ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

“ብሌን ሂወት” – ነጸብራቕ ህይወት ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

“ብሌን ሂወት”፣ ብያሲን ዑመር ዓሊ (ቅጫ) ተጻሒፋ ዝተኣልየት፣ ትሮንድሀዬም፡ ኖርወይ፤ ሰላም ነቢል ኣፍራዪ ፊልም፡ 2014፣ 2፡04 ደቓይቕ።

“ብሌን ሂወት” እትብል ፊልም ምስ ረኣኹ ነዚ ርእይቶ’ዚ ንምጽሓፍ ዘበገሱኒ ምኽንያታት ተምሳጥ፡ ቀጨውጨው፡ ሓጐስ፡ ሕርቃን ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ልዕሊ’ዚኦም ምኽንያታት ግን ነዛ ፊልም ምስ መዳቕስተይ ኰይነ ስለ ዝተዓዘብኩዋ፡ ርኢና ምስ ወዳእና ካብ’ቶም ብጾተይ ሓደ፡ “ከምዚ ፊልም ክንሰርሕ ኣይምኸኣልናን፧” ዝብል ሕቶ ምስ ሰንዘረ’ዩ ነይሩ። ከም’ዚ ዓይነት ሕቶ ሕጂ ጥራይ ዘይኰነ፡ ቅድሚ ሕጂ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ይገጥመኒ ብምንባሩ፡ ሸለል ክብሎ ኣይፈተኹን’ሞ ውጽኢቱ ድማ እዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ኰይኑ ኣሎ።

መእተዊ
ኣብ ገበር ዲቪዲ’ዛ ፊልም ንመወዓውዒ ተብሂሉ እዚ ተጻሒፉ ንረክብ፤ “ብሌን ሂወት፥ ደቂ ሰባት ኣብ ስደት ምስ መጹ ኩሉ ነገራቶም ዓራት ብ ዓራት ፍቕሪ ብ ፍቕሪ እንዳሓለሙ ኣብ ጋህዲ ግና ብ ኣንጻሩ ኮይኑ ምስ ዝጸንሖም ዝገብርዎ ላዕልን ታሕትን ኣነጺራ እተርኢ፣ እዋናዊት ፍቕራውን ማሕበራውን ሂወት እናተንትነት ንብዓትን ሳሓቕን ኣብ ሓደ ወቕቲ እናካፈለት እተርኢ ብብዙሓት ሰብ ሞያ ኣብ ሃገረ ኖርወይ ዝፈረየት ፊልም እያ።” ደቂ ሰባት ኢሉ ዝጅምር ምሉእ ሓሳባት፡ ዓለም-ለኻዊ ጉዳይ ክትትንክፍ ትኸውን ዘብል’ዩ። ሕቂ ድዩ፧ ወይስ ነብሰ-ምትዕብባይ፧
እዛ ፊልም፡ ሓደ ተርጓሚ ብዛዕባ ኣብ ስራሑ ዝጐንፉዎ ዝተፈላለዩ ስደተኛታትን ህይወቶምን እናስተንተነ ጀሚራ ናብ ህይወት ብዙሓት ሰባት ትሰግር። ደራሲን ኣላዪን ፊልም “ብሌን ህይወት” ያሲን ዑመር ዓሊ (ቅጫ)፡ ኣብ’ዛ ስራሕ ተወሰኽቲ ካልኦት ኣበርክቶታት ይርከቡዎ፤ መራጺን ኣላዪን ተዋሳእቲ፡ ሰኣሊን ኣላዪ ሰእልን፡ ተሓጋጋዚ ኣርታዒን ንኩባያ ዝተባህለ ጠባይ’ውን ይዋሳእ። ኣርታትዖት ፊልም ብኤሳው ሃብተሚካኤል ኰይኑ፡ ተርጓሚ ጽሑፍ ናብ እንግሊዝኛ (ሳብታይትል) ብኣብራሂም ሳልሕ ተኻይዱ።

ዛንታ ፊልም
ዛንታ ናይዛ ፊልም ብሌን (ምስጢር) ህይወት እንታይ’ዩ፧ ዝብል ገዚፍ ዛዕባ ኣልዒሉ፡ ናይ ብዙሓት ጠባያት ዛንታ ዘካተተ’ዩ። ገለ ካብኦም፤
1. ፍቕሪ ሩትን ወዲ ከረንን (ንሳ ንውላድ ንሱ ዘይደልዮ’ኳ እንተ መሰለ ግን ንመንበሪ ፍቓድ)
2. ሓጐጽጐጽ ሓዳር ኤርምያስን ኣርሴማን (ብፍትሕ ብምፍልላይ ንሱ ናብ ኤርትራ ብምኻድ ሚለን እትበሃል ተመርዕዩ የምጽእ)
3. ምጭናቕ ናይቲ ብሚለን ዝጥለም ዓወት ዘበገሶ ምሕዝነት ዓወትን ልያን
4. ዕውልና’ታ ሓንሳብ ሚሚ ሓንሳብ ሳራ ተባሂላ እትጽዋዕ መሓዛ ልያ
5. ኣብ ብዙሕ ኣማኻሪ ኤርምያስ ዝዀነ ኩባያ ዓርኩ፡ ከምኡ’ውን
6. እቲ መሓዛ ኣዋልድን መበጻጽሒ ወረን ዝዀነ ጓል-ጓሎ ሃኒ
እቶም ቀዳሞት ሰለስተ ቀንዲ (መሪሕ) ዛንታታት ናይ’ዛ ፊልም ትረኻ እዮም። ዛንታ’ዛ ፊልም ብመጠኑ ንመነባብሮ ስዱዳት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ ከንጸባርቕ ዝኽእል እዩ። እቲ ዛንታ ንጥልመት፡ ጣዕሳ፡ ሸፈጥ፡ ኣንፈትካ ምስሓትን፡ ፍቕሪን ናፍቖትን ቅንጭብ-ቅንጭብ እናበለ ይተናኽፎም። ብዙሓት ነቲ ናብራ ዝፈልጡ’ውን እቲ ንነብሮ ኣርእያትና ዝብሉ ኣይሰኣኑን። ወረን ሕሜትን ዝመግቦምን ኣብ ህይወት ሰባት እናኣተዉ መንጸሮር  ዝዀኑ ብዙሓት ኤርትራውያን ብሓደ ካብ ጠባያት’ዛ ፊልም ዝዀነ ሃኒ ተውኪሎም ይርከቡ።
እቲ ዛንታ፡ ነዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ዛንታታት ኣብ ሓደ ቅርጫት ንምቕራብ ብምፍታኑ ትዅረት ይጐድሎ። ብዙሓት ኣገደስቲ ፍጻሜታት ብዝርርብ ዝምዕብሉን ትርኢታዊ ትረኻ ከም ዝውሕድ ይገብሮ። ናይ’ዚ ጠንቂ፡ ኣብ ሓደ ዛንታ ዘየተኵር ትርኻ ብምዃን ንዅሎም ዝኣክል ግዜ ሂቡ ከየብሰለ ብዝርርብ ክሳድ-ክሳዱ ኢሉ ብምሕላፍ ናብ መደምደምታ ዝመርሓና ብምዃኑ እዩ።
እዚ ድማ ንኣተሃናንጻ ጠባያት ምሒር ይጐድኦ። ልግሲ ሩት ንወዲ ከረን ብፊልሞን ይንገር፣ ስልጥ ኢሎም ናብ መርዓ በጺሖም ድማ ባህሪ ሩት ብንጹር ከይተፈልጠ ከም ጠላም ተራእያ ጻዕረ-ሞታ ንዕዘብ። እቲ ከም ኣንባቢ፡ ብፍላይ’ኳ ናይ ብዙሓት ሃይማኖታት ቅዱሳን መጽሓፍቲ ዘንበበን ‘ፍቅሪ’ዩ ሃይማኖተይ’፡ ‘ንወረቐት መንበሪ ፍቓድ ኢለ ፍቕሪ ኣይሸይጥ’የ’ ዝብል ወዲ ከረን ርብጽ ኢሉ ኣብ ቅትርለት ክወድቕ ክትርእዮ ብዃና ዝተሃናንጸ ጠባይ ኰይኑ ትረኽቦ። ሕሉፍ ባህሪ ኤርምያስ ብዝርርብ’ኳ እንተ ተሓበረ፡ ምስ ኣርሴማ ናብ ፍትሕ ዘብጽሖም ቀንዲ ጠንቂ ከይተፈልጠ፡ ኣብ ጣዕሳን መርዓን ንርእዮም። እቲ ዓወት ኣብ ወጻኢ ትምህርቲ ክመሃር ምስ ተበገሰ ዝጀመረ ፍቕሪ ዓወትን ሚለንን ብዙሕ ሱር ዘይሰደደ ክነሱ ዓወት ክስብ ክንድኡ ጸለለል ክብል ክትርእዮ ተኣማንነት ይጐድሎ። እቲ ከም ተጠቃሚ ሓሽሽን ሰታይን ዝንገረሉ ኩባያ፡ ንኤርምያስን ኣርሴማን ኣብ ዝተፈለለየ ኣጋጣሚ ኣንጻር’ቲ ዝንገረሉ ባህሪኡ ብዛዕባ ጐዳኢነት መስተ ክምዕዶም ክትሰምዕ፡ ጸሓፊ ፊልም እንታይ’ዩ ዝሓስብ ነይሩ ዘብል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሃኒ ንኣርሴማ ካብ ኤርምያስ ከፋትሕ ክንደይ ከም ዘይጸዓረ፡ ኣብ መርዓ ኤርምያስ ድማ ቀንዲ ኣዳኻሪ ኰይኑ ይጸንሕ።
እቲ ዛንታ ግድን ናይ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ዘይኰነ’ኳ እተዘይተባህለ፡ ናይ ሓባር ዛንታ እንተ ተሓሲቡ ግን፡ እቶም ከም ጕጅለ ዝቐርቡ ጠባያት ሓደ ንዅሎም ጠማሪ ዝዀነ ርክብ ክህነጸሎም ነይሩዎ። ዕርክነት ከም መራኸቢኦም ተሓሲቡ’ዃ እንተቐረበ፡ ብባህሪ ካብ ዝራኸቡ ዘይራኸቡ ጠባያት ይበዝሑ። ንርክብ ዓወትን ልያን ዘዕምቝ ናይ ትምህርቲ ኣከባቢ ኣሎ። ንወዲ ከረን ምስ ሃኒ ዘራኽቦ ነገር ግን የሎን፣ እንተዀነ ሃኒ’ዩ ንወዲ ከረን ምስ ሩት ዘፋልጦ (ካብ ዘረባ ኩባያን ሃኒ ባዕሉን ከም እንሰምዖ)። ኩባያ ምስ ሃኒ ዘለዎ ርክብ’ውን ከምኡ። ናይ ሓደ ጕጅለ ዛንታ ምስ ዝኸውን፡ ኣባላት ጕጅለ ናይ ሓባር ኣረኣእያ፡ ሃንቀውታ፡ ሞያ፡ ጻዕሪ ወይ’ውን ዕላማ ዘለዎም ብምዃን ሓደ ውሁድ ዛንታ ክፍጠር ምተኻእለ። ኣብዚ ግን ከምኡ የሎን።
ብዓቢኡ ድማ፡ ጸሓፊ ዛንታ ኣስተብህሎ ዘይገበረሉ ዝመስል ሻርነት ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ እዩ። ኵለን ናይ’ዛ ፊልም ደቂ-ኣንስትዮ ወይ ጠልማት’የን፡ ወይ በተንቲ ሓደርን ፍቕርን እየን። ኣብ ሃገረን ንዝሰኣነኦ ማዕርነት ኣብ ስደት ስለ ዝረኸባኦ ኣወዳት ቆጭቆጭ ከም ዝበሎም ይቃላሕ። ከም እኒ ኣርሴማ ኤርምያስ ዝብድላ ዝነበረ፡ ክትብደል ትንበር ዝዓይነቱ’ዩ እቲ መጐት። እዚ ዘይውዱን ኣቀራርባ ክልተኡ ጾታታት፡ ከምኡ’ዩ ዘሎ ባህሪ ኤርትራውያን ስዱዳት ንምባል እንተ ተደልዩ ግን፡ እቲ ምስ ገስጋሲ ኣካይዳ ንምስጓም ዝጽገም ስዱድ ሕብረተ-ሰብ ብዝግባእ ተንጸባሪቑ ክበሃል ይከኣል።
ብሓፈሻ፡ ዛንታ ናይ’ዛ ፊልም ኣብ ሓደ መራሒ ዝዀነ ትርኻ ብምትኳር ነቶም ካልኦት ዛንታታት ከም ንኡሳን-ትልምታት ኣካቲቱ ኣይተጸርበን። ኣብ ኵሎም ዘንቀለቶም ዛንታታት ማዕረ ትዅረት ክትገብር ብምፍታና፡ ንብዙሓት ኣገደስቲ ፍጻሜታት ብዝርርብ ክትሓልፎም ተገዲዳ።
ምውሳእ
ተዋሳእቲ መብዛህትኦም፡ ምናልባት’ውን ብዘይካ ደራሲ (ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝፈረያ ፊልምታት ዝዋሳእ ዝነበረ) ካልኦት ሓደስቲ ይመስሉ። ሃኒ፡ ነቲ ክመስሎ ዝተደልዮ (ጓል-ጓሎ ወዲ) መሲሉ ምውጽኡ፡ ዝድነቕ ምውሳኣ ኣርእዩ። ኤርምያስ ኣብ ዋሕዚ ቃላቱ ጸገማት ሓዲግካ ባህርያዊ ይመስል ኣወሳስኣኡ። ካልኦት ግን ብዙህ ዝነኣድ ክበሃል ኣይከኣልን። ኣብ መብዛሕትኦም፡ ምስ’ቲ ዝቐረበ ክውንነት ናይ’ታ ፊልም ዝኸይድ ባህርያዊ ዝዀን ኣወሳስኣ የብሎምን። ኣብቲ ሓይሊ ምውሳእ ዝድለይሉ ይጋነን ኣብቲ ካልእ’ውን ዝንቀሳቐስ ኣፎም እምበር ወስታታትን ምቅይያራት ገጽን ኣይረአን። ንኣብነት፤ ኩባያን ኣርሴማን ካብ ለይታዊ ትልሂት ወጺኦም ከም ዝሰኸሩ ዘርእይዎ ምንቅስቓስ እምብዛ ዝተጋነነ ኰይኑ ቀሪቡ። ኣታሕዛ ጥርሙዝ ቢራ ኣርሴማ ጠገለ የብሉን። ሩትን ወዲ ከረንን ከም ሓደስቲ ፍቑራት ወኒ ፍቕሪ ዘይረኣዮ ልኡም ምውሳእ’ዩ ነይሩዎም። እታ ክልተኦም ዝረኣዩላ ናይ ጾታዊ-ርክብ ምርኢት ሕምቀቶምን ሕምቀት ኣላዪ ፊልም፡ ኣላዪ ካመራ ኣጕሊሓ እተርኢ እያ። ምንቅስቓሶም ኣብ ኣእጋሮም ኰይኑ፡ ወዲ ከረን ሓንሳብ ገጹ ዝረኣየላ ኣብ ምዉቕ ስምዒት ምህላዉ የጠራጥረካ (ተወሳኺ ብዛዕባ’ዚ ኣብ ክፋል ሲነማቶግራፊ ንመልከት)። ዝርርብ ኩባያ ድማ ምግናናት ይበዝሖ ነይሩ፡ ቅሩብ’ኳ ከም ውዑይ ጠባይ ክትቅበሎ ዘይጸግም እንተዀነ። ኣምሓርኛ ዝዛረባ ደቀንስትዮ (ሳራን ልያን) ዝርርበን ኣዝዩ ሓይሊ ዘይብሉን ሸምዲደን ለለ ጥራይ እየን ዝብላ ነይረ። ብኣንጻሩ፡ ፊልሞን (ንሒደት ምርኢታት ዝቐረበ ተዛራቢ ኣምሓርኛ) ጽቡቕ ዋሕዚ ኣዘራርባን ነይሩዎ።
ስእሊን ድምጺን (ሲነማቶግራፊ)
“ብሌን ሂወት” ብዙሓት ንጹራት ኣሳእል ይርከቡዋ። እንተዀን፡ ብዙሓት ተመጣጣኒ (ዩኒፎርም) ዘይኰነ ብርሃን ዘለዎም ኣሳእል ይርከቡዋ። ኣብ ሓደ ምርኢት ዝቀያየር ብርሃን ብብዝሒ ኣሎ። ድምጺ’ውን ብዝግባእ ኣይተመልአን፣ኣብ ብዙህ ክብ ለጠቕ ይብል፡ ይዕፈን፡ ናይ ኣከባቢ ድምጺ (ኣምብየንስ) ምቍጽጻር ኣይግበረሉን። ብዓቢኡ ድማ፡ ካመራ ከም እትዛረብ ከይፈለጠ ካመራ ዘልዓለ ሰኣሊ’ዩ ስኢሉዋ ነዛ ፊልም። ምቕራብ ምርሓቕ ዙም (ዙም ኢን ከምእ’ውን ዙም ኣውት) ብዝግባእ ኣብ ጥቕሚ ኣይወዓለን።
ናይ ወዲ ከረንን ሩትን ናይ ጾታዊ-ርክብ ስእሊ ሃዋሁ ናይ ጾታዊ-ርክብ ኣይተንጸባርቕን። ቍጽጽር ብርሃን ብዘይ ምህላዉ (ሽምዓ በሪሁ ከብቅዕ፡ ደሚቕ ጻዕዳ ብርሃን በሪሁ) ነቲ ሃዋሁ ይብርዞ። ብተዋሳኺ፡ እቲ ምንቅስቓሶም ቅሉዕን ልኡምን ብምዃኑ፡ ወኒ ዘለዎ ስእሊ ጾታዊ-ርክብ ኣይፈጥርን። ዝዀን ምንቅስቓስ ወይ ቋንቋ ካመራ የሎን። ብሓፈሻ፡ ምንቅስቓስ ካመራ ክፈጥሮ ንዝኽእል ጽባቐ ስእልን ቋንቋ ስእሊን ኣይርከብን።
መይክ-ኣፕ፡ መከናን ዲዛይንን
ዝበዝሑ ዝተመርጹ ቦታታት እዛ ፊልም ክሳብ መወዳእታ ንኽትዕዘባ ዝገብሩ እዮም። መጀመርያ ዓወት ካብ ጕጅለኡ ተፈልዩ ዝትክዘላ ቦታ ምስ ስምዒቱ ዝኸይድ ደበና ዝዓብለሎ ሃዋሁ ነይሩዋ። ዓውት ንልያ ንናይ ድራር ግብዣ ዝዕድመላ ቦታ ምስ ኵነተ-ኣእምሮ ክልተኦም እትኸይድ’ያ፤ ጽባቐን ፍሉይነትን እቲ ቦታ ንህንጥዩነት ፍቕሪ ልያ ዝድርዕ ክኸውን እንከሎ፡ ጽበት እታ ክፍሊ ድማ ምስ ዓቕሊ ጽበት ዓወት ትሳነ (ሰኣላይ’ውን ነታ ምርኢት ንኽስእላ ኣዝዩ’ዩ ዝጽገም)።
ምከና ንጠባያት ንምርድኦም ጽቡቕ ተራ ዝተጻወተሉ ንምዝካር፡ ሃኒን ወዲ ከረንን ብእብረ ሓደኦም ናይ ደቂ-ኣንስትዮ መመላኽዒ፡ ሓደኦም ድማ መጽሓፍቲ ክገዝኡ ዝረኣዩሉ መርኢት፣ ከምኡ’ውን ሳራን ልያን ኣብ ተመሳሳሊ ተግባር ዝረኣያሉ ምርኢት፡ ናይ ኣርባዕቲኦም ጠባያት ባህርያት ዘርእዪ ብምንባሩ ጽቡቕ ስራሕ ነይሩ።
መይክ-ኣፕ ብጽቡቕ ክግለጽ ይከኣል። ነታ ናይ ቅትለት ምርኢት ዝተገብረላ ናይ መይክ-ኣፕ ስራሕ ድማ ኣድናቖት ይግባኣ። ዲዛይናት ኣልባስ ብሓፈሻ ጽቡቕ ነይሩ።
ኣርትዖት (ኤዲቲንግ)
እዚ ክፋል ናይ’ዛ ፊልም እቲ ብዙሕ ክስረሓሉን ነታ ፊልም ክቕይራ ዝግባኦን’ዩ ነይሩ። እንተዀነ ኣዝዩ ድኹም ብምንባሩ፡ ተጻጊምካ ዝስማዕ ንምርኢት ኣብ ኣዳራሽ ዘይበቅዕ ድምጺ ሒዛያ ተዘርጊሓ እዛ ፊልም። እቲ ኣብ ስቱድዮ ተመሊኡ ዝኣተወ ምዃኑ ዝፍለጥ ዝርርባት ዓቐን ድምጺ ዋላ መወዳእታ እንከሎ ንጻረ የብሉን። ከም ድምጺ ሃዋሁ (ኣምብየንስ) ዝኣተወ ዝተጋነነ መዛሙር ኣዕዋፍን መበቆላውያን ዘይኰኑ ሙዚቃታት ዓቐኑ ኣይተሓለወን።
ኣሳእል ኣብ ዘይግባእ እናተቘረጹ ስለ ዝተላገቡ ናይ ቀጻልነት (ኮንትዩኒቲ) ጸገማት ብብዝሒ (ኣብ ገለ’ሞ ዝደጋገሙ’ውን) ይርከቡ። ኣብቲ ዓወትን ልያን ዝድረሩሉ ቦታ መስመር 180 ዲግሪ ኣይሕሎን፡ ብዅሉ መኣዝናት ንኽረኣዩ ኣርታዒ ዘይገበሮ ጻዕሪ የሎን። ብተመሳሳሊ፡ ዓወትን ሃኒን ዝራኸቡሉ ቦታ ዕዳጋ፡ 360 ዲግሪ ጨራሪሙ ኣርእዩና ከብቅዕ ካብ ታሕቲ ብዝተወስዳ ስእሊ ከብዲ እግሮም ከርእየና ቅሩብ ይተርፎ። ንዋሕዚ ዛንታን ሃዋሁ ምርኢታትን ዝምችእ ኣርትዖት የሎን። ዝኸፍአ ድማ ትርጕም ዘይብሎም ኣሳእል ኣብ መንጉ ዝእተዉ ምህላዎም’ዩ። ንኣብነት፤ ንተዋሳእቲ ዝጋረደ ኣቝጽልቲ ይረአ፡ ካብ ተዋሳእቲ ነጢሩ መንደቕ ወይ ገዛውቲ ኣርእዩ ይምለስ። ቍርጽ ልጥፍ ዝዓይነቱን ኣዝዩ ድኹምን ኣርትዖት እዩ።
ሓፈሻዊ መጠቓለሊ
ፊልም “ብሌን ሂወት”፡ ዓቢ ኣርእስቲ ሒዛ’ያ ነቒላ። ክንድኡ ዝግዝፉ ኣርእስቲ’ውን ኣብ ሓደ ዛንታ ብምትዃር ክፍተሽ ምተኻእለ። ምስጢር ህይወት እንታይ’ዩ ንዝብል ሕቶ፡ ብሕጊ ተዛማድነት ነንውልቁ ሰብ ነናቱ መልሲ ስለ ዘይሰኣኖ፡ እቲ ዛንታ’ውን ንኽውርጽጽን ጽፈት ስራህ ንኽህሉን ኣተኵሮ ክህልዎ ነይሩዎ። በዚ ዘላቶ ግን፡ እዛ ፊልም ልዕሊ ዓቕማ ኰሊሳ ምዅምሳዕ ዝኣበያ’ያ ኰይና ተሪፋ ዘላ። ናይ’ዚ ጸገም እንታይ’ዩ፧ ንዅሉ ሓደ ሰብ ክዓሞ ምፍታኑ’ዩ። ኣላዪ (ዳይሬክተር)ን ተዋሳኣይን ብዙህ እዋን ንዕዘቦ’ዩ ኣብ ስራሓት ፊልም። ሰኣላይን ተዋሳኣይን ግን ዝገርም’ዩ። ብዙሕ ስራሓት ብሓደ ሰብ ስለ ዝተዓሙ፡ ነቲ ሰብ መንፍዓት ኣይውስኸሉን’ዩ። ናይ ምሕደራ ሕመቑ ጥራይ’ዩ ዘጕልሓሉ።
ነቲ “ከም’ዚ ክንሰርሕ ኣይምኸኣልናን፧” ኢሉ ዝሓተተ ብጻየይ ዝህልወኒ መልሲ እዚ ጽሑፍ ኣኻሊ’ኳ እንተ ነበረ፡ ቅሩብ ግን ክብል። ከም’ዚ ክትሰርሕ ትኽእል ትኸውን፣ ካብ’ዚ ኣዝዩ ዝተዓጻጸፍ ንኽትሰርሕ ግን፡ ከም’ቶም ኣብ ኤርትራ ኰይንኖም “በዚ ሞያ ዝወሰድኩው ስልጠና የሎን፣ ካብ ዜሮ ተበጊሰ’የ ሰሪሐ፡” ዝብሉ ክትከውን ኣይደልየካን። ኣብ ትምህርቲ ዘለዎ ዓዲ ኣሎኻ’ሞ፡ ነቲ ክትሰርሖ እትደሊ ከም ሞያ ርኢኻ ንዝንባለኻ ትምህርቲ ወስኸሉ።
Movie Trailer: https://www.youtube.com/watch?v=TSYIQDPYxS8

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top