ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

ዘንጊ ሓቂ

ዓሰርተ ሓሙሸተ’ዮም ኢሎምዎም፡
ሽሕ ዕጽፍታት’ዚ ቍጽሪ ክነሶም፣
ሓመድ ተነጺፎም ተተርኢሶም እምኒ፡
ቃላቶም ዕንጋሎ ከርሲ፡ ‘ትረፍ ንእዝኒ።
ፈሊጦም፤ ስጋ ሓላፊ ስም ተራፊ፡
ንጐድኖም ክደልዩሉ ቈጽሊ መዕረፊ፡
ነታ ዘንጊ ሓቂ ክዀኑ ምርኵሳ
ብቝሊ ቅንዕናኦም ተባሂሉ ኣበሳ።
ገለ ይብሉ፡ “ኣጐምጅዩዎም ኰረሻ፣
ኣይጸሓፉን፡ ከብዲ ብትኳቦ ከሪሻ።”
ብዓል ኣደይ’ሞ መን’ዩ ዝብለን ዓሻ፧
ቍንጣሮ ባይቶ ድፉናት ኣእምሮ
ብስምና ርሂጾም ኣብቲ ቅበሮቕበሮ፡
ከም ዘይሞትና ንምግታር ጽላል ርትዒ
ቀዲምካ ምባል ‘ሓባል’ ገይሮሞ ፍትሒ።
ምስ ተበሳሰዐ ለቖታ ናይ ሓሶት ስንቂ
ክትስውድ’ያ ’ታ ዘይትስበር ዘንጊ ሓቂ፣
ክንደይ ኮን ወልደፍ ክትብልያ ሓሶት ሓዊሳ
ከም ሰገን ነብሳ ደገ፡ ቀቢራ ኣብ ሑጻ ርእሳ፧

2 ሕዳር፡ 2012

Leave a Comment

Your email address will not be published. Required fields are marked *

Scroll to Top