ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ንጉሰ

ወዲ እልፉ ብዓል ሓሞት
ኣንበሳ ቀጺዑ ብሞት
ፋረ ምስ ተተልበበ
ሽዑ’ዩ ስሙ ዝሃበበ።
ልእልቲ ‘ሉ ከይሓደመ
ብግናዕ ኢዱ ኣናገላደመ
ኣእትዩ ጓል መስፍን
ድላያ ኣቢሉ ዕፍን።

ብላዕ ክትብሎ ኵላ ብግዲ፤
ኢደ-ሰባር ኰይኑ ህጡር ዓውዲ
ቆፎ ኣምባሂቝ ብጥልቁዕ ከብዲ፣
መዓር ኣንጠብጢቡ ኣይነፈገን ንህቢ፣
ጠስሚ ጸሪሩ እዝጊ ይሃባ ላሕሚ፣
እንታይ’ሞ… ውዒሉ’ንዶ ዓዲ!

ንንጉሰ፡ ‘ቲ’ኳ ጅግና ከምኡ ዘይተወልደ፡
ጽላል ቈጽሊ ዓዱ ዘድረቐ ‘ተዘየንደደ፡
ጐልጐል ኣምሃራ ዘሕለፈቶ ብዘይ ሕንዳ፡
ኣደኡ ዝተቘነነትሉ ኣብ ምድራቕ ከብዳ፡
ፋረኡ፡ ሰናድሩ ክንዲ ሓድጊ ዕዳጋ ዝወረዳ፡
ኳዓቲት፡ ትሕበነሉ’ዶ ምዃኑ ውላዳ?

14 ጥቅምቲ፡ 2012

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top