ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ኣውቶቡስ ምሸት

ሰመረ ሰዓቱ እናራኣየ ናብ መጸበዪ ኣውቶቡስ በጽሐ’ሞ፡ ምስ’ቶም ናብ ገገዛኦም ክኸዱ ዝተሃወኹ ሰባት ተጸንበረ። ጻዕቂ ተጸበይቲ ምስ ረኣየ፡ እታ ኣውቶቡስ ኣመና ከም ዝደንጐየት ንምግማት ኣየጸገሞን። ኣቦይ ባሻይ፡ እቶም ገዚፍ ካቦት ምስ ኣረጊት ናይ ጎልፎ ቆቢዕ ዘዘውትሩ ዓሚል ኣውቶቡስ ነታ ዘይፈልዩዋ ናይ መሸማዕ ሳንጣኦም ኣብ መንጎ ክልተ እግሮም ቀርቂሮም በትሮም ተደጊፎም ምስቶም ተጸበይቲ ከዋግዑ ድማ ረኣዮም። ሓንቲ ኣፋ ብነጸላ ዝሸፈንት ከደረይቲ ጐርዞ ብዘረባ ኣቦይ ባሻይ ትስሕቕ ነበረት። ሰመረ ኣብ ጐድኒቶም ተዋዛያይ ሰብኣይ ተጸጊዑ ክጽበ’ኳ እንተደለየ፡ ጻዕቂ ሰብ ብምንባሩ ካብኦም ፍንትት ኢሉ ኣብ ጥቓቶም ኣፍንኣፍ ገጢሞም ዘዕልሉ ዝነበሩ ክልተ መንእሰያት ደው በለ።
እቲ ኣጸጊሙ ዘሎ ጉርሽ’ዩ። እምበር ማርታስ፡” በለ እቲ ጸሊም ቀጢን መንእሰይ።
ናቱስ ጸገም የለን ጥራይ ንዓኣ ከይትኽልያ ከምታ ዘንብዓትካ፡” በለ እቲ ካልኣዩ።
ናቱስ ናባይ ግደፎ፣ ክንናባባዕ ኢና! ጉሩሽ ግን፡ ኣብ ሎሚ በጺሑ ከሪሑ። ፍጋራ!” ኣንጸርጸረ’ቲ ቀዳማይ።
ሰመረ እንደገና ሰዓቱ ራኣየ፣ ኣውቶቡስ ገና ኣይተቐልቀለትን። ኣዒንቱ ናብተን ኣብ ጐደና ሰማእታት ላዕልን ታሕትን ዝወናጨፋ ዝነበራ ተሽከርከርቲ ተተኽላ ኣእዛኑ ግን ነቲ ከይፈተወ ክሰምዖ ዝተገደደ ዕላል ክጽመማ ነይርወን።
ናቱስ ናባይ ግደፎ፣ ተዓገሰኒ ጥራሕ ክርዝቐካ’የ፡” መለሰ እቲ ካልኣይ መንእሰይ።
ከመይ ማለት፧” ተስፋ ቀዳማይ ተበራበረ።
እብለካንድየ ዘለኹ፡ ናባይ ጥራይ ግደፎ፡” እናበለ ናብታ ልዕሊ ዓቕማ መሊኣ ክትመጽእ ዝራኣያ ኣውቶቡስ ተበገሰ።
ሰመረ’ውን ምስ’ቶም ድሮ ከካብ ዝነበርዎ ተንቀሳቒሶም ናብ’ታ ልጓማ እናሓዘት ናህራ ኣዝሒላ ድምጺ መረረ እናስመዐት ኣብ ቦታኣ ደው ዝበለት ኣውቶቡስ ገዛውቱ ጐዩ እናተደፋፈአ ደየበ። ኣውቶቡስ ከም ሳርዲን ተዓሺጋ ተበገሰት። ኣብ ውሽጣ ከኣ እቲ ኣዘውቲሩ ዘይስእኖ ናይ እንካን ሃባን ዳእላን ተረካብ ዘረባን’ዩ ዓሚሩ ጸኒሕዎ፣ ሰመረ ኣይጸልኦን።
በጃኹም ቲኬት እናሓዝኩም ቅረቡ። ኣሎ ቦታ። ንማላእዮም። ንስኻ ብዓል ጸሊም ጃኬት። እወ ንስኺ ዛሓፍተይ በዓልቲ ነጸላ ሰዓብዮ። ኣቦይ ዓቢ’ውን ቅረቡ መንገዲ ዓጊትኩምልና። በጃኹም ንተሓጋገዝ፡” ተሓዚት ገንዘብ’ያ ካብ ሰድያኣ ብድድ ኢላ ከተተኣናግድ ዝጀመረት።
እቶም ዓቢ ሰብኣይ ነታ ጓል ደፊኦም ነቲ ጸሊም ጃኬት ሰመረ ሓዙ’ሞ፡ ብጐድኑ ሓሊፎም ኣብ ጐድኒ ሓደ መንበር ተጸጊዖም ደው በሉ።
ደፊአካ’ዶ ዝወደይ፡” በልዎ ንሰመረ።
ድሓን ተደፋፊእካ’ዩ ኣፍውቶቡስ ምሸት።”
ኣየ’ወ ኣውቶቡስ ‘ኣኽሪያ ዓሰርተ ሒዝካ ጕያ’ ክበሃል ከሎ’ወ። ሎሚ ከኣ ምልእቲ ቅርሺ ጫሕ ኣቢልካ ከፊልካ ከይኣክል ኣራግጽ ትውዳእ፡” በሉ እቶም ዓቢ ሰብኣይ። ሰመረ ድምጾምን ገጾምን ምስ ኣላለየ ዘኪርዎም። ኣቦይ ባሻይ ገዲም ዓሚል ኣውቶቡስ እዮም። ብፍላይ ኣብ ከምዛ ሰዓት’ዚኣ ምስ ሰመረ ብዙሕ ግዜ ብሓባር ተራኺቦም ኣለዉ። እንተ ንሱ ዘኪርዎም፣ ንሶም ግን ኣዒንቲ ግዲ ክሕዛ ጀሚረን ዘላልይዎ ኣይመስሉን። ናብቲ ወዝቢ ዘበገስዎ ዘረባ’ዮም ኣትዮም።
ኣየወ ጥዑም ከይበልካዮ ጥዑም ይሓልፍ!”
እሞ ዘይባዕልኹም ዝደየብኩም መንዶ ወጢጡ ሰቒልኩም’ዩ ወሪዱና’ዶ፡” በለት እታ ተሓዚት ገንዘብ ብሸነኽ ድሕሪት።
ምውጣጥ ዳኣ ከመይ ጌርኪ፣ ዓዲ ሕጊ’ኮ እዩ።”
እሞ እንታይዳኣ፧ ወይስ ከተዛርቡና ኢኹም ደሊኹም፧ ሆሆሆ፡” በለት ሰሓቕ ዝሰዓራ ክትመስል።
ኣይፋለይ፡ እቲ ነገሩ’ምበር ገሪሙኒ። ኵሉ ነገሩ ስጊንጢር ኰይኑ። ነገርያ ግርንቢጥስ ማይ ንዓቐብ ይብሉ ቀዳሞት እህም!”
ሰመረ ዘረባ ኣቦይ ባሻይ ፍሽኽ ኣበሎ፣ ነቲ ቅድሚ ሕጂ በቲ ተረካብ ዘረባኦም እናሰሓቐን እናተዛነየን ዝተጓዕዞ ኣጋጥእሚታት ዘከረ’ሞ ከምታ ናይ ቅድሚ ሕጂ ጥዑም ዕላሎም እንተቐጸሉ ብምባል፤ “ኤበ! ግዜ’ዩ፡” በሎም ናብኦም እናጠመተ።
ግዜ’ዶ ኢልካ። ግዜ ወሪድዎ። ከም ቀደሙ’ዩ ዘሎ ሰብ’ዩ ግርንቢጥ ዝገላበጥ ዘሎ።”
ከመይ’ሉ፧”
ከመይዶ፧ ከምዛ ትርእያ’ምበርኵሉ ስግንጢር ኰይኑ እናራኣኻዮ፧ በልስኪ ናብ ርሑቕ ከይከድና እቲ ቀደም ፎቶሪኖ እናዞረ’ዩ ኣብ መመንበርና ኮፍ ኢልና ከለና ብስነስርዓት ዘኽፍለና ዝነበረ። ሎሚ ከኣ እነሀልካ ኣወዳት ተሪፎም ኣዋልድ ተቐይረን። ምስኡ ከኣ ኦፊቾ ገይርኩም ተሐንቁቑወን። ብኾፈን ቅረቡ’ባ ሕለፉባ ክብላና ኣራግጽ ተወዲእና፡” ምስበሉ ሰሓቕ ተሳፈርቲ ንኣውቱቡስ መንቀሊ ረኸበ። በቲ ድምጺ ሰሓቕ ዝተበራበረት ተሓዚት ገንዘብ’ውን ስርሓ ኣመንጕያ፤
እንታይ በልኩም ኣቦይ ባሻይ፧ እስከ ድገሙዋ፡” በለት ዋዛ ዝተበረሃ ክትመስል። ኣቦይ ባሻይ ኣይሰምዑዋን። ንሰመረ እናራኣዩ ዝጀመርዎ ዕላል’ዮም ዝቕጽሉ ዝነበሩ። ንሰመረ ሓደ ካብቲ ብኣውቶቡስ ምኻድ ዘይጸልኦ እዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ዋዛን ዳእላን ኣጋጣሚታ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ጐድኒቶም ሰብኣይ ደው ኢሉ ብየማናይ ኢዱ ንጥርዚ ዝተኸፍተ መስኮት ሒዙ ነቶም ዝሸየበ ጭሕሞም ዘዘገፉ ኣቦይ ባሻይ ተመሲጡ ይሰምዖም ነበረ።
ናይ ግዜ ካብ ኣምጻእካ፡ ናይ ቀደም መንእሰይ ኣብ ብርኩ ዘተንፍስ‘ዩ ዝነበረ፣ ሎሚ ከኣ ገና ከይተወለድኩም ካብ ኣፍደገ ገዛኹም ማኪና ትጽበዩ። ምዃን ሓቅኹም ጠስሚ’ዶ መዓር ረኺብኩም። ወላ እንተ ረኸምኩም’ውን እቲ ጠቕሙ ኣበይ ኢልኩምዎ። ጐይኹም ናብ’ዛ ማይ ምእላኽ’ዩ ዝቐለኩም። እምበር ከክንዳኹም ከለናስ ነዚ ጠስሚ፡ ነዚ ጻባ፡ ወለለል ዝብል ጻዕዳ ማዓር’የ ዝብለካ ከምሕሱም ንሰትዮ ዝነበርና። ሽዑ ግደፎ መን ኣውደቐ ንሓድሕድና ንቃለስ፣ እዚ ቀላጽምና ታህታህ’ዩ ዝብለልካ። ግደፎ ኣይተዘክርኒ! ናይ ሎሚ መንእሰያት ድኣ ገና ብግስ ከይበልኩም በቲ ናይ ጥምቀትኩም ኣረቂ እንዲኹም ትጅምሩ መስተ፡” ቀጸሉ ኣቦ ባሻይ።
እቲ ሃንደበት ካብ መራሒታ ኣውቶቡስ ብቐጥታ ብመጕልሕድምጺ ዝተፈነወ “እስከ ማእከሎት ቅርብርብ በሉ…..ትወርዱ ንቕድሚት ኣብሉ፡” ዝብል መዘኻኸሪ ንዕላሎም ገትኦ። ኣውቶቡስ’ውን ናህራ ኣጕዲላ ተጸጊዓ ደው በለት። ውሑዳት ወሪዶም። ብርክት ዝበሉ ደየቡ፣ ሰመረ ምስ ምብጋስ ናይታ ኣውቶቡስ ንዕላል ኣቦይ ባሻይ ዳግም እንተ ተበራበር ብምባል፤
ትምህርቲ ግን ከምዚ ናይ ሕጂ ኣይኮነን፡ ሓቀይ፧ ዳርጋ ኣይነበረን፡” በለ።
ሓቅኻ ወረቐት ሒዝካ ትምህርቲ ኣይነበረን። ልቦናን ሽሻይን ግን ነይሩ፣ ምስኡ ከኣ ልግስን ፍቕርን። ሎሚ ከኣ ንራኣዩልናቲ ወረቓቕቲን እቲ ሊቅነትን፣ እቲ ስስዐ፡ እቲ ትዕቢትን እቲ ሸብዳዕዳዕን ከኣ እነሀልካዳእሲ መኻይድቱ ኰይኑ፣ ምህሮን ወረቐትን ክንዲ ዝበዝሐስ ክንድዚ ለኻዕካዕዶ ምገደደ ወደይ! ዓድኻን ባህልኻን ምንዓቕ’ከ እንታይ ኣፍረዬ በለኒ፧” ኣስተንትኖ መደረ እምበር ሓቲቶም መልሲ ክረኽቡ ኢሎም ኣይነበሩን።
እንታይ ኣምጺእዎ፡” ሰመረ ሱቕ ካብ ዝብል ገለ ክብል ብምባል መለሰ።
ስሰዐን ትዕቢትን። ትዕቢትከ ናበይ በለኒ፧”
ናበይ፧”
ናብ ፍዅሰትን ቅለትን ግዲ። በል ስማዕ… ቅድሚ ዝኣገረ ሰብ ኰይኑ ልቦናን ትሕትናን ኣኽብሮትን‘ዩ ካብ ገዝኡ ከጽንዕ ዘለዎ፣ ፈለማ ምህሮ ካብ ለባማት’ምበር ካብ ወረቓቕቲ ጥራይ በበሊዖም ዘላግጹ ኪኸውን ኣይግባእን። ምንታይ በል።”
ንምንታይ፧” በለ ሰመረ፡ ካብ ሱቕ ምባል ገለ ገዛ ዘብጽሖ ዕላል ብምምራጽ፣ እምበር ኣብ ዝኸዶ ሰብ ልቦና መሲሎም ባዕላቶም ንዘይገብሩዎ ነገራት ዝምዕዱስ በዚሖሞ ነይሮም እዮም።
ምህሮ ቅድሚ ንሓንጎል ንልቢ ስለ ዘድልዮ፣ ስለዚ ልቢ ብጻዕዳኡ ገና ኣብ ሕቝፊ ኣደ ፍቕርን ርህራሀን፡ ብስለትን ትሕትናን ካብ መዕበያኻዩ ዝቕሰም። ብድሕሪኡዩ ነቲ እዋኑ ዘዘምጸኦ ናይ ወረቐት ትምህርቲ ዝውሰኽ።”
ሕጂ’ውን ብሸነኽ ድሕሪት፡ ተቐራረቡ፡ ትኬት ዘይሓዝኩም ከኣ ሕዝሕዝ ኣብሉዝብል ድምጺ ተሰምዐ። ቀጺሉ፡ ኣንቱም ሰብኣይ ግደፉናን’ዶ ዘረባ ንዓኹም ክሰምዑ’ኮዮም ምቅርራብ ኣብዮምና ዘለዉ፣ ወደይ ንስኻ ቅርብ በል፡” ዝብል ተወሰኾ። እታ ተሓዚት ገንዘብ ዘይኰነት፡ ካልእ ብዓልቲ ቀጠልያ ናይ ስራሕ ክዳን ዝወደየት ተቘጻጻሪትያ ነይራ። ብመንጎ ተሳፈርቲ ቦሎኽ ኢለን ዝወጻ ኣዒንታ ምስ ናይ ሰመረ ተጋጨዋ’ሞ ኣእዳዋ ናብቲ ጸሊም እጅገ ጃኬቱ ሰዲዳ ንኽቐርብ ንማለቱ ሰሓበቶ፣ ንሱ’ውን ኣይተገደሰላን። ተጻጊማ ተጸጊዓቶ ንቕድሚት ሓለፈቶሞ፤
ኣንታ ቍሩብ ሕልና ዘይትገብሩ ተንሲእኩም ኮፍ ዘይተብልዎም ነዞም ሰብኣይ፡” በለት ናብቶም ኣብ ሓንቲ መንበር ተሓቛቒፎም ኮፍ ዝበሉ መንእሰያት ብዓይና እናገንሐት። እቶም መንእሰያት ንሕድሕዶም ተጠማመቱ’ሞ ነቲ ሕቖኡ ሂቡዎም ብዕላል ኣቦይ ባሻይ ተመሲጡ ዝነበረ ሰመረ ደፋፊኦም ተንስኡ። ሰመረ በተግ ኢሉ ንኸሕልፎም ቍሊሕ ክብል ከሎ፡ ኣቦይ ባሻይ “ተባረኹ ዞም ደቀይ” እናበሉ ናብታ መንበር ሓሊፎም ኮፍ በሉ። ሰመረ ደው ኢሉላ ዝነበረት ቦታ በቶም መንእሰያት ስለ ዝተታሕዘት ንዕኦም ሕቖኡ ሂቡ ንቕድሚት ክቐርብ‘ዩ ተገዲዱ።
ኣብ’ዛ ትስዕብ ፌርማታ’ዶ ንውረድ፧” ሓተተ እቲ ጸሊም ቀጢን ወዲ ኣብ መጸበዪ ኣውቶቡስ ምስ ካልኣዩ ዘዕልል ዝነበረ።
ንውረድ እንተ ኢልካ ድኣ ንውረድ ሕራይ፡” በለቲ ካልኣዩ። ንኽወርዱ ድማ መሊሶም ተደፋፍኡ። ሰመረ ነቲ ጫማ ናይቲ መንእሰይ ዝዓለቦ እግሩ ሰሓቦ።
ዋእ ቀስ’ባ በል ሓውና ጨፍሊቕካና’ኮ፡” በለ ተጸዊጉ።
ሶሪ ኣይራናካን ነብሲ፡” በለ ቀዳማይ መንእሰይ።
የጋጥም’ዩ ነብሲ እንታይ ድኣ ኰይንካ፧” ወሰኸ’ቲ ካልኣይ።
ንዓኻ መን ተዛሪቡካ ጥራይ ስቕ ኢልካ ሕለፍ፡” በለ ሰመረ ነቲ ቀዳማይ ኣትኲሩ እናጠመተ።
መዓለሽ ነብሲ ኣይትሓዘሉ ሽወያ ሸሪቡ’ሎ፡” እናበለ እቲ ቀዳማይ ናብ ማዕጾ ገጹ ንኽሓልፍ ፍሕትሕት በለ።
ሰመረ ቅጭ ዝመጾ ክመስል ገጹ ናብ ኣቦይ ባሻይ ጠውዩ ብዕምቈት ኣስተንፈሰ።
እዛ ሳንጣኹም ስሓቡዋ ኣቦይ ባሻይ፣ ከይትርገጸኩም፡” በሎም።
ኮላጅ ብዮሴፍ ኣብርሃ
በቲ ጅማውቲ ዝዓብለሎ ኢዶም ስሒቦም ኣብ መንጎ ኣእጋሮም እናቐርቀሩ ድማ፤ “ሓቅኻ ዝወደይ ሽላ’ሎ ቆሊባ’ሎ። ጥንቅቕ ምባል’ያ ተዋጽእ፡” በሉ። ሰመረ ሃንደበት ስንባደ ንመላእ ነብሱ ተዘዝ ከብሎ ተፈለጦ። ሰጋእ በለ’ሞ ኣዒንቱ ናብቶም መንእሰያት ወርወረን። ድሮ ኪንዮ’ቶም ተጨቓጪቖም ክሳብ ቀዳማይ ማዕጾ ዝተሰጋሰጉ ተሳፈርቲ ደው ኢሎም ንኽወርዱ ይቀራረቡ ነበሩ። እቲ ቀዳማይ መንእሰይ ብመንጎ ኣራእስ ተሳፈርቲ ንድሕሪት ገጹ ቍሊሕ ክብል ከሎ ግን ኣዒንቲ ሰመረ ቆብ ኣበላኦ። ሽዑ ከኣ’ዩ ሰመረ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ዳሕረዋይ ጁባ ስረኡ ሃሰስ ዝበለ። ንቕጽበት ከኣ፤
ሓንሳብ…ማዕጾ ከይትኸፍት …ኣጸጊዕካ ደው ኣብላ፡” ክብል ዝተጣረዐ።
ኣውቶቡስ ብዋጭዋጭን ዕግርግርን ክትጕባእ ግዜ ኣይወሰደላን። ሰመረ ንቕድሚት ገጹ እናተደፋፈአ ናብ ቅድሚት ኪኸይድ እንከሎ። እታ ኣውቶቡስ ድሮ ኣብ ደው መበሊ በጺሓ ብምንባራ ኣብ ምጽጋዓ’ያ ነይራ። ጥርዓን ሰመረ ዘይበጽሖ ኣውቲስታ ድሕሪ ልጓም ምሓዝ ማዕጾ ከፊቱ ሰዓቱ እናራኣየ ኣብ ምውላዕ ራድዮ ኣተወ።
ኣውቲስታ ማዕጾ ከይትኸፍት…” እናበለ ኣብ ኣፍፌት ዝተጸገዐ ሰመረ፡ ነቲ ሓደ ካብቶም ክልተ መንእሰያት ብድሕሪኡ ለቀብ ኣበሎ። እቲ መንእሰይ ንገጽ ሰመረ ርእዩ እናቕባሕበሐ፡ ፈጠጠጥ በለ። ሰመረ ኣየላበዎን፡ ጉንዲ እዝኑ እናለኸዐ ካብታ ኣውቶቡስ ኣውረዶ። ካልኦት ተሳፈርቲ’ውን ሰዓቡዎም።
ተምጽኣ ዲኻ ኣይተምጽኣን፧”
እንታይ’የ ዘምጽኣ፧” በለ ራዕዲ ሒዝዎ እናተኸላኸለ።
ፖርቶፎሊዮይ ሰሪቕካኒ’ለኻ። ከይተበላሸኻ ከለኻ ምለሳ፡” ነደረ ሰመረ።
መን ኣታ፧ ኣነ፧ ፈትሽ ተደሊኻ…” እናበለ ንላዕላይን ታሕታይን ጁባታት ኣልባሳቱ እናገላበጠ ከርእዮ ጀመረ ብምትእምማን።
ኣበይ ኣሎ እቲ ካልኣይካ ንዕኡ ኣስጊርካሉ ኣለኻ ኣይገድፈካን’የ፡” መሊሱ ብኽሳዱ ከረው ኣቢሉ ብምሓዝ ነውነዎ።
በጃኻ ክፉእ ከይተርእየና… እንተ ደሊኻ ናብ ሕጊ ውሰዶ፡” በላ ሓንቲ ኣደ።
ሰመረ ነቲ መንእሰይ ብጃኬቱ እናጐተተ ናብ ሕጊ ክወስዶ ኪብገስ እንከሎ፡ ሓንቲ መንእሰይ ናብ ሰመረ ቅርብ ኢላ ሕሹኽ በለቶ። ነቲ መንእሰይ እናጐተተ፤ “ኣበይ ኣሎ፧“ በለ ግር ኢልዎ።
ኣብኣ ኪድ ጕየ ከይተበገሰት ከላ።”
ሰመረ ናብታ ተሳፈርታ ኣውሪዳ ኣብ ምብጋስ ዝነበረት ኣውቶቡስ ደው ንኽትብል ኣእዳዉ ብዝዘርገሐን ቀዳማይን ዳሕረዋይን ማዕጾታት ብኡንብኡ ተኸፍተ።
ኣይተሓዘልና ኣይ ብዋጭዋጭ’ንድዩ ልብና ጠፊኡና ዘይሰማዕናካ። እንቛዕ ሓዝካዮ።” በለ ኣውቲስታ ንጥርዓን ሰመረ ብዘይ ምስምዑ ይቕሬታ እናሓተተ፣ ሰመረ መልሲ ክህብ ግዜ ኣይነበሮን። ነቲ መንእሰይ እናጐተተ ኣደይቡ ንድሕሪት ገጹ’ዩ ኣቋሚቱ። እቲ ኣብ ጥቓ ኣቦይ ባሻይ ዝነበረ ካልኣይ መንእሰይ ዓርኩ ብሰመረ እናተሳሕበ ናብኡ ገጹ ክመጽእ ምስራኣየ ከመቕጽበት ብዳሕርዋይ ማዕጾ ንምውጽእ ፈንጠሰ። ሰመረ ነቲ ቀዳማይ ገዲፉ ናብቲ ካልኣይ ጐየየ፣ ኣብ ማእከል ኣውቶቡስ ዕግርግር ደገሰ፣ ስኣን ኣድህቦ ተሳፈርቲ’በር እቲ ካልኣይ መንእሰይ ምተታሕዘ ነይሩ፣ ፎቶሪኖ ዝላኣኸቶ ኣእዳው’ውን ጃኬት ናይቲ መንእሰይ ጥራይ ሒዙ’ዩ ተሪፉ፣ እቲ ሓዞሓዞ ኣየድመዐን። እቲ ቀዳማይ ብማእከላይ እቲ ካልኣይውን ብዳሕረዋይ ማዕጾ መሊቘም በረሩ። ሰመረ ርእሱ ብመስኮት ኣቐልቂሉ፡ ”ሓዞሓዞ…” እኳ እንተበለ ኣይተዓወተን።
ድሓን ኣብዛ ጃኬቱ ታሴራኡ ረኺብና ኣለና ኣየምልጡናን’ዩም በዛ ኣድራሻኡ ክንረኽቦ ኢና። ሕጂ ንኺድ ነዞም ሰባት ነብጻሓዮም’ሞ። ንስኻ ከኣ ኣድራሻኻ ግደፈልና ናባና ግደፎ።” በለት ተቘጻጻሪት ነቲ ኣብ ቅድሚ ተሓዚት ገንዘብን ተዓዘብትን ዝፈተሸቶ ጃኬት ኣንጠልጢላ ንሰመረ እናራኣየት። ኣውቶቡስ እንተ ተበገሰትኳ ልቢ ሰመረ ግን ኣብታ መጸበዪት ኣውቶቡስ ተረፈት፣ ኣብ ጥቓ ኣቦይ ባሻይ ኣብ ዝነበረት መንበር ምስ ዝኑብ ልቡ ኮፍ በለ።
ኣቦይ ባሻይ ኵሉ ነገሩ ኣርሚምዎም ፈዚዞም ከምዘይ ጸንሑ ክርትም ኢሎም ሰሓቑ።
መንእሰይስ ምሰርሐ፡ ምለፈዐ’ምበር ምሰረቐ’ዶ….፧” እናበሉ ናብቲ ብሕርቃን ዝነደረ ገጽ ሰመረ ረኣዩ።
ኣጆኻ ሰራቒ ናብ ዘብሎ የብሉን ግዲ የብልካን መዋረዲኡ’ዩ። እንተ ገንዘብ ሓላል ግን ወላ ሓዊ እውን ኣይበልዖን’ዩ፡እናበሉ ከጸናንዑዎ ጸኒሖም መሬት ጸልሚቱ ብምንባሩ እታ ዝወርዱላ ቦታ ሓሊፎማ ከይኰኑ ኣጣየቑ።
ኣቦይ ባሻይ ኣይትእረጉ’ባ ወይስ ጸልማት ኰይኑኩምዩ… በሉ ድሕሪ’ዛ ፌርማታ ሓንቲ ክትተርፈኩም’ያ፡” በለቶም ተሓዚት ገንዘብ ምቕልል ኢላ።
ሐራይ’ዛ ጓለይ… ኣንታዘን ፈቶሪኖ ሎምዘበንባ ንፉዓትየን። በላ ንስኽንሲ እንቋዕ ኦፊቾ ኣትሓዙኽን። ተባረኻ፡” ኣመት ስንጣኦምን በትሮምን ንምግባር ድንን በሉ።
ሰመረ’ውን እታ ዝወርደላ ቦታ ስለ ዝኣኸለት ካብ ናይ ካምቻ ጁባኡ ቢሮ ካብ ናይ ጃኬቱ ድማ ዘቝረጻ ቲኬት ኣውጺኡ፡ ስሙን ቍጽሪ ስልኩን ክጽሕፍ ተዋደደ። እታ ኣውቶቡስ ደው ምስበለትሉ ቢሮኡ ተኸለ። ጸሓፈ’ሞ ነታ ቀጠልያ ቲኬት ንኣውቲስታ ምስናይ ቃል ለበዋኡ ኣረከቦ።
እሞ ጽባሕ ክሓትትየ… ሓደራ፡” ወረደ ሰመረ ቅዛነት ተጻዒንዎ ነታ ፍርቂ ደሞዙ ዝሓዘት ቦርሳኡ ኣጥፊኣ ንዕላል ኣቦይ ባሻይ ተሰኪማ ዝተበገሰት ኣውቶቡስ ቀው ኢሉ ክሳብ ትርሕቕ እናጠመታ።
ኤበ!” በለ ብጓሂ። ናብ መንገዲ ገዝኡ ዝወስድ ቀጥ ዝበለ ጽርጊያ ሒዙ ነዊሕ ምስ ሰጐመ፡ ሓደ ብዓል ብሽግሌታ መንእሰይ ኣርኪቡ ደው ኣበሎሞ፤
ነብሲ፡ ሓንቲ ጓል ኣብቲ ጥቓ ፌርማታ ትደሃየካ’ላ፡” ኢልዎ መልሲ ከይተጸበየ ምልስ ኢሉ ተዓዝረ። ሰመረ ገሪምዎ ዝብሎኳ እንተ ጠፈኦ፡ ናብቲ ዝተባህሎ ኣንፈት ድማ ተመልሰ።
እታ ተቘጻጻሪት ክትኰነሉ ድማ ተመነየ። ናብታ ፌርማታ ከይበጽሐ ግን፤ “ኣታ ሓወይ መንዩ ስምካ፧” ዝብል ድምጺ ካብ ዘይተጸበያ ጓል ሰሚዑ፡ ናብኡ ገጻ ብናህሪ እናሰጐመት ምስ ቀረበቶ ከኣ እታ ኣብ መንጎ’ቲ ዕግርግር ናብኡ ጽግዕ ኢላ ሕሹኽ ዝበለቶ ጐርዞ ምዃና ኣይሰሓታን። እናጐየየት ከምዘርከበቶ ካብ ኣተነፋፍሳኣ ገሚቱ፤
እቶም ኣወዳት…”
ኢሂ’ሞ ቶም ኣወዳት፧”
ኣሕ እታ ኣውቶቡስ ከኣ ከይዳ… ኦሮማይ፡” እናኣተንፈሰት።
እንታይ ትብሊ ኣለኺ፧ ኣይተረዳኣንን።”
እቲ ሽዑ’ኳ ነጊረካየ ወሪደ። ስለ ምንታይ ፈኒኻዮም፧”
“ኣምሊጦምኒግን ድሓን ታሴራ ናይቲ ሓደ ተታሒዙ ኣሎ።”
እምበርከ ቦርሳኻ፧”
ኣይተረኽበትን።”
ዋእ! ናይ ብልብኻ ዲኻ…” ሰሓቐት‘ታ ከደረይቲ ጐርዞ።
እሂእንታይ ድኣ ትስሕቂ፧” ተደናጊርዎ ጠመታ።
ኣይ ሽዑ ፈሪሐ’ምበር ካብ ጁባኻ ከምልቛ ከሎ ርእይ ምስ ኣበልኩዎ’ንድዩ ናብ ሳንጣ ናይ’ቶም ዘዕልሉ ዝነበሩ ዓቢ ሰብኣይ ድንን ኢሉ ውትፍ ኣቢልዋ፡” በለቶ።
ሳንጣ ኣቦይባሻይ!” ጨደረ ሰመረ።
በሊ ንኺድ ንጕየይ… ነርክቦም።” በላ ክጐዪ እናተበገሰ።
ናዓይስ’ባ ይኣኽለኒገዛይ ክኸይድ።”
ኣነ ሰመረ እበሃል… መን’ዩኸ ስምኪ፧”
ማርታ።” በለት ፍሽኽ ኢላ፣
ማርታ!”
ኣስመራ፡ 25 ነሓሰ 2007

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top