ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

Author name: Tedros

ፋነዋ ኣቦ

ኣቦይ ተኽለ፡ ቡን ተቘልያ ክሳዕ ካልኣይቲ እትስተ፡ ብዙሕ እዋን ካብ መንበር ተንሲኦም ንደገ ክወጹ ሃቂኖም ተመልሱ። ኣደይ ስላስ፡ ብዓልቲ ቤቶም፡ ከዕጠጥዩ ርእየን ነቲ ፋርኔሎ ተቐላጢፈን ከክንዲ ዓዀር ዝዀና ሒደት ፈሓም ወሰኻሉ። ኣብታ ብዙሕ ንጻል ዝነበራ ንእሽቶ ሸሓኒ ንቝርሲ ቡን ዝተቐረበ ነቒጹ ባርኔጣ መሲሉ ዝነበረ ጣይታ፡ ኮሮሾ ንኽኸውን ዝፈረድዎ ክመስል ክልተኦም ኣይለኸፉሉን። “ቀሪባያ… ክትባረኹ ሓንሳብ ጽንሑ፡” […]

ፋነዋ ኣቦ Read More »

“ብሌን ሂወት” – ነጸብራቕ ህይወት ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ

“ብሌን ሂወት”፣ ብያሲን ዑመር ዓሊ (ቅጫ) ተጻሒፋ ዝተኣልየት፣ ትሮንድሀዬም፡ ኖርወይ፤ ሰላም ነቢል ኣፍራዪ ፊልም፡ 2014፣ 2፡04 ደቓይቕ። “ብሌን ሂወት” እትብል ፊልም ምስ ረኣኹ ነዚ ርእይቶ’ዚ ንምጽሓፍ ዘበገሱኒ ምኽንያታት ተምሳጥ፡ ቀጨውጨው፡ ሓጐስ፡ ሕርቃን ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም። ልዕሊ’ዚኦም ምኽንያታት ግን ነዛ ፊልም ምስ መዳቕስተይ ኰይነ ስለ ዝተዓዘብኩዋ፡ ርኢና ምስ ወዳእና ካብ’ቶም ብጾተይ ሓደ፡ “ከምዚ ፊልም ክንሰርሕ ኣይምኸኣልናን፧” ዝብል

“ብሌን ሂወት” – ነጸብራቕ ህይወት ስደት ኤርትራውያን ኣብ ኤውሮጳ Read More »

“ተረፍ”፡ ህያብ ነቲ ብተመኵሮ ኲናትን ድሕረ-ኲናትን ኣብ ምሕላፍ ዝርከብ ወለዶ ኤርትራ

“ተረፍ — እኩብ ሓጺር-ዛንታታት”፣ ብኣኸደር ኣሕመዲን፣ ኣስመራ፡ ኤርትራ፤ ቤት ማሕተም ናለት፡ 2014፣ ገጻት፡ 206። ሓፈሻዊ መእተዊ “ተረፍ” ብመጋቢት 2014 ንማሕተም ዝበቕዐት ናይ ሓጸርቲ ዛንታታት እካብ እያ። ደራሲኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስነ-ጽሑፋዊ ስራሓት ኤርትራ ክነጥፍ ጸኒሑ ዘሎ ኣኸደር ኣሕመዲን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንዓወት ዝበቕዑ ሓጸርቲ ዛንታት ምጽሓፉን  ኣብ 2011 ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተመድረኸት ሓንቲ ዓባይ

“ተረፍ”፡ ህያብ ነቲ ብተመኵሮ ኲናትን ድሕረ-ኲናትን ኣብ ምሕላፍ ዝርከብ ወለዶ ኤርትራ Read More »

“ቦሪን ኰይነ… ኢንጆይ ክኸውን ደልየ”

“ኢሂ ተገባሪት… ብሰንክኺ ድቃስ ክንስእን? ንባዕልኺ ኢንጆይ ኰይንኪ ንሕና ክነንባሁቝ።” “ተዝርከብስ ንዓይ ምሓሸኒ። ኣይትደቅሲ ኢለ ድማ ኢድኪን እግርኽን ኣይኣሰርኩኽን። ኣሕልፍና ጥራይ ሕጂ… ኣብ ኣፍ ማዕጾ ኰይንኪ ጀላዕላዕ እናበልኪ ሰብ ከይተተስኢ።” “ኪዲ ኸዝዝዛብ… ምስ’ዚ ሓለንጋይ ቅዙፍ ኣምሲኺ እንተይ ከይትስእኒ።” “ካብኣ ነጢርኪ ድማ ናባይ መጺኺ ሕጂ? እንታይ ዓይነት ሰብ ኢኺ ግን?” “ምዃን ሓንቲ ፋራ እንድያ’ዚኣ። ኣብያትካ’ያ ምሽ?

“ቦሪን ኰይነ… ኢንጆይ ክኸውን ደልየ” Read More »

ንጉሰ

ወዲ እልፉ ብዓል ሓሞት ኣንበሳ ቀጺዑ ብሞት ፋረ ምስ ተተልበበ ሽዑ’ዩ ስሙ ዝሃበበ። ልእልቲ ‘ሉ ከይሓደመ ብግናዕ ኢዱ ኣናገላደመ ኣእትዩ ጓል መስፍን ድላያ ኣቢሉ ዕፍን። ብላዕ ክትብሎ ኵላ ብግዲ፤ ኢደ-ሰባር ኰይኑ ህጡር ዓውዲ ቆፎ ኣምባሂቝ ብጥልቁዕ ከብዲ፣ መዓር ኣንጠብጢቡ ኣይነፈገን ንህቢ፣ ጠስሚ ጸሪሩ እዝጊ ይሃባ ላሕሚ፣ እንታይ’ሞ… ውዒሉ’ንዶ ዓዲ! ንንጉሰ፡ ‘ቲ’ኳ ጅግና ከምኡ ዘይተወልደ፡ ጽላል

ንጉሰ Read More »

“Men’yu Tehatati?” – A Film Seeking Responsibility for Women’s Plights

Title: “Men’yu Tehatati?” (“Who’s Responsible?”) Directors: Elsa Kidane and Gizenesh Menghis Running Time: circa 1 hr. and 40 mints. I saw an advertisement about a film written and directed by a woman indicating that the director was the first woman to have explored film production in the Eritrea. Although I had seen another film directed

“Men’yu Tehatati?” – A Film Seeking Responsibility for Women’s Plights Read More »

ስምያ

ንግስቲ: ነቲ ጕዳይ መጀመርያ ኣቕሊላ’ኳ ርእያቶ እንተ ነበረት: ድሮ ጥምቀታ ዝነበረት ምሸት ግን ጭንቀት’ያ ተደሪራ። ኣብ ቀዳማይ ጥንሳ ዜርኣየቶ ኵርዓት: ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ፍጹም በኒኑ። ምስኣ ሰላምታ ኪለዋወጣ ፋዕራ ዘይነበረን ጎረባብቲ: ኣብ ሎሚ በጺሐን ሰላም ንኺብላኣ ደው ኢለን ይጽበያኣ፣ ካብ ጸጕሪ ርእሳ ክሳብ ጽፍሪ እግራ ዚጥምታኣ ኣይወሓዳን፣ ኣዒንቲ ጠመትታ ኣብ ከብዳ ኬዕርፋ ምስ ርኣየት: ኣብ

ስምያ Read More »

Scroll to Top