን።
ንግስቲ: ንሓይሎም ኣፍሺላ እትዕወተሉ መገዲ ንኽትምህዝ ንኣእምሮኣ ኣብ ከቢድን ትንፋስ ዘይህብን ስራሕ ጸመደቶ። ኵሉ ዝሓሰበቶ ባዕላ እናኣፍረሰት: ባዕላ ንባዕላ ተስፋ ነፈገታ።
ቅድሚኣ ዜጠምቓ ዝነበራ ኣደታት: ብዅርዓት ዓው ኢለን ስም ውላደን ነቲ ስም ዚምዝግብ ድያቆን ነገራኦ። እቲ ድያቆን: እቲ ዝሃባኦ ኣስማት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝተወስደ ብምንባሩ: ብዘይ ምድንጓይ ኣብ መዝገቡ ኣስፈረለን።
ንግስቲ ግን: ናብኡ ቀሪባ: ንወዳ ዝመረጸትሉ ስም ብትሑት ድምጺ ነገረቶ። ኵሉ ጻዕራ ድማ ከንቱ ኰይኑ ተረፈ፥ እቲ ድያቆን: ንብምሉኡ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ዘሎ ሰብ ኬስምዕ ዝደለየ ኪመስል: ብዓውታ ነቲ ስም እናደገመ: ኣብ መዝገብ ኬስፍሮ ከም ዘይክእል ነገራ።
ኣርዓዶም ዝብል ስም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የለን:” መግናሕቲ ብዚጥዕም ቃና መለሰላ እቲ ድያቆን። “ካልእ ስም ምረጺ!”
ካልእ ኣይደልን’የ፣ ንሳየ ዝደሊ:” ካብ ሓሳባ ነቕ ከም ዘይትብል ኣፍለጠቶ።
ኣትን ዓበይቲ: ብጃኽን ምዓዳኣ:” ገጹ እስር ኣቢሉ: ናብ’ተን ኣንስቲ ጠመተ።
ነግሽ ጓለይ:” ኣደይ ለምለም ኣብ መንጎ ኣተዋኦም። “ካልእ ጽቡቕ ሽም እንዶ ንሃቦ።”
መን’ዩ’ሞ ኣርዓዶም ጽቡቕ ሽም ኣይኰነን ኢሉ ዝረትዓኒ?”
ክገንሓ ወይ ሓሳብ ኬቐይራ ዝፈተነ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይነበረን። እታ ዝመረጸታ ስም: ነተን ዝሓለፈተን ኣዋርሕን ንመንነት ውላዳን እትገልጽ ኰይና’ያ ተሰሚዓታ። ክትቅይራ ዝነበረ ተኽእሎ ድማ: ኣዝዩ ምህሙን ነይሩ።
ኣብ ገዛ ይዅን ቤት ትምህርቲ: ክትጥቀምሉ ትኽእሊ ኢኺ፣ ኣብዚ ግን: ካብ መጽሓፍ ዝወጸ ስም ጥራሕ ኢና ንምዝግብ:” እቲ ድያቆን ነቲ ዝተፈጥረ ወጥሪ ኬህድኦ ፈተነ።
ሐራይ: እሞ ሳሙኤል መዝግበለይ: ኣብ ገዛ ድማ ኣርዓዶም ኢልና ንጽውዖ:” ንግስቲ ምቕባሉ ንምርግጋጽ ተኲራ ጠመተቶ።
ጽቡቕ: ስም ኣቦኡ በሊ ሃብኒ።”
ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ: ኵሎም’ቶም ንንግስቲ ኣሰንዮም ዝመጹ: ካብ ኣፍ ንግስቲ ዚወጻ ቃላት ንምስማዕ ኣእዛኖም ብትኽክል ኪሰምዓ ተመነዩ። ድምጺ ንግስቲ ከም እተጸበይዎ ኣይነበረን፣ ብንጽሩን ብዓውታን ስም ኣቦ ኣርዓዶም ወዳ ኣቃልሓቶ።
ሓይሎም ሃብተ!” እቲ ድያቆን: ከም ዝሓለፈ ክትደግመሉ ኣይሓተታን። ስም ሓዋ ከመይ ኢላ ብስሉጥ ከም ዝመጸትላ ንንግስቲ’ውን ከም’ቲ ዝዓቀበቶ ምስጢር: ምስጢር ኰይና ተረፈት። ህይወታ ካብ ጠብሎቕጠብሎቕ ዚብሉ ሰባት ብጽኑዕ ሓጹር ምኽላላ ተገንዘበት።
ኣሰነይታ: ኣቓልቦኦም ናብ ንግስቲ ዘይኰነ: ናብ ሓይሎም ጠምዘዝዎ። ሓይሎም ኣፍጢጠን ዚጥምታኦ ዝነበራ ኣዒንቲ ርእዩ: ሓሳቡ ኪጥርንፍ ኣገሞ። ኣበይ ምንባሩ ከየስተውዓለ ድማ: ብዓውታ፥ “እንታይ? እንታይ’ያ ዝበለት…” ኢሉ ብነድሪ ናብኣ ገጹ ብግስ በለ። ኣቦነብሲ ንግስቲ: ሓይሎም ስጕሚ ከይከደ ብኢዱ ሒዞም: ንደገ መሪሖሞ ወጹ። ኣሰነይቲ ንግስቲ ኣፎም ብኽፉቱ ተዓኒዶም ተረፉ።
እእምናይ ሕጂ ገደደ: ዋይ ጓል ትረኽቦከምዚ ኽኣ ኣሎ’ዩ? እንኪ ኣጥብውዮ: ጠምዩ ድማ ይኸውን’ዩድሓን’ዩ ‘ዛ ጓለይ: ውላድ ክኣ ምዓስ ተረካቢ ዀይኑእጆኺ:” ኢለን ኣደይ ህይወት ንኣርዓዶም ንንግስቲ ኣሕቈፋኣ።
ንግስቲ: ብኣጻብዓ ምዕጕርቲ ውላዳ እናተናኸፈት ፍሽኽ በለት። እቲ ፍሽኽታ: ነጸብራቕ ድሙቕ ስሓቕ ልባ’ዩ ነይሩ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top