ኣሕታሚ እምኵሉ Emkulu Publisher

Author name: Tedros

ዘንጊ ሓቂ

፩ ዓሰርተ ሓሙሸተ’ዮም ኢሎምዎም፡ ሽሕ ዕጽፍታት’ዚ ቍጽሪ ክነሶም፣ ሓመድ ተነጺፎም ተተርኢሶም እምኒ፡ ቃላቶም ዕንጋሎ ከርሲ፡ ‘ትረፍ ንእዝኒ። ፈሊጦም፤ ስጋ ሓላፊ ስም ተራፊ፡ ንጐድኖም ክደልዩሉ ቈጽሊ መዕረፊ፡ ነታ ዘንጊ ሓቂ ክዀኑ ምርኵሳ ብቝሊ ቅንዕናኦም ተባሂሉ ኣበሳ። ፪ ገለ ይብሉ፡ “ኣጐምጅዩዎም ኰረሻ፣ ኣይጸሓፉን፡ ከብዲ ብትኳቦ ከሪሻ።” ብዓል ኣደይ’ሞ መን’ዩ ዝብለን ዓሻ፧ ፫ ቍንጣሮ ባይቶ ድፉናት ኣእምሮ ብስምና […]

ዘንጊ ሓቂ Read More »

ሓምሳ ሽሕ

ኣቶ ዘወልዲ ካብ መኪናኡ ብቕልጡፍ ወሪዱ ናብቲ መደበር ፖሊስ ብምእታው፡ ብቐጥታ ናብቲ መዝጋቢ ዕለታዊ ፍጻሜ ዝነበረ ተረኛ ፖሊስ ኣምረሐ። እቲ ፖሊስ፡ ንኽሰምዖ ድሉዎ ምስ ኰነ፡ ኣቶ ዘወልዲ መምጽኢኡ ብዝርዝር ሓበሮ፤“ሎሚ ከባቢ ሰዓት ዓሰርተ ኣቢሉ፡ መኪናይ ኣብ ከባቢ ካርቱም ሆቴል ኣብ ዝርከብ ደው መበሊ መካይን ደው ኣቢለ ክወርድ እንከለኹ፡ ክልተ ቈልዑ፡ መኪናይ ክውልውሉለይ ሓቲቶምኒ። ግዜ ስለ

ሓምሳ ሽሕ Read More »

ኣውቶቡስ ምሸት

ሰመረ ሰዓቱ እናራኣየ ናብ መጸበዪ ኣውቶቡስ በጽሐ’ሞ፡ ምስ’ቶም ናብ ገገዛኦም ክኸዱ ዝተሃወኹ ሰባት ተጸንበረ። ጻዕቂ ተጸበይቲ ምስ ረኣየ፡ እታ ኣውቶቡስ ኣመና ከም ዝደንጐየት ንምግማት ኣየጸገሞን። ኣቦይ ባሻይ፡ እቶም ገዚፍ ካቦት ምስ ኣረጊት ናይ ጎልፎ ቆቢዕ ዘዘውትሩ ዓሚል ኣውቶቡስ ነታ ዘይፈልዩዋ ናይ መሸማዕ ሳንጣኦም ኣብ መንጎ ክልተ እግሮም ቀርቂሮም በትሮም ተደጊፎም ምስ‘ቶም ተጸበይቲ ከዋግዑ ድማ ረኣዮም።

ኣውቶቡስ ምሸት Read More »

ሓደ ምቕሉል እማመ ንምምስራት ሃገረ ኣግኣዝያን

ናሁ፡ ጸሐፍኩ፡ ለኩም፡ ዘንተ፡ ጸሑፍ፡ በብዙኅ፡ አስተሐምሞ፡ ወጽሒቅ፡ ከመ፡ ይኩነኩም፡ ረባሐ። ሓደ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንጡፍ ዝዀነ ፈላጢየይ፡ “ለንቅነ ኣግኣዝያን’ያ ዓሚራ ዘላ፡ ናብኣ ከብል’የ” ክብል ሰሚዐዮ። እቲ ግልብጥ ግልብጥ ዝብል ተግባሩ፡ ነቲ ቈልዑ እንከላና በብግዜኡ ንቐያይሮ ዝነበርና ጸውታታት ኣዅድር፡ ኵዕሶ እግሪ፡ ዕንክሊል፡ ባሊና፡ ዓካት፡ ፊስካ ኣንጎሎ፡ ጥፍእ. . . ኣዘኪሩኒ። እንታይ’ያ ብልሓታ እዛ ኣግኣዝያን ዝብል

ሓደ ምቕሉል እማመ ንምምስራት ሃገረ ኣግኣዝያን Read More »

ናብራ ከልቢ

ኣነ፡ ቀዲምካ ኣብ ቈጸራ ምብጻሕ ስለ ዝፈቱ፡ ቅድም ኢለ’የ ኣብ’ታ ዝተቛጸርናላ ባር ካፕቴን ኵክ ዝበጻሕኩ። ዘወረድኩዋ ቢራ ድሮ ከማን ተፋሪቓ ነይራ። ምስቲ ደልዳላ ወዲ ባሪስታ ቍሩብ ሌላ ስለ ዝነበረና ንእሽቶ ዕላል ብምሓዝና፡ ኣይተረድኣንን ብዙሕ ከም ዝመዓጕኩላ። ጽምኢ’ውን ዘይነበረኒ ኣይኰነን፣ ኣብታ ቍሩብ-ቍራቦ ዝረኽበላ ስራሕ’ውን ድፍእ ክብልሲ ኣማስየ ነይረ እየ። “ቫ ክዩል. . . ቀዲምካኒ መጺእኻ፡ ኣነ

ናብራ ከልቢ Read More »

Scroll to Top