ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

“ቦሪን ኰይነ… ኢንጆይ ክኸውን ደልየ”

“ኢሂ ተገባሪት… ብሰንክኺ ድቃስ ክንስእን? ንባዕልኺ ኢንጆይ ኰይንኪ ንሕና ክነንባሁቝ።”
“ተዝርከብስ ንዓይ ምሓሸኒ። ኣይትደቅሲ ኢለ ድማ ኢድኪን እግርኽን ኣይኣሰርኩኽን። ኣሕልፍና ጥራይ ሕጂ… ኣብ ኣፍ ማዕጾ ኰይንኪ ጀላዕላዕ እናበልኪ ሰብ ከይተተስኢ።”
“ኪዲ ኸዝዝዛብ… ምስ’ዚ ሓለንጋይ ቅዙፍ ኣምሲኺ እንተይ ከይትስእኒ።”
“ካብኣ ነጢርኪ ድማ ናባይ መጺኺ ሕጂ? እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኺ ግን?”
“ምዃን ሓንቲ ፋራ እንድያ’ዚኣ። ኣብያትካ’ያ ምሽ? ኰይስ ተትብለካ መቸም ኣይመፋነኻያን ነይርካ። ንፈልጠኩም እንዲና ኣወዳት፡ ኣብ ዓራትካ ኰይንካ ቻው ምበልካያ።”

“ዝሓተትኩኺ ሕቶ ግዳይ ዘይትምልሲ… ብግምተይ ግን ሓንቲ ቀናእ ወይ ሓሳድ ብዓቢኡ ድማ ፋራ ኢኺ። እምበር ኣብ ዘይምልከተኪ ናይ ካልኦት ሰባት ህይወት ኣቲኺ ኣይምተዛረብክን።”
“ኣታ ተረጓቢ!! ንዓይ ፋራ ወይ ሓሳድ’ያ ዝብል ሓደ ሰብ እንተ ተረኺቡ ትንፋሰይ ባዕለይ አሕልፋ።”
“ሓደ ደኣ ኣነ ከማን ነሀለኹ ብኣካል ኣብ ገጽኪ እነግረኪ። ግን ድሓን ኣይትተሓነቒ… እንታይ ክትረኽቢ? ድሓር እቲ መልሓስኪ ጽቡቕ ኣውጽእሉ። ከም’ዚኦም ዓይነት ቃላት ዘውጽእ ኣፍ፡ ኣይኰነን ክትስዕሞ ክትሓርኣሉ ከማን ዝበሃግ ኣይኰነን። ኣብ ዘይምልከተኪ ድማ ኣይትእተዊ።”
“እዋይ ናይ ሕማመይ መዓረይ… እዚኣ ፋራ’ያ ኣሕሪቓትካ እምበር ኣነ ከም ዘይኰንኩ ጽቡቕ ገይረ እፈልጥ’የ። ናይ መልሓሰይ ነገር ተዀይኑ ከተማ ምዕባይ ጸገም’ዩ! ምስ ጀምዓ ገለ ክትከይድ ኵሉ ስለ ትርኢ ከይሓሰብካ’ዩ ከምኦም ዓይነት ቃላት ትለምድ።”
“ሕጂ ነዞም ኮሬድዮ ንርብሾም ኣለና። ንስኺ ደቅሲ። ኣነ ድማ ኣብታ ኣፍ-ደገ ገዛና ኰይነ ሓንቲ ሽጋራ ስሒበ ዶርሜ ክገብር።”
“በይንኻ ካብ ትኸውን’ሞ ክሳብ ሽጋራኻ ትሰቲ ዘየሐክየካ። ሓንሳብ ጎልፎ ክድርብ።”
“ሳክት ኢኺ ድቃስ ከሊእክና ገለ ክትብልያ ጸኒሕኪ ማለት’ዩ። ምሳይ ምጽናሓ እናፈለጥኪ ሱቕ ኢልኪ ሕሳዳ ትዀኒ በቃ።”
“ኣታ ፍጉር ንስኻ ሱቕ ኢልካ ስም ኣይተጥብቐለይ፣ ምሕሳድ ኣይተግባረይን’ዩ። እዛ ካምፕ ከምትፈልጣ መዓት ፍግራ ቦታ ኣለዋ። መን ይፈልጥ ድወ-ትረ ኮልቦ መቸም ሂብካ’ያ ኣሎኻ።”
“ካብ ዝገመትኩዎ ኣይወጻኹን…”
“ቀናእ ክኸውን እኽእል’የ ሓሳድን ፋርን ግን ቱፍ ቱፍ ቱፍ… ፍጹም ኣይብሉኻን።”
“ቅንእን ሕስድናን ኣስፕሮ ኣስፕሪን እዮም’ኮ። ኣነ ርግጸኛ’የ ኣዴኺ ጐልጓል ወፊራ ከላ ስለ ዝወለደትኪ መደሓንትኺ ምስ ሰራውር ዓሻ ገረብ፡ ጸጎጎ፡ መዘርባዕ ገለ’ዩ ተቐቢሩ። ንኸተማ ድማ ምስ ጐበዝኪ መጺኺ።”
“ወዲ ሸርሙጣ ጌርካለይ ሕጂ! ሃሃሃሃሃሃ… ግን ይገርመካ ኣነ ኣስሊ ጓለባሻውል’የ ካብ ሰብ ከይትሰምዕ።”
“ዎዎዎዎ… ደቀባሻውል ጀምዓይ ክትጽይቕለይ ኢኺ ንስኺ። ኣነ፡ ሓንቲ ፋራ ምዃንኪ ቀደም’የ ገጢመኪ ኣብዛ ካምፕ እግርኺ ዘንበርክላ መዓልቲ።”
“ኣታ ክፍግጸካ’የ ፋራ ፋራ ኣይተብዝሓለይ…”
“እነ ዝፈልጠን ኣስሊ ሓራይፍ ኣጓልት… ንኽትረኽበን ዝልመና፡ ምስ ረኸብካየን ገዛአን ንኽኣትዋ ተሃዊኸን ዝገድፋኻ’ሞ ከይተፈለኻየን ትናፍቐ’የን። ብዓል ንስኺ ግን ፋራነትክን ኣብኡ’ዩ። ዳርጋ ለሚንክኒ ኢኺ’ኮ ክገብረኪ… ከምኡ ድማ ፍጹም ኣይብርሃንን’ዩ። ንስኺ ግን ዝሓረፍኪ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኪ ምሽ?”
“እዊዊ… ንስኻ’ኮ… ማራ ኢኻ ግን ርጉም። ኣነ ከምኡ ዓይነት ሰብ ተዝኸውን ምስ’ዚ ዋዒየይ ኵሉ ኣብዚ ካምፕ ዘሎ ወዲ ከልተ ግዜ ገለ ገይርኒ ምሃለወ። ኣብዚ ካምፕ ካብ ዝመጽእ ይገርመካ… ፍጹም ረሲዐዮ! ሕጂ ቨርጅን’የ ክብለካ እኽእል’የ።”
“ዎዎዎዎ… ቨርጅን ድማ!! ሰለስተ ፈቲሕኪስ እምብኣር ቨርጂን ምዃን ኣሎ’ዩ?”
“ሰለስተ ምፍትሐይ ንስኻ ኣይትነግረንን ኢኻ ሐራይ። ንሓበሻ ሪሊ ኰይንካ ምዕላል መቸም መዘዙ ኣይውዳእን’ዩ። ኣነ ምስ ምሁር ሰብ ምዕላል ደስ ስለ ዝብለኒ’የ ዝቐርበካ እምበር ብኻልእ ፍጹም ሓሲበካ ኣይፈልጥን’የ።”
“ምዕዋል ጥራይ ድዩ ዋላ ካልእ ሞያ ነይሩኪ’ዩ?”
“ቦሪን ዕላል ክትክእሎ መዓት ኢኻ መቸም። ምሁር ተዘይትኸውን ምሳኻ ኮፍ ኢለ ኣይመዕለልኩን ነይረ።”
“ዓሰርተ ግዜ ምሁር ምሁር ትብሊ፡ መን’ዩ ምሁር’ዩ ኢሉኪ?”
“ኣዲሳባ ኢምበርስቲ’ዩ ተማሂሩ እዩ ዝበሃለልካ ኣብዚ ካምፕ።”
“ክላእ… ካብ ዘምጽኦ ዘየምጽኦ ዝገብር መቸም ይበዝሕ ኣብዚ ዘሎ ሰብ። ደብረ-ብርሃን ሓንቲ ዓመት መምህር ንኽኸውን ተማሂረ። ኣብ ሽዋ ድማ ተመዲበ እምህር ነይረ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ዝመሃሩ ደቂ ገዛውትና ስለ ዝነበሩ ቀጻሊ እኸይድ ነይረ ናብኦም። ነታ ከተማ ከም ከብዲ ኢደይ’የ ፈሊጠያ ሽዑ። ብዛዕባ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ገለ ከሐኪ ዝሰምዓኒ ሰብ ኣብኡ ዝመሃር ዝነበርኩ ስለ ዝመስሎም’ዮም ከምኡ ኢሎምኺ ዝዀኑ። ደሓር ድማ ንዘይፈልጦ ሜስ የጥርጦ ኰይኑ’ዩ እምበር፡ ዮኒቨርስቲ ምውዳእ ምሁር ኣይገብረካን’ዩ። ካብ ምህሮ ኣእምሮ’ዩ። ወይስ መልክዐይ’ዩ ኣደርቢሽኪ?”
“ከልየናን’ዶ በቲ ኰይኑ በቲ ካብ ብዙሓት ኣብዚ ዘለና መሳድድቲ ትሓይሽ። ኣታ ብዓል ኣነ’ኮ ሃይስኩል እትው ኢልና ኬፋት ከይጀመርና ዓምጺጾም’ዮም ኣመርዕዮምና። ናይ ቈልዓ ነገር ድማ ኣብ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ተፋቲሐ። ብድሕሪኡ ተመርዒኻ ምፍታሕ ኖርማል ኰይኑ ተሰሚዑኒ። መልክዕካ ደሓን ኢኻ። ብባህረይ ቀይሕ ወዲ ኣይብርሃንን’ዩ። ከምዚ ምትሩስ ቶርማስ ኰይኑ’ዩ ዝስመዓኒ። ክርእየካ ከለኹ ግን ደሓን ኢኻ ካብ ከምኡታት…”
“ክትበልዓ ዘደለኻ ኣባ-ጉምባሕሲ…”
“ወላሂ ኣነ ከዚበ ዘይክእሎ… ሪሊ ኰይነ’የ ዝነግረካ ዘለኹ።”
“ንስኺ’ውን ኬፍ ኣለኪ’ኮ፡ ግን ተኲረ ገጽኪ ክርእየኪ ከለኹ ንሻሹ ድሙና ተዘክርኒ።”
“ፍጉር… ክሓርቕ ዲኻ ተጸቢኻ? ደሓን ሻሹ ድሙኹም ኣብ ሳሎን ደቂስካ ትሓቝፋ ተኔርካ ተስፋ ኣለኒ ማለት’ዩ፡ ሓቀይ?”
“ናይ ላስት ዓርክኺ ወይ ሰብኣይኪ መን ነይሩ?”
“ናይ ላስት ሰብኣየይ ዳርጋ ዴቺ ኣኒ ገይረ ኣለኹ ካብ ዝኽልዮ። ብድሕሪኡ ግን ብዙሓት ጀምዓ ስለ ዝነበሩኒ… ብዙሓት ቀያይረ’የ። እቲ ናይ ላስት ዓርከይ ግን ሓደ ኮሮኔል’ዩ ነይሩ።”
“እዋ… ኮሎኔል ድማ ዓርኪ ነይሩኪ?”
“ትፈልጦም እንዲኻ ናይ ዓድና ኮሮኔላት። ግን ንሱ ጥዑይ’ዩ ነይሩ። ሰበይቱ ኣይትወልድን’ያ ነይራ። ውላድ ደልዩ’ዩ ምሳይ ጀሚሩ። እንታይ’ሞ ዘይገበረለይ። ፓስፖርት በል ኤግዚት ቪዛ ብሰከንድ’ዩ ኣውጺኡለይ። ዱባይ ክሸቓቕጥ ጀሚረ ሳላኡ። ኣዕሩኹ ነይሮም ሸቃጦ ዝተሓባበሩኒ… በቃ ማራ ርእየዮ ዘይፈልት ጉርሽ ክሕዝ ጀሚረ ነይረ። ኣነ ኢንጆይ ምዃን’የ ዝፈቱ… ንሱ ድማ በቃ ኣተኺ ወጻኺ ኣብዚሑ። ከልየዮ በቃ…”
“እዚ ኵሉ እናሓገዘኪስ ኖርማል ገዲፍክዮ።”
“ኣታ ኣነ ቦሪን ምዃን ኣይፈቱን’የ። ከምዚ ዓይነት ጭንቀት ሕክያ እና ሓከኻ ቦሪን ኣይትግበረኒ።”
“እዋእ… ንዘረባ ዘረባ ኣምጽኦ’ዩ እምበር ካልእ ኣይኰነን… ግን ኣነን ንስኺን ዳርጋ መሳቱ ኢና። ኣብዚ ምስ’ዞም ቈልዑ ከተዕልሊ ክርእየኪ ከለኹ ኣይስልችዋን ድዩ ኢለ’የ’ኮ ዝሓስብ።”
“እዊ ኣሞረይ… እዚኦም ኵሎም ምሳይ ዘሐክዮ ከም ኣዲኦም’ዮም ዝርእዩኒ። ኣብ ሊብያ ብሓደ ኢና ነይርና። ነንሕድሕድና እናተኣላለና ኢና ባሕሪ ሰጊርና መጺእና። ኣብ መንጎና ዘሎ ፍቕሪ ኣብ ዝዀነ ቦታ ኪድ ኣይትራኽቦን ኢኻ። ሕጂ ነቲ ዝሓለፈ ዘዘኪርና ኢና ንስሕቕ፣ ንስሕቕ ኰይኑ ኣይስመዓናን’ዩ ነይሩ’ኮ።”
“ኣብዚኣ ማራ’የ ዘድንቖም ነቶም ኣብ ተስፋ ዘይብሉ ጸልማት ብተስፋ ተጓዒዞም ዓዲ ሰብ ዝኣተዉ። ክኣምኖ’ውን የጸግመኒ።”
“ብዓል ኣነ ከይተረፍና’ኮ ኢና ጸለይትን መዘምራንን ተቐይርና ነይርና። ብዘይካ ኣምላኽ ንዝዀነ ዝእመን ነገር ከይረኣና ኢና ንባሕሪ ነቒልና። ኣምላኽ ጥዑም! ኣምላኽ ዝገበረልና’ኮ። እምበር ክንስቀል ከላና ዘይረኣናያ ጃልባ፡ ምስ ወረድና ርእየያ ክኣምን ኣይከኣልኩን ብህይወትና ምእታውና።”
“እምነት እምባ’ዩ ዝንቕንቕ ዝበሃል ከም’ዚ’ዩ’ኮ። ግን… ንዓኺ ምስ ደቅኺ ኣይምሓሸክን?”
“ምሓሽ ክህሉ፡ ዝሓይሽ ነገር ክትርኢ ኣለካ። ምስ ደቀይ ዝነበረኒ ሕሉፍ ህይወተይ ክዝክሮ ከለኹ ጭንቀት ጥራይ ምንባሩ’የ ዝዝክር።”
“ክደንይ ገይርኪ’ለኺ ካብኣቶም ካብ ትፍለዪ?”
“ሽግር እናዘከርካ ንስካ ቦሪን ኰይነ ሕጂ። ንደቅስ በቃ…”
“ኮይስ… በቃ። ኣነ ሓንቲ ክገብረላ መደቀሲት’ሞ። ንስኺ ኪዲ ደሓን ደቅሲ።”
“ኣታ እንታይ ኰይንካ’ታ… ምሽ ሓንቲ መደቀሲት ኢልካ ክትሰቲ ጸኒሕካ?”
“ዓንተወይ እንድዩ ንሱ ድኣ። ሕጂ ነዚኣ ስሒበ ዶርሜ…”
“ምዃን ናታካ ኣሳሕባ ጽፉፍ’ዩ። ከማን ሽጋራ ከም ትስሕብ ዘይትጨኑ። ብዓል ወዲ በለዛ ረኣዮም’ሞ ኵሉንትናኦም ሽጋራ እኮ’ዮም። ፎእ… ናቱ ጽልኣለይ።”
“ሰብ እናልዓልካ ዘረባ ግደፊ… ከምኣ ኣይፈቱን’የ።”
“ሃሃሃ… ኣነ’ውን ማራ’የ ዝጸልእ ከማኣስ… እዞም ምስ ደበና እናተናጐጽኩም ዝመጻኹም፡ ሰብ ኣይትፈትዉን ኢኹም። ብሽግር ስለ ዘይተፈተንኩም ኢኹም መስለኒ።”
“ፈተነ ኢልኪ… ዓመታት ዝገበርኩዎ ኣብ ሱዳን ፈተነ ተዘይሓሰብክዮ ኣብዚ ምስ ኣተኹ ዝረኸብኩዎ ፈተነ ኣቃሊልኪ ትርእዪዮ ኣይብልን።”
“ኣብዚ ምስ ኣትኻ ድኣ ፊኒታ ላ’ፓርቲታ… ናይ ምንታይ ፈተነ’ዩ’ዚ! ነዚ ጻዕዳ ሶስ ናይ’ዚ ዓዲ ጥራይ ጸሊኤዮ ከይትብለኒ ሃሃሃሃ…”
“ኣርኪብኪ ሓቅኺ ቀይሕ ድዩ ዋላ ጻዕዳ ስልሲ ክትፈላልዪ ግዜ ረኺብኪ። ኣነ ኤውሮጳ ዝብሉዋ ካብ ዝኣቱ ድቃስ ሰለም ኣየበልኩን። እታ ብቢዝነስ መርዓ ዘምጽአትኒ ‘ገንዘብካ ክመልሰልካ ናይ ብሓቂ ንግበሮ ነቲ መርዓ’ ኢላ ጸገም ፈጢራትለይ። ናታስ ኣይምዓጠጠንን ነይሩ። ናይ’ተን ክልተ ኣሕዋተይን ሓወይን ግን ገዲዱ።”
“ዋላ ሓውኻ ድዩ ዝሕስደካ ወደይ! ከይትምርዓዋ ኢሎም ድዮም ከልኪሎምኻ?”
“እቲ ሓወይ ‘ድልየትካ ግበር፣ ዋላ ሰልዲ እንተመለሰትልካ ካብ ኢደይ ንዓኻ ኢለ ሓንሳብ ስለ ዘውጻኹዎ ናትካ’ዩ፣’ ኢሉ ኣብ ፈተነ ደርቢኒ። ብስስዐ ገንዘብ ምስ ዘይፈልጣ ሰብ ሓዳር ክገብር! እተን ክልተ ኣሕዋተይ ድማ፡ ገንዘበን ክምለሰለን ደልየን ‘እዛ ሰብ ብዓልቲ ቍም-ነገር’ያ’ዶ ገለዶ’ ክብላ ጭንቀት ወዲኤናኒ። ከም ኣጓልት መጠን ርህራሄ ዘይብለን ምዃነን ማራ ዓቕለይ ኣወዲኤናኒ።”
“ነታ ጓል ራህሪሄን’ዶ ኣይኮናን ከምኡ ኢለን’ሞ? ብኡ ኣቢልካ ድማ ንቡር ትፍትነለን።”
“እሰን ንገዘብ ዝርህርሀኦ ይዓቢ። ንቡር ድማ ክንዲ ናትኪ ሰለስተ ኣይኹን’ምበር ስለ ዝፈተንኩ ይኣኽለኒ’ዩ። ኣርባዕተ ቈልዑ ገዲፈላ መጺኤስ ኣብዚ ምስ ኣተኹ ክርስዓ።”
“ቃል-ኪዳን ተዘይብኩም እኮ ጸገም’ዩ ከተምጽኣ! ምስ’ዚኣ ግን ቍሩብ ጉርሽ ምኣከብካ… ወይስ ካባይ ዘይትሓይሽ ዓርጅ’ያ ሃሃሃሃ…”
“ይገርም’ዩ… ከመይ’ዩ ግን ኣዋልድ ነንሕድሕድክን ትጨኻኸና። ናትክን ጭካነ’ዩ ዝኸውን ዘዕነንየናን ኣብ ዘይንወጾ መዘዛት ዝሸመናን ዘሎ። ካብ’ተን ዓንጃላት ኣሕዋተይ ኣይትሕሽን ኢኺ ንስኺ ድማ ዋላ ብዙሕ ተፈቲነ’የ ኣብዚ በጺሐ ተበልኪ።”
“ምሽ’ዶ… ናይ ሕማመይ ሎሚ ሽጋራ ኣብዚሕ’ካ ፎእ! መዓስ ኢኻ ጀሚርካ’ያ’ባ?”
“ሽዑ በቃ ምምህርና ምስ ጀመርኩ። ጉርሽ ምሓዝ ጀሚረ። ነተን ደቂ ገዛውተይ ድማ ቀጻሊ እናኸድኩ እረኽበን ገለ። ብሓደ ንጨርም… እንታይ’ሞ ዘይንበረ ሽዑ ኣብ ኣዲሳባ! እኩላ በሊ፡ ጫት በሊ፡ ባንጎ በሊ ኣዋልድ በሊ…”
“ክላ-ክላ፡ ኣዋልድሲ ክንዳና ኣይኰናን’የን ኣብ ምሕራፍ። ሱቕ ኢልካ ኣይትሃድድ።”
“ብኡነት’የ ዝብለኪ… ክንድአን ኣይትሕርፋን ኢኽን። ንሰን’ኮ ኣብ ኢደን ከሕርኣኻ ቍሩብ’ዩ ዝተርፈን። ኣደይ ትሙት ክብረት ኣሎ ምስአን።”
“እንታይ ኣጕዲልናልካ ንሕና? ተደሊኻ ነተን ዘጕደላልካ ከምኡ በለን።”
“ዝጐደለኒ ነገር የሎን። ኵሉ ምሉእ’ዩ ዘሎ ደሓን።”
“ኢሂ እታ ፋራ ኵሉ-ምሉ ተማልኣልካ ኣላ ድያ? ገጢማትና ኢልካ ዲኻ ዓንተወይ ናይ ቀልዓለም ተንጸርጽረለይ ነይርካ?”
“ኖኖ… እዛ ፋራ ሓሲዳትና ኢለ እምበር። ጓልዛ ሓሳድ ፋራ ዋሒድ…”
“ኣታ ተረጓቢ ክቐትለካ’የ ኣነ ሎሚ ለይቲ።”
“ንርኢ በለት ዕውርቲ…”
“እሞ ሕጂ ወዲእኩም ዲኹም ምስ’ዛ ፋራ?”
“ዘይምልከተኪ ኣይትሕተቲ ምሽ ኢለኪ።”
“ከመይ ዘይምልከተኒ ምሉእ ለይቲ ድቃስ ከሊእኩምኒ ኣናሓደርኩምሲ።”
“ንስኺ ጥዕና የብልክን…”
“ደሓን በቃ… ብኸመይ ካባይ ንላዕሊ ንዓዓ መሪጽካ ንገረኒ ጥራይ።”
“ንዓዓ ኣይመረጽኩ ኣነ።”
“ንመን ደኣ መሪጽካ?”
“ንዋላ ሓደ።”
“ስለምንታይ?”
“ምኽንያቱ ኣነ ቈናኒተይ ኣላትኒ። ንስኽን ድማ ቈቈናኒኽን ርኸባ።”
“ኣበይ ዘላ ወደይ?”
“እታ ኣርባዕተ ባምቡሩሻት ዝወለደትለይ ሃሩር ሱዳን እናተወቕዐት ትጽበየኒ ዘላ’ኸ?”
“መቸም ኣወዳት ጓል ፈትያትኒ ኢልኩም ተሓሲብኩም፡ ብኹርዓት መሬት ኣይትጽርኒ ኢኹም ትብሉዋ። ኣብዚ ምስ ኣምጻኻያ ፈስኻ ምስ ኣጥበሰትካ ክትዝክረኒ ኢኻ።”
“ንስኺ ድማ ደቅኺ መጺኦም ምስ ኣሕጐሉኺ ክትዝክርኒ ኢኺ።”
“ሕጂ ንስኻስ እንታዴኻ’ዩ ከፊኡካ ምስይ ምጅማር? ነዚ ናይ ሰሃራ ማዳ ኣይትርአ ኮይስ። ንኽንደይ ኢና ነካስም ነይርና።”
“ኣነ ድማ ካብዛ ናይ ሎሚ ምሸት ናትክን ናይ መዳቕስትኽን ጀሚረ ንኽንደይ ከም ዘካስምኩወን ተዝጽብጽበልኪ ኣብዚኣ ቅድመይ ፌንቲ ኰይንኪ ምዓጸኺ ነይርኪ።”
“ካብ ምሳኻትኩም ኣብዚ… ኣብቲ ከተማ ከይደ ደኣ ኢንጆይ ክኸውን እምበር። ሸውሃትና ዓጺኹምና በቃ።”
“ባስ የላን ግን ሕጂ።”
“መን ሕጂ ኢሉካ… ደንጐላ! ለይቲ ምድሪ ኣብዚ ምሳኻ ተገቲረ ከልኹ ከማን ዘይሓሰብካኒ’ዶ… ምዃን ኣነየ ጌገኛ። ደድሕሪ ፋራ ንዝኸይድ ፋራ ተገዲሰ ከዕልል ከይደቀስኩ ዝሓድር።”
“ፋራስ ፋራ ኣይበልካ… ግን ንመበል ክንደይ ዝነበረ ሰብኣይኪ ስለ ዘዘከርኩኺ ኢኺ ደሊኽኒ?”
“ማራ ቦሪን ጌርካኒ ሕጂስ።”
“ምስጋና ዘይብልኪ ኰይኑ እምበር ምሉእ ለይቲ ቀባሕባሕ ካብ ምባል ኣድሒነኪ። ኬድኪ ድማ ሰላሕ ኢልኪ ደቅሲ ኢኺ ከይተተስእያ።”
“ኣተሲኤያ ኣየተሲኤያ ደይ ከተጕስመኒ’ያ ክትግበሪ ሓዲርኪ ኢላ።”
“ኢድ ሸናሒት ጸናሒት’ያ።”

ስትረምሱንድ
3 ሰነ፡ 2014

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top