ዘንጊ ሓቂ

ዓሰርተ ሓሙሸተ’ዮም ኢሎምዎም፡
ሽሕ ዕጽፍታት’ዚ ቍጽሪ ክነሶም፣
ሓመድ ተነጺፎም ተተርኢሶም እምኒ፡
ቃላቶም ዕንጋሎ ከርሲ፡ ‘ትረፍ ንእዝኒ።
ፈሊጦም፤ ስጋ ሓላፊ ስም ተራፊ፡
ንጐድኖም ክደልዩሉ ቈጽሊ መዕረፊ፡
ነታ ዘንጊ ሓቂ ክዀኑ ምርኵሳ
ብቝሊ ቅንዕናኦም ተባሂሉ ኣበሳ።
ገለ ይብሉ፡ “ኣጐምጅዩዎም ኰረሻ፣
ኣይጸሓፉን፡ ከብዲ ብትኳቦ ከሪሻ።”
ብዓል ኣደይ’ሞ መን’ዩ ዝብለን ዓሻ፧
ቍንጣሮ ባይቶ ድፉናት ኣእምሮ
ብስምና ርሂጾም ኣብቲ ቅበሮቕበሮ፡
ከም ዘይሞትና ንምግታር ጽላል ርትዒ
ቀዲምካ ምባል ‘ሓባል’ ገይሮሞ ፍትሒ።
ምስ ተበሳሰዐ ለቖታ ናይ ሓሶት ስንቂ
ክትስውድ’ያ ’ታ ዘይትስበር ዘንጊ ሓቂ፣
ክንደይ ኮን ወልደፍ ክትብልያ ሓሶት ሓዊሳ
ከም ሰገን ነብሳ ደገ፡ ቀቢራ ኣብ ሑጻ ርእሳ፧


2 ሕዳር፡ 2012

This Post Has One Comment

  1. Excellent poem, Tedros!

    I have some questions on some phrases….what do you mean by ‘ ብቝሊ’ ? Is it the same as ቡቕሊ?

    Second one is, ‘ቅበሮ–ቕበሮ’. Why did you take ቅ in the first one but ቕ in the latter?

    Thank you in advance!

Leave a Reply

Close Menu
×
×

Cart