ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

“ተረፍ”፡ ህያብ ነቲ ብተመኵሮ ኲናትን ድሕረ-ኲናትን ኣብ ምሕላፍ ዝርከብ ወለዶ ኤርትራ

“ተረፍ — እኩብ ሓጺር-ዛንታታት”፣ ብኣኸደር ኣሕመዲን፣ ኣስመራ፡ ኤርትራ፤ ቤት ማሕተም ናለት፡ 2014፣ ገጻት፡ 206።
ሓፈሻዊ መእተዊ
“ተረፍ” ብመጋቢት 2014 ንማሕተም ዝበቕዐት ናይ ሓጸርቲ ዛንታታት እካብ እያ። ደራሲኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሓት ኤርትራ ክነጥፍ ጸኒሑ ዘሎ ኣኸደር ኣሕመዲን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንዓወት ዝበቕዑ ሓጸርቲ ዛንታት ምጽሓፉን  ኣብ 2011 ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተመድረኸት ሓንቲ ዓባይ ተዋስኦ ምትርጓሙን ይፍለጥ። እተን ኣዝየን ተዘከርቲ ዝዀና ሓጸርቲ ዛንታታቱ “መልሲ ኣብ ጐደና” ከምኡ’ውን “ዓራዪ ሰዓት” እየን።
ኣኸደር፡ ብምህንድስና ኤሌክትሪክ ብዲግሪ ካብ ዩኒቨርሲት ኣስመራ ዝተመረቐ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ ንጡፍ መንግስታዊ ስራሑ ኣቦ-መንበር መማዪት ሽማግለ ፊልም ኤርትራ ምዃኑ ይፍለጥ። ቅድሚ ሞያ ምህንድስና ምጽሓፍ ዝጀመረ ኣኸደር፡ ኣብዛ “ተረፍ” ዝሰመያ መጽሓፉ 11 ሓጸርቲ ዛንታታት ኣብ ዝርዝር ትሕዝቶ’ኳ እንተ ኣቐመጠ፡ ንኸባቢ 15 ገጻት ዝተዘርዘረ “ሀ ሁ. . . መእተዊ ዛንታ” ዝበሎ ክፋል ንባዕሉ ሓደ መሬት ዘይወድቕ ዓሚቝ ዝተሕዝቶኡ ዛንታ እዩ። ስለዚ እዛ መጽሓፍ ደርዘን ሓጸርቲ ዛንታታት ሒዛ ቀሪባ ኣላ እንተ ተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይዀነን።
መጐት ኣሰራርዓ ትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ ብንጽህና ቍልዕነት ጀሚራ፡ ብዘይብሱል ፍልጠትን ንእስነትን ኣቢላ ናብ ብጽሕና መንእሰይን ፈተነንታትን (ፍቕርን ኲናትን) ተሳጊራ፡ ኣብ ዓመቝቲ ኣስተንትኖታት ህይወት ትውድእ። ጸሓፊ፡ ኣብ መቕድሙ እዚ ዝስዕብ ኣስፊሩ ይርከብ፤ “እዚ ምስ ግዙፍ ሓይልታት (ማለት፡ ፍልስፍናታት፡ ፍልጠታት፡ ሕብረተሰባዊ ሕቶታት፡ ውልቃዊ  ኣስተንትኖታትን ዕንደራዊ ሓሳባትን ወዘተ.) ዝዛመድን ዝማጐትን ስነ-ጽሑፍስ ገና-ገና ኣብ ባህግታተይ ዝርከብ ጥራይ እዩ። እዚ ዛንታታት’ዚ ነጸብራቕ ስምዒታተይ ደኣ’ምበር፡ ውጽኢት ጥልቀት-ሓሳብን መጐተን ኣይኰነን።” እዚ ምቕሉልነት ዝመስል ኣባህላ’ዚ፡ ንዝስመዓካ ክትገልጽ ምኽኣል ካብ ንሓሳብካን መጐተኻን ምግላጽ ዝቐልል ምዃኑ ዘስምዕ ይመስል። እንተዀነ፡ ስምዒታት ካብ ሓሳባትን ምጕታትን ወይ’ውን ብተዘዋውሪ ካብ ሕድ-ሕድ ክነቕሉ ከም ዝኽእሉ ምስ ኣንግንዘብ፡ እዚ ኣበሃህላ ትርጕም ዝህብ ኣይመስልን። ዓመቝቲ ስምዒታት ክትገልጽ ምኽኣል’ውን ብቕዓት ዝሓትት ምዃኑ እንተ ተገንዚብና፡ ኣኸደር ኣብ’ዞም ሓጸርቲ ዛንታታት ዝተዓወት ይመስል።
ኣርእስቲ መጽሓፍ ኰይና እትርከብ ሓጻር ዛንታ ኣልዒልካ ኣብዚ ምዝታይ ዝግባእ’ኳ እንተ ነበረ፡ ኣብ ኢደይ ዝበጽሐት ቅዳሕ እዛ መጽሓፍ ካብታ “ተረፍ” እትብል ሓጻር ዛንታ ክልተ ገጻት ጐዲሉዋ ስለ ዝርከብ ንርእይቶ ከጸግም ስለ ዝኽእል፡ ሓንቲ ካብ’ተን ካልኦት ክመርጽ ተገዲደ ኣለኹ። ከም ዝፍለጥ ግን፡ ትሕዝቶ እዚ ርእይቶ ንምሉእ መጽሓፍ ዝመልከት ኣይኰነን፣ ምኽንያቱ ነፍሲ-ወከፍ ሓጻር ዛንታ ናይ ባዕላ ጠባይ እትሕዝ ስራሕ’ያ ዝብል እምነት ስለ ዘሎኒ፡ ንብምሉአን ኣሕፊሸ ርእይቶ ኣይክህበለንን እየ።

ርእይቶ ኣብ ልዕሊ “ዝፈለሰ ፍቕሪ”
ርእይቶ ክህበላ ዝመረጽኩዋ መበል ራብዓይቲ ተሰሪዓ እትርከብ “ዝፈለሰ ፍቕሪ” እትብል ዛንታ እያ። ከም ኵለን ኣብ’ዛ መጽሓፍ ዝርከባ ዛንታታት፡ መንጽረ ዛንታኣ ቀዳማይ ኣካል ኰይኑ፡ ብመገዲ ዕላላት ዮኣብ ዝበሃል ቀንዲ ጠባይ ድማ ዝርዝራት ዛንታ ንኣዘንታዊ እናተነግሮ ትዝንቶ። እቶም ካብ ቍልዕነቶም ኣትሒዞም ኣዕሩኹ ዝዀኑ ኣዘንታዊን ዮኣብን፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት እናፈጸሙ ድሕሪ ናይ ሓደ ዓመት ምፍልላይ ኣብ ተሰነይ ይራኸቡ። ዮኣብ ንኣዘንታዊ ጋሻኡ ብምቕባል ብዙሕ ዘዕልሎ ነገራት ምህላዎም ድሕሪ ምንጋር ናብ ሓንቲ ኣብ ሕለት ኩናማ ዝበሃል ገዛውቲ ከተማ ተሰነይ እትርከብ ቤት መስተ ዳጋ ይወስዶ። ዮኣብ ኣብ መዓስከር ሳዋ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ስልጠና ኣናወሰደ ምስ ዝተፋለጣ ራህዋ እተበሃል ኣባል ሓሙሻይ ዙር ጓለ-ኣንስተይቲ ክምስርቶ ብዛዕባ ዝሃቀነ ርክብ ምረት ብዝሓዘለ ቃና የዕልሎ።
ራህዋ ህድእትን መልክዐኛን ምዃናን ካብ ብዙሓት ደቂ-ተባዕትዮ ሕቶ ፍቕሪ ቀሪቡላ፡ ንብምልኦም ከም ዘቕበጸትን እትጽበዮ ኣፍቃሪ ከም ዝነበራን ብመገዲ ዕላላት ዮኣብ ንፈልጥ። እቲ ስሙ ዘይጥቀስ ኣዘንታዊ ብዘይካ ንዕላላት ዮኣብ ምጽብጻብን ገለ መግለጺታት እታ ቤት መስተን ዓማዊላን ምቕራብን ንድሕረ-ባይታ ዮኣብ’ውን ሓሓሊፉ ብምግላጽ ነቲ ጠባይ ንምርድኡ ይሕግዝ። ገለ ካብኡ፡ ንዮኣብ ሓዉ ብርሃን ድሕሪ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998-2000) ደሃይ ከም ዘይነበሮ፡ ክልተኦም ኣሕዋት (ኣብ ባህሪኦም ብዙሕ ምምስሳል ዝነበሮም) ኣቦኦም ድሕሪ ምማቱ ኣደኦም ከም ዘዕበየቶም፡ ዮኣብ ዝንባለ ስነ-ጥበብ ከም ዝነበሮን ካልእን ይዝንቶ። ዮኣብ ብተደጋጋሚ ንራህዋ ኣግሂዱ ንፍቕሪ’ኳ ሓቲቱዋ እንተ ነበረ፡ መንጸጊኣ ከይነገረት ነዊሕ ተጸብዮ። ብዙሕ ምስ ተዃቶዃ ግን፡ ዮኣብ ነቲ ንሳ እተፍቅሮ ክመስል ከም ዝፍትንን ግን ከም ዝየበቐዖን ትሕብሮ። እዚ ምስቲ መጀመርያ ኣዘንታዊን ዮኣብን ምስ ተራኸቡ፡ ኣዘንታዊ ንዮኣብ “እንታይ ደኣ እዚ ጭሕምኻ ንብዓል ቶልስቶይ ዲኻ ክትመስል ደሊኻ፧” ምስ በሎ ዝምልሶ ይሳነ። ዋላ’ኳ ክመስል እተፈተነ ንዝዀነ ሰብ (ብፍላይ’ኳ ንብርሃን ሓዉ) ክትክእ ዘይክእል ምዃኑ ዮኣብ ይሕብር። መወዳእታ’ውን ራህዋ እትብሎ ድሒሩ ምስጢሩ ንኽልቲኦም ይገሃደሎም፤ ራህዋ እትጽበዮ ኣፍቃሪኣ እቲ ኣዘንታዊን ዮኣብን ደሃይ ብምጥፋኡ ተሰዊኡ ምዃኑ ርጉጽ ገይሮሞዎ ዝነበሩ ብርሃን ሓው ዮኣብ’ዩ ነይሩ። እዚ ዝኸውን ብዘይ ኣፍልጦ ናይ ክልተኦም ኣፍቀርቲ እዩ ነይሩ።

ዮኣብ ንዝገጠሞ ንምዝንታው ሰማዒ እዝኒ ንምርካብ ኣዝዩ ብሂጉ ብምጽናሕ፡ ምረቱ ሓዊሱ ኣዘንትዩ ክዛዝም እነከሎ ድርብ ማህሰይቱ ብዓውታ የቃልሕ። ንኣፍቃሪት ስዉእ ሓዉ ምፍቃሩ፡ ነቲ ዝሰኣኖ ሓዉ ብወግዒ ከይሓዘነሉ ምኽዳዕ ስለ ዝመስል ዝስመዖ ዝነበረ ጭንቀት ኣብ ጭሕሙኳ እንተ ኣግሃዶ ዓው ኢሉ ክዛረበሉስ ኣይከኣለን ነይሩ። እዚ ሰማዒ እዝኒ ዝጠለበ ስምዒቱ፡ ምስ ናይ ቸኮቭ “ዘ ሚዘሪ” (ብዓል ካሮሳ ብዛዕባ ሞት ውላዱ ተዛሪቡ ዝግደሰሉ ዓሚል ምስ ሰኣነ ንፈረሱ ኣዕሊሉ ዘፍ ዝብል) ዘመሳስል ዓሚቝን ነውናዊን ስምዒት ይረኣዮ።

ንእተፍቅሮ ብመስዋእቲ ምስኣን ንብዙሓት ስድራቤታት ኤርትራ ዘንጸለን ነቲ ናይ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመታታ ሃዋሁ ኲናት ዝተመኰረ ወለዶ በሰላ ዝገደፈን ፍጻሜ እዩ። ከምዚ ናይ ዮኣብ እተፍቅሮ ሓው ስኢንካ ፍቕሪ ድማ ክትምንዛዕ ግን፡ ዝዓበየ ስእሊ ናይቲ ኣብ ልዕሊ’ቲ ወለዶ ዝወረደ ሃስያ የርኢ። ብዙሓት ብዘይ ሓድጊን ሓልፋይን ምቕልን ዝጸነታ ስድራ-ቤታት ኣቦታአን እናሃለዋ፡ እቶም ካብ መስዋኣቲ ዝተረፉ ንቡር ህይወት ንኸየሕልፉ ግዳያት ኲናት ኰይኖም ምትራፎም የርእየና።
እቲ ንስነ-ጥባባዊ ፍርያት ጽቡቕ መበገሲ ዝነበሮ መንእሰይ ምዃኑ እንፈልጦ ዮኣብ፡ ዝረኸቦ ጽሑፋት ናይ ምንባብ ባህሪኡ ገዲፉ ንኣዘንታዊ ናብ ቤት መስተ መሪሑዋ ብምኻድ፡ እተን ቢሮ ዝዓትራ ዝነበራ ኣጻብዑ ምስ ሽጋራ ተመሓዝየን ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ትዝታ ኰይኑ’ዩ ተሪፉዎ። እዚ ናይ ኲናት ወለዶ፡ ብዮኣብ ብጽቡቕ ተወኪሉ ንዕዘብ ኣብዚ። እቲ ሃገር ንምድሓን ዘርኣዮ ሞያ’ኳ ዝቃለል ኣይዅን እምብር፡ እቲ ወለዶ ህይወቱ ዝመርሓሉን ንምዕባለ ሕብረተ-ሰቡን ሃገሩን ደፋኢ ተራ ዝነበሮ ሞያ ብሰንኪ ኲናት ዝፈጠሮ ኩነታት ስኢኑዎ ምትራፉ የመልክት።
ኣብ ኣገባባት ኣጸሓሕፋ ምስ እንምልከት፡ ብዙሓት ካብ ቀንዲ ዛንታ ወጻኢ ዝመስሉ ኣርእስታት ኣብ’ቲ ትረኻ ይለዓሉ እምበር፡ ኣብ ድምር ውጽኢት እታ ስራሕ ግን ልዑል ተራ ይጻወቱ። ኣዘንታዊን ዮኣብን ኣብ’ታ ቤት መስተ ምስ ኣተዉ፡ ትዕዝብቲ ኣዘንታዊ ኣብ መናድቕ እታ ጸባብ ገዛ ዓሊቦም ክልተ ፖስተራት ካሴት ናይ ደርፍታት ይዕዘብ። እታ ሓንቲ ‘ሰብ ጠፊኣትኒ’ ክትብል እንከላ እታ ካልኣይቲ ድማ ‘ረስዓኒ’ ዝብላ ኰይነን፡ ንትሕዝቶ ዛንታ ኣመትቲ እየን። ልዒሉ ዝተጠቕስ ምጭሓም ዮኣብን ምምሳል ትርጕም ዘይብሉ ምዃኑ ዝብል ኣባህላ ዮኣብን ኣብ መጨረሻ ሓፊስ መልእኽቲ ይፈጥር። ኣብ ማእከል ዕላሎም ድማ፡ ንጋንታ ቀይሕ ባሕሪ (ኤልፓ) ዝምልከት ዝርርብ ኣንፈት ዛንታ ዘስሕት ይመስል’ሞ፡ ተራኺ ብኣዝዩ ረቂቕ መገዲ ንዕምቈት ጠባይ ዮኣብ ኣገደስቲ ዝዀኑ ነጥብታት ኣብ ምሕላፍ ሓጋዚ ኰይኑ ንረኽቦ።
ንመስዋእቲ ብርሃን ኣመልኪቱ ኣዘንታዊ ንስምዒት ዮኣብ ንምህዳእ ብምባል ለካ (ክሊሸ) ብዝዀነ ኣበሃህላ ተጠቒሙ ንወላዲቶም ሓብን ምዃኑ ዝዛርቦ፡ ካብ ዮኣብ እዚ መልሲ ይረክብ፤ “‘እቲ ሓበን ገለ’ሞ ይጽናሕ ርዱእ እንድዩ፡ ምጕዳሉ ግን. . . እንድያሞ ጥራይ መተዓብይቲ!. . . መዓት ናይ ባዕሉ ሓቂታት ኣለዎ. . . ከሕዝን ምዃኑ ግድን’ዩ. . .’” እዚ ናይ ዮኣብ መልሲ፡ ነቲ ሓቀኛን ደሓር ዝግለጽን ስምዒት ዝእምት (ፎርሻደው) ካብ ዝገብሩ ብዙሓት ነጥብታት ኰይኑ ንረኽቦ።
ኣገላልጻታትን ቋንቋን እዛ ዛንታ ንኣንባቢ ስእለ-ኣእምሮ ዝፈጥሩን መሰጥትን እዮም። እታ ኣብ ተሰነይ ሕለት ኩናማ ኣብ ዝበሃል ገዛውቲ እትርከብ ቤት መስተ፡ ንዓይ ናይ ባረንቱ ጃምብኩር ኣብ ዝበሃል ገዛውቲ ዝርከባ ኣብያተ መስተ’ያ ኣብ ኣእምሮይ ስኢላትለይ። ገለ ካብ ኣገላልጻታት ንምጥቃስ ድማ፤ “ኣልበም ዝጸበቦ ኣሳእል ዓጽመ ስጋ ከኣ፡ ምስ ዶሮናን ዓለባ ሳሬትን እናተቓለሰ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኵርናዕ ናይቲ ገዛ ተቐርቂሩ ይረአ ነበረ።” ምስ ዮኣብ ንዝገብሮ ዝነብረ ዝርርብ ኣመልኪቱ ድማ፡ ኣዘንታዊ ከም’ዚ ይብል፡ “እቲ ካብ ኣፉ ዝወጽእ ዝነበረ ትኪ ምስ ቃላቱ እናተቐዳደመ ይመጻኒ ነበረ።”
እዛ ስራሕ’ዚኣ፡ ሓንቲ ካብ’ተን ሽዱሽተ ንፍቕሪ፡ ኲናትን መስዋእትን ዘማእከላ ዛንታታት ብምዃና ንትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ ገለ ስእሊ ክትህብ ትኽእል ትኸውን። ምረት ኲናት ኣብ ቦታኡ ሃልዩ፡ ድሕሪኡ ዝስዕብ’ውን ካብኡ ብዘይፍለ ኣሰቃቕን ንምሉእ ህይወት ወለዶታት ዝቕይር ምዃኑን እተተንብህ ስራሕ እያ። ደራሲ ኣኸደር ኣብ ወፈያ መጽሓፉ “ብተመሳሳሊ ተመኵሮ ንዝሓለፉ ኵሎም መዛኖይ ትኹነለይ” ከም ዝበሎ፡ “ተ” ነቲ ብተመኵሮ ኲናትን ድሕረ-ኲናትን ኣብ ምሕላፍ ዝርከብ ወለዶ ኤርትራ እትበቅዕ ዓባይ መዘክር እትኸውን ህያብ’ያ ምባል ይከኣል። ስእሊ ገበር እዛ መጽሓፍ ብቐባኢ ቢንያም ተኽለ ወቂቡ ንረኽቡ፡ ምናልባት እዚኣ ሒደት ካብ’ተን ገበረን ብኸምኡ ዘቕረባ መጽሓፍቲ ክትከውን ትኽእልያ። ናይ ሳሙኤል መንግስትኣብ “ሰብ ዘይረኸበት ሰብ” እውን ብቐባኢ ኤርምያስ ዕቝበ ናይ ገበር ስእሊ ተሳኢሉላ ምንባሩ ይፍለጥ።
ከም ጕድለት ከይተጠቕሰ ክሕለፍ ዘይብሉ ኰይኑ ዝስመዓኒ ትሕዝቶ’ዛ መጽሓፍ፡ ኣብ መቕድም ዝተጠቕሰ ቅዲ ኣጸሓሓፉ ንምግላጽ ደራሲ ኣስፊሩዎ ዝርከብ ዝርዝራት ቅዲ ኣጸሓሕፋ ሓጺር ዛንታ እዩ። ድራሲ ናይ ምምሃር ስራሕ ተሓንጊጡ ወይ’ውን ብዛዕባ ስራሑ ከም’ዚ ዓይነት መግለጺ ምሃብ ኣድላይነቱ ኣይረኣየካን። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ንኣንባቢ ትሑት ግምት ምሃብ ይመስል። ዝተሰርሐ ስራሕ ኣቕሪብካ፡ ኣንበብቲ በዚ ቀያዲ ዝመስል መብርሂ ንኽየጽለዉን ናይ ባዕሎም ትንተናን ኣረዳድኣን ምእንቲ ክህልዎም ባይታ ክወሃብ ምተገበአ።

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top